Arvidsjaur

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኣብ ማእከል ላፕላንድ ኣርቪድሻውር ኮምዩን ይርከብ። ንሱ ካብ ብለኪንገ ብኽልተ ዕጽፊ ይሰፍሕ። ኣርቪድሻውር ብሳሚ ቋንቋ እዩ “ለጋስ ባሕሪ” ማለት እዩ። ንሕና ናይ ኖርቦተን ውቅብቲ ኮምዩን ኴንና ተወዚዕና ንኹሉ ተቐማጣይ ዝለዓለ ምሾት ንምሃብ ድማ ንሰርሕ ኣሎና።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ሓንቲ ላምብሬታ ኣብ ብበረድ ዝተሸፈነ ቅርጻ መሬት ትዝወር ኣላ። ናይ ፍርቂ ለይቲ ጸሓይ እያ።

ኣብዚ ኩሉ ብእግሪ ቀረባ እዩ: ናብ ድኳን ናብ ቤትትምህርቲ ናብ ክሊኒክ ወይ ቤትትምህርቲ ህጻናት ንምኻድ ቅሩብ ናይ እግሪ ጕዕዞ እዩ ዚወስድ። ንናይ ኮምዩን ምዕባለ ትርጉም ዘለዎ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ነቲ ምርጫ ከነመሓይሾ ንፍትን በዚ ኸኣ ነቲ ናይቲ ኮምዩን መጻኢ ዕድል ዝበለጸ ንገብሮ። እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

መንበሪ-ገዛ

ኣብ ኣርቪድሻውር ብዙሕ ቪላታትን ዝካረ ኣፓርትመንትን ኮምዶሚንዩምን ኣሎ። ንመንበሪ ቤት ዘራኽባን ዘቕርባን ብሕታውያን ዋኒናትን ናይ ከተማ ምምሕዳር ትካላትን ኣለዋ: ሪጋ ንምሓዝ ድማ ቀሊል እዩ። ዝግደስ እንተሎውን ካብ ከተማ ወጺእካ ኣስታት 20 ኪሎመተርው መንበሪ ኣባይቲ ኣሎ።

ነቶም ኣብ ትሕቲ ናይ ምጥያስ ሕጊ ዘለዉ ከኣ እቲ ናይ ስደተኛታት ሰክረታሪ ገዛውቲ ከምኡውን መሰረታዊ ኣቕሑ ዘለዎ ገዛውቲ ንምዕዳግ ይሕግዝ። እቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ጥየሳ ዘሎ ሰብ ነቲ መሰረታዊ ኣቕሑ ክሳዕ ኣብ ትሕቲ ጥየሳ ዝኾነ ኪሕዞ ይኽእል እዩ።

ሰለስተ መንሻተቲ በረድ ዘለዎ ትሑት ጎቦ። ኣብ ቅድሚ እቲ መንሻተቲ በረድ ሓደ ቀይሕን ሓደ ብጫን ህንጻ ኣሎ። እቲ ሰማይ ሰማያዊ ኾይኑ እቲ መሬት ብበረድ ተሸፊኑ ኣሎ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ኣርቪድስሻውር እተፈላለዩ ዜጋታት ኣለዉ። ኣብኡ ድማ ፋርስ: ትግርኛ: ዓረብ: ሞንጎልያ: ስፓኛ: ጀርመን: እንግሊዝ: ጣልያን: ታይላንድ ይዝረብ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን ማሕበር ኣለዋ: ናይ ምስልምና ግን የልቦን: ብዙሓት ምስ ኮኑ ግን ክንፈጥረሎም ተስፋ ኣሎና።

ኣብቲ ናይ ኣርቪድስሻውር ቤትክርስትያን ሓደ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ በብግዜኡ እናመጸ ይሰብኽ እዩ።

ጻዕዳ ቀጢን ሉሕን ናእሽቱ ዝርዝርን ዘለዎ ብናብ ወርቃዊ ዝኸደ ብናዊ ዕንጨቲ ዝተሰርሓ ናይ ኣርቪድስያር ቤተ ክርስትያን። ብሩህ ናይ ሓጋይ መዓልቲ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ናሕሲ ድማ በረድ ኣሎ።

እተፈላለየ ማሕበራት ኣሎ: ነቶም ናይ ባህሊ ዝንባሌ ዘለዎም ከኣ ብዙሕ ክትካፈሎ እትኽእል ንጥፈታት ኣሎ። ኣብቲ ኮምዩን ናብ ሙዚቃን ዳንስን ፊልምን መጻሕፍትን ትያትርን ስነጥበብን ንጥፈታት ኣሎ።

ነቲ ሲነማን ዳንስን ተያትርን ስነጥበብን ኮንሰርትን ዘለዎ ናይ ተቐማጦ ኣደራሽ ብጽሓዮ። ኣብቲ ናይ ሰንበት ዳንስ ብምክፋል ብዙሓት ሰባት ክትረክብ ትኽእል።

