Västra Götalands län

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቨስትራዮትላንድ ናይ ዓይነታት ብዝሒ ዘለዋ ወረዳ እያ። ኣብኡ ናይ ሕርሻ ቦታታት፡ ዱራት፡ ቀላያት፡ ከተማታትን ፋሕ ዝበላ ዓድታትን ኣለዋ። ኣብቲ ምዕራባዊ ክፋልቲ ወረዳ ድማ ብዙሓት ደሴታት ኣለዋ።

Map of Sweden Created with Highcharts 10.2.1

ኮሙንናት ኣብ

ኮሙንናት ኣብ Västra Götalands län

ኣብ ታሕቲ እታ ብዛዕብኣ ብዝያዳ ከተንብብ ትደልያ ኮሙን ኣብ Västra Götalands län ምረጽ

ኣብኡ 49 ኮምዩናት ኣለዋ፡ ኣብ ቨስትራዮትላንድ ድማ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ሰባት ይነብሩ። ካብዚኣቶም ኣስታት 600,000 ኣብ ከባቢ ዮተቦሪ ይነብሩ።

ኩነታት መንበሪ-ኣባይቲ

ኣብ ዳርጋ ኩለን ናይቲ ወረዳ ኮምዩናት ናይ ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ሕጽረት ኣሎ። ሓደስቲ ኣባይቲ ንኽስርሑ ውጥን ኣሎ ግን እቲ ምህናጽ ምስቲ ዚውስኽ ዘሎ ናይ ህዝቢ ተራ ምሓዝ ኣይከደን። ስለዚ ከምቲ እትደልዮ መንበሪ ቤት ንምርካብ ነዊሕ ግዜ እዩ ዚወስድ፡ ብዙሓት ድማ ግዜያዊ ፍታሕ ጥራይ እዮም ዚረኽቡ።

ንግዳዊ-ንጥፈታትን ወሃብቲ-ስራሕን

ቨስትራዮትላንድ ከባቢ ናይቲ ወረዳ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ኣብዚ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ክንክንን ጥዕናን ንግድን ኢንዱስትርን ባህልን ኣከባብን ይሰርሑ። ናይ ቨስትራዮትላንድ ከባቢ ነቲ ሓባራዊ መጎዓዝያን ቱሪዝምን የመሓድሮ። ኣብቲ ናይ ቨስትራፊክ ወብሳይት ብዛዕባ ሓባራዊ ጕዕዞ ኣንብብ። ኣብ ዮተቦሪ፡ ኣብ ቤትትምህርትን ክንክን ህጻናትን ምምሕዳርን ዚሰርሑ ብዙሓት እዮም። እታ ዝዓበየት ብሕታዊት ወሃቢት ስራሕ Västsveriges hemsida እያ። ንሳ ኣብ ኩሉ ናይቲ ወረዳ ቦታታትን ናይ ምስናዕ ፋብሪካ ኣለዋ። ቨስትራዮትላንድ።

ንጥፈታት ሲቪላዊ-ማሕበራት ኣብ መዳይ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ

ኣብ ወረዳ ቨስትራ ዮትላንድ ምስ ጉዳይ ስደተኛታትን ምውህሃድን እተኣሳሰረ ንጥፈታት ዘካይዳ ብዙሓት ዓይነታት ማሕበራትን ውድባትን ኣብያተክርስትያናትን ናይ እምነት ማሕበራትን ኣለዋ። ኩሉ ሰብ ኣብቲ ሽወደናዊ ሕብረተሰብ ክካፈልን ደስ ኪብሎን ብማለት እተፈላለየ መደባት የከናውና። ንኣብነት መራኸቢ ቦታታት፡ ናይ ቋንቋ ካፈ፡ ናይ ሽወደን ቋንቋ ትምህርቲ ናይ መጽናዕቲ ሓገዝን፡ ስፖርትን ባህልን ናይ ዕረፍቲ ግዜ መዘናግዕን ብዚምልከት ይተሓባበራ። ገሊኣተን ክንክን ጥዕናን ሕጋዊ ምኽርን የበርክታ።

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይታት ኣየነየቲ ማሕበር ኣበየናይ ኮምዩን ንጥፍቲ ምዃና ንምርኣይ ናይ ማሕበራት ደብተር ኣሎ።

ኣብያተ-ትምህርታትን ትምህርትን

ኣብ ቨስትራ ዮትላንድ ብዙሓት ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ይርከባ። እታ ናይቲ ወረዳ ዝዓበየት ናይ ዮተቦሪ ዩኒቨርሲቲ 37,000 ተምሃሮን 6,000 ሰራሕተኛታትን ኣለዉዋ። ኣብ ዮተቦሪ እተፈላለየ ተክኒካዊ ስልጠናታት ዘለዎ ናይ ቻልመርስ ኮለጅ ኣሎ። ኣብ ቡሮስ ከም ናይ ሳየንሳዊ ሓበሬታን ዓለባን ስልጠና ኣሎ። ኣብ ኾቭደ ናይ ኮምፕዩተር ጸወታ ምምዕባልን ናይ ነርስነትን ስልጠናታት ኣሎ። ኣብ ትሮልሃታን ምስ ናይ ስራሕ ህይወት ዚኸይድ ስልጠና ዚህብ ኮለጅ ኣሎ።

ኣገልግሎት ጥዕና

ፍሉጥ ሕማማት፡ መቝሰልቲ ወይ ጸገማት እንተ ኣሎካ ኾይኑ ናብቲ ናይ ከባቢኻ ማእከል ክንክን ጥዕና ክትከይድ ኣሎካ። ኣብኡ ንጥዕናኻ ንምምሕያሽ ምኽሪን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ናይ ቮርድጋይደንች1177 መርበብ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ጽቡቕ ሃበሬታ ኣሎ። ኣብ ምዕራባዊ ዮታላንድ 18 ክኢላታት ዘለወን ሆስፒታላት ኣለዋ። ኣዚኻ ምስ እትሓምም ናብ 112 ደውል። ኣብ ናይ ስኒ ሕክምናውን ብእተፈላለየ ቋንቋታ ረድኤት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ባህላውን ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታትን

ኣብ ቨስትራ ዮትላንድ እተፈላለየ ባህልታት ኣሎ። ብዙሕ ትያትራትን ኦርክሰትራትን ኣብያተመዘክርን ብዙሕ ዝበጽሖ ቤትንባብን ኣሎ። ኣብቲ ቤትንባብ ብናጻ ኢኻ መጻሕፍቲ እትልቃሕ። እቲ ተቐማጣይ ህዝቢ ብግዜ ዕረፍቱ ኣብ ማሕበራት እዩ ዚነጥፍ። ኣብ ናይ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ስፖርት ወይ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ማሕበራት ኣባል ምዃን ልሙድ እዩ። ኩሉ ኣብ ተፈጥሮ፡ ዱር፡ ባሕርን ቀላያትን መጺኡ ኪዘናጋዕ ዕዱም እዩ። ኣብቲ ተፈጥሮ እንታይ ይፍቀድ ወይ ኣይፍቀድን ኣብቲ ናይ ሓፈሻዊ መሰላት ተዘርዚሩ ኣሎ።