Dals-Ed

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ዳል-ኤድ ኮሙን ናይ ዕድላት ኮሙን፣ ናይ ጫካ ኮሙን፣ ናይ ንግዲ ኮሙን ኮይኑ ልዕሊ ኩሉ ግና ናይ ደቂ ሰባት ኮሙን እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ ዳል-ኤድ ጭንቐትን ሪጋ ማኪናን ይውገደልካ። ኣብዚ ብዛዕባ ነንሓድሕድና ንክንግደስ ግዜን ሓይልን ኣለና። እዚ ንንግድታትና እውን ባህሪ የትሕዞ እዩ። ትካላት፣ ነጋዶ፣ ኮሙንን ሰብ መዚን ዝበለጸ መፍትሒ ንምርካብ ብሓባር ይሰርሑ።

ጽሩይ ኣየር፣ ጽሩይ ማይን ጽሩይ መሬትን ዘለዎ ኣከባቢ ጆባእ ንብለኩም። ኣብዚ ኣደናቕን ድንግልን ዝኾነ ተፈጥሮ ይርከብ። ዳል-ኤድ ጸጥታ ጆባእ ይብል - እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ብቐሊሉ ዘይርከበሎም ነገር እዩ። ናይዛ ኮሙን ኣስታት 400 ቐላያት ንምግፋፍ ዓሳ፣ ምሕንባስ፣ ምጅላብን፣ ብጃላቡ ምዝዋርን እውን ቀረብ ኣሎዎ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብታ ሕምብርቲ ናይ'ዚ ምምሕዳር ከባቢ ዝኾነት ከተማ ኤድ፡ ዝካረ-ኣባይቲ ይርከብ። ነቶም መደብ መትከሊ-እግሪ ዘለዎም ሓደስቲ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ብመንገዲ ትካል ኤድስሁስ ገዛ ከም ዝተሓዘሎም ይገብር። እዛ ትካል'ዚኣ ብምምሕዳር ናይትዚ ከተማ እትውነን እያ። ብዜካ'ዚ፡ እታ ናይ ግሊ ትካል ፒነዃር ውን ዝካረ መንበሪ-ኣባይቲ ኣለዋ።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ስእሊ ናይ ሓደ ኣፓርታማ ኣብ ናይ መንበሪ ከባቢ ቶፐን

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ኤድ፡ ብርክት ዝበሉ ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ስደተኛታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡ ዓረበኛ፡ ዳሪ፡ ሶማል፡ ጀርመንን ቋንቋ ኖርወይን ዝዛረቡ እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ኤድ ብርክት ዝበላ ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብቲ ከተማ ውን ብርክት ዝበላ ኣብያተ-ክርስትያናት ይርከባ። ተወሳኺ ዝርዝር ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ትረኽብዎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኤድ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ፋርማሲ፡ ድኳናት ኣስቤዛ (ዊሊስ ከምኡ ውን ኩፕ-ኮንሱም) ድኳናት ክዳውንትን ኣሳእንን፡ እንዳ-ሻሂታት፡ ድኳናት ኤለክትሪካዊ መሳለጥያታትን ባንክታትን ትረኽቡ። ኣብቲ ብዩርድብሩን ዝፍለጥ ኢንዱስትርያዊ ከባቢ፡ ድኳን ካርልሶን፡ ኢኤም-ሞብለር፡ ድኳን ዘገልገል ንብረት፡ ህንጻ ንግዲ ከምኡ ውን ናይ ህንጻ ትካላትን ካልእን ይርከባ።

ስእሊ ዕዳጋ ኣብ ኤድ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኤድ፡ መውዓሊ-ህጻናት፡ ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ከምኡ ውን ውን መእከል መዘናግዒ-ህጻናት ይርከብ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣለኩም።

