ንቖልዑን መንእሰያትን ምክንኻን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ወለድን ካልኦት መጒዚታትን፣ ኣብ ውላዶም ሓላፍነት ኣሎዎም። ካብ ሕብረተሰብ ዝርከብ ሓገዝ'ውን ኣሎ። ኣብ ሽወደን፣ ኲላቶም ቆልዑን መንእሰያትን፣ መሰል ተሳትፎ ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናዊ ክንክንን ኣሎዎም።

    ክሊኒክ ሓራሳት(Mödravårdscentralen, MVC)

    ክሊኒክ ሓራሳት (MVC)፣ ብተወሳኺ ንነፍሰ ጾራት ይቕበል። ነፍሰ ጾራት፣ ጥዕነአንን ጥዕና ዕሸለንን ንምቊጽጻር፣ ኣብ ምሉእ ግዜ ጥንሰን፡ ብተኸታታሊ ናብ ክሊኒክ ሓራሳት ይመላለሳ። እተን መሕረስቲ፣ ነታ ነፍሰ ጾር፣ ይመዝናኣ፣ ይዕቅናኣ፣ ብዛዕባ ጥንስን ሕርስን ይዘራረባኣን ይማኸራኣን። ሓፈሻዊ ሕቶታት ናይ'ቶም ወለዲ ድማ ይምልሳ።

    ኣብቲ ብዛዕባ ጥንሲ፡ ሕርስን ቆልዓ ምጥባውን ሓበሬታ ዝውሃበሉ ኣኼባታት ምስታፍ ይክኣል እዩ። ኣቦ ናይቲ ዝውለድ ህጻን፣ ምስ ሰበይቱ ወይ'ውን ምስ መናብርቱ፣ ኣብ ብጽሖን ርክባትን ክሳተፍ ምርኣይ ልሙድ'ዩ። ኣቦ ናይቲ ዝውለድ ህጻን፣ ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ኣብ ጎድኒ ሰበይቱ ወይ'ውን መናብርቱ ደው ኢሉ ምርኣይ'ውን ልሙድ'ዩ።

    ክሊኒክ ቆልዑ (Barnavårdscentralen, BVC)

    ክሊኒክ ቆልዑ (BVC)፣ ንወለዲ ይሕግዝን፡ ንጥዕናን ምዕባለን ናይ ቆልዓ ከኣ ይከታተልን። ንውላድኩም ብጽቡቕ ኣገባብ ንምክንኻን ዝሕግዘኩም ምኽርታት'ውን ይህበኩም። ኣብ ክሊኒክ ቆልዑ (BVC)፣ ንዕቤት ቆልዑ፡ ምጥባው፡ ንመግብን ሕማማትን ዝምልከቱ ምኽርታት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ሓራሳት፣ ገዛ ምስ ተመልሳ፡ ምስ ክሊኒክ ህጻናት ፈላሚ ርክብ ንኽገብራ ክውከሳኦም ይኽእላ እየን። እቲ በዂሪ ርክብ፡ ስሕት ኢሉ ኣብ ገዛ'ታ ሓራስ ይካየድ'ዩ። ኣብቲ ርክብ፡ እታ ነርስ፣ ብዛዕባ ክሊኒክ ቆልዑ ሓበሬታ ትህብን ነቲ ቖልዓ ኸኣ፣ ጥዕንኡ ከመይ ከም ዘሎ ቁጽጽር ትገብርን። እቲ ዕሸል፣ ከኣ ብሓኪም ይምርመር። እታ ናይ መጀመርታ ናብ ክሊኒክ ህጻናት እትግበር ብጽሖ፡ ዕሸል ካብ 6-8 ሳምታት ምስ ኣቚጸረ እያ ትካየድ። ብድሕሪ'ዚ ክሳዕ እቲ ቆልዓ ትምህርቲ ዝጅምር፣ ብዙሕ ብጽሖታት ይካየድ።

    ክሊኒክ ቈልዑ (BVC)፡ ኲላቶም ወለዲ፣ ደቆም ከኽትቡ ይዕድሞም። ኣብ ሽወደን ኣንጻር 9 ዝተፈላለዩ ሕማማት ዝቐንዐ ስሩዕ ናይ ክታበት መደብ ኣሎ። ገለ ካብ'ዞም ሕማማት'ዚኣቶም ንምጥቃስ፡ ፖልዮ፡ ትኽትኽታ፡ ዲፍተርያ፡ ቲታኑስ፡ ንፍዮ፡ ጽግዕ ሩቤላን ይርከቡዎም። ዕላማ ናይዚ ክታበት'ዚ ከኣ፡ ንህጻናት፣ ድሕነት ንምሃብን እቲ ሕማም ከይላባዕ ንምቊጽጻርን እዩ።

