Gislaved

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ንሕና ኣብ ዪስላቨድ ዘሎና ናብ ኩሉ ቀረባ ኢና ኢልና ንዛረብ፡ ማለት ቀረባ ንተፈጥሮ፡ ቀረባ ንስቕታን ህድኣትን። ግን ከኣ ቀረባ ንባህሊ፡ንስፖርትን ንኣዚዩ ኣዘናጋዒ ህይወት።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ዪስላቨድ ኮምዩን ናይ ግኑስሸ ከባቢ ስሞላንድ ክፋል እዩ። ብናይ ንግድን ኢንዱስትርን መንፈስ እተፈልጠ ከባቢ። እቲ ኮምዩን ንስድራቤት ዚሰማማዕ እዩ፡ ብናይ ኣረጋውያን ናይ ህጻናት ክንክንን ድማ ፍሉጥ እዩ።

መንበሪ-ገዛ

እቲ ብኹሉ ጠቓሚ ናይ ዪስላቨድ ቤትጽሕፈት ኪራይ ኣባይቲ ኣስታት 2600 ኣብ 8 ቦታታት ፋሕ ዝበለ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ኣለዎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ብብዝሒ ዚዝረብ ሶማሊ፡ ዓረብ፡ SKB (ሰርብያ፡ ክሮኣት፡ ቦስንያ) ፊንላንድ፡ ኣልባንያ፡ ስፓኛን ግሪኽን እዩ። ብዙሓት ፋርስ፡ ዳሪ፡ ፋርሲ ከምኡውን ስዋሂሊ ይዛረቡ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ዳርጋ ኩሉ ዘድሊ ዝበሃል ነገር ኣሎ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ቤት-ንባብ፡ ድኳናት መዓልታዊ ኣስቤዛ፡ ካልእ ኣገልግሎታት ዝህባ ድኳናት ቡቲካትን ይርከባ። ብዜካ'ዚ፡ ማእከላት ስፖርታዊ ንጥፈታትን ብርክ ዝበለ ባህላውን ስፖርታውን ንጥፈታትን ዝአንግዳ ማሕበራትን ይርከባ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ከም ዘሎን ካልእ ዝርዝራትን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ከም ኮሙናዊ ኣብያተትምህርቲ ህጻናት ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣለዉ። ኣብ ዪስላቨድ ኮምዩን ምሸትን ለይትን ከምኡውን ብግዜ በዓላት ዘገልግል ናይ ህጻናት ክንክን ኣሎ።

ናይ ስድራቤት ሰንትራል ወይ ፋሚልየሰንትራለን ዚብሃልውን ኣሎ። እዚ ንኹሉ ወላድን ወላዲ ንኺኸውን ዝቐረበን ይምልከት። ንሱ ወላድን ወላዲ ንኺኸውን ንዝቐረበን ከም መራኸቢ ቦታ ኮይኑ ምስ ሰብ ርክብ ንምግባር፡ ምኽሪ ንምርካብ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ወላዲ ንጥፈታት ደገፍ ንምርካብ የኽእለካ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ከተማታት ዪስላቨድ፡ ኣንደሽቶርፕ፡ ስሞላንድስተናርን ረፍተለን 17 መባእታ ኣብያተትምህርቲ ኣለዉ። መብዛሕትአን እተን መባእታ ኣብያተትምህርቲ፡ ናይ ህጻናት ቤትትምህርቲውን ኣለወን።

ኣብ ዪስላቨድ ኮምዩን፡ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲውን ኣሎ። ኣብ ናይ ዪስቨልድ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ወይ ዪምናስዩም ብዙሕ ዕድላት ኣሎ፡ ንኹሉ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራትውን ኣለዎ። እተፈላለየ ኮርሳት ድማ የቕርብ።

ዕድላት ትምህርቲ

ከም ሓድሽ መጻኢ፡ ንስኻ ቋንቋ ሽወደን ክትመሃር ኩሉ ግዜ ዕድል ኣሎካ። ኣብቲ ኮምዩን ኤስኤፍኢን ናይ ሕብረተሰብ ምልላይ መደብ ኣሎ። ናይ ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ኩሉ ምሉእ ዓመት ክፉት እዩ።

