Sotenäs

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ሶተኔስ ኮሙን ኣብቲ ዝርሓቐ መስመር ገማግም ናይ ሽወደን ምዕራባዊ ገማግም ትርከብ። ኩንግስሃምን እታ ቀንዲ ከተማ ኾይና ካልኦት ፍሉጣት ከተማታት ኣብዚ ኮሙን ስሞገን፣ ሁነቡስትራንድ፣ ቡቫልስትራንድን ቡሁስ-ማልምኦን እየን።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሶተኔሰት ካብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ ሓንቲ ፍልጥቲ ናይ ዕረፍቲ መንግሰተ-ሰማይ እያ። ኣብዚ ነቲ ጽሩይ ንፋስን ነቲ ኣብ ባድም ግን ልስሉስ ዓዳሚ ከውሓዊ ብዓትታት ናይ ትሮፒካዊ ቅርጻ መሬት ዝርከብ ማይ ክትፍስሃሉ ትኽእል ኢኻ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ሱተኔስ ዝተፈላለየ መንግስታውን ብሕታዊ መንበሪ-ኣባይቲ ኣሎ። እታ ብምምሕዳር ከተማ እትውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ሱተኔስ-ቡስታደር ትባሃል። እዛ ትካል'ዚኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ብርክት ዝበለ ዝካረ-ኣባይቲ ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ገለ ካብቶም ብብዝሒ ዝዝረቡ ቋንቋታት ከኣ፡ ዓረበኛ፡ ስፓኛ፡ ኖርወየኛ፡ ታይላንደኛ፡ ቦስንያ፡ ጀርመን፡ ፖላንድ፡ ቱርኪ፡ ሊትወንያን ፊንላንድን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ ብርክት ዝበለ ክርስትያናዊ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባትን ኣብያተ-ክርስትያንን ይርከባ። ብዜካ'ዚ ኣስታት 125 ንጡፋት ማሕበራት ውን ይርከባ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ዝተፈላለያ ንጥፈታት ኣለወን። ንኣብነት ማሕበራት ስፖርታዊ ንጥፈታት ከምኡ ውን ንሕብረሰተብኣዊ-ረብሓታት ማእከል ዝገበራ፡ ባህላዊ ወይን ስነጥበባዊ ማሕበራትን ናይ ጡረተኛታት ማሕበራትን ይርከብአን።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሱተኔስ ኣገዳሲ ዝኾነ ማሕበራዊ-መሳለጥያታት ብቐረበ ክትረኽበሉ እትኽእል ከተማ እዩ። ንኣብነት ንውልቀሰባትን ስድራቤታትን ዘድሊ ክንክን፡ ኣብያተ-ትምርህቲ፡ መዘናግዒ ማእከላት፡ ማእከል-ትያትርን ቤት-ንባብን ይርከብ። ብዜካ'ዚ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ (ኣርበትስፎርመድሊንገን) ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት (ፎርሸክሪንካሳን)፡ ባንኪ፡ ድኳናት መዓልታዊ-ሃለኽቲ (ስቤዛ)፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ድኳናት ክዳውንቲ ሳእኒ ወዘተ፡ ኣብያተ-መግቢ ከምኡ ውን እንዳ ፒሳታት ይርከብ። ብኻልእ ወገን፡ ክልተ ድኳናት ሓራጅ ወይ ዘገልገለ ንብረት ውን ይርከባ። ኣብዘን ድኳናት ሕሱር ንብረት፡ ኣቍሑ ገዛ፡ ክዳውንቲ ካልእን ብደሓን ዝኾነ ዋጋ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ሱተኔስ ኮምዩን ኣዝዩ ዝነኣድ ኣገልግሎት ክንክንን መውዓልን ህጻናት ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ'ዚ ክፉት መውዓሊ ህጻናትን ናይ ጀመርቲ ትምርህቲ ንህጻናትን ኣለዉና።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

