ዝተፈላለዩ ኣገባባት ሓቢርካ ንምንባር፡

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ከይተመርዓኻ ብሓደ ምንባርን ቆልዓ ምውላድን ልሙድ’ዩ። ብዙሓት’ውን፡ ተጻሚዶም ብሓደ ክነብሩ'ምበር ንኸይምርዓዉ ይውስኑ’ዮም። 'ሳምቦ(sambo)' ተባሂሉ ብዝፍለጥ ናይ ኣነባብራ ኣገባብ ድማ፡ ብሓደ ይነብሩ።

    ቃልኪዳን

    ቃል ኪዳን ማለት፡ ምምርዓው ማለት እዩ። ኣብ ሽወደን፡ 18 ዓመት ዕድመ ምስ መላእካ ኢኻ ቃል ኪዳን ክትኣስር ትኽእል። ኣብ ሕጊ'ውን ሰፊሩ'ሎ። እዚ ሕጊ'ዚ፡ ኣብ ሽወደን ዝቕመጥ ዘበለ ሰብ፡ ዋላ ሽወደናዊ ዜጋ ኣይኹን፡ ንዂሉ'ዩ ዝምልከት። ኣብ ካልኦት ሃገራት፡ ካልኦት ሕግታት ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ትካላት መንግስቲ ሽወደን ግን፡ ነቶም ሕጊ ሽወደን ዝኽተሉ ቃል ኪዳናት ናይ ወጻኢ ጥራይ'ዮም ዝቕበሉዎም።

    ቅድሚ ምምርዓውካ፡ ግድን ምርመራ ዕንቅፋት (hindersprövning) ክትገብር ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ንኸይትምርዖ ዝዕንቅፍ ምኽንያት ከይህሉ ይምርመር ማለት'ዩ። ምርመራ ዕንቅፋት፡ ኣብቲ እትቕመጠሉ፡ ማለት ናይ ክብሪ መዝገብ ዝሓዝካሉ ዞባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ፡ ማለት 'ስካተቨርከት' (Skatteverket) እዩ ዝፍጽሞ። ዝዕንቅፍ ነገር እንተዘየልዩ፡ እቲ ዝውሃበካ ናይ ምስክርነት ወረቐት፡ ን4 ኣዋርሕ የገልግል። ናብ ዝምልከቶ ክፍሊ ፈጻሚ ቃልኪዳን ኢኻ ሒዝካዮ ትኸይድ። ሓደ ካብ'ቶም ዝምርዓዉ፡ ኣብ ሽወደን ከም ተቐማጢ ምዝጉብ፡ ማለት ናይ ክብሪ መዝገብ ዘለዎ እንተዘይኮይኑ: እቲ መርመራ፡ ኣብቲ ዝተመዝገበሉ ሃገር ክግበር ኣለዎ።

    ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ እዞም ዝስዕቡ ሰባት፡ ቃልኪዳን ከይኣስሩ ዝኽልክል ዕንቅፋት ኣሎ፡-

    • ዕድመኻ/ኺ፡ ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾይኑ፡
    • ምስቲ ክትምርዓዎ ትደልዮ ሰብ፡ ናይ ቀረባ ዝምድና እንተለካ፡
    • ንስኻ ወይ መጻምድኻ ምርዑው እንተ ኾይኑ፡ ወይ ከኣ፡ ሓደኹም ምዝጉብ መጻምዲ (registrerad partner) እንተ እንተኾይኑ፡

    ሕጊ ሽወደን፡ ግዱድ ቃል ኪዳን ይኽልክል'ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ 'ዝኾነ ሰብ፡ ንዝኾነ ሰብ፡ ንመን ክምርዖ ከም ዘለዎ ከገድዶ የብሉን' ማለት እዩ። እቲ ዝምርዖ ሰብ፡ ንዕኡ ዘድልዮ ሰብ ዝውስን፡ ባዕሉ'ዩ።

