Lilla Edet

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ግሩም ትሕተቅርጽን ግሩም መራኸቢታትን ግሩም መንበሪ ኣባይትን ነቲ ናይቲ ኮምዩን ምዕባለ መሰረት እዩ። ኣብዚ ኣብ ጥቓ ቤትትምህርቲ ህጻናትን መደበኛ ቤትትምህርትን፡ ድኳናትን ናይ ዕረፍቲ ቦታታትን ጽቡቕ መንበሪ ኣባይቲ ይስራሕ ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ቅርጻ መሬት ምስ ፈለግ ዮታ

ወሓዚ ዮታ ኣልቭ ካብ ሰሜን ንደቡብ ብሊላ ኤደት ኮምዩን ገይሩ እዩ ዚሓልፍ። እቲ ተፈጥሮን ዮታ ኣልቭን ምሉእ ዓመት ንተፈጥሮ ከም እተደንቕ ይገብረካ። ኣብዚ ሓደ ካብቲ ኣብቲ ሃገር ዝበለጹ ናይ ዓሳ ማያትን ናይ ዙረት ቦታን ኣሎ። ሊላ ኤደት ሓንቲ ካብተን ንዮተቦሪን ትሮልሃታንን ኡደቫላን ዝቐረባ ኮምይንናት እያ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ሊላ ኤደት ኮምዩን ብዙሓት ብሕታዊ ኣካረይትን ሓንቲ ኮሙናዊ ትካል ኣባይትን ኣለዋ። ትካላት ኣባይቲ ገዛውቲ ክትካረን ሪጋ ንኽትሕዝን ሓበሬታ ይህባ። ሊላ ኤደት፡ ኮሙናዊ ናይ ኣባይቲ ደልዳሊ የብላን።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

በቶም ሓደስቲ መጻእቲ ተቐማጦ ዚዝረባ ቋንቋታት ካብ ብዙሓት እዚኣተን እየን፣ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ታይላንድን ሶማሊን። ኣብቲ ኮምዩን 15-20 ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ኣለዋ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

እቲ ኮምዩን ንኹሉ ዕድመታት ዘሳትፍ ሰፊሕን ንጡፍን ማሕበራዊ ህይወት ኣለዎ። ኣስታት 100 ምዝጉባት ማሕበራት ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ሊላ ኤደት ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ናይ ዜጋታት ኣገልግሎትን ዝሓዘ ናይ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ኣሎ፡ ኣብኡ ንሓፈሻዊ ሕቶታትካ መልሲ ትረክብ። ኣብኡውን ቤትጽሕፈት ዕዮን ቤትጽሕፈት መድህንን ኣሎ። ጥቓኡ ፋርማሲን ማእከል ጥዕናን ህዝባዊ ሕክምና ስንን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ኤከን ፋሚልየሰንትራለን ናይ ህጻናት ክሊኒክን ማእከል ጥዕናን ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናትን ብሓደ ትረክብ። ምስኡ ተላጊቡ ድማ ናይ ስድራቤት ትምህርቲ፡ ማሕበረሰብኣዊ ኣገልጋሊን ሳይኮሎጂስትን ኣሎ። ብተወሳኺ ግሮሰሪታት፡ ባንክታት ሰከንድሃንድ ቡቲካት፡ መከፋፈሊ ኣልኮላዊ መስተ፡ እንዳ ፒሳታት ካፈታትን ኣብያተመግብን ኣሎ።

እቲ ኮምዩን ነቶም ስራሕ ዚደልዩ ዚድግፍ ናይ ስራሕ ዕድል ቤትጽሕፈት ኣለዎ፡ ከምኡውን ናይ ስደተኛታት መቐበልን ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) ስልጠናን ኣሎ።

ኣብቲ ኮምዩን ንኹሉ ዕድመ ዚኸውን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብኡ ግሩም ናይ መዛወሪ መገድትታት፡ ቤትንባብ፡ ቤተመዘክር፡ ሲነማ፡ ኣደራሽ ህዝቢ፡ ኣብያተክርስትያን፡ ኣርቲፊሻል ሳዕሪ ዘለዎ ሜዳ ኵዕሶ፡ ኣደራሽ መንሸራተቲ፡ መጋለቢ፡ ጂም፡ ሜዳ ተኒስ፡ ናይ ስፖርት ኣደራሽ፡ ኣብ ዮታ ኣልቭ ምግፋፍ ዓሳ ወዘተ. ኣሎ። እንታይ ክትገብርን ክትምኮርን ከም እተድሊ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ወብሳይት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ናይ ናእሽቱ መራኽብ ወደብ ኣብ ፈለግ ዮታ ምስ ዕምባባታት ብቕድሚት ገጹ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ክንክን ህጻናት ኣብ ኩሉ ክፋላት ናይቲ ኮምዩናት - ሊላ ኤደት፡ ዮታ፡ ሎደሰ፡ ኒጎርድ፡ ፕራሰቡ፡ የርቱምን ቨስተርላንዳ፡ ኣሎ። ኣብ ሊላ ኤደት፡ ብሕታዊ ክንክን ህጻናት ኣሎ።