    ሓለዋ ጥዕና ቤት ትምህርቲ (Skolhälsovård)

    ኲላቶም ህጻናት፣ ትምህርቲ ክጅምሩ ከለዉ፣ ጒዳይ ጥዕናኦም ንምክትታል ናብቲ ሓለዋ ጥዕና ናይቲ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ።

    ኲላቶም ኣብ መውዓሊ ህጻናት፡ መባእታ ቤት ትምህርትን ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን ዝምሃሩ ተምሃሮ፣ ናብ ሓለዋ ጥዕና ናይ ቤት ትምህርቶም (Skolhälsovård) ከይዶም ክንክን ክረኽቡ መሰል ኣሎዎም።

    ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ፣ 3 ግዜ ኣብ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝምሃሩ ድማ፣ 1 ግዜኣብ ዓመት፣ ክምርመሩ ኣለዎም። እቲ ምርመራ፣ ነዚ ዝስዕብ ይጥርንፍ። ዘተ ጥዕና፡ ምቁጽጻር ቁመት፡ ክብደት፡ ምርኣይን ሕቖን። ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ንምዕባለ ጥዕና ተምሃሮ ኣብ ምክትታል ዝተሓጋገዙ ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፣ ኣማኸርቲ (kuratorer)፡ ነርሳት ቤት ትምህርቲ (skolsköterskor)፡ ዳይረክተራት (rektorer)፡ ፍሉያት ኪኢላታት ፔዳጎጅን (specialpedagoger) መምህራንን እዮም።

    ኩላተን ኣብ ሓምሻይ ወይ ሻድሻይ ክፍሊ ዝምሃራ ኣዋልድ፡ ኣንጻር ናይቲ ብኣሕጽሮተ ቓል 'ሆፒቪ (HPV)' ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ብጾታዊ ርክብን ብኻልኦት ቫይረሳትን ዝምሓላለፍ ሕማም፣ ብናጻ ንክኽተባ ዕድመ ይግበረለን። እዚ ክታበት'ዚ፡ ናይ ክሳድ ማህጸን መንሽሮ፡ ኮንዲሎምን ኣብ ክሳድ ማህጸን ከጋጥም ንዝኽእል ምልውዋጣት ናይ ዋህዮታትን ንምክልኻል ተባሂሉ እዩ ዝውሃብ።

    ኣብታ እትነብረላ ሓዳስ ሃገር፣ ወላዲ ምዃን

    ናብ ሓንቲ ሓዳስ ሃገር ምምጻእ፡ ንበጽሕታትን ቆልዑን ዓቢ ለውጢ የኸትል እዩ። ገለ ገለ እዋን፡ ቆልዑ ካብ ኣባጽሕ ንላዕሊ፡ ኣብ ሓድሽ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ይጽምበሩ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ እቶም ኣባጽሕ፣ ምስቲ ሕብረተሰብ ንኽራኸቡ ኣብ ደቆም ይምርኮሱ። እዚ ኸኣ፣ ኣብቲ ስድራቤት፣ ምቅይያራት ናይ ተራ ከስዕብን ንቖልዑ ኸኣ ከቢድ ሓላፍነት ከሰክሞምን ይኽእል። ወለዲ፣ ምስ መውዓሊ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ፡ መንግስታዊ ትካላት ወይ'ውን ሕክምና፣ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፡ ንደቆም ከም ተርጎምቲ ክጥቆሙሎም የብሎምን።

