Alingsås

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ኣሊንግሶስ፡ ኣስታት 41000 ተቐማጦ ኣለዋ። ብእስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣ ዝተደረኽእ ዕብየት ተቐማጦ ናይ’ዛ ከተማ፡ ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ መስርሕ ክትጽመድ ጌርዋ እዩ። ተለዊጣ ማለት ግን፡ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ’ዛ ከተማ ተደምሲሱ ወይ ብሓድሽ ተተኪኡ ማለት ኣይኮነን። ንሕሉፍ ታሪኽ ናይ’ዛ ከተማ ዘዘኻኽር ነገራት ውን ኣብ ቦትኡ ይርከብ። እቲ ኣብዝዛ ከተማ ዝርከብ፡ ናይ 17ን 18ን ክፍለ-ዘመን መጣሕንትን እቲ ብዕንጨት ዝተሰርሐ ህንጻታት ክሳብ ሕጂ ተዓቂቡ ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እሊንግሶስ ከም ከተማ፡ ብዝሰንኪ እተን ኣብታ ከተማ ዝርከብው ሓየለይ እንዳ-ሻሂታት፡ ከተማ እንዳ-ሻሂ፡ ተባሂላ እያ ትፍለጥ። ብዜካ'ዚ፡ ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዛ እታ ከተማ፡ ከም ከተማ ብርሃን ውን ትፍለጥ። ነቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ብላትይስ ዝፍለጥ ቦታ፡ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ጥራይ፡ ኣስታት 70000 በጻሕቲ ኣለዎ። እዚ ማእከል'ዚ ኣብ ሰሜን ኣውሮጳ ዝዓበየ ማእከል መፈተኒ ናይቲ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ምግጠም መብራህቲ ይርከባ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ ንመንበሪ-ኣባይቲን ትካላት ክራይ- ኣባይትን ዝምልከት ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎ። እታ ዝዓበየት ትካል፡ ኣሊንግሶስ ሄም እያ። ከምኡ'ውን ናይ ግሊ ትካላት ኣሎዋ። እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ሰፊሕን ጥቓ ተፈጥሮን ወይ ኣብ ጸቢብን ኣብ ማእከል ከተማን - ወይ ብኣንጻሩ ንኽቕመጡ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም። ንዅሉ ሰብ ዝሰማማዕ ዕድል ኣሎ! ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ ንመብዛሕትኦም ነበርቲ ኩሉ ንመዓልታዊ ኣድላዪ ዝበሃል ነገራት ኣብ ቀረባ እዩ፡ ከም ስራሕ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ ተፈጥሮ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያን ። እንተኾነ ግዳ ናይ ክራይ ገዛ ምክራይ ዕድል ንምርካብ ኣብ ናይ ኣሊንግሶስ ሄም ንከባቢ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሪጋ ክትጸንሕ ኣሎካ።

ከም ሓደስቲ ስደተኛታት ናብ ከተማ ኣሊንግሶስ ድሕሪ ምምጻእኩም፡ ተቀባሊ ስደተኛታት ተቐቢሉ እቲ ዝረኽእብኩሞ ወይ ዝተዋህበኩም ገዛ የርእየኩም። ኣብ ገለ-ገለ እዋናት፡ ቀዋሚ ኣቍሑ-ገዛ ዘይብሉ ገዛ ክወሃበኩም ይኽእል። ኣብ ገለ እዋናት ውን፡ ድሒርኩም እትገድፍዎ፡ ግዝያዊ መንበሪ-ገዛ ክወሃበኩም ይኽእል። ግዝያዊ መንበሪ-ገዛ ወትሩ ምስ ኣቕሑኡ እዩ ዝጸንሓኩም።