ካብ ነፋሪት ዝተወስደ ስእሊ መዋእለ ህጻናት ሃጋ ምስ ሰለል መበሊ ኣብ ቕድሚት።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ኤድ፡ ስኖሩምስስኩላን (ካን 1ይ-3ይ ክፍሊ) ከምኡ ውን ሆጋስኩላን (4ይ-ክሳብ 9ይ ክፍሊ) ዘአንግዳ ናይ መባእታዊ ደርጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣለዋ። ኣብ ከተማ ኢድ ውን ብተወሳኺ፡ ባህላዊት ቤት-ትምርህቲ፡ ኣላ። እዛ ድሒራ ዝተጠቕሰት ቤት-ትምህርቲ ንህጻናትን መንእሰያትን፡ ባህላዊ ኣፍልጦኦም ንምዕባይ ዝዓለመ መደባት ትሰርዕ። ኩሎም ህጻናትን መንእሰያትን ከኣ፡ ዝኾነ ሙዚቃዊ መሳርሒ፡ ደርፊ ወይ ሳዕስዒት ከም ዝመልኩ ይግበር።

ኣብ ተመሳሳሊ፡ እታ ኡትሲክተን ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ካልኣይ-ደርጃ ቤት-ትምህርቲ፡ ኣብ መዳይ ሆቴልን ቱሪስም ከምኡ ውን ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ስነ-ፍለጠት ዘትኮረ ናይ ካልኣይ-ደርጃ ትምህርቲ ትህብ። ምስዛ ቤት-ትምህርቲ ውና ብተመሳሳሊ ህንጻ፡ ፍሉይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ትርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ብኡትቨክሊንግስ-ሰንትሩም ዝፍለጥ ማእከል ትምህርቲ፡ ናይ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ-ኤፍ.ኢ) መደብ-ትምህርቲ ይወሃብ እዩ። ብዜካ'ዚ ኣብቲ ዞባ ንኽትወሃሃዱ ዝሕግዘኩም ጠቓሚ ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ፡ ሕብረተ-ሰብ፡ ስነ-ቁጽርን ብቅልል ዝበላ ቋንቋ ሽወደን ከም ዝወሃበኩም ይግበር።

ምስ ካልኦት ኣብ ዞባ ፍርቡዳል ዝርከባ ከተማታት ብምትሕብባር ከኣ፡ ንሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝምልከት ትምህርቲ ብቋንቋ ኣዴኹም ከም ዝወሃበኩም ይግበር። ብዜካ'ዚ ዕድላት ትምህርቲ ንዓበይቲ ውን ኣብቲ ከተማ ኣሎ እዩ። ክትመሃሩ ምስ እትደልዩ ምስ ክኢላታት ወይ ኣማኸርቲ ትምህርቲ ተራኺብኩም ተዘራረቡ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል-ጥዕና ኤድስያርደት፡ ዶክቶራት፡ ሓካይም ወረዳ፡ ክፍሊ-ጥዕና ህጻናትን ኣዴታትን ይርከብ። ኣብዚ ህንጻ'ዚ፡ ህዝባዊ ክሊኒክ-ስኒ ውን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላት ኣብ ዝግበር ርኽክባት ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብዚ ዞባ'ዚ፡ ትካል መጎዓዝያ ቬስት-ትራፊክ (Västtrafik) ዝውንነን ብርክት ዝበላ ኣብ መጎዓዝያ ዝተዋፈራ ኣውቶቡሳት ኣለዋ። እተን ካብ ኦስሎ ናብ ዮተበሪ ዝመላለሳ ባቡራት መዓልታዊ ኣብ ከተማ ኤድ ደው ይብላ እየን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ዞባ'ዚ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ባዕሉ እዩ። ዝበለጸ ዕድላት ስራሕ፡ ኣብ ጽላታት ቤት-ትምህርቲ፡ ክንክንን ምሕብሓብን፡ እዩ። ኣብ መዳያት ንግዲ፡ ምስናዕ፡ ኣግራብ፡ ኣገግሎታት፡ ባህላዊ ንጥፈታት ዝዋስእ ውን ብርክት ዝበላ ነኣሽቱ ትካላት ኣብቲ ቦታ ኣለዋ።