ናይ ትምህርቲ ማሕበር ብዙሕ ምርጫታት ኣለዎ: እንተ ደሊኻውን ናይ በይንኻ ዓንኬል ትምህርቲ ክትፈጥር ትኽእል።

ንሕና መሓምበሲ: ናይ በረድ መንሸራተቲ: መጋለቢ: መንሸራተቲ ማኪና: መጠዋወዪ: መብራህቲ ዘለዎ መገዲ በረድ: መህደኒ ቦታ: መግፈፍ ዓሳ ኣሎና።

ሓያሎ ማሕበራት ንህጻናትን መንእሰያትን ኣገልግሎት ይህቡ: ከምዚ ብምግባር ድማ ነቶም ሓደስቲ ተቐማጦ ናብቲ ሕብረተሰብ ከም ዚጽንበሩ ይገብሩ።

ኣብ ኣርቪድሻውር እቲ ቀንዲ መዘናግዒ ቦታታት ኣብያተመግብን ባራትን እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኣርቪድሻውር ኣብያተመጻሕፍትን ግሮሰሪን ባንክን ኣብያተክርስትያንን መጸበቒ ጸጕርን ፋርማሲን ቤትጽሕፈት ዕዮን ክሊንክን ሓኪም ስንን ናይ ምውስዋስ ኣካላትን መንሸራተትን ናይ በረድ መገድን መጠዋወይን ናይ መብራህቲ መገድን መሓንበስን መጻወትን መዓርፎ ኣውቶቡሳትን እንዳ በንዚናን ካልእን ይርከብ።

ናይ ኣርቪድሻውር ብርቂ ነገር እቲ ሁስ ኢደዩም ዚብሃል እዩ

ንሰባት ኪምዕብሉን ንተኽእሎታቶም ከሐይሉን ሓገዝ ዚህብ ቦታ ኣሎ። ኣብኡ እተፈላለየ ንጥፈታትን ፕሮጀክትታትን ኣሎ። ኣብኡ ብዘይካ ካልእ: ናይ ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ናይ ስደተኛታት ምውግጋንን ናይ መምሃሪ ማእከልን መቐበሊ ኣሎ። ከምኡውን ዓቢ ቤትጽርበትን ጋራጅን። እዚ ከም ሓደ ናይቶም ካብ እተፈላለየ ባህልን ኣመለኻኽታን ዝመጹ ሰባት መራኸቢ ቦታ እዩ።

ኣብቲ ኢደዩም ናይ ስደተኛታትን ናይ ምጽምባርን ኣተሓባባሪ ኣሎ። ኣብኡ እቶም ሰራሕተኛታት ነቶም ሓደስቲ መጻእቲ ምስቲ ናይ ኣርቪድሻውር ኮምዩን የላልዩዎም ኣብቲ ኮምዩን ደስ ኢሉዎም ንኺቕመጡ ድማ ይሕግዙዎም።

ኣብቲ ናይ ትምህርቲ ማእከል: ንመጽናዕቲ ዝኸውን ክፍሊ: ኮምፕዩተር: ፕሪንተርን ፎቶኮፒን ኣሎ። እቲ ናይ ትምህርቲ ኣተሓባባሪ ነቲ ኣብ ኣርቪድሻውር ክትመሃሮ እትደሊ ዓይነት ትምህርቲ ንኽትመርጽ ይሕግዘካ ወይ ሓበሬታ ይህበካ።

ኣብ ኣርቪድሻውር ንመድህንን ንቀረጽን ዚምልከት ናይ ኣገልግሎት ቤትጽሕፈት ኣሎና። እቲ ቤትጽሕፈት ኣብቲ መእተዊ ክሊኒክ ይርከብ። እቲ ቤትንባብ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ይርከብ። ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣብ ማእከል ከተማ ይርከብ። ማሕበራዊ ጉዳያት ኣብቲ ናይ ኮምዩን ቤትጽሕፈት ይርከብ።

አንዮ ናይ እተዘውተረ ኣቕሓ ዱካን እዩ። ኣብኡ ዝተዘውተረ ኣቕሑ ገዛን ክሽነን ይርከብ። ኣብኡ ቀዪሕ መስቀለ መራኸቢ ቦታ ኣለዎ: እተዘውተረ ክዳውንትን ካልእን ከምኡውን ቡን ብናጻ።

ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ብዝያዳ ከተንብብ ትኽእል፡

ኣብ ኩርናዕ ናይ ሓደ ጐደና ዝርከብ ሓደ ናይ መግቢ ድኳን። ኣብ ሓደ ናይ መሓበሪ ሰሌዳ ኢካ ሱፐርማርኬት ተጻሒፍዎ ኣሎ። ብድሕሪት ክልተ ሰባት ንሓደ መሳገሪ ቦታ ይሓልፍዎ ኣለዉ። ናብቲ ናይ መግቢ ዱኳን ገጾም እዮም ዝኸዱ ዘለዉ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

