ሕክምና ስኒ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ህዝባውን ብሕታውን ሕክምና ስኒ ኣሎ። እቲ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ፡ ብምምሕዳር ኣውራጃ(ett landsting eller en region) ይካየድ። 'ህዝባዊ ሕክምና ስኒ፡ ማለት ፎልክታንድቮርደን‘ (Folktandvården) ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ኣብ ሽወደን፡ ብዙሓት ብሕታውያን ሓካይም ስኒ ኣለዉ።

    ደገፍ ንሕክምና ስኒ (Tandvårdsstöd)

    ኲላቶም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ውልቀሰባት፡ ካብታ 23 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት ኣትሒዞም፡ ደገፍ ንሕክምና ስኒ ክወስዱ መሰል ኣለዎም። ደገፍ ሕክምና ስኒ፡ ፍርቁ ንሓኪም ስኒ ዝኽፈል ሓገዝ (ገንዘብ) ክኸውን ከሎ፡ ፍርቁ ኸኣ ውሕስነት ልዑል ዋጋ'ዩ።

    ነቶም ኣብ መንጎ 23-29 ዓመት ዝዕድመኦምን፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦምን ዝውሃብ ሓገዝ፡ 600 ክሮኖር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት'ዩ። ነቶም ኣብ መንጎ 30-64 ዓመት ዝዕድመኦም፡ እቲ ዝውሃብ ሓገዝ 300 ክሮኖር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት'ዩ። እቲ ዝግብኣካ ደገፍ ሕክምና ስኒ፡ ንሓደ ዓመት ዓቝርካ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ።

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ ሕክምና ማለት፡ ገለ ክፋል ናይቲ ዝኽፈል ወጻኢ ምኽፋል ጥራይ'ዩ ዝግባኣካ ማለት'ዩ። ዝተረፈ ክፍሊት ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ትካል ውሕስነት፡ ማለት 'ፎርሼክሪንካሳ' ይኸፍሎ።

    ውሕስነት ልዑል ዋጋ ሕክምና' (Högkostnadsskyddet)፡ ን12 ኣዋርሕ የገልግል። እዚ ውሕስነት'ዚ፡ ኸኣ'ዩ፡ ንሕክምና ስኒ፡ ካብ 3000 ክሮኖር ንላዕሊ ምስ እትኸፍሉ፡ ውሕስነት ምጒዳል ዋጋ ዝገብረልኩም። በዚ መስረት ከኣ፡ ፍርቂ ናይቲ ካብ 3000 ክሮኖር ንላዕሊ ዘሎ ወጻኢታት ትኸፍሉ። መሕከሚኹም ልዕሊ 15 ሽሕ ክሮኖር ምስ ዝኸውን፡ 15% ናይቲ ዋጋ ጥራይ ኢኹም ትኸፍሉ።

    ኣገልግሎት ጥዕና ስኒ (Frisktandvård)

    ኣብ ህዝባዊ ሕክምና ስኒ (Folktandvården)፡ ብቐዋሚ ዋጋ፡ ሕክምና ስኒ ክግበረልካ ይኽእል'ዩ። 'ፍሪስክታንድቮርድ' (Frisktandvård) ከኣ ይብሃል። ወርሒ ወርሒ ቀዋሚ ዋጋ ትኸፍል። ብድሕሪኡ ብናጻ ኣብ ሓኪም ስኒ ክትረአ ትኽእል። ኣገልግሎት 'ፍሪስክታንድቮርድ' ክትረክብ እንተዄንካ፡ ግድን ውዕል ክትፍርም ኣለካ። ነቲ ዝግበረልካ ኣገልግሎት ፍሪስክታንድቮርድ፡ ሓኪም ስኒ ዋግኡ ምእንቲ ክውስን፡ ምርመራ ክትገብር ኣለካ።