Tjörn

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ ዳርጋ ኩሉ ነገር ብቐረባ ክትረኽብዎ ትኽእሉ። ሃብታም ተፍጥሮኣዊ ከባቢ፡ ነኣሽቱ ዓዲታትን ዓበይቲ ከተማታት ኩሉ ብቐረባ ኣብ ጥቓኹም ይርከብ። ስራሕ፡ ማሕበራዊ-ኣገልግሎታት ከምኡ ውን ድኳናት፡ ኣብ ጥቓኹም ኣለኩም። ኣብዚ ከተማ ንጡፋት ማሕበራት ኣለዋ። ኣብ ባህልን ስፖርትን ዝተኮረ ንጥፈታት ከኣ፡ ብብዝሒ ይርከብ። ኣብዚ ከተማ’ዚ ብሕጽር ዝበለ ንኹሉ ዘድሊ ነገራት፡ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ናብዚ ከተማ’ዚ ብደሓን ምጽኡ!

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

መንበሪ-ገዛ

እቲ ልሙድ መንበሪ ኣባይቲ ነኣሽቱ ውልቃዊ ኣባይቲ እዩ፡ ግን ኣፓርትማን ኮምዶሚዩም እውን ኣሎ።

Tjörns Bostads AB ናይ ሾርን ኮምዩን ዝዓበየ ትካል ክራይ ኣባይትን ወናኒ ኣባይትን እዩ። ንሱ ናይቲ ኮምዩን እዩ። ንሱ ኣብተን መብዛሕትአን ናይቲ ኮምዩን ከተማታት 550 ኣፓርትማንን ኣስታት ሰማንያ ንካልእ ነገራት ዚካረ ኣባይትን ኣለዎ። እቲ ናይ ኣፓርትማ ትካል እተፈላለየ መንበሪ ኣባይቲ፡ ከም ተር ዝበለ ገዛውትን ናይ በይኑ መእተዊ ዘለዎ ኣባይትን የከፋፍል።

ብዙሓት ብሕታውያን ኣካረይቲውን ኣለዉ። ኣብቲ Tjörns kundcenter ኣየኖት ምዃኖም ሓበሬታ ኪህልወካ ይኽእል።

ኣብ ተር ዝበለ ገዛውቲ ዝርከብ ኣፓርትማታት ዘለዎ መንበሪ ኣከባቢ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ናይ መጀመርያ ቋንቋኦም ኖርዲካዊ ዝኾነ ተቐማጦ ኣለዉ። ካልኦት ኣብኡ ዚዝረባ ቋንቋታት ግን ስፓኛ፡ ዳሪ፡ ሶማሊ፡ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ኣልባንያ እየን።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ሾርን ብዙሕ እተፈላለየ ዕላማታት ዘለወን ማሕበራት ዝጠርነፈ ሃብታምን ንጡፍን ማሕበራዊ ህይወት ኣሎ። ንኣኻ ዚሰማማዕ ማሕበር ንምርካብ ኣብቲ ናይቲ ኮምዩን ናይ ማሕበራት ደብተር ወብሳይት ረአ።

ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ዝመጹ ቈልዑ፣ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ስእሊ።

ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ዝመጹ ቈልዑ፣ መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ስእሊ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ሾርን ነታ ኩላ ደሴት ህይወታ ንኽትዕቅባ ዕላማ ዘለዋ ኮምዩን እያ። በዚ መሰረትዚ ኩለን እተን ከተማታት ነኣሽቱ እየን። እተን ዓበይቲ፡ ሸርሃምን፡ ሮናንግን ኮለሸርን ሆቪክስኖስን ሚገኖስን እየን። 