    ምምርዓው ክትኣቢ'ውን ናይ ኩሉ ግዜ መሰልካ'ዩ።

    እቲ መርዓ፡ በስገዳድ ዝተገብረ እንተኾይኑ፡ ትካላት መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተኣስረ ቃል ኪዳን፡ ክነጽገኦ ይኽእላ'የን።

    ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን፡ ክልተ መጻምዲ ዝምርዓዉሉ ጽምብል'ዩ። ጽምብል ቃል ኪዳን፡ ሃይማኖታዊ ወይ ሲቪላዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሕጊ ንኽለብስ ግን፡ ብሓደ ምዝጉብ ወይ ቅቡል ፈጻሚ-ቃልኪዳን (vigselförrättare) ዝተገብረ ክኸውን ይግባእ። ንኣብነት ብቐሺ፡ ብኢማም ወይ ከኣ ብሲቪላዊ ፈጻሚ ቃል ኪዳን ክኸውን ይኽእል። ሲቪላዊ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን፡ ብምምሕዳር ዞባ (länsstyrelsen) ብዝተመዘዘ ሰብ'ዩ ዝፍጸም። ሲቪላዊ ስነ ስርዓት ቃል ኪዳን፡ ምስ ዝኾነ ዓይነት እምነት ወይ ሃይማኖት ምትእስሳር ዘይብሉ ጽምብል'ዩ። ቃልኪዳን፡ ብሓደ ሕጋውነት ዘይብሉ ኣፈጻሚ መርዓ ተመሪሑ ብሃይማኖታዊ መገዲ እንተ ዳኣ ተፈጺሙ ግን፡ እቲ ቃል ኪዳን፡ ሕጋውነት ዝለበሰ ኣይኮነን። ሕጊ ንኽለብስ፡ ግድን ብሲቪላዊ ኣገባብ ድማ ክፍጸም ኣለዎ።

    ኣብ ሽወደን፡ ቃል ኪዳን፡ ኣብ ጾታ ዝተሰረተ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ፡ "ክልተ ሕደ ዝጾተኦም ውልቀ ሰባት፡ ክማራዓዉ ይኽእሉ እዮም" ማለት እዩ። ሓደ ሲቪላዊ ፈጻሚ ቃል ኪዳን (borgerlig vigselförrättare)፡ ክልተ ሕደ ዝጾተኦም ሰባት፡ 'ቃልኪዳን ክንኣስር ደሊና' ምስ ዝብሉዎ፡ 'ኣይፋሉን' ክብሎም ኣይክእልን'ዩ። ሃይማኖታውያን ፈጸምቲ ቃልኪዳን፡ ንኣብነት ኣቕሽሽቲ ቤተክርስትያን ሽወደን፡ 'እወ ወይ ኣይፋል' ክብሉ ይኽእሉ'ዮም። ሓደ ቐሺ 'ኣይፋል' ምስ ዝብል ከኣ፡ ካልእ ቀሺ ምንዳይ እዩ።

    ነቶም ምርዑዋት፡ 'ሕጊ መውስቦ (äktenskapsbalken)' ዝብሃል ሕጊ ይምልከቶም'ዩ። ኣብቲ ሕጊ መውስቦ፡ ንውርሻ ዝምልከቱ ሕግታት'ውን ኣለዉ። ኣብዚ ሕጊ'ዚ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ብጻዩ ዝተርፍ ሰብ፡ ምስ'ቶም ቆልዑ ኮይኑ ንኹሉ ይወርሶ።

