Skövde

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሾቭደ ኮሙን ምስቶም 53 000 ነበርታ ቀንዲ ከተማ ኣብ ንኡስ ዞባ ስካራቦርይ ኾይና ኣብ መንጎ እቶም ዓበይቲ ባሕሪ ቬነርንን ቬተርንን ተደኵና ትርከብ። ናብ መብዛሕትኡ ቀረባ ዝኾነት እንዳ ዓበየት ትኸይድ ዘላ ኮሙን!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዘምበልብል ባንዴራታት ናይ ሽወደን ኣብ ማአከለን ሓንቲ ባንዴራ ናይ ሾቭደ ከተማ ኣርማ ዘለዋ።

ሾቭደ ኣብ ምዕራባዊ ቀንዲ መስመር ባቡር ኣብ መንጎ ዮተቦርይን ስቶክሆልምን ትርከብ።

ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ፡ ዝነኣድ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዘዋደደ ዞባ እዩ። እዚ ኣገልግሎታት'ዚ፡ ክንክን ቆልዑ፡ መባእታዊን ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ካልእን የጠቓልል። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ዝተፈላለያ ትምህርታዊ ኣገልግሎታት ዝህባ ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርታት ውን ኣለዋ። ከተማ ኾቭደ፡ ከም ኡንድስትርያዊትን ናይ ትምህርትን ከተማ እያ ትፍለጥ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ እቲ ዝዓበየ ወሃቢ-ስራሕ ትካል ቮልቮ ኮይኑ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ምስ ግዜ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ትምህርታዊ ትካል እዩ። ናይ ስራሕ ዕድላት ኣብ ከተማ ኾቭደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሒ። ዝዓበየ ዕድላት ስራሕ ኣብ ጽላታት ኢንዱስትሪ፡ ንግድን ክንክን ይርከብ። ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ውን እንተኾነ በተን ዝውንነን ነኣስቱ ትካላቱ ኣዝዩ ህቡብ'ዩ። መብዛሕትአን ወነንቲ ናይዘን ትካላ ናይ ማእከላይ ምብራቕ መበቆል ዘለዎም ዜጋታት ይርከቡዎም። እቲ ኣብ ኾቭደ ዝርከብ ኣስታት 1500 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ሆስፒታል ስካበሪ ነቶም ነቶም ኣብቲ ከባብን ርሑቕን ዝርከቡ ዜጋታት ጥዕናዊ ክንክን ኣብ ምሃብ ይነጥፍ።

ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ፡ ኣብ ጥንታዊ ባህላዊ ከባቢ ዝተደኮነ ከተማ ኮይኑ፡ መሳጢ ከባብያዊ ኣቃውማ ኣለዎ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ትካላ ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ። ብብምሕዳር ናይቲ ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ውን ኣለዋ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ንትሕዝቶ ሓበሬታታት ብቋንቋኹም ተርጒምኩም ከተንብብዎ ትኽእልሉ ዕድል ኣለኩም።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ ዝተፈላለየ መንብሪ ኣባይቲ ይርከብ። ንኣብነት ዝካረ፡ ዝግዛእ ከምኡ ውን ፍልይ ዝበለ ነንበይኑ ዝተሃንጸ ነኣሽቱ ገዛውቲ ይርከብ። ኣብቲ ከተማ ዝተፈላለየ ዝካረ መንበሪ ኣባይቲ ዘለዎ ከባቢታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ናይቲ ዝካረ ኣባይቲ፡ በታ ብምምሕዳር ከተማ እትወነን ትካል ክራይ ኣባይቲ፡ ኾቭደቡስተደር፡ ይውነን። ካብተን ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ብግሊ ዝውነና ትካላት ክራይ-ኣባይቲ፡ ኣፓርትመንት ከምኡ ውን ባልደ ዲን-ቡስታድ ይርከባ። ዝርዝር ኩለን ትካላት ክራይ-ኣባይቲ፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ፡ ነዊሕ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ታሪኽ ዘለዎ ዞባ እዩ። መብዛሕትኦም ናብዚ ዞባ ዝመጹ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ-ምብራቕን ኣውሮጳን እዮም። ኣብ መወዳእታ ናይ 1960 ከምኡ ውን ኣብ መጀመርያ ናይ 1970፡ ካብ ሃገራት ባልካን (ምብራቕ-ኣውሮጳ) ብዙሓት ኣብ መዳይ ኢንዱስትሪ ንምስራሕ ናብዚ ከተማ መጺኦም። ኣብ ዝቐጸለ ክፋል ናይ ዓመተ 1970 ውን ካብ ቱርክን ሊባኖስን ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብዚ ዞባ መጺኦም። እዞም ካብ ቱርክን ሊባኖንስ ዝመጽኡ፡ ኣብ ንግዳዊ መዳይን ምምስራት ትካላትን ኣብዚ ከባቢ፡ ድልዱል ሰረት ኣለዎም። ካልእ ኣብዚ ቦታ ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ሶማል፡ ኮንጎን ኣፍጋንስታንን ይርከብዎም። መብዛሕታኦም ተቐማጦ ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ፡ ብዜካ ሽወደን እንግሊዘኛን ካልእ ብርክት ዝበለ ቋንቋታት ይዛረቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ከም ማእከላይ ከተማ ናይቲ ዞባ መጠን፡ ከተም ኾቭደ ንጡፍ ምንቕስቓስ ማሕበራት ዘለዎ ክኸውን ንቡር እዩ። ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ምምሕዳር ከተማ ኾቭደ ብምእታው፡ ዝርዝር ናይተን ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን፡ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብዙሓት ኣባላት ሓቍፈን ዝርከባ፡ ኣብ ስፖርት ዝነጥፋ ብዙሓት ማሕበራት ኣለዋ። ኩዕሶ-እግርን ኩዕሶ ሰኪዔትን፡ ካብቲ ኣዝዩ ህቡብ ስፖርታዊ ጸወታታት ናይቲ ከተማ እዩ። ብዜካ እዘን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ሜዳታት ዝነጥፋ ማሕበራት፡ ካልኦት ውን ካብ ነኣሽቱ ክሳብ ዓበይትን ኣረጋውያንን ዝጥርንፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ኣለዋ። መብዛሕትኦም ተቐማጦ ከተማ ኾቭደ፡ ኣባላት ናይ ገለ ማሕበር እዮም። ኣብዚ በዘን ማሕበራት ዝምእከል ርኽክባት ከኣ እዩ ሓደ ሰብ፡ ሓደስቲ ሰባት ዝላለን ናይ ርኽክባት ሰክዔቱ ዘስፍሕን። ኣብ ከተማ ኾቭደ፡ ናይ ኣሲርያውያንን ሱርያውያንን፡ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ወይ ሰበኻታት ኣለዋ። ብዜካ'ዚ፡ ኣብቲ ከተማ መስጊድ ናይ ምህናጽ መደብ ውን ተወጢኑ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ናይ ሶማላውያን ውን ክልተ ማሕበራት ኣብ ከተማ ኾቭደ ኣለዋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ከተማ ኾቭደ፡ ማእከል ወይ ዝዓበየት ከተማ ናይቲ ዞባ ብምዃና መጠን፡ ኩሉ ዘድሊ ቀረባት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣለዋ ክበሃል ይከኣል። ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን)፡ ማዕከን ማሕበራዊ-ውሕስነት (ፎርሸክሪንግስካሳ)፡ በዓል-መጺ ቀረጽ (ስካተቨርከት) ኣብዚ ከተማ ኣብያተ-ጽሕፈታት ኣለዎም። ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ብዝምልከት ንኣብነት፡ ፍሉይ ክፍሊ ሓደስቲ ስደተኛታትን ክፍሊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብን ይርከብ። መብዛሕትኦም መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ኣብ ኣደባባይ ወይ ሰንትሩም ናይ ኾቭደ ይርከቡ። ጥቃ-ጥቃ ስለዝርከቡ ኸኣ፡ ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ መንግስታዊ ቤት-ጽሕፈት ምኻድ ኣዝዩ ቀሊልን ስሉጥን ይገብሮ።

ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኾቭደ (ሰንትሩም)፡ ቤት-ንባብ ዘለዎ ባህላዊ ማእከል ኣሎ። ኣብዚ ባህላዊ-ማእከል'ዚ፡ መጽሄታት፡ ጋዜጣታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ትረኽቡ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ማእከል ስነ-ጥበብን ትያትርን ውን ኣሎ።

ከተማ ኾቭደ ብዕድጊ ኣዝያ ህብብቲ እያ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝመጸ ስብ ዝውሕዘን ዝተፈላለያ ዓበይቲ ናይ ዕድጊ-ማእከላት ወይ ድኳናት ኣለዋ። ንብረት ወይ ኣቍሑ ብሕሱር ዋጋ ንምግዛእ ክትቀጣቀጥ ወይ ውን ብሕሱር ኣብ ድኳናት ዘገልገለ-ንብረት ክትገዝኡ ትኽእሉ። ፍሉይ ፍርያት ማእከላይ-ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ዝኾነ ንብረት ጥራይ ዝሸጣ ድኳናት ውን ኣብዚ ቦታ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘን ዝጸንሓ እየን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ኾቭደ፡ ዝነኣድ ኣገልግሎት ክንክንን መውዓልን ህጻናት ኣሎ። ኣብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ክወሃበኩም ሓጺር ግዜ ጥራይ ኣብ ሪጋ ምጽናሕ የድልየኩም። ብገምጋም ገለ ሰሙና ኣቢሉ ይወስደልኩም። ስድራ-ቤታት ንደቆም ኣብቲ ኣብ ጥቕኦም ዝርከብ መውዓሊ-ህጻናት ቦታ ንኽወሃቦም፡ ኩለን ማእከላት መውዓሊ-ህጻናት ብትግሃት ዝሰርሓሉ ነገር'ዩ። መብዛሕትአን ማእከላት መውዓሊ-ህጻናት መንግስታዊ ኮይነን እዚ ማለት ግን ናይ ግሊ የለዋን ንምባል ኣይኮነን። ብግሊ ዝውነና መውዓሊ-ህጻናት ውን ኣለዋ እየን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ሾቭደ ብርክት ዝበላ ናይቶም ኮሙን ነበርቲ ድልየት ግርም ጌረን ዘማልኣ ናይ መባእታዊ-ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ውን ብዙሓት ኮይነን፡ ዝተፈላለየ ኣንፈት ዘለዎ ናይ ትምርህቲ መደባት የአንግዳ። ዝበዝሓ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ኮሙናላውያን ኮይነን፡ ናይ ግሊ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ተወሰኽቲ ኣሎዋ።

ዕድላት ትምህርቲ

ከተማ ኾቭደ ናይ ትምህርቲ ከተማ ብምዃና፡ ሰፊሕ ናይ ትምርህቲ ዕድላት ክህልዋ ንቡር እዩ። ብዜካ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ትምርህቲ ብዛዕባ ሕብረተ-ሰብ ሽወደንን ዝተፈላለየ ክልስ-ሓሳባውን ግብራውን ትምህርቲ ዝአንግድ ማእከል ትምህርቲ ንዓበይቲ ውን ኣሎ። ኾቭደ ዩኒቨርስቲ፡ በቲ ኣብ መዳይ ጸወታታት-ኮምፕዩተር ዘትኮረ ዝህቦ ዓውዲ-ትምህርቲ፡ ኣዝዩ ህቡብ እዩ። ብዜካ'ዚ እዚ ዩኒቨርስቲ'ዚ ብርክት ዝበላ ካልእ ትምህርታትን ኮርሳትን ውን የአንግድ። ነቶም ኣካደምያዊ ትምህርቲ ዘለዎም ሓደስቲ ስደተኛታት ውን ኣብቲ ኣብዚ ዩኒቨርስቲ ዝወሃብ ሓጺር-መንገዲ (ኮርታቬገን) ዝተሰምየ መደብ ናይ ምስታፍ ዕድላት ኣለዎም። ዕላማ ናይዚ መደብ'ዚ፡ ነዞም ስደተኛታት ቀልጢፎም ኣብ ኣካደምያዊ ዓለም ንምጽንባሮም ዝዓለመ እዩ።

