ሓለዋ ጥዕና ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣግልግሎት ሓለዋ ጥዕና (Hälso- och sjukvård)፡ ኩላቶም ኣባላት ሕብረተሰብ ክግልገሉሉ መሰል ዝህብ ማእከል ጥዕና እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ምስ ሓኪም ንምርኻብ፡ መጥባሕቲ ንምግባር ወይ'ውን ኣብ ሕክምና ንምድቃስ፡ ብዙሕ ገንዘብ ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ። ስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕና ከመይ ይመስል፡ ምስ እትሓሙ ኸ ናበይ ክትከዱ ኣለኩም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

    ርእስኻ ምክንኻን – ባዕለ-ክንክን (egenvård)

    ብዙሓት ቀለልቲ ሕማማትን መጕዳእትን፡ ባዕልኻ ክትኣልዮም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኢንፍሉዌንዛ፡ ረስኒ ወይ ከኣ ንኣሽቱ ቊስልታት ዝኣመሰሉ ማለት'ዩ። ኣብ ሓንቲ 'ኤገንቮርድስጋይደን' (Egenvårdsguiden) ዝተባህለት መጽሓፍ፡ ብዛዕባ'ዚ ክትነብብ ትኽእል ኢኻ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ካብ ክፍሊት ናጻ ኮይና፡ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዘሎ ማእከል ሓለዋ ጥዕና (vårdcentral) ኸኣ ትርከብ።

    ናብ ማእከል ኣማኸርቲ ሓለዋ ጥዕና (sjukvårdsrådgivningen) ደዊልካ'ውን ምኽሪ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ማእከል ኣማኸርቲ ሓለዋ ጥዕና፡ ኣለይቲ ሕሙማት ይሰርሑ። ሕክምና ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ድማ፡ ናበይ ከም ትኸይድ ይሕብሩኻ።

    እቲ ብተሌፎን ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕናዊ ምኽሪ፡ 24 ሰዓታት ክፉት'ዩ። ቊጽሪ ስልኮም ከኣ፡ 1177 እዩ። ናብዚ ቁጽሪ'ዚ ብምድዋል ብቛንቋታት ዓረብኛን ሶማልኛን'ውን ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

    መድሃኒት

    መድሃኒት፡ ካብ ቤት መሸጢ መድሃኒት(ፋርማሲ) ኢኻ ትገዝኦ። ገለ ገለ መድሃኒታት ንምግዛእ፡ ናይ ሓኪም መእዘዚ ወረቐት (recept) የድሊ። ከምዚ ክብሃል ከሎ ድማ፡ እቲ መድሃኒት ክትወስዶ ዘድልየካ ምዃኑ፡ ሓካይም'ዮም ዝውስኑ ማለት'ዩ። ንኣብነት ብባክተርያ ዝኽሰቱ ናይ ጎረሮ ወይ ሳምቡእ ነድርታት፡ ኣንቲባዮቲክ መድሃኒት የድልዮም። እዚ ድማ፡ ብሓኪም ክእዘዝ ይግባእ። እቲ ሓኪም፡ ነቲ መድሃኒት፡ ካብ ቤት መሽጢ መድሃኒት ንኽትገዝኦ ወረቐት ትእዛዝ ይህበካ።

    እቶም ኣብ ቤት መሸጢ መድሃኒት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሕማማትን መድሃኒታትን ብዙሕ ኣፍልጦ ኣለዎም። ንመብዛሕትኡ ሕቶታትኩም፡ መልሲ ክህቡኹም ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ቤት መሸጢ መድሃኒት፡ ብዛዕባ ሕማማት ዝነግር ሓበሬታን ጽሑፋት ሓበሬታ ዝሓዙ ንኣሽቱ ወረቓቕትን ማለት ብሮሹራትን፡ ኣሎዉ።

    ዕድመኻ፡ ልዕሊ 18ዓመትእንተኾይኑ፡ ናይ ሓኪም መእዘዚ ወረቐት ዘይብሎም መድሃኒታት፡ ንኣብነት፡ ፈውሲ ቃንዛ ርእሲ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ።

    ንመድሃኒታትኩም ዝምልከቱ ሕቶታት ምስ ዝህልዉኹም፡ ምስ ማእከል ሓበሬታ ኣፋውስ (Läkemedelsupplysningen) ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናብዚ ትካል'ዚ ደዊልኩም ንኣብነት፡ እቲ ትወስዱዎ ዘለኹም መድሃኒት፡ ከመይ የገልግል፡ ኣጠቓቕማኡ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣበይ ከ ክዕቀብ ይግባእ፡ ዝብሉ ሕቶታት፡ መልሲ ክትረኽቡሎም ትኽእሉ ኢኹም። ቁጽሪ ስልኪ 'ማእከል ሓበሬታ ኣፋውስ (Läkemedelsupplysningen)። 0771-467010 እዩ።