ቊጠባዊ ደገፍ ንወለዲ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ቆልዑ ዘሎዉዎም ወለዲ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ትካል ውሕስነት፡ ማለት 'ፎርሼክሪንካሳ'፡ 'ሓገዝ ክራይ-ገዛ (bostadsbidrag)'፡ 'መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (föräldrapenning)'፡ 'መናበዪ ደገፍ (underhållsstöd)' ከምኡ‘ውን 'ሓገዝ ክንክን (vårdbidrag)' ክወስዱ ይኽእሉ‘ዮም።

    ውሕስነት ወለዲ (Föräldraförsäkringen)

    ነቶም ዝሰርሑ ወለዲ፡ ደቆም ንምእላይ ዕረፍቲ ንኽወስዱ ዘቃልለሎም ወይ ዝሕግዞም፡ 'ውሕስነት-ወለዲ (Föräldraförsäkringen)' እዩ። 'መተካእታ ደሞዝ ዕረፍቲ-ወላዲ (Föräldrapenning)' ብማዕከን ውሕስነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን፡ ነቶም ቆልዓ ንምእላይ ገዛ ዝውዕሉ ወለዲ ዝኽፈል ቊጠባዊ ሓገዝ እዩ።

    ሰብኡት ይኹኑ ኣንስቲ፡ ምስ ውላዶም ኣብ ገዛ ንምውዓል፡ ካብ ስራሕን ትምህርትን ዕረፍቲ ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብብዝሒ ዘዕርፋ ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ሰብኣይን ሰበይትን ንዕረፍቲ ውሕስነት ወለዲ ብማዕረ ንኽማቐሉዎ ንምትብባዕ ካብ ዝብል ሓሳብ፡ እቲ ሓደ ወላዲ ግድን ክወስዶም ዘሎዎ ናብ ካልእ ክሰጋገሩ ዘይክእሉ ምዓልታት ኣሎዉዎ።

    መተካእታ ደሞዝ ወላዲ ን480 መዓልታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ'ተን ቀዳሞት 390 መዓልታት፡ 80% ናይ ደሞዝካ ትወስድ። ኣብ'ተን ዝተረፋ 90 መዓልታት ድማ፡ 180 ክሮኖር ንመዓልቲ ትወስድ።

    ስራሕ ዘይብሎም፡ ወይ ከኣ፡ ትሑት እቶት ዘሎዎም ወለዲ፡ ን480 መዓልታት፡ ንመዓልቲ 250 ክሮኖር ክወስዱ መሰል ኣሎዎም። ኣቦ፡ ብምኽንያት ምውላድ ሓድሽ ማማይ፡ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ወሲዱ ገዛ ኮፍ ክብልን ካብ 'ትካል ውሕስነት'፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን ድማ ን10 መዓልታት ገንዘብ ክኽፈሎን መሰል ኣሎዎ።

    ናብ ሽወደን፡ ሓደስቲ መጻእቲ ኮይኖም፡ ቆልዓ ዘሎዎም ምስ ዝኾኑ፡ 'መተካእታ ደሞዝ ዕረፍቲ ወለዲ' ክሓቱ ይኽእሉ'ዮም። እቲ ዝረኽቡዎ ሓገዝ፡ ንዘይፍሉጥ ወይ ንዝተፈላለዩ ምዓልታት፡ ማለት ኣብ ዕድመ ናይቲ ቆልዓ ዝምርኮስ እዩ።

    ትሰርሕ ምስ እትኸውንን፡ ውላድካ ድማ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ቤት ትምህርቲ ተሪፉ ኣብ ገዛ እንተ ውዒሉ፡ ንስኻ ድማ ምስኡ እንተ ውዒልካ፡ ደሞዝ ወላዲ ክትወስድ መሰል ኣሎካ። እዚ ግዜያዊ 'መተካእታ ደሞዝ ወላዲ (tillfällig föräldrapenning)' ወይ 'ክንክን ቆልዓ(vård av barn, VAB)' ይብሃል። 80% ናይ ደሞዝካ ድማ ትኽፈል። እንተ ዛየደ ንሓደ ቆልዓ 120 መዓልታት ኣብ ዓመት ክትወስድ ትኽእል።

    ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ግዜ፡

    ቀዳማይ ክፍሊ ዘይወደአ ወይ ትሕቲ 8 ዓመት ዝዕድመኡ ቆልዓ እንተሎካ፡ ንሕጽር ዝበለ ናይ ስራሕ ግዜ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ: ኣብ ክንዲ 8 ሰዓታት፡ 6 ሰዓታት ንመዓልቲ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ ማለት'ዩ።

    ውሕስነት ስራሕ (Anställningsskydd)

    ወሃብቲ ስራሕ፡ ንስራሕ ዝሓታ ነፍሰ ጾራት: ካብ ካልኦት ፈልዮም ሕምቕ ዝበለ ዕድል ክህቡወን ሕጊ ሽወደን ኣየፍቅድን'ዩ። ብምኽንያት ጥንሲ ሰራሕተኛ ምስጓግ'ውን ክልኩል'ዩ።

    ሓገዝ ቆልዓን ሓገዝ ትምህርትን (Barnbidrag och studiebidrag)