እቲ ንህጻን ንምእላይ እትጽበዮ ግዜ ሓጺር እዩ። ስለዚ ዝኾነ ህጻን ኣብ ሰሙን ወይ ክልተ ሰሙን ንኽረአ ዕድል ኣለዎ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ናይ ኣርቪድሻውር ኮምዩን ካብ መባእታ ክሳዕ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ብዘይካ ካልእ: ንናይ ክንክን ጥዕናን ናይ ኣብያተመግን ክሸናን ተለማማዲ ትምህርትን ይርከብ።

ኣርቪድሻውር ናይ ባህሊ ቤትትምህርቲውን ኣለዋ። ኣብኡ ንህጻናትን መንእሰያትን ናይ ሙዚቃን ትልሂትን ትምህርቲ ይወሃቦም።

ሪንገልስኩላን ፍሪድህምስስኩላን

ኣብ ኣርቪድሻውር መብእታ ቤትትምህርቲ ብሪንገልስኩላን ዝቖመ እዩ: ንሱ ድማ ካብ ቤትትምህርቲ ህጻናት ክሳዕ ሻብዓይ ክፍሊ ይቕጽል: 400 ተመሃሮ ድማ ይሕዝ። ፍሪድሀምስኩላን ግን ካብ ሻብዓይ ክሳዕ ታስዓይ እዩ።

ሳንድባክስስኩላን

ኣብዚ ናይ ሳንድባክስስኩላን ቤትትምህርቲ እተፈላለየ ፕሮግራማት ዚመሃሩ ተመሃሮ ቍጽሮም ካብ 300 ንላዕሊ እዩ: ኣብኡ ድማ 55 ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

ናብ ሳንድባክስስኩላን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል ዝተጻሕፎ ሓደ ናይ መሓበሪ ሰሌዳ። ኣብ ድሕሪት እቲ ብጫ ናይ ሳንድባክስስኩላን ናይ ሕጡብ ህንጻ ይርኣ ኣሎ። በረድ ኣብ መሬት ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ሳንድባክስስኩላን ናይ ኤስኤፍኢ ትምህርቲ ኣሎ: እዚ ቤትትምህርትዚ ከኣዩ ነቲ ምስ ማሕበረሰብ ናይ ምልላይ ትምህርቲ ዘተሓባብሮ። ኤስኤፍኢ ክልተ ክላሳት ኣለዎ: እቲ ቀዳማይ ናብ ኮርስ ኤ ንቢን ዝዓለመ ንጀመርቲ ዚወሃብ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ናብ ናይ ሲን ዲን ኮርሳት የተኩር።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ናይ ኣርቪድሻውር ናይ ጥዕና ማእከል ናይ ኣደታትን ህጻናትን ክሊኒክ: ናይ ህጹጽ ረድኤት: ናይ ስኒ ሕክምና ኣሎ። እቲ ዚግበር ናይ ሕክምና ዝርርብ ምስ ብነርስ እዩ ዚካየድ።

ናይ ኣርቪድስያር ማእከል ክንክን ጥዕና ንቕድሚት ወገን። ብደጋዊ ሸነኽ ናይቲ ህንጻ ኣብ ሓደ ናይ መሓበሪ ሰሌዳ ማእከል ክንክን ጥዕናን ህዝባዊ ክንክን ስኒን ዝብል ኣሎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኩሉ ትካላት ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ኣሎ። ተርጓማይ ብቴለፎን እዩ ዚትርጉም።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ ኣርቪድሻውር እቲ መራኸቢታት ጽቡቕ እዩ። ካብ መዓርፎ ነፈርትና ንስቶክሆልም መዓልታዊ በረራ ኣሎ። ኣብ ግዜ ክረምቲ ምስ ጀርመን እውን መራኸቢ ኣሎ። ብኣውቶቡስ ናብ ገምገም ባሕሪ ንምብጻሕ ሓደን ፈረቓን ሰዓት ይወስድ። ኣብ ግዜ ክረምቲ መብዛሕትኡ ተቐማጣይ ናይቲ ኮምዩን ብእግሪ ዚንሸራተት ነገር ገይሩ ይዛወር።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብዚ ናይ ማኪና ኢንዱስትሪ: ናይ ቤትጽሕፈት ዕዮ ኣገልግሎት: ናይ ምክልኻል ሚኒስተር: ናይ ገበን ክፍሊ: ናይ ኣርቪድሻውር ኮምዩን (ክሊኒክ: ቤትትምህርትን ክንክንን): መድህን ድርጅት: ናይ ዕጽዋት ኢንዱስትሪ።