ስርዓተ-ደሞክራሲ ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሽወደን፡ ወካሊ ደሞክራሲ (representativ demokrati) ኣሎዋ። ብመሰረት ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቅርጽታት ከኣ ትማሓደር። ግን ከኣ እንተላይ ንጉሳዊት እያ። እዚ ማለት ድማ፡ ከም ናይቲ ሃገር መራሕቲ ኮይኖም ዘገልግሉ ንጉስን ንግስትን ኣሎውና ማለት'ዩ። እቲ መራሕ ሃገር ግን ንስሙ እምበር ምንም ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን። እቶም ብደሞክራስያዊ መገዲ ዝምረጹ ፖለቲከኛታት እዮም ነታ ሃገር ዝመርሑዋ።

    ኣብ ሽወደን፡ ብሰለስተ ፖለቲካዊ ጽፍሕታት እዩ ውሳነታት ዝሓልፍ። ንሳተን ድማ፡ ኮምዩናዊ፡ ኣውራጃውን መንግስታውን እየን። ሽወደን፡ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ብምዃና፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዝውስን ከኣ ኣሎ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡28 ሃገራት ዘጠቓለለ ምትእኽኻብ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ብህዝቢ ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ኣለዉ። እዚኣቶም፡ ኣባላት ባይቶ ይብሃሉ። ንሳቶም፡ ኣብቲ ዝተመርጹሉ ጽፍሒ፡ ክውስን ዝኽእል ክልል ይቕመጡ። ኣብ ኮምዩናዊ ባይቶ (kommunfullmäktige): ዞባዊ ባይቶ (landstingsfullmäktige)፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶን (riksdagen) ኤውሮጳዊ ባይቶን ማለት'ዩ።

    ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ንብልሽውናን ስልጣንካ ብዘይ ኣገባብ ምጥቃምን ዝቆጻጸር ኣካል ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ስልጣን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣተግበርቲ ኣካላት ምምቃል እዩ። በዚ መገድ'ዚ ድማ፡ ሓድሕዳዊ ምቊጽጻር ክህሉ ይከኣል። ኣብ ናይ ሽወደን ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ነዚ ዝምልከቱ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉ። ሓደ ኣብነት ከኣ፡ ኮምዩናትን ኣውራጃታትን ነናይ ባዕለን ኣመራርሓ ኣሎወን። እዚ ድማ፡ ነቲ ማእከላውነትን ናይ መንግስቲ ውሳነን ይብድሆ። ካልእ ኣብነት ከኣ፡ እቲ መንግስታዊ ስልጣን፡ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ባይቶ፡ ኣብ ፈጻሚ ኣካልን ኣብ ፍርዲ ዘሕልፍ ኣብያተ ፍርድን ይምቀል። እቲ ባይቶ፡ ንመንግስቲ ይቆጻጸሮ። እቲ መንግስቲ ብስርዓት ምስ ዘየመሓድር፡ እቲ ባይቶ ነቲ መንግስቲ፡ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ይግድዶ። እቲ ቅዋም፡ ነቲ ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን፡ ሽወደን ብኸመይ ከም እትመሓደር ስእሊ ይህቦም። እዚ ኹሉ ድማ፡ ንሽወደን፡ ከም ካልኦት ብዙሓት ሃገራት፡ ብብልሽውናን ስልጣንካ ብዘይኣገባብ ምጥቃምን ከይትጥቃዕ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

    ሃገረ-መንግስቲ

    እቲ ሃገረ-መንግስቲ፡ ብባይቶ፡ ብመንግስቲ፡ ብኣስታት 350 መንግስታዊ ትካላት፡ ካምፓንታት፡ ቦርድን በዓልመዝን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ባይቶ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ሕብረተሰብ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ይውስን። መንግስቲ ድማ፡ ምስ ቤትምኽሪ መንግስትን ትካላቱን ኮይኑ ነቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ የውዕሎ።

