Tibro

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቲብሩ ኮሙን ኣብቲ ምብራቓዊ ክፋል ናይ ክፋለ ሃገር ቬስተርዮታላንድ ኣብ መንጎ ቬነርንን ቬተርንን ትርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብዚ ፍሉይ ክእለት ኣብ ጽላት ኣቑሑት ገዛ፣ ምጽብባቕን ሎጂስቲክስን ከምኡ'ውን ብርቂ ዝኾነ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወት ምስ ብዙሓት ውሩያት ስፖርተኛታት ኣሎ። ቲብሩ ንተቐመጥታ ኣዚዩ ዝምስገን ኮሙናላዊ ኣገልግሎት ትህብ እያ። እዚ ኮሙን፣ ኢንዱስትሪን ንግድን ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ሂወት፡ ንቲብሩ ሓደ ናይ ሓባር ራኢ ኣሎዎም - ጎሊሖም ዝርኣዩ ሃዋህዋት ብሓባር ክንፈጥር እዩ።

መንበሪ-ገዛ

መብዛሕትኦም ኣብ ቲብሩ ዘለዉ ትካላት መንበርን ወነንቲ ኣብይትን ምስ ለገንሄትስፖለን (Lägenhetspoolen) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውድብ ብሓባር ይሰርሑ እዮም። ዕላማ ናይ ለገንሄትስፖለን (Lägenhetspoolen)፡ ተኻረይቲ ብቐሊሉ ኣብዚ ከተማ ኣየኖት ኣካረይቲ ከም ዘለዉ ብቐሊሉ ንኽረኽቡ እዩ። ቲብሩብይገን (Tibrobyggen) ኮሙናላዊ ትካል ኣባይቲ እዩ፣ ብዛዕብኦምን ብዛዕባ ዝውንንዎ ገዛውትን ኣብ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ተወሳኺ ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኮሙንና ካብ ብዙሓት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ይነብሩ። ኣብዚ ካልእ ገዲፍካ ዓረብኛ፣ ኣስይርኛ፣ ዳሪ፣ ፋርስኛ፣ ትግርኛን ሶማልኛን ዝዛረቡ ሰባት ኣሎዉ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ቲብሩ ዘደንቕ ቐረብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ዘወፊ ሓደ ሃብታም ማሕበራዊ ሂወት ኣሎዋ። ኣብ ቲብሩ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘወፍያ ኣስታት 130 ማሕበራት ኣሎዋ። ኣብዚ ኮሙን ብዙሓት ናይ ስፖርትን ባህልን ማሕበራት ከምኡ'ውን ናይ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ማሕበራት ኣሎዋ። ማሕበር ኣስይራውያን፣ ማሕበር ሶማላውያን-ሽወደናውያን ከምኡ'ውን ሓደሽቲ ሽወደናውያን ኣብ ኣካራቦርይ ኣብነታት ናይ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ማሕበራት እየን።

ቲብሩ ሓደ ብእግርኻ ክትዛወረሉ፣ ክትጎየሉን ብብሽክለታ ኣብ ተፈጥሮ ክትዛወረሉን ትኽእል ራንኮስ ዝበሃል ናይ ናጻ ግዜ ኣከባቢ ኣሎዋ። ኣብ እዋን ውርጪ እውን ናይ ነዊሕ ሸታሕትኦ በረድ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ኣካላት መንቀሳቐሲ መንገዲ ኣብ ናይ ጽሕዲ ዱር።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ቲብሩ ኮሙን ዝተፈላለየ ዓይነት ኣገልግሎት ከም ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ናይ ጽውጽዋይ ግዜ ኣብ ሓደ ቤት ንባብ ተወፊ እያ። ኣብቲ ናይ ኮሙን ህንጻ ኣብቲ መቀበል ኣጋይሽ ነቲ ትደልዮ ልክዕ ሓገዝ ንኽትረክብ ናይ ኮሙን ሓበርቲ ኣሎዉ። ኣብቲ ህንጻ ኔርሄልሳን (Närhälsan)፣ ማእከል ክንክን ጥዕና ቈልዑን ማእከል ስድራቤትን (Familjecentralen) እውን ትረክብ ኢኻ።