ናብ ከተማ ኣሊንግሶስ ባዕልኹም ዝመጻእኩም ምስ እትኾኑ፡ ገዛ ኣብ ምሃብ ክንተሓባበረኩም ኣይንኽእልን ኢና። ቤት-ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ክንክን-ቆልዑን ዝኣመሰለ ግን፡ ከም ሰብኩም ክትግልገሉ ዝኽልክለኩም ሰብ የለን።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ስጳኛ፡ ስዋሂሊ፡ ሊንጋላ፡ ዓረበኛ፡ ኢራነኛ፡ ራሻ፡ ዳሪ፡ ኦሮሞ፡ ትግሪኛ፡ ፈረንሳይ፡ እንግሊዝኛ፡ ጀርመን፡ ኣልባንያን ሰርብያን፡ ይረከቦም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ኣስታት 350 ማሕበራት ይርከባ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ መዳያት፡ ሙዚቓ፡ ስፖርት፡ ዑደት ወይ ዙረት፡ ባህሊ፡ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን፡ ህዝባዊ ርእይቶታት ከምኡን ንጥሮተኛታት ዝሓቁፍ ንጥፈታት ኣለወን። ማሕበር ክንብል እንከለና፡ ኣባላትን መርሕነትን ዘለዎ ምትእኽኻብ ናይ ሰባት ማለት'ና፡ እዩ። ንጥፈታት ማሕበራት ኣብ ረብሓ ዝተሰረተ ኣይኮነን።

ንጡፍ ማሕበራዊ ንጥፈታት፡ ንውልቀ-ሰባት ይኹን ንምምሕዳር ከተማ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንኣካልን ንመንፈስን ውን ምንቕስቓስ ማሕበራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ በተን፡ ማሕበራት ዝእለ ንጥፈታት ንዓበይትን ነኣሽቱን ዝሓወሰ፡ ክልቲኦም ጾታታትን፡ ማሕበራዊ-ጉጅሌታትን ዝጥርንፍን እዩ። ምሕንባስ-ቆልዑ፡ ትምህርቲ ምኽሻን መግቢን ካልእን ገለ ካብ ንጥፈታት ናይዘን ማሕበራት እየን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምሉእ ምምሕዳር ከተማ ኣሊግሶስ፡ ቤት-ንባብ፡ ድኳናት፡ ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት መንግስቲ ወዘተ ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ፡ 30 መንግስታዊ መውዓሊ-ህጻናት ይርከባ። እዚ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ መውዓሊ-ህጻናት ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 1 ክሳብ 5 ዘለዉ ህጻናት ዝቐንዐ እዩ። ብዜካ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ዝቐንዓ 10 ናይ መውዓሊ-ህጻናት ማእከላት ውን ኣለዋ።

ብዜካ'ዘን ዝተጠቕሳ መውዓሊ-ህጻናት፡ ሓፈሻዊ መውዓሊ-ህጻናትን ክፉት መወዓሊ-ህጻናትን ኣለዋ። እቶ ብሓፈሻዊ መውዓሊ-ህጻናት ዝፍለጥ፡ ብመንግስቲ ዝመሓደ ማእከል፡ ነቶም ካብ 3 ክሳብ 5 ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት ኣገልግሎት ክንክን፡ ይህብ። እቲ ብኽፉት መውዓሊ-ህጻናት ዝፍለጥ መእከል ከኣ፡ መራኸቢ 1 ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ወለድን እዩ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣልስትሮመርጅይምናስየት ኣስታት 12 መደባት-ትምህርቲ፡ ምስ ብቑዕ ኣዳራሻት፡ ክኢላታት መማህራን ከምኡ'ውን ኣዳራሽ መመገቢ፡ ኣዳራሽ ስፖርት፡ ኦዲቶርዩምን ካልኦት መኣከቢ ኣዳራሻትን ዝውንን ሓደ ዓቢ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዓመት ምርኢታትን ኣንጸባራቒ መደምደምታን ዝሓትት ብዙሕ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ዘለዎ ሓደ ቤት ትምህርቲ ትፈቱ'ዶ? እምበኣር ንዓኻ ኣልስትሮመርጅይምናስየት እቲ ልኽዕ ካልኣይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ እዩ። ኣብዚ ኵሉ ካብ ንትምህርቲ ዝቐራርቡ መደባት-ትምህርቲ፡ ሓደ ናይ ኣከባቢ ናይ ስፖርት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ናይ ሞያ መደብ ትምህርቲ ኣሎ።

