Åmål

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦሞል ኣብ ዳልስላንድ ትርከብ። ኣብኡ እቲ ቨነርን እተባህለ ቀላይ ክሳዕ ማእከልቲ ከተማ ይዝርጋሕ፡ እቲ ወደብ ድማ ካብኡ ቀረባ እዩ። ምስ ካልኦት 48 ኮምዩናት፡ ኦሞል ነቲ ቨስትራዮታላንድ ወረዳ ተቕውም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ናይ ኣጋይሽ ወደብን ናይ ኦሞል ናይ ጥንቲ ህንጻታትን ዘለዎ ትርኢት።

ኦሞል ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይቲ ወረዳ እያ እትርከብ፡ ምስ ቨርምላንድ ድማ ትዳወብ። ኣሞል ኮምዩን ብ ጥሪ 1971 ብምሕባር ኦሞልን ቶስቡን እያ ቆይማ። ኦሞል ካብቲ ሚያዝያ 1/1643 ብንግስቲ ክሪስቲና ናይ ሓልፋ ደብዳበ እትረክብ ጀሚራ እያ ከተማ ኮይና። ካልኦት ናይቲ ኮምዩን ከተማታት፡ ፈንየርፉሽ፡ቶሰቲድየ፡ ፍረስኩግ፡ ኦኒምስኩግ፡ ሙን ኤድለስኩግን እየን።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ኣመሓዳሪ መንበሪ ኣባይትን ገዛውትን እቲ ናይቲ ኮምዩን ትካል ክራይ ኣባይቲ Åmåls kommunfastigheter, ÅKAB እዩ። እቲ ትካል ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን መንበሪ ኣባይቲ የቕርብ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኦሞል ኮምዩን እዘን ቋንቋታት እዚኣተን ይዝረባ፤ ኣልባንያ፡ ዓረብ፡ ሰርቦክሮሽያ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ፋርስ፡ ሩስያ፡ ሶማሊ፡ ስፓኛ፡ ሽወደንን ቱርክን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ብዛዕባ ኩለን ዝነጥፋ ማሕበራት ኣብቲ ናይ ኦሞል ኮምዩን ወብሳይት ክትረክብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ኦሞል ኮንታክት ኦሞል ዚብሃል ኣሎ፡ ኣብኡ ምስ ቤትጽሕፈት መድህንን፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ምስቲ ኮሙናዊ ናይ ስራሕ ማእከልን ክትራኸብ ትኽእል።

ኣብ ውሽጢ ኦሞል፡ ግሮሰሪታትን፡ እንዳ ክዳውንትን፡ ኣብያተመግብን ካፈታትን ኣሎ።

ኣብ ማእከል ኦሞል ናይቲ ከተማ ቤትንባብ ኣሎ። ናይ ሰከንድሃንድ ኣቕሑ ክትዕድግ ምስ እትደሊ ናብቲ Arbetsmarknadsenheten ኬድካ ክትርእን ብሕሱር ዋጋ ክትዕድግን ትኽእል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ኦሞል ኮምዩን ናይ ትምህርቲ ክንክን፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ቤትትምህርቲ ህጻናትን ኣሎ። ብዛዕባ ምስ ኩላተን ኣብያተትምህርቲ ምርኻብ፡ ብተወሳኺ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ኣንብብ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ኦሞል ኮምዩን 4 ኮሙናውያን መባእታ ኣብያተትምህርትን፡ ክሳዕ ትምህርታዊ ዓመት 6 ዚምህራን ክልተ ብሕታውያን ኣብያተትምህርትን ኣለዋ። ኣብኡ ናይ ትምህርታዊ ዓመት 7-9 ላዕለዋይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣላ፡ ከምኡውን ሓንቲ ዘመናዊ ህንጻን እተፈላለየ መደባት ዘለዋን ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣላ።

ኣብ ናይዚ ኮሙን ሓደ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ተምሃሮ ኣብ ኮፍ መበሊኦም ኮፍ ኢሎም ኣሎዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ናይ ኦሞል ኮምዩን ዚካየድ ትምህርቲ ንዓበይቲ ምስቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብ ሓደ ቦታ እዩ ዚርከብ። ንሱ ኣብ ምዝገባ ደገፍ፡ ኣብ ምርጫ ዓይነት ትምህርቲ ድማ መምርሒ የቕርብ። ኣብቲ ቦታቲ ድማ ሽወደን ንወጻእተኛታ ዚብል ኮርስ ኣሎ። ትምህርቲ ንዓበይቲ 'ካልኣይ ደረጃ ኣብ ገዛ' ዚብል ትምህርቲ ድማ የቕርብ እዩ። ብኣኡ ጌርካ ድማ ብርሑቕ ክትመሃር ትኽእል።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል ከተማ ኦሞል ማእከላት ጥዕና ኣለዋ፤ Närhälsan Åmål ን Balderkliniken. ን።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኦሞል ኮምዩን ናይቲ ዞባ ኣገልግሎት ትርጉም ንጥቀም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኦሞል ኣብ ኣስታት 170 ኪ/መ ብሰሜን ዮተቦሪን 70 ኪ/መ ብደቡብ ምዕራብ ካርልስታድን ኣብ Europaväg 45 ትርከብ። ካብ ኦስሎ ኣስታት 180 ርሒቓ ትርከብ።

ናብቲ ዝቐረበ መዓርፎ ነፈርቲ (ካርልስታድ) ኣስታት 50 ደቓይቕ እዩ።

ኦሞል ግሩም ናይ ባቡርን ኣውቶቡስን መራኸቢ መስመራት ኣለዋ። ምስ፡ ንኣብነት፡ ስቶክሆልምን ዮተቦርን ቀጥታን መዓልታውን መስመር ኣሎ።

Länsväg 164 ካብ ኦሞል ይብገስ ንኦሞልን መላንስቨርየን ድማ ምስ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ (ስትረምስታድ) የራኽበን።

ኣብ ኣሞል ናይ ቀላይ ወደብ ኣሎ።

SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ኦሞል ኮምዩን ዋኒን ክትጅምር እንተ ደኣ ደሊኻ ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል። በቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ጌርካ ነቲ ናይ ኦሞል ኣደንፋዒ ቁጠባዊ ህይወት (näringslivsutvecklare) ተወከሶ።

ናይ ኦሞል ኮምዩን እቲ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ። ብባቡር በጺሕካ ኣብ እትምለሶ ቦታታትውን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ኣለዉ፤ Opcon, Euromaint AB ከምኡውን Spicer nordiska kardan AB።