Karlsborg

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

እቲ ግርም ዝኾነ ናይ ሂወት ሃዋህው ሓደ ካብ ናይ ካርልስቦርይ ዓበይቲ ረብሓታት ኾይኑ እዛ ኮሙን ስሚዒት ዝቕስቅስ ተፈጥሮን ሓያሎ ቀላያትን ኣብ ዘለዎ ኣብ ደስ ዘብል ቅርጻ መሬት ተደኵና ትርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ካርልስቦርይ ኮሙን ሓደ ሃብታምን ዝተፈላለየን ናይ ባህሊ፡ ፍሉይ ታሪኻዊ ኣካባቢታትን መራኸቢ ቦታ ናይ ባህልን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን ቀረብ ኣሎዋ። እዚ ንዓመት ምሉእ ዕድል ንዝተፈላለየ ተመኩሮ ይህብ። ንጡፋት፣ ውፉያትን መሃዝትን ሰባት ኣብ ናትና ብሉጽ ዓይነት ሂወት ሓደ ክፋል እዮም። ነዚ መሰረት ብምግባር ከም ናይ ባህልን ናይ ናጻ ግዜን ኮሙን ምህናጽናን ምምዕባልናን ንቕጽል።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ካርልስቦርይ ዝተፈላለየ ኣቕርቦት ናይ ገዛውቲ ኣሎ። ዝዓበየ ክፋል ናይቶም ገዛውቲ ኣብ ክትርእዮ ደስ ዘብል ተፈጥሮ ዘለዎ ኣካባቢ ዝተደኮኑ ኾይኖም ናብ ማይ ቀረባን ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ኣብያተ ትምህርትን እውን ብእግርን ብሽክለታን ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ይርከቡ።

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ትነብረሉ ገዛ ኣብ መደያይቦ ኮፍ ኢላ ኣላ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዛ ኮሙን ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝመጹ ሰባት ይነብሩ። ዓረብኛ፣ ዳሪ፣ ፋርስኛ፣ ሶማልኛ፣ ሩስያኛ፣ ታይላንድይኛ፣ ቋንቋ ሆላንድ፣ ኖርወጅኛ፣ ጀርመንኛ፣ ቋንቋ ፊንላንድን እንግሊዝኛን ኣብነት ናይቶም ዝዝረቡ ቋንቋታት እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ካርልስቦርይ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያን ኣሎዋ፡ ገለ ካብኣተን ሽወደናዊት ቤተ ክርስትያን፣ ፐንተኮስት ቤተ ክርስትያንን ሚስዮናዊት ቤት ክስትያንን እየን።

ከምኡ'ውን ኣብዚ ከም ናይ ስፖርት ማሕበራት፣ ናይ ባህሊ ማሕበራትን ናይ ሓገዝ ውድባትን ከም ቀይሕ መስቀልን ቈልዑ ኣድሕንን (Rädda Barnen) ዘጠቓለለ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወት ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ዋላ'ኳ ዓባይ ኣይትኹን ክትፍስሃሎም ትኽእል ካብቲ ትፈትዎ ዓይነት ፒዛ ክሳብ ናይ ኤሽያ መግቢ ወይ ኣዚዩ ጥዑም ድራር ዘኣንግዳ ብዙሓት ኣብያተ መግብን ካፈን ኣሎዋ። ቡን ምስታይን ዕረፍቲ ምውሳድን ጥራሕ እንተ ኾይኑ ቃሕ ኢሉካ ድማ ነቶም ምቹኣት እንዳ ቡን ምብጽሖም ርግጽ ክሰማምዓካ ይኽእል እዩ።

እተን ኣብ ካርልስቦርይ ዘለዋ ዱኳናት ቀረብ ናይ ክዳውንቲ፣ ናይ መጸባበቕን ናይ ስፖርትን ናይ ናጻ ግዜ ኣቑሑት ኣሎወን። ሕሱር ነገራት ክትረክብ እንተ ደሊኻ ካብኦም ክትመርጽ እትኽእለሉ ብዙሓት ናይ ካልኣይ ኢድ ዱኳናትን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ግለ ሰባት ኢድ ዝጠዓመ ኣቑሑት ዝሸጥሉን (loppisar) ኣሎ።

ኣብ ማእከል ካርልስቦርግ ሓደ ዓቢ ቀረብ ዘለዎ ቀንዲ ቤት ንባብ ኣሎ። እቲ ቤት ንባብ ኣብ ኡንደኔስን ሞልቶርፕን ጨንፈራት ኣሎዎ።

ንስፖርታዊ ንጥፈታት ናይ ሞሊደን ናይ ምሕምባስ ስፖርትን ህንጻ ኣሎ። ብዙሕ ናብ መጕየዪ፣ ብሽክለታ መዘወሪን ዙረትን ዝመርሕ መንገዲ እግሪ ኣሎ።

ሰባት ሓደ ናይ ክረምቲ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ማይ ኣብ ድሕሪ-ምድሪ ናይ ናእሽቱ መራኽብ ወደብ።

