ምዕባለ ደሞክራሲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ደሞክራሲ ዝብል ቃል፡ ካብ ‘ደሞስ‘ ማለት ህዝቢ፡ ‘ክራተይን‘ ከኣ ምምሕዳር ዝብላ ቃላት ግሪኽ ዝቖመ‘ዩ። ስርዓተ ደሞክራሲ፡ ድሕረ ባይታኡ ቅድሚ ግዜና እዩ ጀሚሩ። 500 ዓመት ቅድሚ ግዜና ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ተተኺሉ። ሽዑ እታ ግሪኻዊት ከተማ ኣተንስ ካብ ውልቀ መላኽነት ናብ ሓደ ደሞክራሲያዊ ዓይነት ምሕደራ ተቐዪራ። እንተኾነ ግን ሰብኡት ጥራይ‘ዮም ክውስኑ ዝኽእሉ ነይሮም። ኣንስቲ፡ ባራዩን ወጻእተኛታትን ኣብ ውሳነ ምንም ተራ ኣይነበሮምን። ኣብዚ እዋን'ዚ ኴንና ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ናይ ኣተንስ ደሞክራሲ፡ ከም ደሞክራሲ ክርአ ኣይክእልን'ዩ።