Tanum

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ከተማ ታኑም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣውራጃ ቡሁስሌን ይርከብ። እቲ ከተማ ብብዙሕነት ዝልለ ከባብያዊ ጸጋ ዝለለ ኮይኑ መሬቱ ብገማግም-ባሕሪ፡ ደሴታት፡ ጫካ ኣግራብን፡ ባሕሪን ብሕርሻዊ ሰጣሕ መሬትን ዝማዕረገ እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

እቲ ኣብ ከተማ ታኑም ዝርከብ ኣብ ኣኽእውሕ ተወቒሩ ዝርከብ ጥንታዊ ስእልታትን ጽሑፋትን ኣብ 1994 ኣብ መዝገብ ታሪኻዊ-ውርሻ ዩነስኮ ዝኣተወ ጥንታዊ ውርሻ ሓደ ካብ መለዪታት ናይታ ከተማ እዩ። እቲ ኣብ ማእከል ባሕሪ-ዝርከብ ኣብ 2009 ዝተመስረተ ብኮስተርሆቨውት ዝፍለጥ ሃገራዊ መናፈሲ ማእከል፡ ኣብዛ ከተማ ይርከብ።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ታኑም ዝተፈላለየ ዓይነት መንበሪ-ኣባይቲ ይርከብ። እቲ ብምምሕዳር ናይታ ከተማ ወይ ውን ብግላውያን ትካላት ዝውነን መንበሪ-ኣባይቲ፡ ዝካረ፡ ዝሽየጥ፡ ጭቕጭቅ ዝበለ መንበሪ ከምኡ ውን ፋሕ ዝበለ ይርከቦ። እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ-ኣባይቲ እቲ ብታኑም ቦስተደር ዝፍለጥ ብምምሕዳር ናይታ ከተማ ዝውነን እዩ። እዚ ትካል እዚ ኣስታት 600 ኣባይቲ-ክራይ ይውንንን የመሓድርን። ብመንገዲ ናይ'ዚ ትካል'ዚ ገዛ ክትወስዱ ምስ እትደልዩ ብኸመይ ሪጋ ትስርዑን፡ ኣብዚ እዋን ዝካረ ኣብይቲ ኣለዎምን የለዎምን ንምፍላጥ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ትካል ኣቲኹም ክትድህስሱ ትኽእሉ።

ኣብ ከተማ ታኑም ዝተወሰና ናይ ግሊ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ኣለዋ። ገለ ካብኣቶም ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕድራ ከተማ ታኑም ክትረኽብዎም ትኽእሉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ንሓላፊ ምውህሃድ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ክትውከሱ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ከተማ ታኑም ዝተፈላለየ ቋንቋ ዝዛረቡ ስደተኛታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዓረበኛ፡ ትግርኛ፡ ሶማለኛ፡ ታይላንድን ዳሪን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ታኑም ኣስታት 130 ንጡፋት ማሕበራት ይርከባ። እዘን ማህበራት ኣብ ዝተፈላለያ መዳያት ሕብረተ-ሰብ ዝነጥፋ ኮይነን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ናይቲ ወረዳ ይርከባ። ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ናይቲ ወረዳ ዝርዝር ኣስማት ማሕበራትን ዝነጥፋሉ ጽላትን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ከተማ ታኑም ሽወደናዊ ቤት-ክርስትያንን ካልኦት ነጻ ኣብያተ-ክርስትያንን ይርከባ። መስጊድ ብቐረባ ኣብ ከተማ ኡደቫላ ይርከብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ታኑምስንሀደ ከም መቐበል ስደተኛታት፣ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፣ ቤት መድሃኒት፣ ኣገልግሎት ጶስጣን ባንክታትን ኣሎ። ኣብ ስትሮምስታድ፡ ሓደ ኣገልግሎት ዝህብ ቤት ጽሕፈት ናይ ካሳ ውሕስነት፣ ብዓል መዚ ግብሪን ብዓል መዚ ጥሮታን ኣሎ።