ኣብታ ናይ ሾርን ዝዓበየት ከተማ ሸርሃምን፡ ናይቲ ኮምዩን ምምሕዳርን ናይ ሾርን ማእከል ዓሚልን ኣሎ። ኣብኡ እተፈላለየ ሓገዛት ይርከብ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኮምዩን ንጥፈታት ምፍላጥ ከኣ ይከኣል። ኣብኡ ቀንዲ ቤትንባብን ናይ ቱሪስት ቤትጽሕፈትን ኣሎ። ኣብ ሸርሃምን፡ ቤትትምህርቲ፡ ባንክታት ድኳናት ማእከላት ጥዕና፡ ፋርማሲ፡ ሆቴል፡ ሕክምና ስኒ፡ ኣብያተመግቢ፡ ናብ ህጻናትን መንእሰያትን ዝዓለመ ባህላውን መዘናግዕን ማእከል ናይ ስካንዲናቭያ ስነጥበባዊ ቤተመዝክርን ኣሎ። ኣብ ሮንአንግ፡ ቤትትምህርቲ፡ ግሮሰሪታት፡ ሆቴላት፡ ኣብያተመግብን ናይ በረድ ኣደራሽን ኣሎ። ኣብ ኮለሸር ግሮሰሪታት ድኳናት ማእከላት ጥዕና፡ ፋርማሲ፡ ኣብያተመግብን ማሕበራዊ ቤትጽሕፈትን ኣሎ። ኣብ ምይገኖስ፡ ግሮሰሪታት፡ ድኳናት፡ ኣብያተመግቢ፡ ማእከላት ጥዕናን ፋርማሲን ኣሎ። ኣብ ሆቪክስነስ/ሀግቫል ናይ ባህልን መዘናግዕን ማእከል፡ ቤትንባብን ቤትትምህርትን ኣሎ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝተረከመ ነዊሕ ተመን ናብቲ ኣብ ቤት ንባብ ዘሎ ናይ ምቾት ኩርናዕ (myshörnan) ንምውሳዱ ይተሓጋገዙ ኣሎዉ።

ኣብታ ቀረባ ዝኾነት ስተኑንግሱንድ፡ ቤትጽሕፈት ዕዮን ቤትጽሕፈት መድሃንን ኣሎ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ትሕቲ ናይቲ ኮምዩን ምእላይ ህጻናት፡ ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ መውዓሊ ስድራቢትን ናይ ቤትትምህርቲ ክንክን ህጻናት (ናይ ዕረፍቲ ቤት) ኣሎ።

ኣብ ደገ ናይ ሓንቲ ካብተን ኮሙናላዊ መውዓሊ ህጻናት ሓደ ቈልዓ ይጻወት ኣሎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ሾርን ግሩም መባእታ ቤትትምህርቲ ኣለዋ። ንሱ ብናይ መምህራን ማሕበር ግምት ኣብቲ ሃገር ሳብዓይ ደረጃት ዝሓዘ እዩ፡ ስለዚ ኣብ ቨስትስቨርየ እቲ ዝበለጸ እዩ። ኣብኡ ሸሞንተ መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ፡ ክልተ ካብአን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተትምህርቲ እየን።

ዝቐረበ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ኣብ ስተኑንግሱንድ ይርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ስተኑንግሱንድ Sfi-ትምህርቲ ይካየድ፡ ትምህርቲ ንዓበይቲውን ይውሃብ። ብዛዕባቲ ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ዚቐርብ ምልላይ ምስ ሕበረተሰብ እተባህለ ስልጠና፡ ምስ ካልኦት ኮምዩናት ብምትሕብባር እዩ ዚካየድ፡ ኣብ የተቦሪ ከኣ ይወሃብ።

ኣብ ሾርን ቢልስሮምስካ ህዝባዊ ኮለጅ ኣሎ። ኣብኡ እዘን ዚስዕባ ኮርሳት ኣለዋ፤ ሓፈሻዊ ኮርሳት (ምስ ወይ ብዘይ ናይ ሙዚቃን ስእሊ ወይ ዓለባ ምርጫታት)፡ ሳየንሳዊ መሰረት ዓመት፡ ሙዚቃዊ መደባትን ናይ መንእሰያት መሰልን - ዝጎዪ ኮርስ)።

ብዛዕባ ትምህርቲ ኣባጽሕ ኣብዚ ዝስዕብ ኣንብብ፡

ቀንዲ ህንጻ ናይ ቢልስትሮምስካ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ።

ኣገልጎት ጥዕና

እቲ Västra Götalandsregionen እዩ ንሕክምና ዚቆጻጸር።

ኣብ ሾርን፡ ናይ ኮለሸር፡ ሸርሃምንን ሚገነስን ማእከላት ጥዕና ኣለዋ። ኣባታተን ናይ ህጻናት ማእከላት ጥዕናውን ኣለዋ። እቲ ዝቐረበ ሆስፒታል ኩንግኣልቭስ ሆስፒታል እዩ።

