ወግዕን(ልምዲ) በዓላትን ኣብ ሽወደን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ልምዲ ወይ ወግዒ ማለት፡ ሰብ ደጋጊሙ ዘዘውትሮም ነገራት ማለት እዮም። በዓል፡ ንኣብነት ኣፋስጋ ከኣ፡ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝግበር ወይ ዝካየድ ኣገዳሲ ነገር እዩ። እቶም ዝበዝሑ በዓላትን ወግዕታትን ሽወደን፡ ሃይማኖት ሰረት ዝገበሩ ኮይኖም፡ ክርስትናዊ ድሕረ ባይታ ዘሎዎም እዮም። ገሊኦም ድማ፡ ሽወደናውያን፡ ጣኦታት የምልኹ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዝተራዕሙ እዮም። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ በዓል ክብሃል እንከሎ፡ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ዝራኸቡሉ ኣጋጣሚ እዩ።

    ለካቲት

    ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ናይ ለካቲት ወይ ናይ ስፖርት ዕረፍቲ ኣሎወን። ሽዑ፡ ቆልዑ፡ ካብ ትምህርቲ ዕረፍቲ'ዮም። እቲ ዕረፍቲ ንሓደ ሰሙን እዩ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ወይ መጋቢት፡ ዝበዝሑ ህጻናት፡ ብላህመትን ቅብኣትን ዝተሰርሐ ሽኮራዊ ሕብስቲ(ሰምሉር) ይበልዑ። እዚ፡ ሽወደናውያን፡ ኣብ ናይ ጾም ወርሓት ዝኽተሉዎ ዝነበሩ ናይ ቀደም ልምዲ እዩ። እቲ ህዝቢ፡ ጾም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ስብሒ ዘሎዎ መግቢ ይበልዕ ነይሩ። እቶም ዝጾሙ፡ ብሃይማኖት ምኽንያት ንገለ ሰዓታት ምንም ነገር ኣይበልዑን ነይሮም።

    መጋቢትን ሚያዝያን

    ፋሲጋ፡ ኣብ ወርሓት መጋቢት ወይ ሚያዝያ ዝብዓል ናይ ክርስትያን በዓል እዩ። መሰረት ናይዚ በዓል'ዚ ከኣ፡ ሞትን ትንሳኤን የሱስ ንምዝካር ዝብል እዩ። ፋሲጋ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ምስ ቤተሰብን ኣዕሩኽን ኴንካ ዝብዓል በዓል'ዩ። ኣብ ጥንቲ፡ ቅድሚ ፋስጋ ዘሎ 40 መዓልታት ምጻም ልሙድ እዩ ነይሩ። ፋስጋ ምስ ኮነ፡ ምዝዛም ናይ ጾም ይብዓል። ጾም ድሕሪ ምዝዛሙ ኸኣ፡ እንቋቑሖ ይበልዑ ነይሮም። ካብዚ ልምዲ'ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ መብዛሕትኦም ሽወደናውያን ኣብ ማዓልቲ ፋስጋ፡ ብዙሕ እንቋቑሖታት ይበልዑ። ኣብ ቅነ ፋሲጋ፡ ቆልዑ፡ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ ኣሎዎም። እዚ ኸኣ፡ "ዕረፍቲ ፋስጋ" (Påsklov) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ቅድሚ ፋስጋ፡ ብዙሓት ቆልዑ፡ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ገዛ ገዛ እናኸዱን ማዕጾ እናኳሕኲሑን "ርሑስ ፋስጋ(ቦኖፌስታ)" ይብሉ። ሰብ ገዛ ብወገኖም፡ ነቶም ቆልዑ፡ ካራሜለ ይህቡዎም።

