Bollebyggd

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቦለቢግድ ኣብዚ ሃገር ካብተን ብቕልጡፍ ዚምዕብላ ዘለዋ ኮምዩናት እያ። ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዓቢ ናይ ተፈጥሮ ቦታ ኢኻ እትነብር፡ ማለት ኣብ ናጽነት ዝመልኦ ህይወት ኣብ መንጎ እተን ዓበይቲ ከተማታት ቡሮስ ዮተቦርይን፡ ከምኡውን ጥቓ ላንድቨተር መዓርፎነፈርቲ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብቲ ናይ ቦለቢግድ ሰንትሩም ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታት ኣብ ቀረባ እዩ። ቅሩብ ውጽእ ኢልካ ድማ ብዙሕ ናይ ምዕዳግ ምርጫታት ኣሎካ ። ኣብዚ ቅሳነት ኣሎ፡ ህጻናት ድማ ኣብ ብቕዓት ዘለወን ኣብያተትምህርቲ ይኸዱ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ቦለቢግድ ኮምዩን ኣርባዕተ ከተማታት ኣለዋ፤ ቦለቢግድ፡ ቶልሸ፡ ኦልስፉሽን ሁልታፉሽን። ኣብዚ ኣብ ከተማ ወይ ቪላታት ዘለዎ ዞና ወይ ጥቓ ተፈጥሮ ክትቅመጥ ትኽእል። እቲ ቡለቡ ዚብሃል ናይቲ ኮምዩን ኣካራዪ ገዛ ኣብ ቦለቢግድ፡ ቶልሸ፡ ኦልስፉሽን ሁልታፉሽን ዚካረ ኣባይቲ ኣለዎ። ቡስታድስረትስፎረኒንገን HSB ከምኡውን ስትራንድ ዚብሃል ኣካራዪ ትካል፡ ኣብ ቦለቢግድ ኣባይቲ ኣለዎም። ኣብዚ ናይ ገዛውቲ ሕጽረት ኣሎ፡ ምጽባይ ድማ የድሊ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ብዛዕባ ኣብቲ ሰሜናዊ ክፋል ቦለቢግድ ዚርከባ ትካላት ኣካረይትን ጥርሑ መሬትን ሓበሬታ ኣሎ። ስለዚ ብዙሓት ስድራቤታት፡ ገዛ ናይ ምጥራይ ሕልመን መታን ኪገሃደለን ናብኡ ይግዕዛ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ቦለቢግድ እተፈላለየ ቋንቋታት ዚዛረቡ ሰባት ብሓደ ይነብሩ። ብዘይካ እቲ ብብዝሒ ዚዝረብ እንግሊዝን ሽወደንን፡ ብዙሓት ሰባት ፋርስ/ፋርሲን ዓረብን ይዝረብ። ኣብ ርእስዚ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዙሓት ትግርኛ ተዛረብቲ መጺኦም ኣለዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ብዚ 80 ዝኾና ኣብ ስፖርትን ዳንስን ሙዚቃን ባህልን ማሕበራዊ ዕብየትን ፖለቲካን ዝነጥፋ ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ናይ ማሕበራት ደብተር ይርከብ። ኣብቲ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ዘለዋ ከተማታት ቡሮስን የተቦርይን ናይ ብሔርን ሃይማኖትን ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብቲ ደስ ዘብል ናይ ቦለቢግድ ሰንትሩም፡ ኣከባቢ የስትዪቫረቶርየት ክዳውንትን ሳእንን ኣቕሑ ገዛን ዚሸጣ ድኳናትን ናይ መግቢ ሸቐጥን ካፈታትን ትረክብ። ኣብዚ፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ጥዕና፡ ሓኪም ስኒ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ግሮሰሪ፡ ባንክን ቤትንባብን ኣሎ። ኣብቲ ቤትንባብ ንህጻናትን መንእሰያትን ዘገልግን ናይ ምንባብን መጻሕፍትን ክላባት ኣሎ። ኣብቲ ብሓደ ወገን ናይቲ ኣደባባይ ዚርከብ ቤትጽሕፈት ኮምዩን፡ ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ናይቲ ኮምዩን መቐበሊ ኦፊስን ኣሎ።

