ብዛዕባ እዚ መርበብ ሓበሬታ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ብዛዕባ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ኣብዚ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣየናይ ሓበሬታ ከም ዘሎ ሓፍሻዊ መግለጺ ንኽህልወካ ኣብቲ ዝተፈላለየ መእተዊ ጠዊቕካ ኣብቲ ኣብኡ ዘሎ ገጻት እንታይ ከም ዘሎ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሓታት ዕቝባ እንተ ዄንካ ወይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ እንተ ኾይኑ ዝተፈላለየ ሕግታት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ኣብቲ መእተዊ መብዛሕትኡ ግዜ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ትረክብ። ንኣብነት ብዛዕባ ስራሕ፡ መንበሪ፡ክንክንን ቍጠባን። ኣብ ገለ ካብዞም ዓውዲ ሃገር ሽወደን ከመይ ከም ዝሰረሕ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ መጀመርታ ኣብቲ ንዓይ ይሰማማዕ እዩ ትብሎ መእተዊ ትጥውቕ ድሕሪኡ ኣብቲ ዘገድሰካ ኣርእስቲ ትጥውቕ።

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ሽወደንኛ ክትለማመድ ትጅምረሉ ገጻት፡ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ወላዲ ምኳን ብዝያዳ ትፈልጠሉ ገጻትን ብዛዕባ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተሰብ ከምኡ'ውን ናይ ትምህርቲ ጽሑፋት ናይ "ብዛዕባ ሽወደን" ዝሓዘ ገጻት ትረክብ።

ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ምድላይ

ኣብ ላዕሊ ናይ እዚ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ስእሊ ናይ ኣጕላሒ መረጼን ኣሎ። ኣብቲ ኣጕላሒ መረጼን እንተ ጠዊቕካ በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ መድለዪ ቃል ክትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነቲ ትደልዮ ዘሎኻ ሓበሬታ ብቐሊሉ ከም ትረኽቦ ክገብር ይኽእል እዩ።

ቋንቋታትን ምትርጓማትን

ንመጀመርታ ግዜ ኣብ Informationsverge.se ምስ ኣተኻ እቲ መርበብ ሓበሬታ በየናይ ቋንቋ ክርኣ ምኳኑ ክትመርጽ ክኢልካ ኔርካ። ኣብ Informationsverige.se ንዅሎም ገጻት ናብ ትሽዓተ ቋንቋታት ኣስተርጕምናዮም ኣሎና። ካብዞም ዝስዕቡ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፤

  • ዓረብኛ
  • ዳር
  • እንግሊዝኛ
  • ፈረንሳይኛ
  • ፋርስኛ
  • ሩስያኛ
  • ሶማልኛ
  • እስጳንኛ
  • ሽወደንኛ
  • ትግርኛ

ዳሕረይ ግዜ ካብቲ መጀመርታ ዝመርጽካዮ ቋንቋ ካልእ ቋንቋ ክትመርጽ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ላዕሊ ዘሎ ንእሽተይ ግሎብ ክትጥውቕ ኣሎካ። ድሕሪኡ ነቲ ትደልዮ ቋንቋ ምረጽ።

እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ዞባታትን ኮሙናትን ናይ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ብዓረብኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ሶማልኛ፡ ሽወደንኛን ትግርኛን ጥራይ ኢዩ ዘሎ።

ኣብዚ Informationsverige.se እቲ ገጽ በቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ እንተ ዘየለ ኾይኑ፡ እቲ ገጽ ብሽወደንኛ ክርኣ እዩ።

መላግቦታት ናብ ካልኦት ገጻት ወይ መርበብ ሓበሬታታት

ኣብ ኣገደስቲ ዝመስሉ መላግቦታት ክትጥውቕ ትኽእል ኢኻ። እቶም መላግቦታት ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽበሎም ትኽእል ካልኦት ገጻት ኣብ Informationsverige.se ክኸፍቱ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ'ውን ናብ ካልእ መርበብ ሓበሬታ፡ንኣብነት ናብ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ወይ ቮርድጋይደን 1177 ዝወስዱ መላግቦታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።