እዚኣቶም ፍሉያት ሕላገት ወይ መለለዪ ሽወደን'ዮም ዘብሉ ፍሉያት ነገራት ኣለዉ ዶ?

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሕላገት(መለለዪ) ሽወደናዊ ባህሊ እንታይ እዩ? ወይ'ውን ፍሉይ ባህሪ ሽወደን እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ምምላሱ ቀሊል ኣይኮነን። ኲላቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ማሕበራዊ ጒጅለታት(ሕብረተሰባት)፡ ንሓድሕዶም ዘተኣሳስሩዎም ባህላዊ ክብርታት ኣሎዉዎም። ብዙሓት ሕብረተሰባት፡ ንሓድሕዶም ዘራኽብ ተመሳሳሊ ባህላዊ ክብርታት ክህሉዎም ይኽእል እኳ እንተኾነ፡ ብነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ጒጅለ ግን ተመሳሳሊ ሚዛን ዘይክውሃቦ ይኽእል። ብገለ ሽወደናውያን ባህሊ ኮይኑ ዝርአ፡ ብኻልኦት ከምኡ ኮይኑ ዘይክርአ ይኽእል።

    እምነት ኣብ ልዕሊ ስልጣን መንግስትን ትካላቱን

    ህዝቢ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ትካላቱን፡ ዳርጋ ልዑል ዝኾነ እምነት ኣሎዎ። ከምቲ ኣብ ጥርኑፍ ሕብረተሰብ፡ ስድራቤት ዝጻወቶ መሪሕ ተራ፡ ኣብ ውልቃውን ሰብኣውን ናይ ሕብረተሰብ፡ ርግኣት ኣብ ምርግጋጽ መሪሕ ተራ ዝጻወት ኣካል ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ሽወደን፡ ነዚ ተራ እዚ ዝጻወት ኣካል ከኣ፡ መንግስቲ እዩ። ነባሮ ሽወደን፡ ኣብ ውሳነታት መንግስታዊያን ትካላት፡ ፍትሓዊ ስርዓት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ብተዛማዲ ልዑል እምነት ኣሎዎም። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ሃገረ ሽወደን ብ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ስለ ዝተሃንጸት እዩ። መስርሕ ህንጸት ደሞክራሲ፡ ብሃገር ለኻዊ ተሳትፎ ዝነበሮ ህዝባዊ ምንቅስቃስ፡ ከም ኣብነት ማሕበር ሸቃሎ፡ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምኡ'ውን ምንቅስቓስ ነብሰ ግትኣትን(ዝኾነ ነገራት ካብ ምግባር ወይ ምውሳንን ምፍጻምን ነብስኻ ምግታእ)፡ እዩ ተማዓራርዩ።

    ጽልዋ ኲነታት ኣየር

    "ኲነታት ኣየር'ውን ኣብ ልዕሊ ባህሊ ሽወደን ናቱ ጽልዋ ኣቐሚጡ እዩ" ዝብል ርድኢት ኣሎ። እቲ ነዊሕን ጸልማት ዝዓብለሎን ክረምቲ(ዊንተር)፡ ሰባት ኣብ ክፉት ኣየር(ደገ) ከይራኸቡ ይድርቶም። ኣብ ክንድኡ ድማ፡ ኣብ እንዳ ሻሂ፡ ቤት መግብን ኣብ ገዛን ከምዝራኸቡ ይገብሮም። ስለዚ ድማ ምስ ሓጋይ(ሳመር) ክነጻጸር እንከሎ፡ ክረምቲ(ዊንተር) ማለት፡ ከምድላይካ ብዙሓት የዕሩኽን መሓዙትን ዘይትረኽበሉ ግዜ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ሓጋይ ክኣቱ እንከሎ እምበኣር፡ ማሕበራዊ ህይወት ይቕየር። ኣንጻር ናይቲ ኣብ ክረምቲ ዘሎ ኲነታት ከኣ፡ ሰባት ከም ድላዮም ደገ ይወጽኡ። ምስ ዓርከ መሓዛ'ውን ብብዝሒ ይራኸቡ። (ክረምቲ ኤርትራን ክረምቲ ኤውሮጳን ይፈላለ እዩ። ሳመር ኤርትራ ክረምቲ እዩ። ሳመር ናይ'ዚ ዓዲ ከም ሓጋይ'ዩ ክብሃል ይክኣል።)

    ተፈጥሮ

    ብዙሓት ሽወደናውያን ፍሉይ ናይ ተፈጥሮ ፍቕሪ ኣሎዎም። እቲ ሓባራዊ ሕጊ፡ እቲ ናይ ተፈጥሮ ቦታ ናይ መን'ዩ ብዘየገድስ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ናይ ተፈጥሮ ቦታታት ክንቀሳቐስ መሰል ይህቦ። እዚ ኸኣ፡ መንነት ሕብረተሰብ ሽወደን የንጸባርቕ። ሽወደን፡ ኣብ "ዓለማዊ ምዕቃብ ኣከባቢ" ዓቢ ተራ እያ ትጻወት።

