ክንክን ቆልዑ (Barnomsorg)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ክንክን ቆልዑ፣ ሓባራዊ መጸውዒ ናይቲ ናብ ነኣሽቱ ቆልዑ ዘተኮረ ትምህርታዊ ንጥፈት ዝግበረሉ እዩ። ኣብ ውሽጢ ክንክን ቆልዑ፣ ወለዶም ኣብ ዝሰርሑሉ ወይ ዝምሃሩሉ ምዓልቲ፣ ቆልዑ ዝጸንሑሉ፣ ንኣብነት ከም ምውዓሊ ህጻናት(förskola)፡ ስድራቤታዊ መጽንሒ ህጻናት (familjedaghem)፣ ከምኡ‘ውን ማእከላት ትርፊ ግዜ (familje-daghem) ዝኣመሰሉ ማለት'ዩ። ወለዲ ክሰርሑ ወይ ክመሃሩ ከለዉ፣ ንደቆም ኣብኡ የጽንሑዎም።

    መውዓል ህጻናት (Förskola)

    መውዓል ህጻናት፣ "ዳግሀም" ወይ 'ዳጊስ' ተባሂሉ'ውን ይጽዋዕ'ዩ። ካብ 1-5 ዝዕድመኦም ቆልዑ፣ ቀዳማይ ክፍሊ (förskoleklass, första klass) ቅድሚ ምጅማሮም ዝውዕሉሉ ቦታ'ዩ። ብዙሓት መውዓሊ ህጻናት፡ ከመይ ገይረን ከም ዝምህራ ዝግልገላሉ ፍሉይ ኣገባብ ኣሎወን። ስርዓተ ትምህርቲ(läroplan)'ውን ኣሎወን ። እዚ ስርዓተ ትምህርቲ'ዚ፣ ቆልዑ፣ እንታይ ክምሃሩ ከም ዘለዎም ዝሕብር ጽሑፍ'ዩ። ኲላተን መውዓሊ ህጻናት፣ ንሽወደናዊ ስርዓተ ትምህርቲ ምርኩስ ብምግባር'የን ዝሰርሓ።

    ክፉት መውዓሊ ህጻናት (öppen förskola)

    ክፉት መውዓሊ ህጻናት፣ እቶም ብምኽንያት ህጻን ካብ ስራሕን ትምህርትን ናጻ ዝኾኑ ወለዲ ምስ ደቆም ዝራኸቡሉ ቦታ እዩ። ኣብኡ፣ ምሁራን ሰራሕተኛታት ኣለዉ። ምስ ካልኦት ወለድን ደቆምን ንኽትላለ ድማ ግሩም ቦታ እዩ። ክፉታት መውዓሊ ህጻናት፣ ኣብ መብዛሕትአን ናይ ሽወደን ኮምዩናት ይርከባ።

    ቀዳማይ ክፍሊ (Förskoleklass / sexårsverksamhet)

    ኲላቶም ቆልዑ፡ ኣብታ 6 ዓመት ዝመልኡላ ዓመት፡ ቦታ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ይረኽቡ። ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ህጻናት: ቆልዑ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ቀዳማይ ክፍሊ ቅድሚ ምጅማሮም፡ ናብ ትምህርቲ ምኻድ ዝላመዱሉ ቦታ'ዩ።

    ማእከል ትርፊ ግዜ 'ፍሪቲድስ' (fritids)

    ካብ 6-12 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ፡ ቅድሚ ትምህርትን ድሕሪ ትምህርትን፡ ናብ ማእከል ትርፊ ግዜ ክኸዱ መሰል ኣሎዎም። ቆልዑ፣ ናብ 'ፍሪቲድስሄም' ክኸዱ ክፍቀደሎም፡ ወለዶም ግድን ዝሰርሑ ወይ ዝመሃሩ ክኾኑ ኣለዎም። 'ፍሪቲድስሄም' ዝበዝሕ እዋን፣ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ'ዩ ዝርከብ። ካብ 10-12ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ፣ ጥቓ ቤት ትምህርቶም ናብ ዝርከብ 'ክፉት ንጥፈት ትርፊ ግዜ' ክኸዱ ይኽእሉ'ዮም።

    ስነ ትምህርታዊ ክንክን 'ፋሚልየዳግሄም' (Pedagogisk omsorg / familjedaghem)

    ገለ ክፋል ናይ ህጻናት ናይ ክንክን ቦታ፡ ስነ ትምህርታዊ ክንክን ወይ ስድራቤታዊ መጽንሒ ይብሃል። ብስነ ትምህርቲ ዝሰልጠነ ሰብ እዩ ንቖልዑ ኣብ ገዝኡ ተቐቢሉ ዝከናኸኖምን ስነ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዝህቦምን። ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ህጻናት፣ ድሕሪ ትምህርቲ፣ ናብ ስድራቤታዊ መጽንሒ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም። ከም ማእከል ትርፊ ግዜ ድማ'ዩ ዘገልግል።

    ምስ ወለዲ ምትሕብባር

    ወለዲ፣ ንደቆም ኣዐርዮም ስለ ዝፈልጡዎም፣ ንማሕበራዊ ክንክን ቆልዑ ኣገደስቲ'ዮም። ። ህጻናት፣ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ኣብ 'ፋሚሊዳግሄም' ክጅምሩ ከለዉ፡ ክሳብ ቀሲኖም ዝለማመዱ ወለዶም የሰንዩዎም'ዮም። እዚ ድማ፣ ምልምማድ (inskolning) ይብሃል። ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ድማ ይወስድ። ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ኣብ ማእከላት ትርፊ ግዜን ዝሰርሑ ሰባት፣ ንወለዲ ኣብ ዘተ ምዕባለ (utvecklingssamtal) ክሳተፉ ይዕድሙዎም'ዮም። ሽዑ ድማ፣ ቆልዑ ከመይ ይኸዱ ከም ዘለዉ ኣልዒሎም ይዛተዩ። ንስኻ'ውን ከም ወላዲ መጠን፣ እቲ መውዓል ህጻናት ብኸመይ መገዲ ክሰርሕ ከም ዘለዎ፣ ሓሳባት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

    ኣብ ማእከል ክንክን ቆልዑ፣ ቦታ ምሕታት

    ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ኣብ ማእከላት ትርፊ ግዜን፣ ቦታ ንምርካብ ኣቐዲምካ ደቅኻ ከተመዝግብ ኣለካ። ነዚ ድማ ኣብ ኮምዩንካ ኢኻ ትገብሮ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኮምዩን፣ ዝተፈላለየ መምርሒታት ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፣ ገለ ኣዋርሕ ኣቐዲምካ ከተመልክት ኣለካ። ውላድካ፡ ናብ መውዓሊ ህጻናት ንምኻድ፣ ብዉሑዱ ወዲ ሓደ ዓመት ክኸውን ይግባእ።