    ትካል ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ንኹሎም ቆልዑ፡ 'ሓገዝ ቆልዓ(barnbidrag)' ይኸፍል። እታ ፋልመይቲ ሓገዝ ቆልዓ: ሓደ ወርሒ ድሕሪ ምውላዱ፡ ወይ'ውን ሓደ ወርሒ ድሕሪ እቲ ቆልዓ ናብ ሽወደን ምምጽኡ፡ ትኽፈል። ሓገዝ ቆልዓ፡ እቲ ቆልዓ 16 ዓመት ዕድመ ክሳብ ዝበጽሕ ይኽፈል። ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ (flerbarnstillägg): ነቶም ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ቆልዑ ዘለዉዎም ስድራቤታት ይኽፈል። መጠን ናይቲ ዝውሃብ ወሰኽ፡ ኣብ ብዝሒ ቆልዑ'ዩ ዝምርኮስ። ሓገዝ ቆልዓ: ወርሒ ወርሒ ከባቢ ዕለት 20 ይኽፈል። ክልቲኦም ወለዲ፡ ሓባራዊ መጒዚትነት ናይቲ ቖልዓ ወይ ቆልዑ ምስ ዝህሉዎም፡ ነቲ ዝኽፈሎም ሓገዝ-ቆልዓ/ዑ ክማቐሉዎ ኣለዎም። ንሓደ ቖልዓ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ወርሒ፡ 625 ክሮነር ይኽፈሎም። ከምዚ ክኸውን ዝኽእል ግን እቲ ቆልዓ 1 መጋቢት 2014 ወይ ውን ድሕሪኡ ዝተወልደ ምስ ዝኸውን እዩ። እቲ ቖልዓ ቅድሚ 1 መጋቢት 2014 ዝተወልደ ምስ ዝኸውን ግን፡ ሓገዝ-ቆልዑ፡ ንወላዲት እዩ ዝኽፈላ። ተሓታቲ ቆልዑ እቲ ሓደ ወላዲ በይኑ ምስ ዝኸውን፡ እቲ ሓገዝ፡ ማለት 1250 ኣብ ወርሒ፡ ንዕኡ/ኣ ይኽፈሎ/ላ። ሓገዝ ቆልዓ ይኹን ወሰኽ ሓገዝ ንዝሰደሩ ግብሪ ኣይክፈሎን'ዩ።

    ሓገዝ-ቆልዓ'፡ ውላድኩም 16 ዓመት ክሳብ ዝመልእ ይኽፈል። እቶም 16-20 ዓመት ዝዕድመኦም መንእሰያት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምሃሩ ምስ ዝኾኑ ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ (studiebidrag) ይውሃቦም። ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ፡ ኣብ ወርሒ 1250 ክሮነር ኮይኑ፡ ኣብ'ተን ካብ መስከረም ክሳብ ሰነ ንዘለዋ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ዝኽፈል። እዚ ሓገዝ'ዚ እቶም መንእሰያት 20 ዓመት ክሳብ ዝመልኡላ ኣብ ዘላ ቀውዒ ናይ ትምህርቲ ግዜ ጥራይ እዩ ዝውሃብ። ብዙሕ ዘይምኽኑይ ብኩራት ትምህርቲ ዘሎዎ ተማሃራይ፡ ናይ ትምህርቲ-ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሉ ብኣሉታ ክጽሎ ይኽእል'ዩ። እቶም ኣብ ክሊ 16-18 ዓመት ዘለዉ መንእሰያት፡ እዚ ሓገዝ'ዚ ዝወሃቦም ኮይኑ፡ እቲ ገንዘብ ግን ናብ ናይ ወለዶም ሕሳብ'ዩ ዝኣቱ። እቶም መንእሰያት 18 ዓመት ምስ መልኡ ግን፡ በጽሒታት ስለዝቑጸሩ፡ እቲ ሓገዝ ብቐጥታ ንዓኣቶም'ዩ ዝኽፈል። ስድራ ናይቲ ተማሃራይ ትሑት ኣታዊ ዘሎዎም ምስ ዝኾኑ፡ እቲ ተማሃራይ 'ተወሳኺ-ሓገዝ' (extra tillägg) ክረክብ መሰል ኣሎዎ።

    ቦርድ ማእከል ትምህርታዊ ደገፍ CSN እዩ ነቲ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ዝኸፍሎ።

    እቶም ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘሎዎምን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩን፡ ብዛዕባ መባእታዊ መሰል ትምህርታዊ-ሓገዝ ክሓቱ ይግባእ።

    ሓገዝ ክራይ-ገዛ፡ ቆልዑ ንዘሎዉወን ስድራቤታት፡

    ቆልዑ ዘሎዉወን ስድራቤታት፡ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ክሓታ መሰል ኣሎወን። ሓገዝ-ክራይ ገዛ ክትወስድ እንተዄንካ፡ ግድን ኣብ ሽወደን ተመዝጊብካ እትቕመጥ ክትከውን ኣለካ።

    ክንደይ ዝመጠኑ ሓገዝ ክራይ-ገዛ ክትወስድ ከምዝግብኣካ ዝውስኖ፡ ቊጽሪ ኣባላት ስድራ እዩ። መጠን ዝኽፈል ክራይ-ገዛን ዘሎካ ኣታውን 'ውን ይውስኖ'ዩ።

    እቶትካ ለውጢ ምስ ዘርእይ፡ ንትካል ውሕስነት፡ ማለት 'ፎርሼክሪንካሳ' ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። እንተዘይኮይኑ ዝምለስ ክፍሊት ክህልወካ ይኽእል እዩ።