    ኣብ ግዜ ፋሲጋ፡ ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ናይ ፋስጋ ጨንገር (Påskris) የዳልዉ። እዚ ናይ ፋስጋ ጨንገር'ዚ፡ ጨንፈር ናይ ሓደ ብዮርክ(ዓይነት ኦም) ዝተባህለ ገረብ ኮይኑ፡ ሕብራዊ ክንቲት ገይሮም የማዕርጉዎ። ሚያዝያ 30፡ ድሮ 01 ግንቦት፡ "ቫልፑርጊስ(Valborgsmässoafton)"፡ ዝተሰምየ በዓል እዩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ፡ ሰባት፡ ንጽድያ እንቋዕ ደሓን መጻእካ(ብፍስሃ ንምቕባል ከም መግለጺ ሰናይ ትምኒት) ይብሉዎ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሽወደን፡ መጋርያታት ይውላዕ፡ ብዛዕባ ጽድያ'ውን ይደርፉ ወይ ይዝምሩ።

    ናውሩዝ

    ናውሩዝ፡ ብኢራናውያን፡ ኩርዳውያንን ኣፍጋናውያንን ዝብዓል፡ ብዓል ሓድሽ ዓመት እዩ። ኣብ ሽወደን ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሓዲሽ ዓመት ናይ ፐርሻውያንን ኩርዳውያንን ሓዲሽ ዓመት እዩ ናውሩዝ ዝባሃል። ንውሓት መዓልትን ለይትን ሕደ ኣብ ዝኾነሉ፡ "ጽድያ እንኳዕ ደሓን መጻእካ" ዝብሃለሉ፡ ኣብ መጋቢት 20፡ 21 ወይ 22ዝብዓል በዓል'ዩ። ሓፈሻዊ ግን ኣብ መወዳእታ መጋቢት ይዝውተር። ናይ ናውሩዝ በዓል፡ ን13 መዓልታት፡ ብብልዕን ሓጎስን ይካየድ። ሓዊ ኣጒዶም ከኣ ይሳገሩዎ።

    ግንቦት

    ግንቦት 01፡ መዓልቲ ሰራሕተኛታት እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ድማ፡ ካብ 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ይብዓል ነይሩን ኣሎን። ግንቦት 01፡ ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን የዕሪፎም ዝውዕሉሉ መዓልቲ እዩ። ኣብ ግንቦት 01፡ ንምኽባር መሰል ሰራሕተኛታት ዝዓለመ ሰልፊ ይግበር።

    በዓል ዕርገተ ክርስቶስ፡ 40 መዓልታት ድሕሪ ፋሲጋ ይብዓል። ነቲ ናይ የሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ ፍጻመ ድማ የዘክር። ዕርገተ ክርስቶስ ዝብዓለሉ መዓልቲ፡ ዝበዝሕ ሰራሕተኛ ስራሕ ኣይከይድን። መብዛሕትኡ ድኳናት'ውን ዕጹው'ዩ። 10 መዓልታት ድሕሪ ዕርገት፡ መንፈስ ቅዱስ ዝመጽኣሉ ወይ ዝወርደሉ ናይ ክርስትያን በዓል እዩ።

    ሰነ

    ሰነ 06፡ ናይ ሽወደን ሃገራዊ በዓል እዩ። ኣብዚ ዕለት'ዚ ገለ ሰባት ሃገራዊ ልብሲ ይለብሱ። ዝተፈላለያ ክፍላተ ኣከባቢታት ናይ ሽወደን፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ልብሲ ስለ ዘሎወን መን ካበይ መጺኡ ክፍለ ይከኣል።

    መጀመርታ ሰነ፡ ናይ ተማሃሮ ቆልዑ፡ ክረምታዊ ዕረፍቲ እዩ። ሽዑ፡ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ እዩ። ነዚ ናይ ምዕጻው ትምህርትን ምጅማር ናይ ዕረፍቲ ግዜን(ሶማርሎቭ) ድማ፡ የብዕሉዎ። ኣብ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ፡ እቶም ነኣሽቱ ቆልዑ፡ ምስ ወለዶም ይመጽኡ።