ኣብያተ-ንባብ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኣሎ፡ እቲ ኣብ ታኑምስሀደ ዝርከብ እቲ ቀንዲ ቤት ንባብ እዩ። በዚ ኮሙን ዝመሓደር ዘገልገለ ኣቝሑት፣ ክዳውንትን ናውቲ ቤትን ዝሸይጥ ሓደ ዱኳን (Återbruket) ከምኡ'ውን ሓደ ናይ ካልኣይ ኢድ ዱኳን ኣሎ።

ኣብ ናይ ታኑም ኮሙን ብርክት ዝበላ መዓልታዊ ሃለኽቲ ኣቍሑ ዝሸጣ ድኳናት፡ ዓበይቲ ሰንሰለታውያን ዱኳናት ከም ኩፕ/ኮንሱም (Coop/Konsum) ከምኡ'ውን ኢካ (ICA) ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይዚ ኮሙን ኣለዋ። ኣብ ሕዳር 2014 65 ድኳናት ዝአንግድ ናይ ዕድጊ-ማእከል ኣብ ታኑምስሀደ ጥቓ E6 ክኽፈት መደብ ኣሎ። ኣብ ኡደቫላ ኢከኣ(IKEA) ኣሎ።

ኣብዚ ኮሙን ቤት ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና፣ ኣብያተ ምግቢ፣ እንዳ ዶልሺን ካፈታትን ከምኡ'ውን ካልእ ብዙሕን ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብ ማእከል ከተማ ጅይም፣ ናይ መንእሰያት መዘናግዒ ማእከል፣ ማሕበራት ትምህርቲ (studieförbund)፣ ትምህርቲ ምዝዋር ማኪና ወዘተን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ ኣብ ከተማ ታኑም መለሊይኡ ብዙሕነት'ዩ። እቲ ብንፉዓትን ክኢላታትን ሰራሕተኛታት ምካየድ መውዓሊ-ህጻናትን መጸናግዒ ማእከል ህጻናትን፡ መሳጥን ውሑስን ሃዋህውን ዝዓሰሎ እዩ። ንውላድኩም ናይ መውዓሊ-ህጻናት ክወሃቦ ኣስታት 3 ወርሒ ግዜ ይወስድ። ኣብቲ ብኤከን ዝፍለጥ ማእከል ስድራ-ቤታት ክፉት መውዓሊ-ህጻናት ይርከብ። ብዜካ'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ብምትሕብባር ወለዲ ዝተመስረታ ኣብያተ-ትምርህቲ ማእከል መውዓሊ-ህጻናትን ውን ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ወረዳ ታኑም 9 መባእታዊ ቤት-ትምህርታት ኣለዋ። እታ ኣብ ታኑምስሀደ እትርከብ ማእከላይ ደራጃ ትምርህቲ ታኑም ንእሽቶይ ቤት-ትምርህቲ ኮይና ንኽትመሃረላ ኣዝያ ምችእቲ እያ።

ዕድላት ትምህርቲ

እቲ ብምምሕዳር ከተማ ዝእለ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ብፉቱራ ዝበሃል ትካል ዝምእከል ኮይኑ ኣብ ታኑምስሀደ ይርከብ። እቲ ትካል ዝተፈላለየ ትምህርታት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት የስተኣናግድ። ንኣብነት ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታት ውን ክትመሃሩ ትኽእሉ። ኣብ ግረበስስታድ ህዝባዊ ላዕለዋይ ትካል ትምርህቲ ይርከብ። ብቐረባ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እቲ ኣብ ከተማ ትሩልሃታን ዝርከብ ዩኒቨርስቲ እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ታኑም ክልተ ማእከላት-ጥዕና ኣለዋ። እታ ሓንቲ ኣብ ታኑምሸደ እታ ካልኣይቲ ከኣ ኣብ ፍያልባካ ይርከባ። ሕክምና ስኒ ከኣ፡ ኣብ ታኑምሸደን ሃምቡርግሱንድን ኣለዋ። እቲ ብኤከን ዝፍለጥ ኣብ ታኑምሸደ ዝርከብ ማእከል ስድራ-ቤታት እገግሎት ሕክምናዊ ክንክን ኣዴታትን መንእሰያትን ዘዋደደ እዩ። ዓበይቲ ሆስፒታላት ኣብ ስትሮምስታድ፡ ኡደቫላን ትሩልሀታንን ይርከብ።