ናይቲ ኮምዩን ከባቢታት ንእሽቶ እኳ እንተ ኾነ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ንምቕሳም ተኽእሎ ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ብናይ ውልቂ መደብ ዚወሃብ ናይ ኮለጅ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብኡ ከይዱ ኪመሃር ንዝደሊ፡ እቲ ዝቐረበ ኣብ ቨርናሞ እዩ፡ ንሱ ከኣ ካብ ዪስልቨድ 40 ኪሎመትር እዩ።

ኣብ ኮለጅ ክትመሃር ምስ እትደሊ ናይ ዮንሾፒንግ፡ ናይ ቡሮስ፡ ናይ ሃልምስታድ ኮለጃት ኣዚየን ሰሓብቲ እየን። ናብዘን እተጠቕሳ ከተማታት ናይ ግሩም ናይ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ኣሎ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ዪስላቨድ ኮምዩን ኣብ ከባቢታት ዪስላቨድ፡ ኣንደሽቶርፕ፡ ስሞላንድስተናርን ረፍተለን ዚርከባ ኣርባዕተ ማእከል ጥዕና ኣለዋ። ኣብ ዪስላቨድ ናይ መንእሰያት ክሊኒክ ኣሎ። ኣብ ሰለስተ ከባቢታት ናይቲ ኮምዩን ናይ ደቀንስትዮ ክሊኒካት ኣሎ።

ህዝባዊ ናይ ስኒ ሕክምና ኣብ ዪስላቨድ፡ ኣንደሽቶርፕን ስሞላንድስተናርን ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብቲ ኮምዩን ናብ ኣስታት 90-100 ቋንቋታት ዝዓለመ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ። እቲ ኣገልግሎት ብኣካልን ብተለፎንን ኣገልግሎት የቕርብ።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ዪስላቨድ ኮምዩን እቲ ትራንስፖርት ብናይ ዮንሾፒን ወረዳ ትራፊክ እዩ ዚካየድ። እቲ ኮምዩን ኣብ ውሽጡ ዚካየድ ኣዚዩ ግሩም ናይ ኣውቶቡስን ባቡርን ኣገልግሎት ይህብ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ናብዘን ዚስዕባ ከተማታት ኣገልግሎት ይህብ፣ ቨርናሞ፡ ሃልምስታድ፡ ቡሮስን የተቦርይን።

ኣብነት ናይ ጉዕዞ ኣውቶቡስ ሰሌዳ ሰዓታት

  • ዪስላቨድ - ስሞላንድስተናር፡ ኣስታት 25 ደቓይቕ
  • ዪስላቨድ - ቡሮስ፡ ኣስታት ሰዓትን 30 ደቓይቕ
  • ዪስላቨድ - ቨርናሞ፡ ኣስታት 1 ሰዓት

ኣብነት ናይ ጉዕዞ ኣውቶቡስ ሰሌዳ ሰዓታት ሃልምስታድ፡ ቡሮስን የተቦርይን

  • ስሞላንድስተናር - ሃልምስታድ፡ ኣስታት 1 ሰዓት
  • ሀስትራ - ቡሮስ፡ ኣስታት 40 ደቓይቕ
  • ሀስትራ - የተቦርይ፡ ኣስታት 1 ሰዓትን 40 ደቓይቕን
JLT
SJ

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ'ዚ ከተማ ይኹን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ነኣሽቱን ወሃብቲ-ስራሕ ይርከቡ። ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ክፍቲ ናይ ስራሕ-ቦታታት ንምርኣይ ኣብ ማእተዊ ናይ'ዚ ሓበሬታ ''ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታታት'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ትረኽብዎ። እቶም ናይ ባዕልኹም ትካል ክትጅምሩ እትሓስቡ ሰባት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ነዓኹም ዝኸውን ኣገዳሲ ሓበሬታ ትረኽቡ።