    ባይቶ ሽወደን

    ባይቶ ሽወደን፡ ሕግታት ዘውጽእ ኣካል እዩ። ብደረጃ ሃገር ክርአ ከሎ፡ ባይቶ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ምውሳን ስልጣን ዝውንን ኣካል እዩ። ኣባላት ባይቶ፡ እቶም ህዝቢ ሽወደን ብደረጃ ሃገር ዝመረጾም፡ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ፖለቲከኛታት እዮም። እዞም ፖለቲከኛታት'ዚኣቶም ወከልቲ ፖለቲካዊያን ሰልፍታት'ውን ስለዝኾኑ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ሃገር ፖለቲካዊ ሰልፋዊ ምትእስሳር ኣሎዎ። ባይቶ ሽወደን፡ 349 ወከልቲ ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ እቶም ወከልቲ ኣባላት ባይቶ ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ይምረጹ። ናይ ባይቶ ኣገደስቲ ዕዮታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡-

    • ሓደስቲ ሕግታት ምምሕልላፍን ነቲ ኣረጊት ደው ምባልን፡
    • ሃገራዊ ባጀት ምውሳን፡ ማለት ናይቲ ሃገር ዓመታዊ ኣታውን (ግብርን ክፍሊትን) ከምኡ'ውን ወጻእን ይውስን።
    • መንግስትን ትካላት መንግስትን ከመይ ከም ዝሰርሓ ምቁጽጻር፡
    • መንግስቲ ዘቕውም ጠቕላሊ ሚኒስተር ምምራጽ፡

    መንግስቲ ሽወደን

    መንግስቲ፡ ናይ ምትግባር ስልጣን ኣሎዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ መንግስቲ፡ ምስ ምምራሕ ሃገር ዝተተሓሓዘ መዓልታዊ ስራሕ የማእክል ማለት እዩ። ኣብ ሃገራዊ ባጀት ውጥን የቕርብ፡ ንኣጠቓቕማ ገንዘብ ሃገር ብዝምልከት መምርሒታት የውጽእ፡ ንምክልኻል ሃገር ምምራሕ፡ ምስ ባይቶ ኮይኑ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ሃገራት ሓላፍነት ምውሳድን ዝብሉ ገለ ካብ'ቶም መንግስቲ ዘማእክሎም ዕማማት እዮም። ነዚ ኹሉ ተሰኪሙዎ ዘሎ ዕማማት ንምስልሳል፡ መንግስቲ፡ በቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዝሓቁፍ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ (Regeringskansliet) ይድገፍ።

    እታ ዓብላሊ ድምጺ ዝረኸበት ፖለቲካዊት ሰልፊ፡ ወይ ብዙሓት ልፍንቲ ዝመስረታ ሰልፍታት'የን መንግስቲ ዘቑማ። እቲ መራሒ ሃገር (statsminister) ኮይኑ ዝምረጽ ፖለቲከኛ ኸኣ'ዩ ነቶም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ መዳያት ዝመርሑ ምኒስተራት ዝመርጽ። ነፍሲ ወከፍ ምኒስተር፡ ንሱ ዝመርሐን ፍሉያት ክፍልታት (departement) ኣለዋ። እተን ክፍልታት ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ኣመልኪተን ዝሰርሓ ነኣሽቱ ጨንፈራት ኣለወአን። ክፍሊ ትምህርቲ ንኣብነት፡ ንምህሮን ቤት ትምህርትን ዝምልከት ሕቶታት ማእከል ገይሩ ክሰርሕ እንከሎ፡ ክፍሊ ባህሊ ኸኣ ንባህላዊ ሕቶታት ማእከል ገይሩ ይሰርሕ።

