ኣብ ሽወደን ምንባር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ህንጻ ኣፓርተማ፡ ዱርን ቀላይን፡ ኣብ ገጠራት ዝርከብ ቀይሕ ቤት ከምኡ’ውን ክሽነ ዘለዎ ስእላዎ ኮላዥ።

እዚ ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ምንባር እዩ። ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ንኽትነብር ንኽትፈልጦም ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ንኣብነት ከመይ ጌርካ ገዛ ከም ትደሊ፡ ምስ ብዓል መዝታት ብኸመይ ከም እትራኸብ፡ ከምኡ’ውን ሓደጋን ባርዕ ሓዊን እንተ ኣጋጢሙካ፡ ብኸቢድ እንተ ሕማም ወይ ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ከተንብብ ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ ናይ ናጻ ግዜኻ ክትገብሮም እትኽእል እተፈላለዩ ንጥፈታት እውን ከተንብብ ክትክእል ኢኻ።

ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ምስ ተፈጥሮ ተሳኒኻ ክትነብር ከም ትኽእል ንኣከባቢ ምክንኻን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ክትሓስበሉ ክትክእል ኢኻ።