Trosa

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 12 10 2022

ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ፡ ኣብቲ ኣብቲ ኣብ ጎደና ዕብየት ዝሕንበብ ዘሎ ኣውራጃ ዝርከብ፡ ትሑት መጠን ሽቕለት-ኣልቦነት ዘለዎ ምምሕዳር ከተማ እዩ። እቲ ብደሴታትን ባህላዊ ጸጋን ዝልለ ምምሕዳር ከተማ ቅርበቱ ካብ ከተማ ስቶክሆልም ወሲኽካ፡ ሓደ ካብቲ ንብዙሓት ናቲ ዞባ ንኽውሕዙ ዝስሕብ ዘሎ ቀድኒ ረቋሒታት እዩ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ከተማ

ክልተ ቀያሕቲ ናእሽቱ ገዛውቲ፡ ሓንቲ ጃልባን ሓደ ድልድልን ዘለዎ ናይ እኩባት ደሴታት ኣካባቢ።

መንበሪ-ገዛ

ምምሕዳር ትሮሳ ምስ ድልየታት ናይ ነባሮ ዝሳነ ነኣሽቱን ወይ ውን ዓበይቲ ኣብ ከተማ ወይ ውን ኣብ ምሕድግ ዝበለ ከባቢታት ዝካረ-ገዛውቲ ከዋድድ ቀጻሊ ዝከኣሎ ኣብ ምግባር ይረከብ።

ክራይ-ኣባይቲ

ኣብ ትሮሳ ብትሩቡ ዝፍለጥ ብምምሕዳር ወረዳ ዝውነን ትካል ክራይ-ኣባይቲ ኣሎ። እዚ ትካል'ዚ፡ ኣብ ትሮሳን ቫገንሄራድን ዝርከብ ኣስታት 600 ዝካረ-ኣባይቲ ይውንን።

ብተመሳሳሊ ትካል ክራይ-ኣባይቲ ሆኤስቢ ኣስታት 400 ከምኡ ውን ትካል።

ፋስቲግሄት ቢሊ ጊስታፍሶን 180 ዝካረ-ኣባይቲ ኣብ ትሮሳን ቫገንሄራድን ይውንኑ።

ክልተ ዝተፈላለየ ሕብሪን ሰገነትን ዘለዎ ናት ኣፓርታማ ህንጻ።

ካልእ ቋንቋታት ዝዛረቡ ተቐማጦ መን ኣለዉ ኣብቲ ቦታ

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ፡ ካብ ዝዝረቡ ቋንቋታት፡ ዓረበኛ፡ ዳሪ፡ ትግርኛ፡ እንሊዘኛ፡ ሊትዋየስካ፡ ራሻ፡ ቋንቋታት ቦስንያን ፊንላድን፡ ይርከብዎም። ብዜካ'ዚ ካልእ ኣብቲ ቦታ ዝዝረቡ ነኣሽቱ ቋንቋታት ኣለዉ ውን ኣለዉ እዮም።

ማሕበራትን ምትእኻባትን

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ ካብ ዝርከባ ማሕበራት፡ ማሕበር ፊንላድዋያንን ማሕበር ቦስንያ-ሀርዞጎቪንያ ኣብ ትሮሳን-ቫገንሀራድን ክጥቀሳ ይኽእላ። ኣብ መዝገብ-ማሕበራት ምምሕዳር ዞባ ዝርዝር ካልኦት ማሕበራትን ንጥፈታተንን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ብድሕሪት ናይ ትሩሳ ቤት ንባብ ዘለዎ ሓደ ብዝልምልም ዘሎ ኣግራብ ዝተኸበ ጐደና።