    ሳምቦ

    ቃል ኪዳን ከይኣሰሩ፡ ብሓደ ዝቕመጡ ክልተ መጻምዲ፡ 'ሳምቦ' ተባሂሎም ይፍለጡ።

    ኣብ ሽወደንን ሃገራት ኖርድን፡ ሳምቦ ዄንካ ምንባር ልሙድ'ዩ። ቃል ኪዳን ከይኣሰርካ ቆልዓ ምውላድ'ውን ልሙድ'ዩ። ንሳምቦ ዝምልከት ሕጊ፡ 'ሕጊ ሳምቦ (sambolagen)' ይብሃል። እዚ ሕጊ'ዚ ነቶም ሳምቦኣውያን መናብርቲ፡ ዝነብሩዎ ገዛን ዝውንኑዎ ንብረትን ዝምልከት ሕግታት ዝሓቖፈ እዩ። ሓደ ካብ'ቶም ሳምቦ ምስ ዝመውት፡ እቲ ካልኣይ መናብርቲ፡ ኣብቲ ብሓንሳብ ዝነብሩዎ ዝነበሩ ገዛ፡ ናይ ምንባርን ብሓባር ዝውንኑዎ ዝነበሩ ንብረት ናይ ምውራስን መሰል ኣሎዎ። ካልእ ሃብቲ ንምውራስ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠ ገንዘብ ንምውራስ ግን፡ መዋቲ ዝገደፎ ኑዛዜ ክህሉ ይግባእ።

    ፍትሕ

    ኣብ ሽወደን፡ ካብ ሰበይትኻ ወይ ካብ ሰብኣይኪ ክትፋትሑ ትኽእሉ ኢኹም። ዋላ እቲ ካልኣይካ ወይ ካልአይትኻ ፍትሕ ኣይድለ/ኣይትድለ፡ ምፍታሕ ይክኣል እዩ። ክፋታሕ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብቲ ዝነብረሉ ኮምዩን ናብ ዝርከብ ከባብያዊ ቤት ፍርዲ (Tingsrätten) ብምኻድ፡ ብዛዕባ ፍትሕ ከመልክት ይኽእል'ዩ።

    ሰብ ሓዳር ክልቲኦም፡ ብሓደ ኮይኖም፡ መመልከቲ ቅጥዒ ፍትሕ ከእትዉ ይኽእሉ'ዮም። እንተዘይተሰማሚዖም ግን: ሓዲኦም ንበይኑ፡ መመልከቲ ቅጥዒ ፍትሕ ክመልእን ከመልክትን ይኽእል'ዩ።

    ቆልዑ ዘይብሎም ሰብሓዳር፡ ናይ ፍትሕ ጠለብ ምስ ዘቕርቡ፡ ቤት ፍርዲ፡ ቀልጢፉ ፍትሕ ክውስነሎም ይኽእል። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ምስ ዝህሉዎም ወይ'ውን ሓዲኦም ክፋታሕ ምስ ዘይደሊ፡ ቤት ፍርዲ፡ ንኽውስን ግዜ ክወስድ ይኽእል'ዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም ክፋትሑ ዝደልዩ ሰብ ሓዳር፡ ነቲ ጒዳይ ክሓስቡሉ ግዜ ክህቦም ብምሕሳብ'ዩ። እዚ ኸኣ፡ ናይ ዳግመ ግምት ግዜ (betänketid) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ዳግመ ግምት ግዜ፡ እንተሓጸረ ሽድሽተወርሒእንተነውሐ ኸኣ፡ ሓደ ዓመት እዩ።

    እቶም 6 ናይ ዳግመ ግምት ኣዋርሕ ምስ ሓለፉ፡ እሞ ኸኣ ነቲ ናይ ምፍታሕ ውሳነኹም ምስ ዘይትቕይሩዎ፡ ምስቲ ቤት ፍርዲ ተራኺብኩም ክትዘራረቡ ኣለኩም። እዚ ኸኣ ነቲ ዝጀመርኩሞ ናይ ፍትሕ መስርሕ ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ ይብሃል። ነቲ ፍትሕ ናብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ዝብል ደብዳበ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ዘይትልእኩ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ዝጀመርኩሞ ናይ ፍትሕ መዝገብኩም ይዓጽዎ። ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ናብቲ ሓዳር፡ ብድልየቱ ዘይኮነ ብግዴታ ከም ዝኣተዎ ምስ ዝግንዘብ፡ እቲ ናይ ፍትሕ ጠለብኩም ብዘይ ናይ ዳግመ ግምት ግዜ ከም ዝውሰን ይገብር።