ኣብ ማእከል ቲብሩ ኢካ ሱፐርማርከት፣ ኢካ ኔራ፣ ኔቶን ናይ ዓረብ ዱኳውንትን ትረክብ። ኣብ ማእከል ከተማ ናይ ክዳውንቲ ዱኳናት፣ መመሸጢ ጸጕሪን ኣብያተ ምግብን ካፈታትን እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ቲብሩ ካንደላ ሰከንድ ሃንድን ናይ ቀይሕ መስቀል ሞተስፕላትስ ኩፓን ዝብሃላ ናይ ካልኣይ ኢድ ዱኳናት ኣሎዋ።

ናብ ብዓል መዚ ግብሪ፣ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕን ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነትን ንኽትበጽሕ ናብ ሾቭደ ብኣውቶቡስ ወይ ማኪና ክትከይድ የድልየካ። ኣብ መንጎ ቲብሩን ሾቭደን ብኣውቶቡስ ንምጕዓዝ ጽቡቕ ተኽእሎታት እዩ ዘሎ።

ቲብሩ ናብኡ ኬድካ ዝተፈላለዩ ናእሽቱ እንስሳታት ክትርእየሉን ቡን ክትሰትየሉን እትኽእል ሓደ ፍቱው ንእሽቶ መካነ እንስሳታት እውን ኣሎዋ። ሒደት ኪሎሜተር ካብ ማእከል ቲብሩ ወጺእካ ኣብ ባሕሪ ኦርለን ክትሕምብሰሎ ትኽእል ጽቡቕ ቦታታት እውን ትረክብ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣቦሓጎ ምስ ደቅደቁ ኣብቲ ንእሽተይ መካነ እንስሳታት ኣጣል ይርኢ ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቲ ማእከል ስድራ ቤት ብወለድን ቈልዑን ፍቱው መራኸቢ ቦታ እዩ። ብዙሕ መዓልታት ኣብ ሰሙን ይኸፍቱ እዮም። ናብዚ ካልኦት ወለዲ ንምርካብን ኣብ ተግባር ወላድነት ደገፍ ንኽትረክብን እውን ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ።

ቲብሩ ኮሙን ትሽዓተ መውዓሊ ህጻናት ኣሎዋ፡ ካብኣተን ሓንቲ ብናይ ግሊ ዋኒን ትካየድ እያ። ኵሎም ካብ 1 ክሳብ 5 ዕድመኦም ቈልዑ ናብ መውዓሊ ህጻናት ክመጹ ብሓጐስ ቅቡላት እዮም።

መጻወቲ ቦታ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ስኒካርቫለን።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ቲብሩ ኮሙን፡ ክፍሊ ቅድመ ትምህርትን ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ክፍሊን ዘለወን ሰለስተ መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲን፣ ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘለዋ ሓንቲ መባእታዊ ቤት ትምህርቲን ኣሎዋ። ቲብሩ ኮሙን ፍሉይ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ኵሉ ደረጃ እውን ይቕርብ እዩ።

