Falköping

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ፋልሾፒን ነቶም ኣብ ዞባና ፍሉያት ዝኾኑ ክብርታት ነጕልሖም ኢና። በቶም ናይ መጋሊዝ ባህልና፣ ጽቡቓት መራኸቢታት፣ ዘደንቕ ቅርጺ መሬትናን ናይ መግቢ ባህልናን ኩሩዓት ኢና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ንሕና ናይ ቺታስሎው፡ ናይቲ ኣህጉራዊ መርበብ ነኣሽቱ ከተማታት፡ ኣባል ኢና። ነቶም ልዑል ደረጃ ዘለዎም ጥረ ነገራትን ፍርያትን ናይ ኣከባቢና ንሕልዎምን፡ ሚዛናውን ውሁድን ንዝኾነ ዘላቒ ምዕባለ ድማ ንሰርሕን። ናይ ፋልሾፒን ኮሙን ራኢ " እቲ ጽቡቕ ሂወት" እዩ።

መንበሪ-ገዛ

በቲ መንበሪ ቤትካ ደስ ምባል ንኽብሪ ህይወት ኣገዳሲ እዩ። ናብ ፎልሾፒን ኣብ ምግዓዝ ዲኻ ዘሎኻ ወይ ከኣ ሓድሽ መንበሪ ቤት ዲኻ ትደሊ ዘሎኻ? ዝኾነ መንበሪ ድዩ ዚሰማምዓካ ወይስ ፍሉይ መቐመጢ ኢኻ እትደሊ?

ኣብ ፋልሾፒን እቲ ዝዓበየ ክራይ ኣባይቲ ዘመሓድርን ዝድልልን፡ እቲ ኮሙናላዊ ትካል ኣባይቲ ፋልሾፒንግስ ህይረስቡስቴደር ኣበ (Falköpings Hyresbostäder AB) እዩ። ሰነተ ፋስቲግሀተር አበ (Senäte Fastigheter AB) ካልእ ዝዓበየ ትካል ደላሊ ክራይ ኣባይቲ እዩ።

ኣካረይቲ ትካላትን መንበሪ ገዛውትን ርኸብ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ብዛዕባ ማሕበራዊ ሂወት ኣብ እዚ ኮሙን ብዝያዳ ኣንብብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ፎልሾፒን ኮምዩን ኣብቲ ኣብ ቅዱስ ሲግፍሪድ መገዲ ዚርከብ ናይቲ ኮምዩን ቤትንባብ ናይ ከተማ ምምሕዳር ቤትጽሕፈት ኪተክል መደብ ኣለዎ። ንሱ ክፉት መራኸቢ ቦታ ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ንሓፈሻዊ ሕቶታት መልሲ ትረኽበሉ፡ ርእይቶኻ ትህብ፡ ናብ ካልእ ሰበስልጣንን ማሕበራትን ትኸይድ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ዝቐለለ ኣገባባት ትሓትት። ሓበሬታ ብእተፈላለየ ቋንቋታት ኣሎ። እቲ ኮምዩን ምስ ካልኦት ማሕበራት ኮይኑ እተፈላለየ ኣስተምህሮታት፡ ምርኢትን ባህላዊ ኣኼባታትን የዳሉ።

ኣብ ናይ ፎልሾፒን ሰንትሩም ናይ ጥንቲ ክፍሊ ከተማን ድኳናትን ትረክብ። ኣብቲ ከባቢ ከተማ፡ ሱፐርማርከታት ኣሎ። ኣብቲ ከተማ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ መድህን ድርጅት፡ ቤትጽሕፈት ቀረጽን ማሕበራዊ ኦፊስን ኣሎ።

ናይ ፐንተኮስት ሰከንድሃንድ ድኳን ከም መራኸብን መዐደግን ቡን መስተይን ቦታ ኮይኑ የገልግል።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ፎልሾፒን ነቲ ደረጃ መደበኛን ናይ ህጻናትን ትምህርቲ ከምኡን ናይ ዕረፍቲ ቦታ ክብ ከነብሎ ንጽዕር። ኩሎም ህጻናት ነቲ ዘድልዮም ደገፍ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ብሓድሽ ተክኒክ እተሰነየ ምዕቡል ኣመሃህራ ኪህልወና ንደሊ።

ኣብ ፎልሾፒን 30 ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ኣለዋ፡ 16 ካብአን ኣብ ከተማታት፡ 14 ከኣ ኣብ ገጠራት እየን ዚርከባ። ካብተን 10 ብብሕቲ ዝመሓደራ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት፡ 6 ኣብ ከተማታት፡ 4 ከኣ ኣብ ገጠራት ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ፎልሾፒን ኮምዩን 18 እተፈላለየ መደባት ዘለወን መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ 6 ናይ ከተማ ኣብያተትምህርትን 12 ናይ ገጠር ኣብያተትምህርትን ኣለዋ። እቲ ኦለበርይስዪምናሴት ዚብሃል ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ብቮሊቦልን ኵዕሶን መዝሙርን ናይ ቤትትምህርቲ መጽሔት፡ ተሽከርካቲ ምልማጽን፡ ወርቅምስራሕን ከምኡውን ናይ መንእሰያት ዋኒናዊ ንጥፈትን፡ ሽልማት ረኺቡ እዩ። በቲ ናይ ኮምዩንና ናይ ሙዚቃ ቤትትምህርቲ እውን ንሕበን ኢና።

ነቶም ካብ 6 ዓመት ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ መንእሰያት ናይ መንእሰያት ገዛ ዚብሃል መራኸቢ ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ለርሰንተር - ንስራሕ ብዚምልከት - ሓድሽ ዕድላት ንምህላውን ሓድሽ መገዲ ንምርኣይን ብዙሕ ምርጫታት ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ናይ ኮሚሽን ስልጠና፡ ናይ ሞያ ስልጠና፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ ዪርከስቩክስን ሰርቩክስን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ኣብ ለርሰንተር ኣብ ደስ ዘብል ናይ ስራሕ ሃዋህው፡ ሽወደን ንስደተኛታት (ኤስኤፍኢ) ይወሃብ። ብመገዲ ወብሳይት ከተመልክት ትኽእል!

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ናይቲ ከተማ ኣብ እትገብርዎ ርኽክባት፡ ንኣብነት ኣብ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕክምና ወዘተ..ናይ ቋንቋ ሽወደን ሕጽረት ምስ ዝህልወኩም፡ ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል። ተርጓሚ ኣቐዲሙ በቲ ዝምልከቶ መግስታዊ-ኣካል ከም ዝቍጸር ይግበር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ኮምዩን ከም ወሃብ ስራሕን ቁጠባዊ ምዕባለን ኣብቲ ናይ ፎልሾፒን ኮምዩን ስራሕን ዋኒንን ዓቢ ተራ ኣለዎ።

ኣብዚ ብዛዕባቲ ከም ወሃብ ስራሕ፡ ጥርሑ ቦታታትን ናይ ኢንዱስትሪ ሰፈርን ኮይኑ ዚነጥፍ ኮምዩን ውልቃዊ ዋኒን ንምጅማር ይኹን፡ ንናይ መንእሰያትን ሓደስቲ መጻእትን ከምኡውን ናይ ስራሕ ስልጠናን ብዚምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል። ከምኡውን ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዋኒናት ደብተር፡ ብዛዕባ ዋኒናት ክትደሊ ትኽእል።