መባእታ ቤት ትምህርቲ (Grundskola)

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ኲላቶም ቆልዑ፡ ንትሽዓተ ዓመት፡ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ይምሃሩ። እዚ፡ ብሕጊ ትምህርቲ ሽወደን ዝተሓገገ ኮይኑ፡ 'ግዴታ ትምህርቲ' ይብሃል። ነፍሲ ወከፍ ዓመተ ትምህርቲ፡ መንፈቐ-ጽድያን (hösttermin)፡ መንፈቐ-ቀውዕን (vårtermin) ኣሎዎ። ኲላቶም ቆልዑ፡ ካብታ ደቂ ሸውዓተ ዓመት ዝኾኑላ ወይ ትምህርቲ ዝጀመሩላ ቀዳመይቲ መንፈቐ-ጽድያ፡ ክሳብ'ታ መንፈቐ-ቀውዒ ናይ ታሽዐይቲ ዓመት፡ ናብ ትምህርቲ ክመላለሱ ግዴታ ኣሎዎም።

    ዓይነት ትምህርቲ(ሳብጀክት) ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ

    ዓይነት ትምህርቲ (Ämne) ዝብሃል: እቲ ተማሃሮ ዝምሃሩዎ ዓይነት ትምህርቲ ንኣብነት ከም ሕሳብ: ወይ ሽወደንኛ'ዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝውሃብ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ትምህርቲ: ናይ ትምህርቲ ፕላን ዘሎዎ ኮይኑ፡ ተምሃሮ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምስ ወድኡ ክኾኑዎ ዘሎዎም ዝሕብር መደብ ትምህርቲ (kursplan) ኣሎዎ።

    ትምህርቲ ጾታን ጾታዊ ዝምድናን

    ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን: ትምህርቲ ጾታን ጾታዊ ዝምድናን (sex och samlevnad) ኣካል ናይ ስርዓተ ትምህርቲ'ዩ። ትሕዝቶ ናይዚ ትምህርቲ'ዚ ኸኣ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኮይኑ፡ ምስ ካልኣይካ፡ ክብረትን ማዕርነትን ዝዓሰሎ ማሙቕ ፍቕራዊ ዝምድና ብኸመይ ትምስርት ዝብል እዩ። ትምህርቲ ጾታውነትን ጾታዊ ዝምድናን፡ ኣብ ሽወደን፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ክውሃብ ዝጸንሐ ዓይነት ትምህርቲ እዩ።

    ነጥቢ (Betyg)

    ተማሃሮ፡ ካብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣትሒዞም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንፈቐ ትምህርቲ ነጥቢ ይውሃቡ'ዮም። እቶም ቆልዑ፡ ኣብ መወዳእታ መንፈቕ ናይ 9ይ ክፍሊ፡ ማለት መዛዘሚ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ መባእታ ናይ መዛዘሚ ነጥቢ(slutbetyg)' ይውሃቡ'ዮም።

    ነጥቢ፡ ደረጃታት ኣሎዎ። ማለት 'A: B: C: D: E: ከምኡ'ውን F'። ነጥቢ 'F' ማለት፡ እቲ ተማሃራይ ብሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኣይሓለፈን ማለት'ዩ። 'A' ድማ፡ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ'ዩ።

    ነጥቢ ብኸመይ ከም ዝውሃብ መምርሒታት ዘውጽአ 'ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ ሽወደን (Skolverket)' እዩ። ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ ሽወደን፡ መንግስታዊ ትካል'ዩ። እዚ ትካል'ዚ፡ ተማሃሮ ሽወደን፡ ኣብ ውሕሰነት ዘሎዎ ኣከባቢ፡ ግሩም ትምህርቲ ንኽቐስሙ ይጽዕር።

    ትምህርቲ ቋንቋ

    ሓደ ካብ ወለዲ፡ ወይ ክልቲኦም ወለዲ፡ ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ዝዛረቡ እንተኾይኖም፡ እሞ ድማ፡ እቲ ቋንቋ ኣብ ገዛ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ እንተኾይኑ፡ እቲ ቖልዓ፡ ነዚ ቋንቋ'ዚ ክምሃሮ መሰል ኣሎዎ። ግን ከኣ፡ እቲ ቖልዓ፡ መባእታዊ ኣፍልጦ ናይቲ ቋንቋ ክህሉዎ ይግባእ። ኣብ ገዛ'ውን ኩሉ ግዜ ዝጥቀመሉ ክኸውን ይግባእ።

    ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎም ተማሃሮ'ውን፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ (Svenska som andraspråk) ክምሃሩ መሰል ኣሎዎም። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ንጀመርትን ነቶም ድሮ ሽወደንኛ ዝኽእሉን ተማሃሮ'ዩ ተዳልዩ። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ከም መደባዊ ትምህርቲ ሽወደንኛ እዩ። እቲ ኣመሃህራ፡ ምስቲ ናይቲ ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎ ሰብ ከም ዝመቻቻእ ተገይሩ እዩ ዝካየድ።

    መቀራረቢ ወይ መዳለዊ ክፍሊ (Förberedelseklass)

    ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ዝመሃሩሉ መቀራረቢ ወይ መዳለዊ (Förberedelseklass) ዝብሃል ክፍሊ ኣሎ። ኣብዚ ክፍሊ'ዚ፡ ተማሃሮ፡ ሽወደንኛ ይለማመዱን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ ይምሃሩን። እዞም ተማሃሮ'ዚኣቶም፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ መደበኛ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ክቕጽሉ፡ ትምህርቲ ይውሃቦም። ንዕድመ፡ ቋንቋ ኣደን ዝሓለፈ ደረጃ ትምህርትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ትምህርቲ ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል'ዩ። ኣብ ብዙሓት ኮምዩናት ሽወደን፡ መቀራረቢ ክፍልታት ኣሎዉ።