Tranemo

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ናብ ትራነሞ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ። ብድሕሪ እዚ ስም ብዙሓት ሕጕሳት ተቐማጦ ዘልወን ናእሽቱ ሓያልት ቍሸታትን ዓድታትን ኣሎዋ። ኣብዚ ጽቡቕ ተፈጥሮ፣ ህድኣት ዝፈጥር ጸጥታን ሓደ ሃብታምን መሳጥን ታሪኽ ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ክልተ ሰባት ኣብ ሓደ ባሕሪ ዓሳ ይገፉ ኣሎዉ።

ኣብዚ እምነት ናይ መጻኢ ግዜ፣ መንፈስ ዋኒነ-ትካልን ኣብ ነንሕድሕካን ኣብ ተፈጥሮን ሓልዮት ኣሎ። እዚ ካልእ ገዲፍካ ኣብቲ ንጡፍ ማሕበራዊ ሂወት የንጸባርቕ እዩ። ኣብዚ ዳርጋ ንዅሉ ዝንባለ ዝኸውን ሓደ ማሕበር ኣሎ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ዝዓበየ ትካል ክራይ-ኣባይቲ ኣብ ከተማ ትራነሞ እቲ ብምምሕዳር ናይቲ ከተማ ዝውንን ትካል ትራነሞ ንክራይ ኣባይቲ እዩ። እዚ ትካል'ዚ ኣስታት 800 ዝሐውን ኣብ 13 ዓዲታት ፋሕ iሉ ዝርከብ መንበሪ-ኣባይቲ ይውንን። ብዜካ'ዚ ናይ ግሊ ትካላት ክራይ ኣባይቲ ውን ኣለዋ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብዜካ ቋንቋ ሽወደን ብብዝሒ ኣብ ትራነሞ ካብ ዝዝረብ ቋንቋታት፡ ዓረበኛ፡ ሶማልኛ፡ ሮማነኛን ኣልባንያን የጠቓልል።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ከተማ ትራነሞ ዉዕዉዕ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዘለዎ ከተማ እዩ። እዚ ማሕበራዊ ንጥፈታት'ዚ ኣብ መዳያት ስፖርት፡ ባህሊ፡ ሕብረተ-ሰብን ካልእን ዘትኮረ እዩ። ቤተ-ክርስትያን ሽወደንን ካልኦት ሃይማኖታዊ ምትኽኻባት ኣብቲ ከተማ ንጡፋት እዮም። ካልእ ብሄራዊ ወይ ሃይማኖታዊ ዘይትክርስትያናዊ ምትእኻባት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ቦሮስ ይርከባ።

ስድራ ንታንኳ ይቐዝፉ ኣሎዉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ማእከላይ ክፋል ከተማ ትራነሞ፡ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ዕዮ፡ ቤት-ንባብ፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ ፋርማሲ፡ ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ስኒ፡ ናይት ስፖርት ድኳናት፡ ድኳናት ክዳውንቲ፡ ኑቕጣ ፖልሲን ወዘተ ይርከብ። ኣብ ንኡሳን ዓዲታት ሊማሬድ፡ ልንግሃምን ዳላስቶርፕን ውን ከይትረፈ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ ይርከብ። ናይ ሓራጅ ዘገልገለ ንብረት ዝሽየጠሉ ድኳናት ንኣብነት ቢግስቴነን ኣብ ከተማ ትራነሞ ከምኡ ውን ድኳን ኦተርብሩክ ኣብ ሊማሬድ ይርከብ።

ሙዚቃዊ ትርኢት ኣብ ማእከል ትራነሞ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ብምምሕዳር ዞባ ዝእለያ ቤት-ትምርህቲ ወይ ውን መውዓሊ-ህጻናት ኣብ ከተማታት ትራኔሞ፡ ሊማሬድ፡ ሌንግሀም፡ ዳልስቶርፕ፡ ኒትቶርፕ፡ ግሪስሞስ፡ ኾቱፍታ ኣምዮርናርፕን ኡደቦን ይርከባ። ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርታት ኣብ ከተማታት ሊማሬድ፡ ሌንግሄም፡ ሞንስታድን ሙሴቦን ይርከባ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኩለን ኣብያተ-ትምርህርታት ከተማ ትራኔሞ፡ ብመንግስቲ ዝወነና እየን። ኣብ ትራኔሞ፡ ሊማሬድ፡ ሌንግሃምን፡ ዳልስቶርፕ፡ ግሪምሶስ፡ ኾቱፍታን ኣምብዮርንኣርፕን ናይ ህጻናት ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ እተኣንግድ ቤት-ትምርህቲ ኣብ ትራኔሞ ትርከብ። ከምኡ ውን ኣብ ትራኔሞ ናይ ካልኣይ-ደረጃ ቤት-ትምርህቲ ትርከብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ትራነሞ ኤስኤፍኢ (Sfi) ይወሃብ እዩ። ኣብ ትራነሞ ፍሉይ ናይ ዓበይቲ ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ትምህርቲ ንዓበይቲ (Komvux) ምስ ካልኦት ኮሙናት ብምትሕብባር ይወሃብ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ትራኔሞ፡ ማእከል ጥዕና፡ ፍሉይ ክፍሊ-ጥዕና ኣዴታትን ማእከል ጥዕና ህጻናትን ይርከብ። ማእከል ሕክምና ዞባ ውን ኣብ ትራኔሞ፡ ሊማሬድ፡ ሌንግሀምን ዳልስቶርፕን ይርከብ። ህዝባዊ ሕክምና ክንክን ስኒ ከምኡ ውን ካልኦት ናይ ግሊ ሓካይም ኣስናን ንኣብነት ክሊኒክ ታንድቬክስታን ኣብ ትራኔሞ ይርከቡ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ምስ መንግስታዊ ወይ ውን ምምሕዳራዊ ትካላት ኣብ እትራኽእቡሉ ኣጋጣሚታት፡ ተርጓሚ ናይ ምቍጻር ዕድላት ኣለኩም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሊማሬድ መጎዓዝያ ብትካል ቨስትትራፊክ ይምእከል። ካብን ናብን ሊማሬድ ንኣብነት ብባቡር ክትመላለሱ ትኽእሉ።

ናብ ቦሮስ ገጻ ትኸይድ ኣውቶቡስን ሰባት ኣብ ጥቓ መዕረፍ ኣውቶቡስን።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሊማሬድ፡ ብርክት ዝበሉ ወሃብቲ-ስራሕን ፋብሪካታትን ይርከቡ። ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ምምሕዳር ከተማ ሊማሬድ፡ ነክሳንስ ኢ ግሪምሶስ፡ ኣርዳግ ግላስ ሊማሬድ ካልእን ይርከባ።

ዝካረያ ጃላቡን ብድሕሪት መግፈፊ ዘንጊ ዝሓዙ ሰባትን።