    ሃገራዊያን መንግስታዊያን ትካላት፡

    እተን መንግስታዊያን ትካላት፡ ኣብያተ ፍርድን ምምሕዳራዊ ተልእኾ ዘሎዎም መንግስታዊያን ትካላትን የጠቓልላ። ገለ ካብ'ዚኣቶም ንምጥቃስ፡ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ፡ ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነትን በዓል መዚ ትራፊክን (Trafikverket) ክጥቀሱ ይኽእሉ። መንግስቲ፡ ኣብ ስርሓት ናይ'ዘን ዝተጠቕሳ መንግስታዊያን ኣካላት ኢዱ ኣየእቱን እዩ። ንኣብነት ኣጠቓቕማ ሕግታት ወይ'ውን ምስላጥ ዝተፈላለዩ ጒዳያት ብዝምልከት ማለት'ዩ። እዘን ትካላት'ዚኣተን፡ ርእሰን ዝኸኣላ ወይ ናጻ እየን'ኳ እንተተባህለ፡ ሕጊ መሰረት ብምግባርን መንግስቲ ዝሓንጸጾም መምርሒታትን ብምኽታል እየን ዝሰርሓ። ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት፡ ስልጣን ዘሎዎ ምኒስተር፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ኣብ ስርሓት መንግስታዊያን ትካላት ጠብሎቕሎቕ ክብል ልሙድ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ከምዚ ዓይነት ተኽእሎ የለን። ንስልጣን ምኒስተር ዝድርት ሕግታት ኣሎ።

    ክፍሊ ፍትሒ

    ኣብ ክፍሊ ፍትሒ፡ እተን ንውሕስነት ፍርድን ርጉጸንት ፍርድን ሓላፍነት ዝወስዳ መንግስታውያን ትካላት ይርከባ። ኣብያተ ፍርዲ፡ ናይ ፍትሒ መሰረት እየን። ኣብ ፍትሒ ከም ተወሳኺ፡ ናይ ምክልኻል ገበንን ናይ ምርመራን ትካልላት ማለት፡ ከም ፖሊስን ማእከል ግዳያት ገበንን ዝኣመሰላ ትካላት ኣለዋ።

    ናይ ሽወደን ኣብያተ ፍርዲ፡ 80 ዝኾና ዝተፈላለያ ትካላትን ቦርድታትን ኣሎወን። ኣብ ሽወደን ሰለስተ ዓይነት ኣብያተ ፍርዲ ኣለዋ። ንሳተን ድማ፡ ህዝባውያን ኣብያተ ፍርዲ፡ ምምሕዳራዊያን ኣብያተ ፍርድን ፍሉያት ኣብያተ ፍርድን እየን። ኣብያተ ፍርዲ፡ መቕጻዕቲ ይውስና፡ ንባእሲ ድማ ይፈትሓ። እተን ህዝባውያን ኣብያተ ፍርዲ፡ ብኸባብያዊ ቤትፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርድን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዝቖማ እየን። እዘን ህዝባውያን ኣብያተ ፍርዲ'ዚኣተን፡ ንገበን፡ ምስ ቤተሰብ ንዝተኣሳሰረ ጒዳያትን ነቲ ኣብ መንጎ ዋኒንን ውልቀ ሰብን ዝለዓል ጒዳያትን ይርእያ። እተን ምምሕዳራዊያን ኣብያተ ፍርዲ፡ ብምምሕዳራዊ ፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ ከምኡ'ውን ብላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ዝቖማ እየን። ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ፡ ንባእሲ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ይውስን። ንግብሪ፡ ንናይ ወጻእተኛታትን ዜጋታትን ጒዳይ (ናይ ኢሚግረሽን ቤት ፍርዲ)፡ ምስ ትካል ውሕስነት ወይ ምስ ኮምዩን ዝካየድ ባእሲ'ውን፡ ውሳነ ይህብ።

    ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ፍሉይ ጒዳያት ይውስን፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ስራሕ መሰላት ወይ ናይ ተጠቃማይ ጒዳያት።

    ጒዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዘይ ኣድሉዎን ብናጻ መገድን ክረአየሉ፡ ንኹሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ መሰረታዊ መሰሉ እዩ። ብመሰረት ቅዋም ሽወደን፡ እቲ መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ ብሕጊ እዩ ዝምራሕ። ግን ከኣ ናጻ እዩ። ኣባላት ባይቶ ይኹኑ ምኒስተራት፡ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክጸልዉዎ ኣይክእሉን'ዮም።