ኣብቲ ጥቓ ሰንትሩም ክራፍትሁሰት፡ ዲያኮኒሰንትረት ቨግኮርሸትን ናይ ስልጠና ትካል የንኪን ኣሎ። ክራፍትሁሰት ናይቲ ኮምዩን ናይ ንጥፈትን ምርኻብን ቦታ እዩ። ኣብኡ ተያትርን ኤክፖዚሽንን ኣስተምህሮን ይወሃብ። ንኣኼባን ትምህርትን ዘገልግል ናይ መንእሰያት መራኸብን ቦታን ኣሎ። ቨግኮርሸት ብሽወደናዊት ቤትክርስትያን ዚካየድ መራኸቢ ቦታ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ካፈን ናይ መጽናዕቲ ምትእኽኻብን ምሸታዊ ኣስተምህሮን ኣሎ።

ስእሊ ናይ ማእከል ቦለብይግድ፡ ዱኳንን ሰባትን ዘለውዎ ጐደና።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብቲ ኮምዩን ሽድሽተ ኮሙናዊ ናይ ህጻናት ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። እተን ኣርባዕተ ኣብ ቦለቢግድ፡ ሓንቲ ኣብ ኦልስፉሽ፡ ሓንቲ ድማ ኣብ ቶልሸ እየን።

ኣብ ቦለቢግድን ኦልስፉሽን ሽወደናዊ ቤትክርስትያን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፡ ኣብኡ ድማ ምሕዝነት፡ መዝሙር፡ መጻወትን ናይ ቡን እዋንን ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብቲ ናይ ቦለቢግድ ኮምዩን ሰለስተ ኮሙናዊ ሓንቲ ከኣ ናጻ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ። እተን ሰለስተ ክሳብ ሻድሻይ ዝኸዳ ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲኣ ኣብ ቦለቢግድ፡ ቶልሸ፡ ኦልስፉሽን ይርከባ። እታ ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ እትኸይድ ናጻ መባእታ ቤትትምህርቲ ጋደን ኣብ ቦለቢግድ ትርከብ። እተን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ካብ ሻብዓይ ክሳዕ ታሽዓይ ክፍሊ ዚኸዳ ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲውን ኣብ ቦለቢግድ እየን ዚርከባ።

ኣብ ኮምዩንና ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ የልቦን። እቶም ተመሃሮ ናብ ቡሮስ ወይ ሀሪዳ እዮም ዚኸዱ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ተምሃሪት ናይ መውዓሊ ህጻናት ኣብ ምጽሓፍ ኣድሂባ ኸላ።

ዕድላት ትምህርቲ

ንትምህርቲ ንዓበይቲ ብዚምልከት ምስ ጎረባብትና ኮምዩናት ናይ ቀረባ ምትሕብባር ኣሎና። ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ንካልኣይ ደረጃን ሰርቩክስን ይምልከት። ኣበየናይ ኮምዩን ክትመሃር ከም እትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል፡ ንሕና ግን ምስ ቡሮስ እዩ ጥቡቕ ምትሕብባር ዘሎና።

ሽወደን ንስደተኛታት፡ ወይ ኤስኤፍኢ ምስ ቡሮስ ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ። ኩሉቲ ንዓበይቲ ዚወሃብ ናይ ቋንቋ ኮርሳት ኣብ ቡሮስ እዩ ዚካየድ። ንሱ ኣብ ማእከል ቡሮስ፡ ጥቓቲ ሰድራ ቶርየት ናይ ኣውቶቡሳት መዓርፎ እዩ ዚርከብ። ነቶም እተመደቡ ስደተኛታት እቲ ናይ ኤስኤፍኢ ምዝገባ ብመገዲ ቡሮስረዮነንስ ኤታብለሪንግስሰንተር እዩ ዚግበር። ንሱ ኣብ ቦለቢግስ ቤትጽሕፈት ኣለዎ። ነቲ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ብምርካብ ተመዝገብ። ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለየ መደባት ትምህርቲ ንዓበይቲ ከምኡ ውን መደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንዓበይቲ ይወሃብ እዩ። ንተወሳኺ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ብዛዕባ ትምህርታዊ ዕድላት፡ ብዝርዝር ከተንብቡ ትኽእሉ።

