ተረካባይነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ንInformationsverige.se ክጥቀምሉ ክኽእሉ ንደሊ ኢና። እዛ ገጽ፡ እዛ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ንሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ (ዲጂታላዊ) ኣገልግሎት ከም ተማልእን፡ ምናልባት ፍሉጣት ናይ ምርካብ ጸገማትን እንተ ኣለዉ ኾይኖም ምእንቲ ከነዐርዮም ነቶም ጉድለታት ናባና ከመይ ጌርካ ክትሕብር ከም ትኽእልን ትገልጽ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ተረካቢት እያ?

እዛ መርበብ ሓበሬታ ብኽፋል ምስ ሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ ኣገልግሎት ዘማልኣት እያ።

ገለ ክፋል ናይዛ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀመሉ እንተ ዘይክኢልካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

እቲ ካብ Informationsverige.se እትረኽቦ ሓበሬታ ካብቲ ሕጂ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ብኻልእ ቅርጺ (format) እንተ ደሊኻዮ፡ እቲ ትሕዝቶ ብኻልእ ቅርጺ ንኽወሃበካ ንኽትሓትት ምሳና ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። መልሲ ዝወሃበሉ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 2-3 ናይ ስራሕ መዓልታት እዩ።

ኣብ ተረካባይነት ናይ'ዛ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ጸገማት ሓብር

ኵሉ ግዜ ናይ'ዛ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት ከነመሓይሾ ኢና ንጽዕር። ኣብዚ ገጽ ዘይተገለጹ ጸገማት እንተ ረኺብካ ወይ ነቲ ሕጊ ዝጠልቦ ኣየማላእኩምን ዝብል ርእይቶ ሃልዩካ ኾይኑ፡ እቲ ጸገም ከም ዘሎ ምእንቲ ክንፈልጦ ክትሕብረና ኣለካ ወይ ትኽእል ኢኻ።

ከምኡ'ውን ኣብዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክወሃበካ ክትሓትት ወይ ጸገማት ክትሕብር ትኽእል ኢኻ፤

  • ተሌፎን፡ 010-224 40 00 (ከም ኣርእስቲ informationsverige.se ሃብ)

ቍጽጽር

ብዓል መዚ ንኣሃዛዊ ምምሕዳር (Myndigheten för digital förvaltning - DIGG) ንሕጊ ናይ ተረካባይነት ንህዝባዊ ኣሃዛዊ (ዲጂታላዊ) ኣገልግሎት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣለዎ። ንርእይቶታትካ ከመይ ጌርና ከም ንሕዞም እንተ ዘይኣዕጊቡካ፡ ምስ ብዓል መዚ ንኣሃዛዊ ምምሕዳር (DIGG) ርክብ ብምግባር ብዛዕብኡ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።

ተክኒካዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት

እዚ መርበብ ሓበሬታ ንደረጃ AA ሓፈሻዊ መምርሒ ዓይነት 2.1 ዕግበት ተረካባይነት መርበብ ሓበሬታ (nivå AA Web Content Accessibility Guidelines version 2.1) ዘማልእ እዩ።

ተረካቢ ዘይኮነ ትሕዝቶ ኣብዚ ይግለጽ፤

  • ገሊኦም ግዚኦም ዘሕለፉ ፐደኤፍ ፋይላትና ክርከቡ ኣይክእሉን እዮም። ክረከቡ ከም ዝኽእሉ እንዳ ክንገብሮም ከነውጽኦም ኢና።

  • ግጥሚ”ብዛዕባ ቆልዑ ንገረና “ኣብ ገጽ” Metodstöd: Barns rättigheter och utveckling ኣብ ሓደ ስእሊ ኣሎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ከም ጽሑፍ ጌርካ ክውሰድ ኣይክእልን እዩ።
  • ናይ መርበብ ሓበሬታ መንበቢ ኣገልግሎት ንቛንቋታት ሶማልኛን ትግርኛን ኣይሰርሕን እዩ።

  • Informationsverige.se ካብ ጥሪ 2021 ኣትሒዙ ንኢንተርነት ኤክስፕሎረር ዝጥቀሙ ኣይክሰርሕን እዩ፡ ኣብ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓዪ እውን ውሕስነት ክህብ ኣይክእልን እዩ። ሳፋሪ፡ ጎግል ክሮም፡ ሞዚላ ፋይረፎክስ ወይ ማይክሮሶፍት ኤጅ ክትጥቀም ንመኽረካ።

ከምዚ ጌርና ኢና ነዛ መርበብ ሓበሬታ ፈቲን'ናያ

እቶም ናትና ብናይ መርበብ ሓበሬታ ተረካባይነት ክኢላታት ኣዳለውቲ፡ ነዛ መርበብ ሓበሬታ ፈቲሾማን ፈቲኖማን እዮም። ኵሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ሒደት ግዜ ፍተሻን ወዝቢ ፍተሻን ይግበር እዩ።.

ብሓገዝ Siteimprove ከምኡ'ውን Google Analytics ኵሉ ግዜ ኣብ ምፍታሽን ነዛ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ምምሕያሽን ንሰርሕ ኢና።

እዛ መርበብ ሓበሬታ ብዕለት 24 ጥቅምቲ 2018 እያ ተሓቲማ ተዘርጊሓ።
እቲ ዝርዝር ብዕለት 20 ታሕሳስ 2021 ብሓድሽ ተተኪኡ።