ንደቕኹም ዝምለክት ሻቕሎት፡ ስድራቤታዊ ወይ ቤተ-ሰባዊ ሽግር፡ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ወይን ካልእ ስክፍታታት ምስ ዝህልወኩም ናብ ሞተስሁሰት ብምምጻእ ምኽርን ድጋፍን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ሞተስሁሰት ኣብ ታኑምሸደ ትርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ምምሕዳር ከተማ ንምዝርራብ ቆጸራ ምስ ዝህልወኩም እሞ ኸኣ ናይ ቋንቋ ጸገም ምስ ዝህልወኩም፡ ምምሕዳር ተርጓሚ ክቆጽረልኩም ይኽእል።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

እቲ ብ ኢ-6 ዝፍለጥ ናብ ኦስሎ ነርወይን ዮተቦርግን ዝወስድ ዋና ጽርግያ ብከተማ ታኑስ ሰንጢቑ'ዩ ዝሓልፍ። ብወገን ምብራቕ ምስ ዞባታት ዳልስላንድ፡ ቫርምላንድን ዞባ ቨነርን ዘራኽብ ጽግርያ ውን ኣለና። መዋፈሪ ባቡራት ታኑስ ካብ ታኑንስሀደ ውጽእ ኢልካ ኡርከብ። ካብቲ መዕረፊ-ባቡራት ብመንገዲ ቦሁስ ኣቢልኩም ንሰሜን ክሳብ ስትሮምስታድ ንደቡብ ውን ክሳብ ኡደቫላን ዮተቦርን ክትጎዓዙ ትኽእሉ። ንሰዓታት ባቡርን ኣውቶቢሳትን ብዝምልከት ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ መጎዓዝያ ምዕራብ ሽወደን ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ካብ ከተማ ታኑም ኣብ ዝቐረብ ርሕቀት ዝርከብ መዕርፎ-ነፈርቲ እቲ ኣብ ከተማ ትሩልሃታን ዝርከብ እዩ። ብመኪና ካብ ታኑምስሀደ ናይ ሰዓት ርሒቑ ይርከብ። ካብ ሽወደብ ወጻኢ ክትገሹ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ ከተማ ዮተቦሪ ክልተ ማዕርፎ-ነፈርቲ ይርከብ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ከተማ ታኑም ብትካላትን ፋብሪካታትን ዘዕለቕለቐት ከተማ እያ። ኣብዚ ከተማ ኣስታት 2200 ትካላት ይርከባ። እተብ ዝበዝሓ ትካላት ነኣሽቱን ማእከሎትን እየን። እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ኣብቲ ወረዳ፡ ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል ኖርዳን፡ ስፖርት ሾፐን፡ ተትራ ፓክ ኢንቨንቲንን ታኑም-ስትራንድን እዮም። ኩሎም እዘን ትካላት ኣብ ካብ 3 ማይል ዘይርሕቕ ቦታ ካብ ታኑምስሀደ ውጽእ ኢልካ ይርከባ።

ወረዳ ታኑም ምስ ኣርባዕተ ከተማታት ይዳወብ። ንሳተን ከኣ፡ ስትሮምስታድ፡ ዳልስኤድ፡ ሶተናስን ሙንከዳልን እየን። ማእከል ናይዘን ዝተጠቕሳ ተዳወብቲ ከተማታት፡ ካብ ታኑምስሀደ ናይ ኣብ 5 ማይል ርሕቀት ይርከባ።