ኣብቲ ከባቢ ብቐረባ እንታይ ይርከብ

ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ ብስፍሓቱ ንእሽቶይ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ መዳይ ኣገልግሎት ኣዝዩ ሓያል ንግዳዊ ምንቕስቓስ ኣለዎ። እዚ ዞባ'ዚ፡ ከም ዙረት ኣብ ኣዋራጃ ሶደርማንላድ፡ ብጽሖት ኣብ ግምብታት ናይቲ ዞባ፡ ዑደት ኣብ ደሴታቱ፡ ወይ ውን ጉዕዞ በታ ንእሽቶይ ሰማያዊት-ባቡር ገለ ካብቲ ነቲ ዞባ ዓመት ምሉእ ዘይዝሕትል ንጥፈታት ክህልዎ ዝገብሩ ጸጋታት እዮም። ብዜካ'ዚ፡ እቲ ዞባ ባዕሉ ዝወንኖ ዓቐበት መንሸራተቲ-በረድ ኣለዎ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ፡ ኣብ ትሮሳን ቫገንሀራድን ዝርከባ ክልተ ኣብያተ-ንባብ ኣለዋ። ክልቲአን ኣብያተ-ንባብ ንነባሮ ናይቲ ዘተማ ዝተፈላላየ ናይ ምንባብ፡ ሓበሬታን ባህላዊ ተረኽቦታትን ሃዋሃብ ኣብ ምውዳድ ይዋስኣ።

ኣብ ትሮሳ፡ ብሕሱር ዋጋ ዘገልገለ-ንብረት ዝሸጣ 2 ድኳናት ኣለዋ።

ተጻወትቲ ኵዕሶ ኣብ ናይ ግጥም ስፍራ ኣብ ሓደ ሜዳ ኵዕሶ እግሪ።

ኣገልጎት ክንክን ወይ ሕብሐባ ቆልዑ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ ንኩሎም 3 ዓመት ዝመልኡ ህጻናት ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት (525 ሰዓታት ኣብ ዕእመት) ነጻ ናይ መውዓሊ-ህጻናት ኣገልግሎት ክንክን ይወሃቦም። እዚ መደብ እዚ ነቶም 3 ዓመት ዝመልኡ ህጻናት ጥራይ ዝምልከት ኮይኑ፡ ዓመት ዓመት ካብ ወርሒ ጥቕምቲ ጀሚሩ ክሳብ እቶም ህጻናት ኣዚለ ክፍሊ ዝጅምሩ ኣብኡ ክጸንሑ ይፍቐዶም።

ሓፈሻዊ ትምህርቲ ወይ መውዓሊ-ህጻናት ፍሉይ ትምርህቲ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ ነቶም 3 ዓመት ዝመልኡ ህጻናት ትምህርታዊ ሸውሃቶም ንምድላውን ሓባራዊ ህወት ተለማሚዶም ንኽጸንሑ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። እዚ ኣገልግሎት'ዚ ብነጻ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ስሩዕ ክፍላታት ትምህርቲ ይኽተል።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ እትነብሩ ወለዲ ንደቕኹም ብዝምልከት መንግስታዊ ቤት-ትምርህቲ ወይ ውን ካልእ ግላዊ ቤት-ትምርህቲ ክትመርጹሎም መሰል ኣለኩም። ግላዊ ክንብል እንከለና፡ ካብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደ ቤት-ትምርህቲ ወጻኢ ማለትና ኮይኑ፡ ብካልእ ትካል ዝውነን ወይ ውን ብማሕበር-ወለዲ ዝእለ ቤት-ትምህርቲ ክኸውን ይኽእል። እተን ብግሊ ዝመሓደራ ኣብያተ-ትምህርታት ወይ መውዓሊ-ህጻናት ውን እንተኾነ ህጻናት ከአንግዳ መታን ልክዕ ከምተን ናይ መንግስቲ ማዕረ ገንዘባዊ ሓገዝ ይወሃበን።

መውዓሊ-ህጻናት

መውዓሊ-ህጻናት፡ ነቶም ካብ 1 ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ናይ መውዓልን ትምህርታዊ ክንክንንን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይነጥፋ። ኣብ ምምሕዳር ዞባ ትሮሳ 9 መንግስታዊ 2 ድማ ናይ ግሊ ናይ መውዓሊ-ህጻናት ማእከላት ይርከባ:

  • ኣብ ትሮሳ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናት፡ ብዮርክባከን፡ ቶምታሂል፡ ቱምታሉንድ፡ ቱምታክሊንት፡ ታልባከን፡ ናግኖ ቦርን።
  • ኣብ ቫገንሀራድ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናት፡ ሄሰልባከን፡ ፋገርሁልት፡ ፋገርኤንግ፡ ቬስቢ።
  • ኣብ ቬስተርልዩንግ ዝርከባ መውዓሊ-ህጻናት፡ ብዮርከ፡ ዳልቢስቱጋን