    ስለዝኾነ ኸኣ፡ ወለዲ ብዛዕባ'ቲ ተጸምቢረሞ ዘለዉ ሕብረተሰብ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣለዎም። ብዘይካ'ዚ፣ እቲ ደቆም ተጸምቢረሞ ዘለዉ ሓድሽ ኩነታት'ውን፣ ኣካሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ምስ ዝገብሩ ኸኣ፡ ጽኑዓትን ንጹራትን ኮይኖም፣ ንደቆም፣ ርጉእ ሃዋሁው ክፈጥሩ ይበቕዑ። ወለዲ፡ ንባህልን ልምድን ናይቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ መረዳእታ ምስ ዘሕድሩን፡ ምስ ባህሎምን መንነቶምን ዝመሳሰልን ዝፈላለን ነገራት ክላለዩ ምስ ዝኽእሉ፡ ደቆም ርጉእ ህይወት ክህሉዎም ይኽእል። ብዙሓት ጉባዝያታት፣ ነብሶም ካብ ወለዶም ናጻ ክገብሩዋ ይጅምሩ። ኩሉ ባዕላቶም ክገብሩዎ ክጅምሩ ይደልዩ። ነቲ ናይ በጽሒ ህይወት ድማ ይዳለዉሉ። ኣብዚ ናይ ዕቤት መገሻ'ዚ፣ ወለዲ፣ ንውላዶም ክሕግዙዎ ይግባእ። ንውላድኩም ደረት ክትገብሩሉ ክትፍትኑ ከለኹም፣ ሚዛናውነት ይሃልኹም። እቲ ውላድ ድማ፣ ኣብታ ሓዳስ ሃገር ከመይ ኢሉ ክዓቢ ከም ዘለዎ ክፈልጥ ይግባእ።

    ፍቕርን ዝምድናታትን፡

    ፍቕርን ዝምድናታትን ብኸመይ ይትርጎሙ፣ ካብ ሕብረተሰብ ናብ ሕብረተሰብ ክፈላለ ይኽእል። እቲ ኣረዳድኣ፣ ኣብ ባህርያት ናይ ሰብ'ውን ክምርኮስ ይኽእል'ዩ። ኣብ ሽወደን፡ ምስ እትፈትዎ ሰብ ከይተመርዓኻን ከይወለድካን ብሓንሳብ ምቕማጥ ከም ልሙድ እዩ ዝውሰድ። ሓደ ዂሉ ዝሰማማዓሉ ነገር እንተሃልዩ ኸኣ፡ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ዕብየቶም፡ ፍቕሪ፡ ዝምድናታትን ጾታዊ መንነቶምን ባዕሎም ክድህስሱ ምግዳፍ፣ ከም ኣካል መስርሕ ዕድመ ዝጠልቦ ገስጋስ ጌርካ እዩ ዝውሰድ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ክዓብዩ ኸለዉ፣ ምስ ሓደ ወይ ምስ ሓንቲ ወይ'ውን ካብኡ ንላዕሊ ፍቕራዊ ዝምድናታት ይምስርቱ።

    ንቖልዑ ምዕማጽ ክልኩል እዩ።

    ኣብ ሕጊ ሽወደን፡ 'ሕገ-ወለዲ (föräldrabalken)' ዝብሃል ምዕራፍ ኣሎ። ብመሰረት ሕገ-ወለዲ፡ ቆልዑ፡ ናይ ሕክምናን ክንክንን፡ ናይ ቅሳነትን ግቡእ ኣተዓባብያን መሰል ኣሎዎም። ገለ ክፋል ናይዚ ሕጊ'ዚ፡ 'ሕገ ጸረ-ማህረምቲ (anti-agalagen)' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ሽወደን፣ ካብ 1979 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝጸንሐን ዘሎን ሕጊ'ዩ። 'ኣጋ' ዝብል ቃል ጥንታዊ ናይ ሽወደን ቃል ኮይኑ፡ ትርጉሙ ኸኣ፡ "ክትእርም ኢልካ ውላድካ ምቕጻዕ" ማለት እዩ። ላህመት ናይዚ ሕጊ'ዚ፡ 'ኣንጻር ቆልዑ፣ ኣካላዊ ወይ'ውን ሰነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ምጥቃም ክልኩል'ዩ' ዝብል እዩ። ኣካላዊ ጎንጺ፡ ኣብ ኣካል ዝወርድ ኲሉ ዓይነት ጎንጽታት የጠቓልል። ፈኲስ ማህረምቲ፡ ጸጒሪ ምምንጫጭ ወይ ምቕንጣው'ውን ከይተረፈ ምስ ኣካላዊ ዓመጽ'ዩ ዝቑጸር።

    ንቖልዑ ካብ ሓደጋ ከተድሕን: ንኣብነት ካብ ርሱን እቶን፡ ካብ ክፉት መስኮት ወይ ካልእ ንቖልዑ ክጎድእ ዝኽእል ነገር ክትኣልዮም ኢልካ ምንዝዕ ኣቢልካ ክትስሕቦም ትኽእል ኢኻ።

    ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ ማለት ከኣ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወርድ ኲሉ ዓይነት ምፍርራሕ፡ ምጒብዕባዕ፡ ምቁጽጻር ወይ ምዕጻው ማለት'ዩ። ስነ ኣእምሮኣዊ ዓመጽ፣ ልክዕ ከም ኣካላዊ ዓመጽ፡ ናይቲ ቆልዓ ርእሰ ክብርን ምዕባለን ክጎድኦ ይኽእል'ዩ።

    ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎ ኣረኣእያ፡

    ንዝበዝሑ ወለዲ፡ ፍቕሪ ውላድ፣ እቲ ኣውራ ዘገድስ ነገር'ዩ። ኲላቶም ቆልዑ፡ ወለድን ኣባጽሕን ክህልውዎም ኣድላዪ እዩ። እቶም ዝኣኸሉ፡ ንቖልዑ፡ መምርሕን፡ መተባብዕን ክህቡዎምን ከፍቅሩዎምን ኣለዎም። ኣባጽሕ ንቖልዑ፡ ደረት'ውን ክገብሩሎም ኣለዎም። ንሓደ ቖልዓ፡ ኣተዓባብያኡ፣ ኣብ ርእሰ ተኣማንነቱን ኣብ ርእሰ ክብሩን፣ ዓቢ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ዘተኣማምን መዕበያ ዘሎዎም ቆልዑ፡ ትምህርቲ፡ ቅልል ይብለሎም፡ ምስ ዓበዩ'ውን ኣብ ናብራ ኣይጽገሙን።

    ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎ ኣረኣእያ፣ ኣብ ውሽጢ'ዚ 100 ዓመታት፣ ለውጢ ኣርእዩ'ዩ። ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፣ ወለዲ ሕይል ዝበሉን ደቆም ክእዘዙዎም ዝደልዩን እዮም ነይሮም። ኣካላዊ መቕጻዕቲ ማለት 'ኣጋ' ድማ፡ ብብዙሓት፣ ከም ኣካል ናይ ጽቡቕ መዕበያ ኮይኑ ይረአ ነይሩ።

    ኣብ 1950ታት ከምኡ'ውን ኣብ1960ታት፡ እዚ ዓይነት ኣረኣእያታት'ዚ ክብዳህ ጀሚሩ። ብዙሓት፡ ኣብ ኣተዓባብያ ቆልዑ ዘሎዎም ኣረኣእያታት ክልውጡዎ ጀሚሮም። ብዛዕባ ክብሪ ዝሓዘለ ናይ ህጻናት ኣተዓባብያ ክዝረብ ጀሚሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ንውላድካ ክትእርሞ ኢልካ ምህራም ኣይተረፈን ነይሩ።

    ኣብ 1970ታት፣ እቲ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣተዓባብያ ክመጽእ ጀሚሩ። ዕላማኡ ድማ፣ ቆልዑ፣ ባዕላቶም ክሓስቡ ንኽጅምሩ፣ ሓላፍነቶም ንኽወስዱን ርእሰ ተኣማንነት ንኽህሉዎምን እዩ።

    ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten)

    ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Socialtjänsten)፡ ቆልዑ፣ ኣብ ትሕቲ ርጉእ ሃዋሁው፣ ምዩቕ ከይበሉ ምእንቲ ክዓብዩ፣ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝከኣሎ ጻዕርታት ይገብር። ቆልዑ ዝግበኦም ምእላይን ቅሳነትን ክረኽቡ፣ ናይ ወለዲ ሓላፍነት እዩ። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፣ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ንወለዲ፡ ኣብ መስርሕ ናይ ወላዲ ዕማሞም ክድግፎም ይኽእል እዩ። ኣብ ናይ ወላዲ ዕማምካ፣ ደገፍ ምሕታት ማለት፣ ከም ወላዲ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ድሉውነትካ ዘርኢ እዩ። እቶም ብኣግኡ ደገፍ ዝሓቱ ወለዲ፡ ንደቆም፣ ኣብ መጻኢ ህይወቶም ካብ ከጋጥሞም ዝኽእል ሽግር የናግፉዎም።

