ኣልኮላዊ መስተ፡ ሓሺሽን ትንባኾን፡

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ኣልኮላዊ መስተ ክገዝእ ዝደሊ ውልቀሰብ፡ 20 ዓመት ዝመልአ ክኸውን ኣሎዎ። ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኩባንያ 'ሲስተምቡላገት' ዝብሃል ድኳን‘ዩ ዝሽየጥ። ቊሩብ ኣልኮል ጥራይ ዘለዎም መስተታት፡ ንኣብነት ገለ ዓይነታት ቢራን ሲደርን (ብከም ብዓል ኣፕል ዝስርሑ መጠናዊ ኣልኮል ዘለዎም መስተታት)፡ ኣብ ድኳናት መግቢ‘ውን ይሽየጡ‘ዮም። ካብ ከምዚ ዓይነት ድኳን ኣልኮል ክትገዝእ፡ ግድን 18 ዓመት ዝመላእካ ክትከውን ኣለካ። ልዕሊ 18 ዓመት ምስ እትኸውን፡ ኣብ ቤት መግቢ'ውን ኣልኮል ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።

    ሓሺሽ/ዕጸ ፋርስ

    ኣብ ሽወደን፡ ኩሉ ዓይነት ሓሺሽ ክልኩል'ዩ። ዕጸ ፋርስ ምሻጥን ምግዛእን ካብ ሕጊ ወጻኢ'ዩ። ገበን ሓሺሽ ወይ ዕጸ ፋርስ (narkotikabrott) ጽንክር ዝበለ መቕጻዕቲ፡ ዝበዝሕ እዋን ግን ማእሰርቲ የኸትል።

    ናይ ሓሺሽ/ዕጸ ፋርስ ወልፊ ምስ ዝህሉወኩም፡ ባዕልኻትኩም ደው ከተብሉዎ ከቢድ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኲላቶም ወልፈኛታት ሓሺሽ፡ ነቲ ወልፊ ደው ከብሉዎ፡ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ሕክምና የድልዮም።

    ኣብ ሽወደን፡ እቶም ዝውቱራት ዓይነታት ሓሺሽ/ዕጸፋርስ፡ ካናቢስ (ሃሽ/ማሪዋና)፡ ኣምፈታሚን፡ ኮከይንን ሀሮይንን እዮም። ጫት (Kat)'ውን፡ ከም ሓሺሽ/ዕጸ ፋርስ እዩ ዝቚጸር። ጫት ምሻጥ ወይ'ውን ምጥቃም፡ ነዊሕ ማእሰርትን ከቢድ መቕጻዕትን የኸትል።

    ትምባኾ

    ምትካኽ፡ ብዙሓት ሕማማት ከኸትል ይኽእል'ዩ። ሰባት ካብ ንቡር ዕድሚኦም ኣቐዲሞም ከም ዝሞቱ'ውን ይገብር። መንሽሮ፡ ሕማማት ሳንቡእ፡ ሕማማት ልብን ሻንብቆ ደምን ከምኡ'ውን ነድሪ ከስዐ፡ ገለ ገለ ካብ ሳዕቤናት ምትካኽ'ዮም። ምስ ሓደ ዘትክኽ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ እንተለኻ፡ ንስኻ'ውን ትኪ ትስሕብ ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ፡ ዘይቀጥታዊ ምትካኽ (passiv rökning) ይብሃል። ልክዕ ከምቲ ብቐጥታ ዘትክኽ ዘሎ ሰብ፡ ክትሓምም ትኽእል ኢኻ። ምትካኽ፡ ንጥዕና ጎዳኢ ስለ ዝኾነ፡ ሽጋራ ወይ ትንባኾ ክትገዝእ እንተዄንካ፡ 18 ዓመት ዕድመ ክትመልእ ኣለካ።

    ጎራዕራዕ

    ጎራዕራዕ፡ ብዙሕ ጠሊ ኣሎዎ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ነዚ ዘትክኽ ሰብ፡ ካብቲ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ንላዕሊ ትኪ ይስሕብ ኣሎ ማለት'ዩ። መጠን ናይቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ብጎራዕራዕ ናብ ነብስኻ ዝኣቱ ሓደገኛ ነገራት፡ ካብቲ ብሓንቲ ሽጋራ ዝኣቱ፡ ካብ 100-200 ሳዕ ይልዕል። ሓንቲ ጎራዕራዕ፡ ዳርጋ ክንዲ 100 ሽጋራ ትጽብጸብ። ምኽንያቱ ምስ ምትካኽ ሽጋራ ክወዳደር ከሎ፡ ጎራዕራዕ፡ ነዊሕ ግዜ'ዩ ዝወስድ። እቲ ብምትካኽ ዝፍጠር ካርቦን፡ ኣብ ኣካላት ወዲሰብ፡ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ፡ መታልን መንሽሮ ዘስዕቡ ነገራትን ይዝርግሕ።

    ስኑስ

    ስኑስ፡ ኣብ ትሕቲ ከናፍርካ ዝውተፍ ትምባኾ እዩ። ስኑስ፡ ኣብ ኣፍ፡ ጒድኣትን ሕማምን የስዕብ። መንሽሮ'ውን ከስዕብ ይኽእል'ዩ።

    ኢ-ሽጋራ

    ኢ-ሲጋረት (e-cigarett)፡ ኤለክትሮኒካዊ-ሽጋራ ኮይኑ፡ ካብ ኣብ ኣፍ ዝኣቱ ቀጢን ቱቦ፡ ባተሪ፡ ሃፋ ዝፈጥር ነገርን ፈሳሲ ትክን ዝቖመ እዩ። ሽጋራ/ትምባኾ ከየትከኽኻ ንኣካላትካ ኒኮቲን ዘውህብ ሓድሽ ኣገባብ ድማ'ዩ። ኢ-ሲጋረት፡ ንጥዕና ዝጎድኡ ብዙሓት ባእታታት፡ ንኣብነት ኒኮቲን ፕሮፒለንግሊኮልን ግሊሰሪንን ዝሓዘለ እዩ።

    ክትረኽቡዎ እትኽእሉ ደገፍ ኣሎ።

    ውሉፋት ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሺሽ/ዕጸፋርስ ምስ እትኾኑ፡ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ቤተሰብ ናይ ከምዚ ዓይነት ወልፍታት ዘሎዎ ሰብ እንተ ዄንኩም'ውን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይካ'ቲ ንወልፈኛታት፡ ብሕክምና ዝውሃብ ፍወሳታት፡ ደገፍ ዝህባ ካልኦት ወለንታውያን ማሕበራትን ኣብያተ ክርስትያንን'ውን ኣለዋ። ናብ ቊጽሪ ስልኪ 1177 ደዊልኩም'ውን ሕክምናዊ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ሽጋራ ምትካኽ ወይ'ውን ወልፊ ትምባኾ ደው ከተብሉ ምስ እትደልዩ፡ ምስ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ሕክምና ተዘራረቡ። ንሳቶም፡ ካብቲ ወልፊ ክትላቐቑ ትኽእሉሉ ሜላታት ክነግሩኹም እዮም።