Oxelösund

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ኦክሰሎሱንድ ምስቲ 11500 ተቐማጦኣ ኣብቲ ገማግም ኦስተርሾንስ ሓደ ሰዓት ካብ ስቶክሆልም ንደቡብ ርሒቓ ትርከብ። ጥቓ ባሕሪ ብምዃና ንምሕምባስን ምጅላብን ብጃልባ ምቅድዳምን ናይ እኩባት ደሴታት ጽባቐ ንምርኣይን ተኽእሎታት ኣሎ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ትርኢት ናይ እኩባት ደሴታት ኣከባቢ ምስ ብዙሓት ጻዓዱ ናይ ጋንጽላ ጀላቡ ኣብቲ ባሕሪ።

ኦክሰሎሱንድ ናይ ተቓራንታት ከተማ እያ። ኣብኡ እቲ ንእሽቶ ምስ ዓቢ ይራኸብ። ኢንዱስትሪ ምስ ተፈጥሮ። ጽርግያታት ምስ ባሕሪ። ናብ ኦክሰሎሱንድ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

መንበሪ-ገዛ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበላ ናይ መንበሪ-ኣባይቲ ኣማራጺታት ኣለኩም። ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ዘካርያ ትካላት ኣለዋ። መንበሪ-ገዛ ክትዕድጉ ምስ እትደልዩ ውን ኣሎ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው፡ ነጻ ዘሎ መንበሪ-ገዛን ትካላት ክራይ-ኣባይትን ዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ዝኾኑ ነባሮ ይርከቡ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ንክፍሊ ምቕባል ሓደስቲ ስደተኛታት ትወከሱ።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ዝነጥፋ ብርክት ዝበላ ማሕበራት ይርከባ። ንኣብነት፡ ማሕበራት ስፖርታዊ-ንጥፈታት፡ ባህላዊ ማሕበራት፡ ኣብያተ-ክርስትያናት ምትእሳሳራተንን። ኣብቲ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ዝርከብ መዝገብ-ማሕበራት ብምእታው ምስ ዝምባሌታትኩም ዝሳነያ ማሕበራት ክትደልዩ ትኽእሉ።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ኣብ ኦክሰሎሱንድ፡ ድኳናት፡ ቤትንባብ፡ ናይ ኩሉ ንጥፈታት ቤት፡ ክፉት ቤትትምህርቲ ህጻናት፡ ማእከል ጥዕናን ፋርማስን ይርከብ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብዚ ከተማ'ዚ፡ ነቶም ቆልዑ ዘለዎም ኣገልግሎት መዋዓሊ-ህጻናት ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝዓለመ፡ ትምህርታዊ ንጥፈታት ውን ኣለዎ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ፡ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ከተንብቡ ትኽእሉ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኦክሰሎሱንድ ኮምዩን ምስ ኒሾፒን ውዕል ኣለዋ፡ ኣብኡ ዝበዝሑ ክትመርጸሎም እትኽእል ሃገራዊ ፕሮግራማት ኣለዉ።

ዕድላት ትምህርቲ

ካምፑስ ንኹሉቲ ኣብ ኦክሰሎሱንድ ኣብ ውሽጢቲ ትምህርቲ ንዓበይቲ ዚካየድ ስልጠና ዚጥርንፍ ስም እዩ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ፡ ተጠቀምቲ ናይ ዝተፈላለየ ናይ ጥዕናዊ--ኣገልግሎታትን ክንክን ክትኮኑ ትኽእሉ። ኣብዚ ከተማ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና፡ ማእከል-ጥዕና ህጻናት፡ ኣዴታት (ነፍሰ-ጾራት) ከምኡ ውን ክሊኒክ-ስኒ፡ ይርከብ። ሕክምናዊ ክንክን ምስ እትደልዩ፡ ናበይ ክትከዱ ከም ዘለኩምን ካልእ ንጥዕናዊ-ክንክን ዝምልከት ዝርዝራት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ትረኽብዎ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

እቲ ኮምዩን መብዛሕትኡ ግዜ ስፖክሰርቪስ Språkservice እዩ ዘዘውትር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ኣብ'ዚ ከተማ'ዚ ስሉጥ ኣግልጎሎት መጎዓዝያ ኣሎ። ንሰዓታት ንቕሎን ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታትን ብዝምልከት፡ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ከተማ ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ሳብ SAAB ናይቲ ዞባ ዝዓበየ ወሃብ ስራሕ እዩ፡ ብድሕሪኡ ናይ ኦክሰሎሱንድ ኮምዩንን ናይ ኦክሰሎሱንድ ወደብን ይመጽእ።