    ስርዓተ ሕጊ ማለት፡ ኩላቶም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም ማለት'ዩ። ዝኾነ ሰብ፡ ጒዳዩ ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ገበነኛ ተባሂሉ ውሳነ ክሳብ ዘይተዋህቦ፡ ከም ንጹህ ወይ ገበን ዘይፈጸመ እዩ ዝቚጸር። ስርዓተ ሕጊ፡ ሓደ ካብ ኣገደስቲ የዕኑድ ደሞክራሲ ኮይኑ፡ ንሕጋዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን ሃገርን ዝምልከት'ዩ። ስርዓተ ሕጊ ኸኣ'ዩ፡ ሰባት፡ ብኻልኦት ሰባት፡ ወነንቲ ስልጣን ወይ'ውን ብሕብረተሰብ፡ ወጽዓ ከይወርዶም ዝከላኸለሎምን ናጽነቶምን መሰላቶምን ዝሕልወሎምን። ሕጊ፡ ንጹር ክኸውን ኣለዎ። እንታይ'ዩ ሕጋዊ? እንታይ'ዩ ኸ ዘይሕጋዊ? ብንጹር ዝሰፈረ ክኸውን ኣለዎ። ገበን ዝፍጽም ሰብ፡ ሳዕቤናት ናይቲ ገበን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ክርድኦ ክኽእል ኣለዎ።

    ቤት ጽሕፈት ውሕሰነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳ፡ ወይ ኮምዩን ግጉይ ውሳነ ሂቡ ኢሉ ዝኣምን ሰብ፡ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። እቲ ውሳነ ዝህብ ኣካል፡ ከመይ ጌርካ ይግባይ ከም ዝብሃል ይሕብር እዩ። እቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ብጽሑፍ ዝውሃብ ውሳነ ይርከብ።

    ኮምዩናት

    ኩላቶም ተቐማጦ ሽወደን፡ ኣብ ኮምዩን ይቕመጡ። ኣብ ሽወደን፡290 ኮምዩናት ኣለዋ። ኲላተን ኮምዩናት ከኣ፡ ነብሰን ባዕላተን የማሓድራ። ሓደ ኮምዩን፡ በቲ ህዝቢ ዝመረጾ ባይቶ-ኮምዩን (kommunfullmäktige) ንሱ ዝመዘዘን ካልኦት ኮሚቴታትን (styrelser) ተጸዋዕትን (nämnder) ይምራሕ። ኣብ ሕጊ-ኮምዩናት (kommunallagen)፡ ዞባታትን (landsting/regioner) ኮምዩናትን፡ እንታይ ሓላፍነታትን ግቡኣትን ኣሎወን ብንጹር ሰፊሩ ይርከብ። ኣብ ሽወደን፡ እተን 3 ዝዓበያ ኮምዩናት፡ ስቶክሆልም፡ ዮተቦሪን ማልመን እየን። ልዕሊ 100.000 ተቐማጦ ዘለዉወን ብዙሓት ኮምዩናት ኣለዋ። ኮምዩናት፡ ከተማታት ተባሂለን'ውን ክጽውዓ ይኽእላ እየን።

    እተን ኮምዩናት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ መውዓል ህጻናት፡ ኣብያተ መጻሕፍቲ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኣረጋውያንን ሓገዝ ንዝደልዩ ድማ ክንክን ንኽህሉን ይነጥፋ። መጥፋእቲ ሓውን ሓለዋ ጽሬትን ዝኣመሰሉ ንኽህሉዉ፡ ጽርግያ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ማይን ኤለክትሪክን ንኽህሉ ውጥን የውጽኣ። እዘን ኮምዩናት'ዚኣተን ነዚ ኹሉ ንኽገብራ ገንዘብ ክህሉወን ኣለዎ። ንሳተን፡ ነቲ ገንዘብ፡ ብናይ ኮምዩናዊ ግብሪ፡ ካብ ክፍሊታትን ካብ መንግስቲ ብዝወሃበን ሓገዝን ይረኽባኦ። እቶም እቶት ዘሎዎም ኣብቲ ኮምዩን ዝተመዝገቡ ነበርቲ፡ ግብሪ ይኸፍሉ። መጠን ናይቲ ዝኽፈል ግብሪ ኸኣ፡ ትነብረሉ ኮምዩንን መጠን ደሞዝካን'ዩ ዝውስኖ።

