Lerum

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ለሩም ምስ ጎረቤት ከተማ ዮተርቦሪ ርክብ ዘለዋ ንስድራቤት ተባሂላ እተሰርሐት ኮምዩን እያ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓደ ፈልፋሊ ብቕድሚት ገጹ ሰባት ድማ ብድሕሪት ናቱ ዘለውዎ ኣብ ሓደ ኣደባባይ ኣብ ለሩም።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ለሩም ብዙሕ እተፈላለየ ዓይነት መንበርን ትካላት ክራይ ኣባይትን ኣሎ። እታ ዝዓበየት ትካል ፎርቡ እኳ እንተ ዀነት ሓያሎ ናይ ብሕቲ ትካላት እውን ኣለዋ። ይኹን እምበር ዕድል ናይ ኣፓርተማ ምክራይ ንኽትረክብ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ናይ ፎርቦ ስርዓት ተርታ ክትስራዕ ኣለካ።

ከም ሓድሽ መጻኢ ኣብ ለሩም ምስ ትውዛዕ፡ እዚ ኮሙን መንበሪ ቦታ ይህበካ። መንበሪ ቦታ ማለት ነፍስ ወከፍ ሰብ ነናቱ ኣፓርተማ ይወሃቦ ማለት ኣይኮነን። ኣብ'ዚ እዋን እዚ ኣብ ከባቢ ዮተቦሪን ከምኡ'ውን ኣብ ለሩም ኮሙን ዘሎ ንናይ ክራይ ኣፓርተማተት ዝምልከት ዕዳጋ ኣባይቲ ኣዚዩ ስሑው እዩ ዘሎ። እዚ ኮሙን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መንበሪ ሓንቲ ክፍሊ ክትካረየሉ እትኽእል ግን ከኣ እተወሰነ ቦታታት ምስ ካልኦት ተማቒልካ እትጥቀመሉ ቦታ ጥራይ እዩ ክህበካ ዝኽእል።

ባዕልኻ ናብ ለሩም እንተ ግዒዝካ ከም ኮሙን መጠን ዝኾነ መንበሪ ክንህበካ ተኽእሎ የብልናን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብእተፈለለይ ቋንቋታት ይውሃብ፡ ካብኡ ንምጥቃስ፡ ዓረብ፡ ቦስንያ፡ ሰርብያ፡ ክሮኣት፡ ፋርስ፡ ኩርድ፡ ሩስያን ፖላንድን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ለሩም ብዙሓት ዓይነታት ማሕበራት ኣለዋ፡ ንኣብነት፡ ናይ ስፖርት፡ ናይ ባህሊ፡ ናይ ምዝንጋዕ ማሕበራት። ንህጻናትን ንዓበይትን ዚሓቝፋ ማሕበራት ኣለዋ። ኩለን ማሕበራት ኣብቲ ናይ ማሕበራት ደብተር ተዘርዚረን ኣለዋ።

ቈልዑ ኣብ ናይ ለሩም ውድድር ብምሉእ ፍጥነቶም ይጎዩ ኣሎዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ለሩም ኮምዩን ብብዙሓት ከተማታት ዝቖመ እዩ፡ ከም ለሩም፡ ግሮቡን ፍሉዳን። ኣብ ኩሉ ከተማታት ኣገልግሎትን ሸቐጥን ዘለዎ ሰንትሩም ኣሎ። ናይ ለሩም ሰንትሩም ናይ ዜግነት ኣገልግሎትን ድኳናትን ዘለዋ እቲ ዝዓበየ እዩ። ኣብኡ ቤትጽሕፈት ኮምዩን፡ ናይ ዜጋታት ቤትጽሕፈት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ቤትንባብ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮ፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ጥዕና፡ ወዘተ. ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሓደ ወዲ ኣብ ቤት ንባብ ካብ ናይ ቤት ንባብ ሰራሕተኛ ሓገዝ ይረክብ ኣሎ።

ኣብ ግሮቦ ሰንትሩም ግሮሰሪታትን፡ ፒሰርያን፡ ፋርማሲን ቤትንባብን ኣሎ።

ካብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ውጽእ ኢልካ ብዙሓት ድኳናት ኣለዋ፡ ንኣብነት ከምቲ ብሕሱር ዚሸይጥ ሊድል። ካብቲ ሰንትሩም ሓሙሽተ ኪሎመትር ርሒቕካ፡ ሁላን ዚብሃል ከባቢ ኣሎ፡ ኣብኡ እቲ ኢካ ክቫንቱም እተባህለ ዓቢ ሱፐርማርከት ይርከብ።

ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ቫተንፓላሰት እተባህል ውሩይ መሐምበሲ ኣሎ። ኣብኡ ንኺሕምብሱ ካብ መላእ ናይ ዮተቦሪ ከባቢ ይመጹ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ለሩም ኮምዩን ክኢላታትን ውፉያትን ሰራሕተኛታት ዘለዎ ልዕሊ 50 ኣብያተትምህርቲ ህጻናትን መውዓሊ ስድራቤትን ኣሎ። ኣብ ለሩም ኮሙናውን ብሕታውን ምርጫታትውን ኣሎ።

ብእግሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ቈልዑ መውዓሊ ህጻናት።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ናይ ለሩም ኮምዩን ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ፡ ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ መውዓሊ ስድራቤት፡ መባእታ ኣብያተትምህርትን ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ን ትምህርቲ ንዓበይት ን። ኮሙናውን ብሕታውን ምርጫታትውን ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም ብዙሕ መደባት ዘለዎ ናይ ለሩም ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ኣብቲ ከባቢ ድማ ክትመርጾም እትኽእል ብዙሓት ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ዮተቦሪ፡ ቡሮስ ወይ ኣሊንግሶስ።

ዕድላት ትምህርቲ

ነቶም ከም ዓበይቲ ኪመሃሩ ዚደልዩ፡ ኣብ ለሩም ብዙሕ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ትምህርቲ ንዓበይቲ ኤስኤፍኢ (ሽወደን ንወጻእተኛታት) ክትመሃር ትኽእል፡ ከምኡውን ካልእ እተፈላለየ ኮርሳት ወይ ስልጠና። ንክንክን ጥዕና፡ ሶሲዮሎጂን ኣጠቓቕማ ኮምይፕዩተርን ዚምልከት ኮርሳት ኣሎ። ናብ ዮተቦሪ እትኸይድ ባቡር 20 ደቓይቕ እያ እትወስድ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ናይ ትምህርቲ ምርጫታት ኣሎ፡ ንኣብነት ኣብ ዮተቦሪ ዩኒቨርሲቲን ቻልመርስ ተክኒካል ኮለጅን።

ተምሃሮ ብሓባር ቡን ኣንዳሰተዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ናይ ለሩም ኮምዩን ብዛዕባ ጥዕናን ክንክንን ብዙሕ ምርጫታት ኣሎ። ኣብ ፍሉዳ፡ ግሮቡን ለሩምን፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዚርከባ ሰለስተ ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ኣብኣተን ናይ ህጻናት ክሊኒክን (BVC) ናይ መወልዳን ክሊንክን ኣሎ። ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩም፡ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን መድሃኒት ክሊኒክ፡ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ፡ክፍሊ መወልዳንን ናይ ጥዕናዊ ምሕዳስ ክሊንክን ኣሎ። ከምኡውን ብዙሕ መንግስታውን ብሕታውን ናይ ስኒ ሕክምና ክሊኒካት ኣሎ። ኣብ ፍሉዳ፡ ግሮቦን ኣብ ናይ ለሩም ሰንትሩምን ህዝባዊ ሕክምና ስኒ ኣሎ። ኣብ የተቦሪ ብዙሓት ብክኢላታት ዝተሰነያ ሆስፒታላት ኣለዋ፡ ከምኡን ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ኩሉ ትካላት ኣብ እትገብሮ ርክብ፡ ናይ ትርጉም ምርካብ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብ ለሩም ንየቶቦሪ ብባቡር 18 ደቓይቕ ይወስድ፡ ብኣውቶቡስ ከኣ 28 ደቓይቕ። ኣውቶቡስን ባቡርን ኩሉ ግዜ ኣለዋ። ኣብ መንጎ ለሩምን ዮተርቦሪን ዘሎ ጽርግያ ኣዚዩ ምዕቡል እዩ። ኣብ መንጎ ለሩምን ዮተቦሪን ዘሎ ቅርበት፡ ንበጺሕካ ምምላስ እውን ግሩም እዩ። ብዙሓት ኣብ ለሩም ዚነብሩ ሰባት ኣብ ዮተርቦሪ ይሰርሑ። ብዛዕባ ሰዓታትን ዋጋን ኣብ ናይ ቨስትራፊክ ወብሳይት ተመልከት።

ናብ ሓንቲ ባቡር ዝድይቡ ሰባት ዘለውዎ መድረኽ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።