    መጒዚትነት ቆልዓ

    መጒዚትነት ቆልዓ ማለት፡ እቲ ኣላዪ፡ ዝበዝሕ ግዜ ግን ወላዲ፡ ሕጋዊ ሓላፍነት ናይቲ ቆልዓ ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቲ ቆልዓ ናይ ምእላይ መሰልን ግቡእን ኣሎዎ ማለት'ዩ። ብመሰረት ሕጊ፡ ቆልዓ 18 ዓመት ክሳዕ ዝመልእ፡ መጒዚት (መዕበዪ) ክህሉዎ ኣሎዎ። መንእሰይ ውላድኩም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምሃር ምስ ዝኸውን፡ ክሳብ 21 ዓመት ዝመልእ፡ ናይ ምዕንጋሉ ወይ ናይ ምጣሩ ሓላፍነት ዝህልወኩም፡ ንስኻትኩም ኢኹም።

    ሓባራዊ መጒዚትነት ማለት፡ ክልቲኦም ወለዲ፡ ኣብ ውላዶም ሓባራዊ ሓላፍነት ኣሎዎም ማለት'ዩ። ንውላዶም ዝምልከት ጒዳይ'ውን ብሓባር ክውስኑ ኣለዎም። ክልቲኦም ወለዲ፡ ብሓደ ዘይቅመጡ ዋላ ይኹኑ፡ ሓደ ዓይነት ግቡእን ሓላፍነትን ኣሎዎም። መጒዚት እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ውላድካ ሓበሬታ ክትረክብ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብ መውዓሊ ህጻናት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ሓለዋ ጥዕና፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ፖሊስን ካልኦት ትካላት መንግስትን፡ ንውላድካ ዝምልከቱ ጒዳያት ክትፈልጥ፡ መሰል ኣሎካ ማለት'ዩ።

    ንጽል መጒዚትነት ክብሃል ከሎ፡ ሓደ ካብ ወለዲ ጥራይ ሓላፍነት ቆልዓ ኣሎዎ ማለት'ዩ። እዚ ወላዲ'ዚ፡ በይኑ'ዩ ንጒዳይ ናይቲ ቖልዓ ኣመልኪቱ ናይ ምውሳን መሰል ዘሎዎ። ምርዑዋት እንተ ዄንኩም፡ ንሓላፍነት ደቅኹም ብዝምልከት ቀጥታዊ ሓባራዊ መጒዚትነት ኣሎኩም ማለት'ዩ። እንተ ዘይኴንኩም ግን፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት (ቤት ጽሕፈት መሰል ስድራቤት) ኬድኩም ኣቦ ቖልዓ፡ መን ምዃኑ ወረቐት ክትመልኡ ኣለኩም። ሽዑ ኸኣ ነቲ መጒዚትነት ካብ ሓደኹም ናብ ክልተኹም ከተቐይሩዎ ትኽእሉ።

    ክትፋትሑ እንተ ወሲንኩም፡ እሞ ድማ 'መንኩም መጒዚትነት ቆልዓ ይውሰድ?' ኣብ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሕኩም፡ ምስ ቤት ጽሕፈት 'መሰል ስድራቤት (familjerätten)' ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ዘከራኽረኩም ጒዳይ፡ ፍታሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዙኹም እዮም። እቲ ጒዳይ፡ ብመንገዶም ክፍታሕ ምስ ዘይክእል ግን፡ ሕጋዊ መዕለቢ ክግበረሉ ስለዘሎዎ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክሓልፍ ግድን ይኸውን። ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ 'እዚ ወላዲ'ዚ ሓላፍነት ቆልዓ ይወሃቦ! ምስ'ዚ ይቀመጥ!' ዝብል ውሳነ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ንቤት ጽሕፈት መሰል ስድራቤት፡ ነዚ ጒዳይ'ዚ ብዝምልከት፡ መጽናዕቲ ክገብር ይሓቶ።