    ምምሕዳር፡ ዞባን ምምሕዳራዊ ክፍልን

    ኣብ ሽወደን፡ 21 ዞባታት ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ድማ ብዙሓት ኮምዩናት ኣለዋ። ነፍሲ ወከፍ ዞባ፡ ናታ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ማለት ሌንስቲይረልሰ ኣሎዋ። እቲ መንግስቲ፡ ነተን ዞባዊያን ምምሕዳራት ዝመርሑ ናይቲ ቦታ ሹመኛታት ይምዝዝ። መራሕቲ ዞባዊያን ምምሕዳራት፡ ናይቲ መንግስቲ ወኪላት እዮም። እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስርሖም፡ ነቲ ብባይቶን ብመንግስትን ዝተወሰነ ዕላማ ምትግባር እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ፡ ናይ'ተን ዞባታት ኩነታት'ውን ይከታተሉዎ እዮም።

    ኣብ ሽወደን ኣውራጃ'ውን ኣሎ። ኣውራጃታት ከምቲ ናይ ዞባ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት ዘሎወን ፖለቲካውያን ውድባት እየን። ንሳተን ግብሪ የኽፍላን ነቲ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊት ድማ ይቆጻጸራን እየን። ብቐዳምነት ንጥዕናን ክንክንን ብዝምልከት። ነቲ ናይ ባህሊ፡ ዞባዊ መጎዓዝያን ኣውራጃዊ ውጥናትን'ውን ይከታተላኦ እየን። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ ሽወደን20ኣውራጃታት ኣለዋ። ንሳተን በቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ጉባኤ፡ በቲ ኣውራጃዊ ባይቶን በቲ ምምሕዳራዊ ባይቶን ይምርሓ። ንኣብነት ከባቢ ቨስትራ ዮታላንድ፡ ብሕጊ ናይ ቨስትራ ዮታላንድ ዞባዊ ምምሕዳር ይምራሕ።

    ኤውሮጳዊ ሕብረት (EU)

    ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ መንጎ ገለ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዘሎ ቊጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መንጎ በልጅዩም፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሉክስምበርግ፡ ሆላንድን ሽዑ ዝነበረት ምዕራብ ጀርመንን እተመስረተ ቊጠባውን ፖለቲካውን ምትሕብባር እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፈነ ሰላም ንምዕቃብን ንግዲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ንምትብባዕን'ዩ ተተኺሉ። እቲ ቀንዲ ሓሳብ፡ ኲላተን ብቚጠባዊ መገዲ ሓንቲ ካብታ ሓንቲ እትደሊ ኮይነን ግጭት ዘይብለን ንክኾና እዩ። ብሓጺሩ ነፍስ ወከፍ ሃገር ነቲ ናታ ስልጣን ብምጕዳል ብሓባር ኮይነን ኣብ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ንኽህሉወን እዩ ሓሳባተን።

    ሽወደን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይና። እቲ ሕብረት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ 28 ኣባላት ሃገራት ኣለወኦ። ንሳተን ድማ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ኣቕሑ፡ ኣገልግሎት፡ ርእሰ ማልን ህዝብን፡ ከምኡ'ውን፡ ናይ ኣከባቢ ዕቃበ፡ ንጸጥታን ምክልኻልን ዝምልከቱ ጒዳያትን ይነጥፋ። መብዛሕትአን ኣባላት፡ ሓባራዊ ባጤራ ኤውሮ ይጥቀማ። ሽወደን ግን ኣይትጥቀመሉን እያ።

    ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕግታት ዝሕግጋ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ኣለወኦ:- ንሳተን ድማ፡ ኤውሮጳዊ ኮምሽን (Europeiska kommissionen): ኤውሮጳዊ ባይቶ (Europaparlamentet) ከምኡ'ውን ቤት ምኽሪ ምኒስተራት፡ (ቤት ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት)(Europeiska unionens råd) እየን። እዘን ሰለስተ ትካላት'ዚኣተን፡ ኣብ ዋና ከተማ በልጁም-ብራስለስ፡ ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ-ስትራስበርግ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሃገረ-ሉክሰምበርግ ይርከባ። እዘን 28 ኣባላት ሃገራት'ዚኣተን ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ይታሓጋገዛ:-

    ልዕለ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Överstatlig nivå)

    ኲላተን ኣባላት ሃገራት ዝኽተለኦ ግዱድ ውሳነ። እቶም ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሕግጎም ሕግታት ምስዚ ውሳነ'ዚ ይጽብጸቡ። ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ልዕሊ ዂላቶም ሕግታት ኣባላት ሃገራት'ዩ። ብዙሓት ሕግታት፡ ንግዲ: መገሻን ስራሕን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምቅላል'ዮም ዝሕገጉ። ንሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምልከት ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ኤውሮጵዊ ሕብረት ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። መደበሩ ኸኣ ኣብ ሉክሰምበርግ'ዩ።

    በይነ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Mellanstatlig nivå)

    ሕግታት ዘይክተል፡ ብወለንታዊ ኣገባብ ኣብ መንጎ 28 ኣባላት ሃገራት ዝግበር ምትሕብባር። ንኣብነት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻእን ወተሃደራዊ ዕማምን ውሳነ ከሕልፍ ከሎ ብበይነ-መንግስታዊ ጽፍሒ'ዩ ዝካየድ።

    ሃገራዊ ጽፍሒ (Nationell nivå)

    ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ሃገር፡ ኣብ ጒዳያ ክትውስን መሰል ኣሎዋ። ኲላቶም እዘን ሃገራት'ዚኣተን ዝውስናኦም ሕግታትን መምርሕታትን ግን ምስ'ቶም ብጽፍሒ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ማለት 'ልዕለ-መንግስታዊ ጽፍሒ' ዝሓለፉ ሕግታትን መምርሕታትን ክሳነዩ ኣለዎም።

    እቲ ስልጣን ኣብ ብዙሓት ዝተኸፋፈለ'ዩ፡

    ዋላ'ኳ እቲ ወግዓዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝከፋፈል እንተኾነ፡ ማለት ኮምዩን፡ ኣውራጃ፡ ሃገረ-መንግስትን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ነቲ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣገዳሲ ዝኾነ ብዙሕ ናይ ስልጣን ማእከላት ኣሎ። መራኸቢ ብዙሃንን ዕዳጋን፡ ከምኡ'ውን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን፡ ኣብ ሓደ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣገደስቲ ተዋሳእትን መድረኽን እዮም።

    መራኸቢ ብዙሃን፡ (ጋዜጣታት፡ ራድዮ፡ ቲቪን ኢንተርነትን) ምስ መንግስታዊ ስልጣን ዝምድና የብሎምን። ከምዚ ክብሃል ከሎ ድማ፡ ናጻ ኮይኖም ይሕብሩን ንፖለቲካውያንን ካልኦት ሰብ ስልጣንን ድማ ይግምግምዎምን ማለት እዩ። መራኸቢ ብዙሃን፡ ኣብቲ ንሕብረተሰብ ዝምልከት ጒዳያት ክትዕ ንምክያድ፡ ኣገዳሲ ዕማም ይዓማ።