መባእታዊ ኣብያተ-ትርምህቲ ኣብ ከተማታት ኩንግስሃምን፡ ስሞግየን፡ ቡቫልስታራንድን ሁነቡስታራንድን ክርከባ። እተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ዓመታት ናይ መባእታዊ ደረጃ ትምርህቲ ኩሎም ተመሃሮ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሱትኔስ ኣብ ኩንግስሃምን ይመሃርወን። ካልኣይ-ደረጃ ትምርህቲ ብዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ኣመራጺ ሃልዩ ተመሃሮ ናብ ድላዮም ቤት-ትምርህቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሽወደን ከይዶም ክመሃሩ ይኽእሉ። ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ ናቱ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ትምርህቲ የብሉን። ብቀረባ ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ-ትምህርቲ ኣብ ከተማታት ሊሰሺልን ኡደቫላን ይረካብ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ብደረጃ ምምሕዳር ከተማ ዝመሓደር ትምርህቲ ዓበይቲ ኣብቲ ኣብ ኩንግስሃምን ኣብ ዝርከብ ማእከል ትምህርቲ ኮምፕተንስ ይርከብ። እዚ ትካል'ዚ ንኩሉ ደረጃታት ትምህርቲ (ካብ ካልኣይ-ደረጃ ክሳብ ናይ ዩኒቨርስቲ) ዝምልከት ዝተፈላለየ ኮርሳትን የስተኣናግድ። ኣብዚ ትካል'ዚ ትምርህቲ ቋንቋ ሽውደን ንሓደስቲ (sfi) ውን ክትመሃሩ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ ክልተ ማእከላት-ጥዕና ኣለዋ። ሓንቲ ኣብ ኩንግስሃምን እታ ካልኣይቲ ከኣ፡ ኣብ ሁነቡስትራንድ ትርከብ። እንተ ሓሚምኩም ወይ ውን ጥዕናዊ ምኽሪ ምስ እትደልዩ ምስ ሓንቲ ካብዘን ዝተጠቕሳ ማእከላት ክትራኸቡ ትኽእሉ። ኣብዚ ምምሕዳር ከባቢ'ዚ ውን ህጻናትን ስድራቤቶምን ዝራኸቡሉ ማእከል ኣሎ። እዚ ማእከል ስድራቤታ'ት'ዚ ፊሬን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብቲ እዚ ማእከል ዝርከበሉ ህንጻ፡ ማእከል ጥዕና ህጻናት፡ ማእከል ሕክምና ነፍሰ-ጾራት፡ ክፉት ምትህርቲ ንህጻናት ማእከል ድጋፍ ንወለድን ይርከብ።

ማእከል ስድራቤታት ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ፡ ማእከል ጥዕናታት ኩንግስሃምንን ሁነቡስርታንድን ሕክምና ሱተኔስን ይእለ። ህዝባዊ ክሊኒክ ስኒ (ፎልክ ታንድቮርደን) ኣብ ኩንግስሃምንድ ይርከብ። ንክንክን ስኒ ዝምልከት ነገራት ምስ ዝህልወኩም ናብዚ ክትመጽኡ ክትመጽኡ ትኽእሉ። ንህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ብቐረባ ኣብ ኡደቫላ፡ ሊሰሺል ወይ ውን ትሩልሃታን ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ትካላ ኣብ ትገብርዎ ርኽክባት፡ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ካብን ናብን ከተማ ሱተኔስ ብኣውቶቡሳት ቨስትትራፊክ ክትጎዓዙ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኣብ ከተማ ሱተኔስ ብነኣሽቱ ኣብ ኢደ-ጥበብ፡ ህንጻ፡ ንግዲዝዓያ፡ ቱሪስምን ዝነጥፋ ትካላት ዝተዓብለለ እዩ። ኣብ ከተማ ፍርያት ዓሳ ሰፊሕ ቁጠባዊ ሰረት ኣለዎ። እተን ኣብዚ ጽላት'ዚ ዝነጥፋ ትካላት፡ ኣባ ሲፉድ፡ ልዮሪ ስሞጌን ከምኡ ውን ዱምስተይን ፉድን ይርከባ። ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ሱተኔስ፡ ሊለንታብ ከምኡ ውን ኦሆ ኣውቶምሺን ይረክበዎም።