መእተዊ ናይ ኣብ ሾርን (Tjörn) ዝርከብ ማእከል ክንክን ጥዕና።

ኣብ ሸርሃምን ህዝባዊ ናይ ስኒ ሕክምን ኣሎ፡ ኣብቲ ደሴት ብሕታውያን ሓከምቲ ስኒውን ኣለዉ።

ብመገዲ ናይቲ ኮምዩን ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ምኽርን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል። ነቶም Mottagningsgruppen።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብቲ ምስቲ ኮምዩን እትገብሮ ርክባት በቲ እትርድኦ ቋንቋ ኣላይነትን ሓገዝን ክትረክብ ንኣና ኣገዳሲ እዩ። ቋንቋ ሽወደን ዘይትዛረብን ዘይትርዳእን ምስ እትኸውን ብመገዲ ተርጓማይ ጌርካ ክትዘራረብ መሰል ኣሎካ። ክትራኸበና ከሎኻ ወይ ቆጸራ ክትሕዝ ከሎኻ ተርጓማይ ምስ ዘድልየካ ነቲ ተሓጋጋዚኻ ወይ ሃንድለጋረ ሓብሮ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ኣውቶቡስ ናይ ቬስትትራፊክ ኣብዚ ኮሙን የመላልሳ (ይሰርሓ) እየን።

ኣብ ሾርን፡ ባቡር የላን። እቲ ዝቐረበ መነሃርያ ባቡር ኣብ ስተኑንግስቱንድ እዩ ዚርከብ።

ላንድቨተር መዕርፎ ነፈርቲ፡ እቲ ዝቐረበ መዕርፎ ነፈርቲ እዩ። ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዘመላልሳ ኣውቶቡሳት (Flygbussen) ኣብ ማእከል ዮተቦርግ ጠጠው ይብላ፣ ካብኡ ናብ ሾርን ትኸይድ ኣውቶቡስ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብቲ ናይቲ ሾርን ኮምዩን ኣስታት 1,000 ሰባት ይሰርሑ። እዚ ከኣ ነቲ ኮምዩን ናይቲ ደሴት ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ ይገብሮ።

ኣብ ሾርን እቲ ቢዚነሳዊ ህይወት ብነኣሽቱን ማእከሎትን ዋኒናት ዝቖመ እዩ። ኣብ ሾርን ኣብ ብዙሕ ሰክተር ዘተኮራ 1,900 ዋኒናት ኣለዋ። እተን ዝዓበያ ግን ኣብ ናይ ባሕሪ ንግድን፡ ኮንሳልትሽንን፡ ቱሪዝምን ንግድን ህንጻን ሕርሻን ዱርን ዓሳን ዘተኮራ እየን። ዝበዝሓ ዋኒናት ካብ 10 ዚውሕዱ ሰራሕተኛታት ኣለዉወን። ሓበሬታ ብዛዕባ ዝበዝሓ ዋኒናት ኣብ ናይቲ ኮምዩን ናይ ዋኒናት ደብተር ክትረኽቦ ትኽእል።

መቐመጢ ጃላቡ ብድሕሪት ምስ መግፈፊት ዓሳ ጃልባ።

ካልኦት ዓበይቲ ወሃብቲ ስራሕ እዘን ዚስዕባ እየን፤ Wallhamn AB, Tarbit Shipping AB, Per Jacobsson Byggnads AB ከምኡውን Seniorbolaget i Sverige AB.

ናይቲ ኮምዩን ተልእኾ ንኣወንታዊ ምዕባለ ናይቲ ዘሎን ዚመጽእን ቢዚነሳዊ ህይወት ግሩም ሃዋህው ንኺፈጥረሉ እዩ። ብዙሓት ሰብ ዋኒናት ናብ ሾርን ንምምጻእ ግሩም ናይ መንበሪን ናይ ህይወትን ክንክንን ሃዋህው ኪፍጠር የድሊ። ኣብኡ ምዕቡል ኣገልግሎትን ትምህርትን ናይ ህጻናት ንጥፈታትን ማሕበራዊ ክንክንን ኣሎ። ናይ ባህልን መዘናግዕን እተፈላለየ ምርጫታት ነቲ ህይወት የሀብትሞ። ናብ ዮተቦሪን ናብ ተፈጥሮን ቅርበት፡ ንሾን ንኽትቅመጠላ ተፈታዊትን ሰሓቢትን ይገብራ።