ካልእ ኣገልግሎት ከም ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ቤት መድሃኒትን ባንክን ኣብ ማእከል ካርልስቦርይ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ብዓል መዚ ግብርን ኣብቲ ካብ ካርልስቦርይ 45 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ ሾቭደ ቤት ጽሕፈት ኣሎዎም።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ካርልስቦርግ ንደቂ 1-5 ዓመት ቈልዑ ዝኸውን መውዓሊ ህጻናትን ናይ ስነ ትምህርታዊ ሓልዮት ንጥፈታትን ኣሎ። ወለዶም ክሰርሑ ከለዉ ቅድምን ድሕርን ትምህርቲ ምርኣይ ንዘድልዮም ኣብ መንጎ 6ን 12ን ዕድመ ንዝርከቡ ቈልዑ፡ ናይ ናጻ ግዜ መዘናግዒ ኣዳራሽ ኣሎ።

ማእከል ስድራ ቤታት ብዮርከን፡ ወለድን ቈልዑን ብሓባር ንኽመጽዎ ብደስታ ዝቕበል ሓደ ክፉት መውዓሊ ህጻናት እዩ።

ሓደ ቈልዓ ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ኵዕሶ ይጻወት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ካርልስቦርይ ንደቂ 6 ክሳብ 15 ዓመት ዝኸውን ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሓደ ሓደ ምሸታት ካብ 6ይ ክሳብ ደቂ 18 ዓመት ንዝኾኑ ቈልዑ ክፉት ዝኾነ ሓደ መዘናግዒ ማእከል መንእሰያት (fritidsgård) ኣሎ።

ንደቂ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብተን ኣብ ከባቢ ካልርልስቦርይ ዝርከባ ከተማታት ኣሎ። መብዛሕትኦም ናብቲ ኣብ ሾቭደ ወይ ቲብሩ ዝርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዮም ዝኸዱ።

ኣብ ታሕተዋይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ቈልዑ ኣብ ሓደ ሰለል መበሊ ይጻወቱ ኣሎዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ዓበይቲ ኣብ ኤስኤፍኢ (ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት)፡ ትምህርቲ ንዓበይቲ (komvux) ከምኡ'ውን ኣብ ፍሉይ ትምህርቲ ንዓበይቲ (särvux) ክምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ትምህርቲ ንዓበይቲ (komvux) ንዓኻ ዝሰማማዕ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ንኽትረክብ ዓበይቲ ዕድላት ኣሎካ። ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ንዝወሃብ ትምህርቲ ክትጽንብር ከምኡ'ውን ትምህርቲ ምስ ክህልወካ ዝኽእል ሓደ ስራሕን ከተተሓሕዞ ትኽእል ኢኻ።

ኣገልጎት ጥዕና

ንርክብ ምስ ክንክን ጥዕና፣ ክሊኒክ ኣደታት፣ ክንክን ጥዕና ቈልዑን ሕክምና ስኒን፡ ኔርሄልሳን (Närhälsan) ከምኡ'ውን ህዝባዊ ክንክን ስኒ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

መራኸብቲ ኣስተርጐምቲ ምዕራብ (Tolkförmedling Väst)፡ ኣብ ቦታ ተረኺብካን ብተለፎንን ንምስትርጓምን ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ናብ እቲ ናብ ዮተቦርይን ስቶኮልምን ብባቡር ምድሪ ክትቅጽለሉ ትኽእል መራኸቢ ነቑጣ ሾቭደ ዝኸይድ ህዝባዊ መጐዓዝያ ኣሎ።

ቬስትትራፊክ (Västtrafik) ናይዚ ናትና ኣከባቢ ናይ ህዝባዊ መጐዓዝያ ሓላፍነት ኣሎዎ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ካርልስቦርይ ኮሙን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ናዚ ኮሙን እዩ። ኣብዚ ቀረባ ናይ 10 ዓመት እዋን ኣስታት ሓደ ሲሶ ናይ ካርልስቦርይ ኮሙን ሰራሕተኛታት ጥሮታ ክወጹ እዮም። እዚ ማለት እዚ ኮሙን ኣብ መጻኢ ግዜ ዓቢ ናይ ስራሕ ምቝጻር ኣድላይነት ክህልዎ እዩ። ብፍላይ ኣብ ጽላት ክንክንን ሓልዮትን።

ኣብዚ ኮሙን ንዓኻ ናይ ግሊ ትካል ንምጅማር ትሓስብ ዘሎኻ ካብ ክፍሊት ናጻ ዝኾነ ምኽሪ ዝህቡ "ኒይፎረታጋርሰንትሩም" (Nyföretagarcentrum) ኣሎዉ።

ኣብዚ ኮሙን ዝርከቡን ቀረባ ዝኾኑን ወሃብቲ ስራሕ፡ ቮልቮ፣ ምዕራባዊ ዞባ ጎታላንድ ከምኡ'ውን ሓይሊ ምክልኻል እዮም።