    ናይ ሽወደን ራድዮን(SR) ተለቪዥንን (SVT), በተን ካብ መንግስቲ ናጻ ዝኾና ትካላት እየን ዝውነና። እቲ ስራሕ፡ በቲ ንቲቪን ራድዮን ብህዝቢ ዝኽፈል እቶት እዩ ዝካየድ። እዚ ድማ 'ቲቪ ላይሰንስ' ይብሃል። እተን ቻነላት፡ ብመወዓውዒ ወይ ብናይ መንግስቲ ኣበርክቶ ኣይኮናን ዝምወላ። ስለዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ይብሃላ። ዕማመን፡ ኣድልዎ ብዘይብሉ፡ ደሞክራስያዊ መሰረት ዘሎዎ ስራሕ ምክያድ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ብዙሓት ብመወዓውዒ ዝምወላ ናይ ቲቪን ረድዮን መስመራት ኮይነን ንሰበስልጣን ዝግምግማ ኣለዋ፡ ንኣብነት ቲቪ4።

    እቲ ዕዳጋ፡ በቶም ብሓባር ነቲ ናይታ ሃገር ቊጠባን ዕዳጋ-ዕዮን ዝጸልዉ ርእሰማላውያን ዋኒናትን ኣህለኽትን ዝቖመ እዩ። እቲ ቊጠባዊ ናይ ንግዲ ዕብየት፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ናይ ግብሪ ኣታዊ ይጸልዎ እዩ።

    ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ክብሃል ከሎ፡ ክፋል ናይቲ ብዘይ ጣልቃ መንግስቲ ነንሕድሕዱ ዝተሓባበርን ዝተሓጋገዝን ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ከም ዋኒናት ዝመሰሉ ንምምራሕ ዘገልግሎ ገንዘብ የብሉን። እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ሓድ ሓደ ግዜ፡ ዘይረብሓዊ ጽላት፡ ወለንታዊ ጽላት ወይ ሲቪላዊ ጽላት ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ከም ተዋሳእቲ ናይቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ ንኣብነት፡ እዘን ዝስዕባ ክጥቀሳ ይኽእላ። ውድባት ግብረ ሰናይ፡ ናይ ስፖርት ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን እየን። እዚኣተን፡ ብቐጥታ ብመንግስቲ ኣይምወላን ገንዘብ ንምርካብ'ውን ኣይሰርሓን።

    ናይ ሽወደን ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፡ ንኣብነት፡ ናይ ሰራሕተኛታት፡ ናይ ኣከባቢ ወይ ናይ ዓቂንካ ምስታይ ምንቅስቓሳት፡ እቲ ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ናይ ስልጣን ረቛሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብነት እየን። ኣብዚ ኸኣ፡ መንግስቲ ይኹን ዕዳጋ ብሓፈሻ፡ ዝደፍእ ሓይሊ የብሉን። ሲቪላዊ ሕብረተሰብ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ክፋል እዩ። ንስኻ ከም ነባሪ ድማ፡ ኣብኡ ኴንካ ነቲ ሕብረተሰብ ክትጸልዎ ትኽእል።

    ኣብ'ተን ደሞክራስያውያን መሰላት፡ ከም ናይ ሕትመትን ርእይቶን መሰላትን ማሕበር ናይ ምምስራት መሰላትን፡ ነቶም ተቐማጦ ኣብ ፖለቲካ ንኽሳተፉ ዝድርኽ ዘይቀጥታዊ ጻውዒት ኣሎ። ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፉ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድባት ወይ ማሕበራት ብምጥርናፍ ብዙሓት ኣርእስቲታት ኣልዒሎም ክዋስኡ ይኽእሉ። ሰባት ኣገዳሲ ዝብሉዎ ጒዳያት ንምልዓል፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ከም ናይ ምቅላሕ መስኖ ክጥቀሙለን ይኽእሉ። ምስ ጋዜጠኛ ኣብ እትገብሩዎ ርክብ፡ መንነትኩም፡ ማለት ስምኩም ናይ ምዕቃብ መሰል ኣለኩም። ብዘይካ'ዚ፡ ሰባት፡ ምስ'ቶም ኣብቲ ዝነብሩሉ ኮምዩን ዝነጥፉ ፖለቲከኛታት ተራኺቦም ንዝተወስደ ውሳነታት ብዝምልከት፡ ዘሎዎም ርእይቶን ሓሳባትን ከቕርቡ ይኽእሉ።