    ድሮ ሚድሶማር ህዝባዊ በዓል እዩ። እቲ በዓል፡ ኣብ መንጎ ዕለታት 19-25 ሰነ ዘላ ዓርቢ እዩ ዝኽበር። እዚ በዓል እዚ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ገና ክርስትያን ከይኮነት እንከላ እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ድሮ በዓል፡ ሰባት፡ ኣብ ክቢ ናይ ሓደ ፓሎ ይስዕስዑ። እቲ ፓሎ፡ ብኣቝጽልትን ዕንበባታትን ዘጌጸ እዩ። ህጻናትን በጽሕታትን ድማ፡ ኣብ ርእሶም እሳር ዕንበባታት ይገብሩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ሰባት፡ ሲል ከምኡ'ውን ላክስ ዝባሃሉ ዓይነታት ዓሳ፡ ድንሽን ስትሮቤርን ይበልዑ።

    ሓምለን ነሓሰን

    ኣብ ሽወደን፡ መብዛሕትኡ ሰብ፡ ሓምለን ነሓሰን'ዩ ዓመታዊ ዕረፍቲ ዝውሃቦ። ኣብ ከባቢነሓሰ ዕስራ፡ ትምህርቲ እንደገና ይጅመር። ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ናይ ዕንቅርቢት ባሕሪ ፌስታ ይግበር። ኣብዚ ፌስታ'ዚ ዝተቐልወ ዕንቅርቢት ባሕሪ ይብላዕ። ሓደ ብኬሪ መስተ'ውን ይሰተ። እቲ መስተ፡ ኑበ ወይ ስናፕስ ይብሃል። ናይ ኑበን ናይ ስናፕን ዝምልከት ደርፍታት ድማ ይድረፍ።

    መስከረምን ጥቅምትን

    ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲወይ መጀመርታ ሕዳር፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ይዕጸዋ። ቆልዑ'ውን የዕርፉ። "ናይ ቀውዒ ወይ ከኣ ናይ ንባብ ዕረፍቲ" ተባሂሉ ኸኣ ይጽዋዕ።

    ጥቅምቲ ናብ ሕዳር ክሰጋገር እንከሎ፡ ወቕቲ በዓል ሃሎዊን (ዋዜማ ዕለተ ትንሳኤ ሙታን) እዩ። ኣብዚ በዓል'ዚ፡ ቆልዑ፡ ነቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ገዛ ገዛ እናኸዱ 'ካራሜለ ሃቡና' ይብሉ። መብዛሕትኦም ድማ፡ ዱባ ገዚኦም ኣብቲ ዱባ መብራህቲ ይተኽሉ። በዓል ሃሎዊን፡ ኣብ ሽወደን፡ ዳርጋ ሓድሽ በዓል እዩ። መበቆል ናይዚ በዓል'ዚ፡ ካብ ሃገረ ኣየርላንድ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ኣየርላዳውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ባህሊ ሒዘሞ ናብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምኻዶም'ዩ እቲ ልምዲ፡ ኣብታ ሃገር ክምዕብል ዝኸኣለ።

    ዮም ኪፕፑር (ናይ እብራውያን በዓል)

    መስከረም ወይ ነሓሰ ኣቢሉ፡ 'ዮም ኪፕፑር' ዝተሰምየ ኣገዳሲ በዓል እብራውያን ይኽበር። እዚ በዓል እዚ፡ ብጾም፡ ጸሎት፡ ቅዳሴን ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ይቕረ ብምሕታትን ይብዓል። ዮም ኪፑር፡ ዕለተ-ዕርቂ (መዓልቲ ስኒት) ድሕሪ 10 መዓልታት ካብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት እብራውያን (ሮሽ ሃሻና) ኣብ ዘሎ ዕለት ይኽበር።

    ሕዳር

    ፌስታ ምውታን፡ ኣብ መንጎ 31 ጥቅምትን 06 ሕዳርን ዘላ ቀዳም ይውዕል። እዚ በዓል'ዚ፡ ምዉታን ዝዝከሩሉ ናይ ክርስትያን በዓል እዩ። ብዙሓት ሽወደናውያን፡ ናብ መቓብር ብምኻድ ኣብቲ ናይ ኣዝማዶም ወይ ብጾቶም መቓብር ሽምዓ ይውልዑ።