ናይ ቈልዑ መጽሓፍ ዝሓዘ ቈልዓ መውዓሊ ህጻናት

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሊላ ኤደት ንደቂ 6-15 ዚኸውን ኣርባዕተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ይርከባ፡ ከምኡውን ሓንቲ ብሕታዊት ቤትትምህርትን ሓንቲ ድማ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ኣለዋ። ብዙሓት ናይቲ ኮምዩን መንእሰያት ኣብ ካልእ ቦታ እዮም ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዝመሃሩ፡ ብቐዳምነት ኣብ ናይ ዮተቦሪ ከባቢ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ እንተ ኾንካን ሽወደን ክትመሃር እንተ ደሊኻን እቲ ኮምዩን ሽወደን ንወጻእተኛታት (sfi) የቕርበልካ ናብቲ ናይ ማሕበራዊ ምልላይ ዚብል ኮርስ ክትምዝገብ ድማ ይሕግዘካ። ማሕበራዊ ምልላይ ዚብል ኮርስ ብምትሕብባር ከተማ ዮተቦሪ እዩ ዚካየድ።

ናትና ለርሰንትሩም ትምህርቲ ንዓበይቲ የቕርብ። ኣብኡ ድማ ሽወደን ከም ካላኣይ ቋንቋ ብመባእታውን ብካልኣይ ደረጃን መልክዕ ይውሃብ።

ሊል ኤደት ምስቲ ናይ ዮተቦርይ ዞባ ንካልኣይ ደረጃዊ ሞያዊ ስልጠና ብዚምልከት ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ኣለዋ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ነቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ሞያ ተሓጋጋዚ ርኸቦ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ሊላ ኤደት ኮምዩን፡ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ስኒ፡ ከምኡውን ናይ ኣደታትን ህጻናትን ማእከላት፡ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ፡ ናይ ኣረጋውያን ክንክን፡ ክፉት ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ፡ ሰፊሕ ናይ ህጻናትን ስድራቤትን ደገፍ ዘለዎ ናይ ስድራቤት ማእከል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ሊላ ኤደት ኮምዩን ናይ ባዕላ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት የብላን፡ ግን ምስ ቤትጽፈት ዕዳጋ ስራሕን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ብዘሎ ስምምዕ ንኣኻ ከም ሓዲስ መጻኢ ብቛንቋ ኣደኻ ተርጓማይ ኪግበረልካ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

E45 ዚብሃል ጽርግያ ብምስራሑን ሓድሽ ድርብ ዝመስመሩ መገዲ ባቡር ድማ ስለ ዘሎን፡ ብማኪናን ኣውቶቡስን ባቡርን ጌርካ ኣብን ናብን ሊላ ኤደት ኮምዩን ብቕልጡፍ ክትንቀሳቐስ ትኽእል። ብግሩም መገዲ እተሰርሐ ናይ ኣውቶቡስ መስመራት ንኹላተን ናይቲ ኮምዩን ከተማታት (ሊላ ኤደት፡ ዮታ፡ ሎደሰ፡ ኒጎርድ፡ ፕራሰቡ፡ የርቱምን ቨስተርላንዳ) ምስ ትሮልሃታን፡ ኩንግኣልቭን ስተኑንግሱንድ የተኣሳስር ከምኡውን ምስ ሎደሰ ሰድራ፡ ካብኡ ባቡር ክትወስድ ትኽእል።

ናይ ባቡር ሰሌዳ ሰዓታት

  • ሎዶሰ ሰድራ መዕረፍ ባቡር - ዮተቦሪ ሰንትሩም፡ ኣስታት 25 ደቓይቕ
  • ሎዶሰ ሰድራ መዕረፍ ባቡር - ትሮልሃታን መዕረፍ ባቡር፡ ኣስታት 13 ደቓይቕ

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ Västtrafiks ን SJs ወብሳይት ተመልከት።

SJ
ካብ ትርኢት ዓይኒ ኣንዳ ጠፍአ ዝኸይድ መገዲ ባቡር

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ኮምዩን ልዕሊ 100 ዋኒናት ኣለዋ። ናይ ክገብር በሃሊ መንፈስ ልዑል እዩ፡ ዕብየት ናይ ሓደስቲ ዋኒናት ድማ ግሩም እዩ። ዓመት ዓመት ብዙሓትን ብቑዓትን ዋኒናት ይፍጠራ። ካብተን ዝዓበያ ንምጥቃስ፤ SCA Hygiene Products AB, Storel, Solhagagruppen ከምኡውን Electrolux እየን። እቲ ኮምዩን ማእከላይ ቦታን ብምኽንያት ናይቲ E45 ዚብሃል ጽርግያን መገዲ ባቡርን ወሓዚ ዮታን ግሩም ናይ መራኸቢ መስመራት ስለ ዘሎን፡ SCA ን Storel ን ነቲ ሰሜናዊ ንጥፈታተን ኣብኡ ገይረንኦ ኣለዋ። ሓባራዊ ናይ ጉዕዞ ትራፊክ ድማ ናብተን ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ዝኾና ከተማታት ዮተቦርን ትሮልሃታንን ንምግያሽ ኣቃሊሉዎ ኣሎ።

እቶም ናይ ባዕሎም ዋኒን ንምጅማር ተገዳስነት ዘለዎም ነቲ ናይቲ ኮምዩን ቁጠባዊ ኣደንፋዒ ኪረኽቡዎ ይኽእሉ። ኣብኡ ብመልክዕ ፍልጠትን ምስ ሰብ ምልላይን ተመክሮን፡ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል።