ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ (Gymnasium)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

እቶም ኣብ መባእታ ትምህርቲ፣ ናይ መወዳእታ ዓመት፣ ማለት ታሽዓይ ክፍሊ ዝምሃሩ ተማሃሮ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ንምቕጻል ክምዝገቡ ይኽእሉ። ኣብ ሽወደን፣ ዝኾነ ሰብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክምሃር፣ ወለንታዊ ወይ ናይ ድላይ ጒዳይ እዩ። ዝኽፈል ክፍሊት'ውን የብሉን። እቶም ኣብ መንጎ 16~20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፣ ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቶም ምስ ዝውድኡ፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክምሃሩ ይኽእሉ። ዳርጋ ኹሎም መንእሰያት፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክምሃሩ ይደልዩ።