ንደቂ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብተን ኣብ ከባቢ ቲብሩ ዝርከባ ከተማታት ኣሎ። መብዛሕትኦም ናብቲ ኣብ ሾቭደ ዝርከብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ እዮም ዝኸዱ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ኮምፐተንስሰንተር ኣብ ትብሩ ኮሙን፡ ትምህርቲ ኤስኤፍኢ (SFI) ከምኡ'ውን ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣሎ። ኣብቲ ትምህርቲ ንዓበይቲ ካልእ ገዲፍካ፡ ሽወደንኛ፣ ቁጽሪ፣ እንግሊዝኛን ዝተፈላለዩ ንሞያ መቀራረብቲ ትምህርትታት ከም ንኣብነት ኣላዪ ቈልዑ፣ ሲኤንሲ (ኮምፕዩተር ቍጽራዊ ቁጽጽር)፣ ናይ ውሽጢ ገዛ ኣወቃቕባ ጸራባይን ናይ ናእሽቱ ማኻይን መካኒክን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ኮምፐተንስሰንተር፡ ካልእ ገዲፍካ ንናይ መምርሕን ልምምድን ዕድላት ዝህብ ኣሃዱ ዕዳጋ ስራሕ ትረክብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ቲብሩ ክልተ ማእከል ክንክን ጥዕና ኣሎዋ። እቲ ሓደ ኔርሄልሳን (Närhälsan) ቲብሩ እቲ ኻልኣይ ድማ ማእከል ሓለዋ ጥዕና እየን። ከምኡ'ውን ማእከል ክንክን ቈልዑ፣ ክሊኒክ ኣደታት፣ ክሊኒክ ተሃድሶን ክሊኒክ መንእሰያትን እውን ኣብ ማእከል ቲብሩ ኣሎ።

ህዝባዊ ክንክን ስኒ እውን ኣብ ማእከል ቲብሩ ትረኽቦ።

ሆስፒታልን ቅበላ ህጹጽ ረድኤትን ኣብ ሾቭደ ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ ሰራሕተኛታት ናይዚ ኮሙን ክትራኸብ ከሎኻ ሓገዝ ናይ ቋንቋ ኣብ ዘድልየካ እዋን፡ ኣስተርጓሚ ብቋንቋኻ ክሕዙልካ ይኽእሉ እዮም። ምእንቲ ብቑዕ ኣስተርጓሚ ክሕዙልካ ከርክቡ፡ ብኣግኡ ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ከም ዘድልየኻ ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ምሉእ መዓልቲ ካብን ናብን ቲብሩ፣ ሾቭደ፣ ህዩን ካርልስቦርይን ዝኸዳ ኣውቶቡሳት ኣሎዋ። ካብቲ ማእከላይ መደበር ናይ ሾቭደ ናብ ብዙሓት ከተማታት ናይ ሽወደን ንምጕዓዝ ብዙሓት ኣውቶቡሳትን ባቡርን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ልክዕ ከምቲ ዝተረፈ ቦታታት ምዕራባዊ ዮታላንድ ኣብዚ እውን ቬስትታርፊክ እዮም ኣውቶቡስ ዘንቀሳቕሱ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ትካል ከተብግስ ትደሊ ዲኻ? እምበኣር ሓደ ጽቡቕ ሓሳባት ዋኒን፣ ቅኑዕ ኣረኣእያን ንነውሕ ግዜ ከቢድ ስራሕን የድሊ። ነቲ ዋኒነ ትካል ቀሊል ንምግባሩ ምስ ናይ ርክብ መርበባትን ወነትቲ ትካል ዝራኸብሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ርክብ ቦታታትን ነጢፍና ንሰርሕ ኢና። ብመገዲ ናብዚ ከባቢ መእተዊ ዝኾነ ኢንረድያ (Inredia)፡ ንሓደሽቲ ሰብ ትካል፣ ሰብ ንግዳዊ ዋኒነ-ትካልን መሃዝትን ንእግሪ ምትካል፣ ርክብ ምስ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ፣ ደገፍ ዝህባ ውድባትን ናይዚ ከባቢ ናይ ርክብ መርበባትን ንዚምልከት ሓበሬታ ንህብ ኢና።

ቲብሩ ኮሙን፣ ኤልገተ ሎጂስቲክስ ኣበ (LGT Logistics AB) ከምኡ'ውን ጋተርተይል (Gatertail) እቶም ዝዓበዩ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ቲብሩ እዮም። መብዛሕትኦም ነበርቲ ቲብሩ ኣብተን ጥቕኣ ዘለዋ ኮሙናት ከም ሾቭደን ካርልስቦርይን እዮም ዝሰርሑ።