እዚ ቤት ትምህርቲ እቶም ተምሃሮ ኣብቲ ናይ ሓጋይ ጸልማት እዋን ብዘይ ነዊሕ ጕዕዞ፡ ብእግሮም፡ ብብሽክለታ ክኸድዎ፡ ኣውቶቡስ ወይ እታ ናይ ኣከባቢ ባቡር ምድሪ ክወስድሉ ኣብ ዝኽእሉ ስትራተጂካዊ ቦታ ተደኵኑ ይርከብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ዕድላት ትምህርቲ

መላለዪ ምስ ሕብረተ

ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ፡ ኣማስያኡ ትኣትዎ ክፍሊት ዘይክፈሎ ትምህርቲ እዩ። እቲ ትምህርቲ ትሕዝቶ ናይ ከም ብዛዕባ ሕብረተሰብ፡ ክንክን ጥዕና፡ ሕግታት፡ መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ልምድታት፡ ትምህርትን ወዘተን ኣሎዎ። እዚ ትምህርቲ ኣብ ዮተቦርግ ብምትሕብባር ምስ ዞባ ዮተቦርግ (GR) ይወሃብ። ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ብቋንቋ ኣዴኻ ክትምሃሮ ኢኻ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ኣሊንግሶስ ማእከላት ክንክን ጥዕናን ክሊኒካት-ስኒን ኣሎ። ከምኡ'ውን እቲ ዳርጋ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ ናይ ኣሊንግሶስ ሆስፒታል ኣሎና። ንኸበድቲ ናይ ጥዕና ጸገማት መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ናብ ናይ ቦሮስ ሆስፒታል እዩ ዚመሓላለፍ። .

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈታት ኣብ ዝግበር ዝርርባት፡ ኵሉ ቋንቋ ሽወደን ዘይመልኽ ሰብ፡ ናይ ኣስተርጓሚ መሰል ኣሎዎ።። ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ ተርጎምቲ ኣብ ምቕራብ ሓለፍነት ዝወሰድ፡ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ እዩ። እዚ ኣገልግሎት ብቐዳምነት ንዝተፈላለያ ኣብ ኣሊንግሶስ ኮሙን ዝርከባ ምምሕዳራት ተርጐምቲ ንምርኻብ ዝዓለመ እዩ። ኣብ መንጎ ብተሌፎን ወይ ውን ብኣካል ተርኺቡ ዝትርጕም ተርጓሚ ምምራጽ ይከኣል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ከተማ ኣሊንግሶስ፡ ኣርባዕተ ጽርግያታት ብሽክለታ ይርከብ። ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣውቶቡሳትን ባቡራት ናብ ከተማ ዮተቦርን ናብቲ ከባብን፡ ስሉጥ እዩ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ኣብዚ ኮሙን፡ ባዕሉ ናይ ኣሊንግሶስ ኮሙን እዩ። ኣብ ናትና ንጥፈታት፡ ብቐዳምነት ኣብ መዳይ ትምህርቲን ክንክን ዓበይትን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሓጺርን ነዊሕን ግዜ ተተካእቲ ሰራሕተኛታት (vikarier) ምቍጻር የድልየና እዩ። ኣብዚ፡ ብርክት ዝበላ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታትን ከምኡ'ውን ብዙሓት ናኣሽቱ ተዃናተርቲ ትካላት ኣሎዋ። ኣብ ናይዛ ኮሙን መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ዋኒን ንጥፈት ተወሳኺ ሓብሬታ ኣሎ።