Munkedal

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሙንከዳል - ዝበዝሐ ካብ ሂወት! ናይ ሙንክዳል ኮሙን ካብቲ ንዞባ ቡሁስሌን ልሙድ ዝኾነ ዘደንቕ ካብ ፍራያም ጐላጕል በሪኹ ዝወጸ ጎቦታ ካሳብ እቲ ናይ ጎቦታት በረኻን ቃድራ መሬትን ዝተፈላለየ ተፈጥሮ ኣሎዎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ብዙሃት ካያክ ኣብ ባሕሪ ካብ ሙንከዳል ወጻኢ።

ኣብ ናይ ሙንክዳል ኮሙን ናብ ኵሉ ቀረባ እዩ። ናብ ዮተቦርይ ብማኪና ሓደ ሰዓት፣ ናብ ኦስሎ ክልተ ሰዓት ከምኡ'ን ንሾፐንሃምን 4,5 ሰዓት ይወስደልካ። ናብቲ ገማግም ባሕሪ ብ30 ደቓይቕ ትበጽሕ። ዘደንቕ ጸምጸም በረኻ ከተስተማቕር እንተ ደሊኻ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ማዕጾኻ ምውጻእ ጥራይ እኹል እዩ።

መንበሪ-ገዛ

ሙንከዳል ኮሙን ገጠራዊ ኮሙን ኮይኑ ብዙሕ ቪላን ናይ ሕርሻ መሬትን ኣለዎ፡ ከምኡውን ኣብቲ ወረዳታትና ቪላን ኣፓርትማን ኣሎ

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ሽወደንን እንግሊዝን። ናይ ሓደስቲ መጻእቲ ቋንቋታት፣ ዓረብ፡ ፋርስ፡ ትግርኛ፡ ዳሪ፡ ፓንጃብ፡ ሶማሊ፡ ሮማኒ፡ ሉጋንዳ

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሙንክዳል ኮሙን ብዙሕ ናይ ትርፊ ግዜ መዘናግዒ ኣማራጺታት ኣሎና። ኣብዚ፡ እቶም ኣዚዮም ኣብ ስፖርት ልሙዳት ዝኾኑ ከም ጎልፍ፡ ምግላብ፡ ናይ ህጻናት ጂምናስቲክ፡ ናይ ምንቅስቓስ ጂምናስቲክ፡ ናይ ገዛ ኵዕሶን ሆኪን ወዘተ. ይርከቡ። ከምኡውን ብዙሕ ናይ መጽናዕቲ ፈደርሽን፡ ባህላውያን ማሕበራት፡ ናይ ሓገዝ ውድባትን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን። ነዚኣቶም ንምርካብ እቲ ዝቐለለ መገዲ፡ ምድዋል እዩ። ናታቶም ቍጽሪ ተለፎን ኣብቲ ናይቲ ኮሙን መርበብ ኢንተርነት ትረኽቦ።

ሓኾርቲ ኣብ ቤርፈንዳል ኣብ ዝርከብ ጎቦ

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ዲንግለ

ንግዳዊ ኣገልግሎት፣ ኢካ፡ (ሎተሪ ቲከት መሸጢ፡ መውጽኢት ገንዘብ)፡ እንዳ በንዚና፡ እንዳ ፒሳታት፡ እንዳ ቀምቃማይ።

ሀደካስ፣

ንግዳዊ ኣገልግሎት፣ ናይ መግቢ ቡቲክ (ምብጽጻሕ ባኮ/ኮሊ፡ ወኪል መስተ)፡ ናይ ምቾት ቡቲክ (ወኪል ፋርማሲ፡ እንዳ ፒሳ)፡ እንዳ በንዚና።

ሃለቫድስሆልም

ንግዳዊ ኣገልግሎት፣ ኢካ (ፖስታ፡ ደረቕ ሕጽቦ፡ መውጽኢት ገንዘብ፡ ቲከት ኣውቶቡስ)፡ እንዳ በንዚና (ምብጽጻሕ ፖስታ፡ ካሳዪሮ፡ ወኪል ሎተሪ) ናይ ዙረት ኣጕዶ፡ መዐሸጊ ማኪና ገዛ።

ሙንከዳል

ንግዳዊ ኣገልግሎት፣ ኢካ (ፖስታ፡(ምብጽጻሕ ፖስታ፡ መውጽኢት ገንዘብ)፡ ኩፕ፡ (መውጽኢት ገንዘብ) ሀምሾፕ። ናይ ምቾት ቡቲክ፡ እንዳ ፒሳ፡ ባንክ፡ እንዳ ነዳዲ፡ ኪዮስክን መጻወት ሎቶርያን (ካሳ ዪሮ)፡ ወኪል መስተ፡ መጸገን መኻይን፡ ሕጽቦ ማኪና፡ እንዳ ክዳውንቲ፡ እንዳባኒ፡ እንዳ መነጽር፡ ቀምቃማይ፡ እንዳ ዕምባባ፡ ኣቕሑ ህንጻ፡ ራድዮን ቲቪን ቡቲክ፡ ናይ ገዛ ናውቲ፡ ሰከንድሃንድ፡ ሓራጅ ወዘተ።

መዓልቲ ስድራ ቤታት ኣብ ናይ ሙንከዳል ኣደባባይ።

ኣብ ቀረባ፣ 24 ሰዓታት ዚኽፈት ራስታ ሆቢ ቡቲክ፡ ሞተልን እንዳ ነዳድን (ጋዝን ኤለትሪክን ከይተረፈ) (ኣብ መንጎ ዲንግለን ሙንከዳልን ይርከብ)፡ ኢከያን ቶርፕ ሾፕሰንትሩምን (ኡደቫላ ኮሙን)፡ ታኑም ማእከል ዕዳጋ፡ (ናይ ታኑም ኮሙን)

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ሙንከዳል ኮሙን ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ኣጸደ ህጻናትን ኣጸደህጻናት ስድራቤትን/ትምህርታዊ ክንክንን ኣሎ። ኣብ ከተማታት ሙንከዳል ክፉት ኣጸደ ህጻናትውን ኣሎ

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሙንከዳል ኮሙን፡ ትምህርቲ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ንጥፈት እዩ። እቲ ኮሙን ንኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ይጥምት። ቅድመ-ቤትትምህርትን መባእታዊ ቤትትምህርትን 6ይ ክፍልን ኣብ ዲንግለ ሃለቫድስሆልምን ኣብ ሙንከዳል ድማ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ይርከብ። እቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኩንግስማርክስኩላን 7ይ-9ይ ክፍሊ ይጥርንፍ። ኣብ ሰርብይግደን ቅድመ-ትምህርቲ ክላስ ኣሎ፡ ኣብ ሀደካስ ድማ ክሳዕ 6ይ ክፍሊ ዚኸይድ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ኣሎ።

እቲ ናይ ኡደቫላ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ከም ናይ መንእስያት ቤትትምህርቲ መጠን ሰፊሕ ናይ መደባት ኣማራጺታት ኣለዎ። ይኹንምበር ምስ ፍርያት ወረቐት ኣርክቲት ፐይፐር ኦ.ቤ፡ ከምኡውን ምስ ተክኒካዊ መስርሕ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ እተኣሳሰረ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብ ናይ ተክኒካዊ መስርሕ ኢንዱስትሪ ናይ ሞያ ስልጠና ይህብ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምርህቲ ምስ ናይ ኩንስካፕስ ሁስ ኮምቩክስ እተኣሳሰረ ውልቃዊ መደባት ኣለዎ። ኣብ ሙንከዳል ፍሉይ ቤትትምህርትን ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን ይርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ኣብ ናይ ሙንከዳል ኩንስካፐንስ ሁስ ዘሎ ኮሙናዊ ትምህርቲ ኣባጽሕ፡ ኮምቩክስ፡ ብኹሉ ደረጃታት ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ንኣባጽሕ ክሳብ ኮለጃዊን ዩኒቨርሲታውን ትምህርቲ፡ ከምኡውን ኤስኤፍኢ ማለት ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት የዳሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ናይ ጥዕናን ክንክንን ክሊኒክ ኣብ ሙንከዳል ኮሙን

ዲንግለ፣ ዞባዊ ነርስ ክሊኒክ፡ ሕኪም ስኒ፡ ቨተሪናሪ (ሓኪም እንስሳ)

ሀደካስ፣ ዞባዊ ነርስ ክሊኒክ

ሃለቫድስሆልም፣ ሓኪም ስኒ

ሙንከዳል፡ ማእከል ጥዕና፡ ናይ ኣደታት ማእከል ጥዕና (MVC) ናይ ህጻናት ማእከል ጥዕና (BVC)፡ ፋርማሲ፡ ሓኪም ስኒ።

ኣብቲ ከባቢ

ህጹጽ ረድኤት፣ ነል፡ ትሮልሃተን

ህጹጽ ረድኤት (ዓጽምን ዓይንን)፣ ኡደቫላ ሆስፒታል

ህጹጽ ረድኤት ማእከል፣ ሊሰኪል ረፈራል

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ነቲ ናይ ሓደስቲ መጻእቲ ሓበሬታ ርኸቦ፣ informationnyanlanda@munkedal.se ከምኡውን 072-214 12 25 (ሰኑይ ሓሙስ 8.3011:00)

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

መገዲ E6 ብምብራቕ ክፍሊ ሙንከዳል ኮሙን ይሓልፍ ነቲ ብመኻይን ዚግበር ምንቅስቓስ ትራፊክ ድማ ግሩም እዩ። ናይ ሓባር መጎዓዝያ ብቨስትራፊክ ዚካየድ ኮይኑ ባቡርን ኣውቶቡስን ዞባዊ መጎዓዝያን ይጥርንፍ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

እቲ ናይ ሙንከዳል ኢንዱስትርያዊ ህይወ በቲ Arctic Paper AB እተባህለ ፋብሪካ መፍረ ወረቐት እተዓብለለ እዩ። እቲ ኩባንያ ድማ ብዙሕ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ኣብቲ ኮሙን እቲ ዝዓበየ እዩ። ነኣሽቱ ኩባንያታትውን ብብዝሒ ኣለዋ። ኣብዚ፡ ብዙሓት ናብ ንግድን ኣገልግሎትን ሰክቶር ኣገልግሎትን ይርከባ። ሙንከዳል ኮሙን ኣብ ግሩም ዝኾነ ምስ ቡሁስለን፡ ፊርስታድ ከባቢን ምስ ዮተቦሪን ዘራኽብ ናይ ባቡር መገዲ እያ እትርከብ።