ተምሃሮ ንኣስተምህሮታት ናብ ናይ ሾቭደ ዩኒቨርሲቲ እንዳ ኸዱ ኸለዉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ከተማ ኾቭደ፡ ኣዝዩ ስሉጥን ዝነኣድን እዩ። እታ ዝዓበየት ኣብቲ ከተማ እትርከብ ኣስታት 1500 ሰራሕተኛታት ዘለዋ ሆስፒታል፡ መቐበሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ፍሉይ ጥዕናዊ ክንክንን ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይታ ከተማ ውን ነኣሽቱ ማእከላት-ጥዕና፡ ንኣብነት ከም ፍሉይ ሕክምና ህጻናትን ኣዴታትን፡ ኣለዋ። ብዜካ መንግስታዊ ናይ ግሊ ጥዕናዊ-ማእከላት ውን ኣብቲ ከተማ ኣለዋ። ኣን ከተማ ኾቭደ፡ ንግዳያት ውግእን ስቓይን ዝኾኑ ሰባት ዝኣሊ ናይ ቀይሕ-መስቀል ማእከል ውን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ከተማ ስካራቦሪ፡ ብርክት ዝበሉ ተርጎምቲ ኣለዉዎ። እቲ ኣብ ከተማ ማርየስታድ ዝርከብ ማእከል ትርጉም ከኣ፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ እንዳተንቀሳቐሱ ዝሰርሑ ተርጎምቲ ኣብ ምምሕዳር ይነጥፍ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ከተማ ኾቭደ ማእከላይ ከተማ ናይቲ ዝርከበሉ ዞባ ብምዃኑ መጠን፡ ስሉጥ ኣገልግሎታት መጎዓዝያ ክህልዎ ንቡር እዩ። ካብ ኾቭደ ናብ ዮተቦሪ ብባቡር ናይ ሰዓት ጉዕዞ እዩ። ንስቶክሆልም ከኣ፡ ብባቡር ክልተ ሰዓት ይወስድ። ዋላ ውን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ዓዲታት ናይቲ ዞባ፡ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኣውቶቡሳት ኣዝዩ ስሉጥ እዩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቬስት-ትራፊክ ብምእታው ንመጎዓዝያን ሰዓታት ንቕሎን ካልእን ዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣስታት 40 ሚእታዊ ኣታዊታት ከተማ ኾቭደ፡ ካብቲ ብነኣሽቱ ትካላትን ፋብሪካታትን ዝኽፈል ቀረጽ ዝመጽእ እዩ። ኣብ ከተማ ኾቭደ፡ ናይ ውልቂ ትካል ንምጅማር ኣዝዩ ምቹእ ባይታ ኣሎ። መብዛሕትአን ናይተን ኣብዚ ከተማ ዝርከባ ነኣሽቱ ትካላት፡ በቶም ናብዚ ከተማ ተስዲዶም ዝመጽኡ ሰባት ዝውነና እየን። ውልቃዊ ትካል ንምጅማር፡ ብመንገዲ ኣርበትስፎርመድሊንገን፡ ትካል ኣልሚ ከምኡ ውን ትካል ኮምፓንዮን፡ ምኽርን ሓገዝን ዝርከበሉ ሰፊሕ ዕድላት ኣሎ። ካብቶ ኣብ ከተማ ኾቭደ ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ፡ እቲ 5000 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ትካል ቮልቮ፡ እቲ ኣስታ 1500 ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሆስፒታል ናይቲ ከተማን ይርከብዎም። ኣብ ጽላታት ንግዲ ውን ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ-ስራሕ ኣለዉ።