    ኲነታት ቆልዓ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ገጹ ምስ ዝኸይድ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ምስ ስድራቤትን ካልኦት ኣባጽሕን ብሓባር ብምዃን፣ ነቲ ሓደገኛ ኣንፈት ብዝተኻእለ መጠን፣ ናብ ንቡር ክመልሱዎ ይፍትኑ። እዚ ኸኣ፡ ንኹነታት ናይቲ ቖልዓ፣ ንምምችቻእ ዝዓለመ እዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ነቶም ኣብ ክሊ ስድራቤት ዝኽሰቱ ሽግራት ንምፍታሕ ዘኽእሎ እኹል ዓቕሚ ኣሎዎ። ገለ ካብቲ ሽግራት ንኣብነት፡ ኣብ ገዛ ባእሲ ምስ ዝበዝሕ፡ ኲነታት ጥዕናኦም ዘተሓሳስቦምን ንደቆም ከይጸልዎም ዝፈርሁን ወለዲ፡ ተነጽሎ ዝስምዖም ቆልዑ፡ ግዳይ ዓመጽ፡ ምፍርራሕ፡ ምጭናቕን ዘለፋን ዝኾኑ ቖልዑ፡ ገበን ዝፍጽሙ፡ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰትዩ ወይ'ውን ልምዲ ሓሽሽ ዘሎዎም ቆልዑ፣ ወይ'ውን ምስ ወልፍታት ዘሎዎም ወለዲ ዝቕመጡ ቆልዑ፡ ክጥቀሱ ይኽእሉ።

    ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ንሕማቕ ኣተሓሕዛ ቆልዓ ዝምልከት ናይ ስክፍታ ጥርዓን ወይ ሓበሬታ ክመጽኦ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት'ዚ ሓበሬታ፣ ንኣብነት ካብ መምህር፡ ዳይረክተር፡ ፖሊስ ወይ'ውን ሰራሕተኛታት ሕክምና ክመጽኦ ይኽእል'ዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት'ዚኣቶም፣ ዘሰክፎም ኩነታት ናይ ቆልዑ ምስ ዝዕዘቡ፣ ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሕብሩ ግዴታ ኣለዎም። ብዘይካ'ዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት፡ ካልእ ሰብ'ውን፣ ብገለ ምኽንያት ምስ ወለዲ ናይ ሓደ ቖልዓ ድሕሪ ምርኻብ፣ ዘሰክፍ ኩነታት ምስ ዝርኢ'ውን ክሕብር ይኽእል እዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ሓበሬታ ምስ መጽኦ፣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ቖልዓ ቅልጡፍ መዕቆቢ የድልዮ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፣ ብቕልጡፍ ገምጋም ይገብር። እቲ ቖልዓን ስድራቤቱን፣ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክግበረሎም ኣለዎ ንምንጻር፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ነቲ ዘጋጠመ ከጽንዖ ኣለዎዶ የብሉን ንዝብል ነገር'ውን ንጹር ውሳነ ክወስድ ኣለዎ። ኣብቲ ዝግበር ገምጋማዊ መጽናዕቲ'ቲ፣ ቆልዓን ስድራ ቤቱን ይሳተፉ እዮም።

    እቲ ልሙድ ውጽኢት ናይዚ ገምጋማዊ መጽናዕቲ'ዚ ኸኣ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ወለድን፡ ነቲ ቖልዓን ስድራቤቱን ዘድልዮም ደገፋት፣ ብንጹር ምውሳን እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝህቦ ደገፍ፣ ወለዲ እንተላይ ክሳተፉዎን ድሉውነቶም ከረጋግጹሉን የድሊ።

    ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፍሉይ ጠባይ ናይቲ ቖልዓ ወይ 'ውን ኣብቲ ህጻን ዝነብረሉ ገዛ ዝሰፈነ ሃዋሁው መሰረት ገይሩ፡ 'ዕብየትን ጥዕናን ናይቲ ቖልዓ ክድቆስ ይኽእል'ዩ' ኣብ ዝብል መደምደምታ ምስ ዝበጽሕ ግን፡ እቲ ኣብዚ ጒዳይ'ዚ ተመርኲሱ ዘውጸኦ ናይ ደገፍ መደብ፣ ዋላ ወለዲ ይቃወሙዎ ከተግብሮ ይኽእል እዩ። እዚ ማለት፣ ንኣብነት፣ እቲ ህጻን ንሓጺር ወይ ንነዊሕ ግዜ ምስ ካልእ ስድራ ቤት (jourhem eller familjehem) ወይ'ውን ኣብ ማእከል ክንክን ትሕቲ ዕድመ (HVB) ከም ዝቕመጥ ክገብሩ ይኽእሉ።