Töreboda

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ቶረቡዳ፡ ኣብ መንጎ ባሕርታት ቬነርን ቬተርን ኣብ ዝርከብ ዮታ ዝተባህለ ካናል ወይ ወሽመጥ እትርከብ ከተማ እያ። ንጡፋት ማሕበራትን ጽዑቕ ንግዳዊ ምንቅስቓስን ገለ ካብ መለለዮታት ናይ’ዛ ከተማ እዩ። ኣብዚ ከተማ’ዚ፡ ስሉጥ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ባቡርን ኣውቶቡሳትን ይርከብ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ኣብ መትረብ ዮታ (Göta kanal) እትመላለስ መርከብ ሊና።

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ብርክት ዝበላ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ይርከባ። እታ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ እትወነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ፡ ቶረቡዳ-ቦስቴደር ተባሂላ ትጽዋዕ።

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ፡ ብምእታው ዝርዝር ናይተን ኣብዚ ከተማ ዝርከባ ትካላት ክራይ-ኣባይቲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብብዝሒ ካብ ዝዝረበሎም ቋንቋታት፡ ኢራነኛ፡ ዓረበኛ፡ ሶማለኛን ትግርኛን ይርከብዎም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ብርክት ዝበላ ብንጥፈት ዝዋስኣ ማሕበራት ኣለዋ። እዘን ማሕበራት እዚኣተን ኣብ መዳያት፡ ስፖርት፡ ባህልን፡ ተፈጥሮኣዊ ከባብን ይነጥፋ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከል ከተማ ቶረቡዳ፡ ድኳናት፡ ቤት-ንባብ፡ ኣብያተ-መግቢ፡ እንዳ-ሻሂታት፡ ማእከል-ስፖርቲ ከምኡ ውን ፋርማሲ ይርከብ። ብዜካ'ዚ ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ውን ይርከብ። ንተወሳኺ ሓበሬታ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ፡ ተወከሱ።

መዓልቲ ዕዳጋ ኣብ ኣደባባይ ቶረቡዳ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘአንግዳ፡ ማእከላት መውዓሊ-ህጻናት ኣለዋ። ንዝርዝር ናይዘን መውዓሊ-ህጻናት ዝምልከት፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ፡ ተወከሱ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ናይ መባእታን ካልኣይ ደርጀን ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ መዳይ ኣጠቓቕማ መሬትን ከባብን ዘትኮረ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ እትነጥፍ፡ ሶቶሴን እትበሃል ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ውን ኣላ። ንመባእታዊ ደረጃ ኣብያተ ትምህርታት ከምኡ ውን ናይ ክልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርታት ዝምልከት ዝርዝር ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ንትምህርቲ ዓበይቲ ብዝምልከት፡ ኣብ ከተማ ቶረቡዳ ሰፊሕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ማእከል-ጥዕናን ክልኒክ ስኒን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ከተማ ቶረቡዳ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ተርጓሚ ክቆጽር ይኽእል። እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝቆጽሮም ተርጎምቲ፡ ምስ ትካል ቶልክፎርመድሊንግ-ቨስት፡ ዝሰርሑ እዮም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ስሉጥ ናይ ባቡርን ኣውትሮቡሳትን መጎዓዝያ ኣገልግሎታት ኣሎ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ንሰዓታት ንቕሎ ከምኡ ውን ዋጋ ትኬትን ዝምልከት ኣብ መርበባት-ሓበሬታ፡ ኤስ.ጀይ ከምኡ ውን ቬስት-ትራፊክ ብምእታው ክትርእዎ ትኽእሉ።

SJ
መደበር ባቡርን ናይ ኤስዪ ባቡርን ( SJ-tåg)።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ከተማ ቶረቡዳ፡ ንትካላት ምቹእ ዝኾነ ሃዋህው ይርከብ። መብዛሕትአን ኣብዚ ቦታ ተድኲነን ዝርከባ ፋብሪካታት፡ ኣብ መዳይ ምስናዕ ዘትኮራ ኢንዱስትሪታት እየን። ካብቶም ኣብዚ ቦታ ዓበይቲ ዝኾኑ ወሃብቲ-ስራሕ ሓደ፡ ምምሕዳር ከተማ ቶረቡዳ ኮይኑ፡ ኣብ ጽላታት ትምህርትን ክንክንን ምሕብሓብን ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዕድላት ይርከብ።