    ታሕሳስ

    ታሕሳስ፡ ናይ ልደት ወርሒ እዩ። ልደት ድማ፡ ምውላድ ክርስቶስ ዝዝከረሉ ናይ ክርስትያን በዓል እዩ።

    13 ታሕሳስ፡ ናይ ሉሲያ መዓልቲ እዩ። እዚ በዓል'ዚ' ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ዝኽበር በዓል'ዩ። ክረምቲ፡ ጸልማት ዝበዝሓሉ እዋን ስለ ዝኾነ፡ ድሕሪ ክረምቲ ጸሓይ ንኽትምለስ ተባሂሉ ዝብዓል በዓል እዩ። ናይ መውዓሊ ህጻናትን ናይ መደበኛ ቤት ትምህርትን ተምሃሮ፡ ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኖም ብዛዕባ ሉሲያን ልደትን ይዝምሩ።

    ሒደት መዓልታት ቅድሚ ልደት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ይዕጸዋ። ዕረፍቲ ልደት፡ ክሳብ መጀመርታታት ጥሪ ይጸንሕ። 24 ታሕሳስ፡ ድሮ ልደት እዩ። ልደት ንመብዛሕትኦም፡ ካብ ስራሕ የዕሪፎም ምስ ስድራቤቶም ብሓባር ዘብዕሉዎ ዝዓበየ በዓል እዩ። ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ብብዝሒ ዝብላዕ መግቢ ናይ ልደት መግቢ'ዩ። ንኣብነት ሲል፡ ብትኪ ዝበሰለ ዓሳ ወይ ላክስ፡ ድንሽ፡ ብትኪ ዝበሰለን ዝደረቐን ስጋ ሓሰማ፡ ሾትቡላር (ነኣሽቱ ኮዓሳሱ ዝመስል ስጋ)፡ ግዕዝም ላኡል ወይ ፕሪንስ ኮርቭን ገዓት ሩዝን የጠቓልል። ሰባት ናይ ልደት ህያብ ይለዋወጡ። ዘንጸባርቕ ነገራትን መብራህትን ዘሎዎ ናይ ልደት ጽሕዲ ይዳሎ። ህያባት ከኣ ከም ልምዲ ኣብ ትሕቲ ጽሕዲ ልደት ይቕመጥ።

    06 ጥሪ፡ መበል 13 መዓልቲ ድሕሪ ልደት ኮይኑ፡ ከም በዓል ድማ ይብዓል። 13 ጥሪ፡ናይ ልደት በዓላት ይውዳእ። እቲ ጽሕዲ ድማ ተቐንጢጡ ይድርበ።

    ሮመዳን

    ሮመዳን፡ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ፡ ናይ ኣመንቲ ምስልምና ናይ ጾም እዋን እዩ። እቶም ንጾም ዝኣኸሉ ወይ ክጾሙ ዝግበኦም ሰባት፡ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ ብልዒ፡ መስተ፡ ምትካኽን ጾታዊ ርክብን ነብሶም ይገትኡ። ጾመ ሮመዳን፡ ብዒድ ኣልፈጥር'ዩ ዝድምደም። ነፍሰ ጾራት ወይ ዘጥቡዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ጾም ነጻ እየን። ሕሙማንን ኣረጋውያንን'ውን ከምኡ። ጾመ ሮመዳን፡ ብኣቆጻጽራ ወይ ካላንደር ኣመንቲ ምስልምና፡ ኣብ ታሽዓይ ወርሒ ይውዕል። እምነት ምስልምና ዝኽተሎ ኣቆጻጽራ ግዜ፡ ኣብ ወርሒ ዝተሰረተ ስለዝኾነ፡ ሮመዳን፡ ክቕድምን ክድሕርን ይኽእል።