    ሃይማኖት ኣብ ሽወደን

    ክርስትና፡ ኣብ ሽወደን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ድማ ብናይ ክርስትና ሉተራን ክብርታት ዝተሃንጸ እዩ። ክብርታት ክብሃል እንከሎ፡ ኣብ ሂወት፡ ቅኑዕን ኣገዳስን ነገር እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመርኮሰ እዩ። ዝበዝሑ ናይ ሃገረ ሽወደን በዓላት፡ ሃይማኖታዊ ሰረት ዘሎዎም እዮም። ንኣብነት፡ ትህድስቲ፡ ጥምቀት፡ መርዓን ቀብርን። ኣብዚ ግዜ'ዚ ሽወደን፡ ሓንቲ ካብ'ተን ኣብ ዓለምና ኣብ ጎደና ዓለማውነት(ዘይሃይማኖታዊ) ኣርሒቐን ዝመረሻ ሃገራት ሓንቲ እያ። ዓለማውያን(ዘይሃይማኖታውያን) ሃገራት ሕግታተን ኣብ ሃይማኖት ወይ እምነት ሰረት ዘይገብር ኮይኑ፡ ንእምነት ብዝምልከት'ውን፡ እታ ሃገር ማእከላይ ወይ ሻራ ዘይብሉ መርገጺ ትወስድ። እዚ ኸኣ ሕላገት ዓለማውያን ሃገራት እዩ። ሕመረት ዓለማውነት፡ ሕብረተሰብ ኣብ ሰብኣዊ ክብርታት ዝተሰረተ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኮይኑ፡ እምነት ከኣ ውልቃዊ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።

    ኣስታት 60%ሽወደናውያን፡ ኣባላት ናይ ክርስትያናዊ ቤተክርስትያን ሽወደን (Svenska kyrkan) እዮም። ይኹን እምበር፡ እቶም ብስሩዕ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ኣብ ጸሎት ዝሳተፉ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ኣስታት 45% ናይ'ቶም ኣብ ሽወደን ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ይጥመቑ። ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ክምርዓዉ ይመርጹ። ከባቢ 75% ስነ ስርዓት ናይ ቀብሪ ግን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ይካየድ።

    ኣብ ሽወደን፡ ብዘይካ ዝተፈላለያ ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖታት፡ ካልኦት ብዙሓት ዓይነት ሃይማኖታት ኣለዋ። ካብኣተን ድማ ምስልምና፡ ሂንዱ፡ ኣይሁድነት፡ ቡዲዝም፡ ባሃኢ፡ ኣሳትሮ፡ ሻማኒዝም ከምኡ'ውን ካቶሊክን ተዋህዶን ዝኣመሰላ ሃይማኖታት ምጥቃስ ይከኣል።

    ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑ ኣተይዝም ዝባሃሉ'ውን ኣለዉ። ኣግኖስቲዝም ዝብሃሉ "ህላወ ኣምላኽ ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ" ዝብሉ ድማ ኣለዉ። መብዛሕቶም ኣተይስትን ኣግኖስቲክን ድማ ነዚ ዘይሃይማኖታዊ መንግስቲ እዮም ዝድግፉ።

    ኣልኮል

    ሽወደን፡ ነዊሕ ዝገበረ ናይ መስተ ባህሊ ኣሎዋ። ኣብ ሽወደን፡ ካብ ዘመነ እምኒ ኣትሒዙ እዩ ኣልኮል ዝስራሕ ነይሩ። ወይኒ ከይበቁል፡ እቲ ሃገር ዝሑል እዩ። እኽልን ድንሽን ጽቡቕ ስለ ዝበቁል ግን፡ ብ እኽልን ድንሽን ገይሮም ኣልኮላዊ መስተ ይሰርሑ ነይሮም። ኣብ19 ክፍለ ዘመን፡ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ዓመት ዳርጋ ሓምሳ ሊትሮ ኣልኮላዊ መስተ ይሰቲ ነይሩ። ብምኽንያት ሃልኪ ብዝሒ መስተ ድማ፡ "መስተ ናይ ዘይምስታይ" ማሕበራት ቆይመን ነይረን። ኣልኮል ምስ ሰተኻ ሓደጋ ስለ ዘስዕብ፡ ብዓቐን ክስተ ኣለዎ ዝብል ምንቅስቓሳት ነይሩ። እዚ ድማ፡ "ዓቂንካ ናይ ምስታይ ምንቅስቓስ" ይብሃል ነይሩ። ካብ ሽዑኡ ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን፡ ናይ ኣልኮል ሕቶ ዓቢ ቦታ ሒዙ።

    ዝምድና ምስ ግዜ

    ኣብ ሽወደን፡ ሰዓትካ ምሕላው ኣገዳሲ እዩ። ንሓደ ሰብ ሰዓት 14፡00 እንተ ቆጺርካዮ፡ ሰዓት 14፡00 ክትረኽቦ ከም ዘለካ ከም ትሑዝ እዩ ዝወስዶ። ድሒርካ ምምጻእ ከም ርድኢት ብዙሓት፡ ኣብ ሰብ ዘለካ ክብረት ምጕዳል እዩ ዝቚጸር።