ስእሊ ናይ መጻሕፍቲ ከብሕታትን ሰብኣይን ኣብ ቤት ንባብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሰንትሩም ቦለቢግድ ከባብያዊ ክሊኒክ ምስ ማእከል ጥዕናን ናይ መሕረሲ ክሊኒክን ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕናን ኣሎ። እቲ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ እውን ኣብኡ ይርከብ። ኣብቲ ኮምዩን ብሕታዊ ሕክምና ስኒ እውን ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ናይ ህጹጽ ረድኤት ዘለዎ ሆስፒታል ኣብ ቡሮስ ይርከብ፡ ሰድራ ኣልቭስቦርይ ሆስፒታል ድማ ይብሃል።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስቲ ኮምዩን ወይ መንግስታዊ ትካላት ክትራኸብ ከሎኻ፡ ሽወደን ቋንቋ ኣደኻ ብዘይ ምዃኑ፡ ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዚርከብ ተርጓማይ ክትገብር መሰል ኣሎካ። ኣብዚ ግዜዚ ትርጉም ብብዙሕ ቋንቋታት ይወሃብ ኣሎ። እቶም እተመደቡ ስደተኛታት ብመገዲ ናይ ቡሮስ ዞባ ናይ ምምዳብ ማእከል ቤትጽሕፈት ኣብ ቦለቢግድ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ። ናይ ትርጉም ሓገዝ ምስ እትደሊ ምስ ናይ ስደተኛታት ኣተሓባባሪ ተራኸብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ቦለቢግድ ካብን ናብን ቡሮስን የተቦርይን ግሩም መራኸቢታት ኣለዋ። ኣውቶቡሳትን ባቡርን ካብ ቦለቢግድ ተላዒለን ናብዘን እተጠቕሳ ከተማታት ይኸዳ። ናብ ረቭላንዳን፡ ሂንዶስ፡ ሞልንሊከ፡ ኦልስፉሽ፡ ሳንዳረድን ሾማርከን እውን ይኸዳ። ካብ ቦለቢግድ ናብ ቡሮስ ወይ የተቦርይ ብኣውቶቡስ 30 ደቓይቕ ይወስድ።

ቨስትራፊክ ነቲ ናይቲ ከባቢ ጥርኑፍን መርበባውን ትራፊክ የካየዶ። እቲ ኮምዩን ግን ነቲ ናይ ቤትትምህርቲ ወይ ናይ ምጋሽ ኣገልግሎት እዩ ዘካየዶ።

ስእሊ ናይ መዕረፍ ኣውቶቡስ፣ ኣውቶቡስን ተመላላሳይን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ቦለቢግድ ሓቀኛ ናይ ዋኒን ባህሊ ኣሎ፡ እቲ ኮምዩን ድማ ብዙሓት ነኣሽቱ ዋኒናት ኣለዋኦፕ። ካብተን ዝዓበያ ዋኒናት ንምጥቃስ፤ ፍሉገር ፈርይ፡ ፈየርሁልት ሪተይል ናይ መብራህቲ ዋኒን፡ ናይ ረክላም ዋኒን ሳይን ኮሙኒከሽን ስዊድን፡ መዓቀኒታት ዚሰርሑ ሁልታፉሽ ግሩፕ፡ ናይ ጽዕነት መኻይን ዚሰርሑ ሃማር ማሺንን። እቲ ኮምዩን ጥቓ ቡሮስን የተቦርይን ብምዃኑ ዓቢ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዘለዎ ቦታ እዩ። ኣብቲ ጥቓኡ ድማ ዓበይትን ብዓለም እተፈልጣን ዋኒናት ኣብ በጺሕካ እትምለሶ ርሕቀት ይርከባ።

እቲ ኮምዩን ንሓደስቲ ዋኒናት ግሩም ሃዋህው ኪፈጥር ይደሊ፡ ኣብቲ ኒፎረታጋር ሰንትሩም ድማ እቱው እዩ። እዚ ትካልዚ በቲ ንግድን ኢንዱስትሪን እዩ ዚካየድ ዕላማኡ ድማ ብቑዓት ሓደስቲ ዋኒናት ንምትብባዕ እዩ።