ግዝያዊ መጽንሒ ህጻናት

ግዝያዊ መጽንሒ ህጻናት፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 6 ክሳብ 13 ዓመት ዘለዉ ህጻናት ዝዓለመ እዩ። ኩለን ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዝርከባ ማእከላት መጽንሒ ህጻናት ምስተና ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ናይ መባእታዊ ደረጃ ኣብያተ-ትምርህርታት ዝተተሓሓዛ እየን። ዋላ ውን እታ ብግሊ እትውነን ቤት-ትምርህቲ ሌንጎ ውን እንተኾነ ናታ ግዝያዊ ማእከል መጽንሒ ህጻናት ኣለዋ።

መባእታ ኣብያተ ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ ትምርህቲ ብቀዳምነት ዝስራዕ ሕብረተ-ሰብኣዊ ጽላት እዩ። ኩሎም ህጻናትን መንእሰያትን ብቁዕን ርጉእን ናይ ትምርህቲ ዕድላት ንኽዋደደሎም፡ እቲ ምምሕዳር ዘይሕለል ጻዕርታት ካብ ምግባር ኣየዕርፍን እዩ። ወለዲ ንደቆም ተምህርቲ ናይ ምምራጽ መሰል ኣለዎም። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ 5 መንግስታዊ ኣብያተ-ትምህርታት ኣለዋ። ካብቲ ከተማ ወጻኢ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርታት ምምራጽ ውን ይከኣል'ዩ።

መባእታ ቤት ትምህርቲ

ኣብ ኩለን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርታት (ቱምታክሊንት-ስኩላን ከምኡ ውን ሀደቢ-ስኩላን ገዲፍካ) ናይ ኣዚለ ክፍሊን ግዝያዊ ማእከል መጽንሒ ህጻናትን ኣለወን:

  • ኣብ ትሮሳ ዝርከባ ቤት-ትምርህርታት፡ ዃርሎግስ-ስኩላን (ካብ ኣዚለ ክሳብ 6ይ ክፍሊ) ቪታሊ-ስኩላን (ካብ ኣዚለ ክሳብ 6ይ ክፍሊ)፡ ቱምታክሊንት-ስኩላን (ካብ 7ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ)
  • ኣብ ቫገንሀራድ ዝርከባ ቤት-ትምህርታት፡ ፎርንቢ-ስኩላን (ካብ ኣዚለ ክሳብ 5ይ ክፍሊ)፡ ሀደቢ-ስኩላን (ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ)
  • ኣብ ቬስተርልዩንግ ዝርከባ ቤት-ትምህርታት፡ ሺርክ-ስኩላን (ካብ ኣዚለ ክሳብ 6ይ ክፍሊ)

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ

ምምሕዳር ከባቢ ትሮሳ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሽወደን ዝርከቡ ኣብ ኣስታት 50 ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምርህቲ ዝመሃሩ ተመሃሮ ኣለዉዎ። ከም ነባሮ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ ኣብ ዝደለኹሞ ናይ ካልኣይ ደርጃ ትምህርቲ ክትመሃሩ ትኽእሉ እኳ እንተኾንኩም፡ እቲ ምምሕዳር ግን ምስተን ዝተፈላልየ ሃገራዊ መደባት ትምህርቲ ካልኣይ-ደረጃ ዘአንግዳ ከተማታት ኒሾፒን፡ ሶደርተልየ፡ ሮኒንገ (ምምሕዳር ሳሌም) ዝኸተሞ ስምምዓት ኣሎ።

ዕድላት ትምህርቲ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ስሩዕ ሰሙናዊ ትምርህቲ ቋንቋ ሽወደን ንሓደስቲ ኣሎ። እዚ ናይ ትምርህቲ ቋንቋ'ዚ፡ ካብ ደረጃታት B ክሳብ D ይወሃብ። ደረጃ A ናይ ቋንቋ ሽወደን፡ ናብ ከተማ ኒሾፒንግ ወይ ውን ሶደርተልየ ብምኻድ ክትመሃሩ ኣለኩም። ብዜካ'ዚ፡ ኣብ ትሮሳ ነቶም ትምርህቲ ክቕጽሉ ዝደልዩ፡ መባእታዊ ደረጃ ትምርህቲ ንዓበይቲ ውን ኣሎ።

ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ይኹን መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ኣብቲ ኣብ ቫገንሄራድ ዝርከብ ሀደቢ-ስኩላን ዝተስመየ ቤት-ትምህርቲ ይካየድ።

ካልእ ትምርህቲ ንዓበይቲ ብዝምልከት ብመንገዲ ናይቲ ኣብ ኣብ ከተማ ኒሾፒን ዝርከብ ካምፓስ-ኒሾፒንግ ዝተሰምየ ትምህርታዊ ምእከል ኣቢልኩም ክትሓቱን ትመሃሩሉ ከተማ ክትመርጹ ትኽእሉ።

ኣገልጎት ጥዕና

ኣብ ማእከል-ጥዕና ትሮሳ፡ ምስ ዶክቶር፡ ዞባዊ ሓኪም፡ ሓካይም ኣካላት፡ ሓካይም ስራሕን ምምዕባል ኣካላዊ ብቕዓትን፡ ሓካይም ስነ-ኣእምሮን ኣማኸርቲ ጥዕናዊ ጸገማትን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብዜካ'ዚ፡ ንሕሙማት ሽኮርያ፡ ኣዝማ፡ ሕማማት-ልቢ ካልእን ንምእላይ ዝዓለመ ፍሉይ ኣገልግሎት ክንክን ውን ኣብቲ ጥዕናዊ-ማእከል ይክርብ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ማእከል'ዚ፡ ፍሉይ ክፍሊ ሕክምናታት ህጻናትን ኣዴታት ው ይርከብ።

ንክንክን ስኒ ዝምልከት ኣብ ትሮሳ መንግስታውን ናይ ግሊ ክሊኒካት ይርከብ።

ናይ ቋንቋ ድግፍ-ተርጓሚ ምርካብ

ኣብ ኣብያተ-ትምርህቲ፡ ምምሕዳራዊ ኣብያተ-ጽሕፈታት ከምኡ ውን ኣብ ሕክምና ተርጓሚ ክቍጸረልኩም ይኽእል እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ተርጓሚ ብተሌፎን እዩ ዝቍጸር።

ኣገልግሎት መጎዓዝያ

ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ ነቲ ብኢፊራ ዝፍለጥ ዓቢ ጽርግያን መስመር ባቡርን ተጎዝጊጒዙ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ስሉጥ ናይ መጎዓዝያ ኣማራጺታት ኣለዎ። ኣብ ቫገንሀራድ ዸው እትብል ባቡርን ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሳ ስሩዓት ኣውቶቡሳትን ንመጎዓዝያ ካብን ናብን እቲ ዞባ ኣብ ምቕላል ዓቢ ተራ ይጻወታ። ማእከል መጎዓዝያ ናይቲ ዞባ ኣብ ቫገንሀራድ ኮይኑ መንሃሪን መዕረፍን ኣውቶቡሳትን ባቡራትን እዩ። ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝሰርሑን ዝመላለሱን ነባሮ ምምሕዳር ትሮሳ ዘገልግል፡ ሰፊሕ መካይን ናይ መገረሺ ቦታታት ኣሎ።

ካብ ቫገንሀራድ ናብ ሶደርተልየ ዘሎ ርሕቀት፡ 3 ማይል ክኸውን እንከሎ ናብ ስቶክሆልም 7 ናብ ኒሾፒን ከኣ 4 ማይል እዩ። ኣስታት 50% ነባሮ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ከተማታት ብኣውቶቡስ፡ ባቡር ከምኡ ውን ብመኪና እንዳ ተመላለሱ ይሰርሑ። ንተወሳኺ ዝርዝር ብዛዕባ'ዚ ዝተጠቕሰ መርበብ-ሓበሬታ ምምሕዳር ናይቲ ከተማ ተወከሱ።

ስራሕን ትካላት ናይ ምምስራት ተኽእሎታትን

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሮሳ፡ እቶም 2 ዝዓበዩ ወሃብቲ-ስራሕ ምምሕዳር ከተማን ካሚል ፋር ዝተባህለ ትካል እዮም። መብዛሕትኦም ነባሮ ትሮሳ ኣብተን ኣብ ሶደርተልየ ዝርከባ ትካላት ስካንያን ኣስትራን ከምኡ ውን ኣብ ሆስፒታል ሶደርተልየ መዓልታዉ እንዳ ተመላለሱ ይሰርሑ።