ኣብ ጒዕዞ ህይወት እናተዘከሩ ዝነብሩ በዓላት፡

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

    መርዓ

    ኣብ ግዜ መርዓ፣ ኣዝማድን ዓርከ ማሓዛን ይዕደሙ። ኣጋይሽ፣ ኣብ ናይ ቃልኪዳን ስነ ስርዓት ይርከቡ። ድሕሪ'ቲ ናይ ቃልኪዳን ጽምብል፣ መግብን ሳዕስዒትን ይስዕብ። መርዑት ድማ ካብ'ቶም ኣጋይሽ ህያባቶም ይቕበሉ።

    ዕለተ ትውልዲ

    ኣብ ሽወደን፣ ዝበዝሕ ሰብ፣ ዝተወልደሉ መዓልቲ የኽብሮ እዩ። ቆልዑ ድማ፣ ብጾቶም ወይ መዛኑኦምን መማህርቶምን ብምጽዋዕ የብዕሉዎ። ነቲ ፌስታ ድማ፡ "ካላስ" ኢሎም ይጽውዑዎ። ኣብቲ ዕለትን ስነ ስርዓትን እቲ ድማ፡ ይጻወቱን ቶርታ ይበልዑን። ነቲ ልደቱ ዘኽብር ዘሎ ቆልዓ ድማ፣ ህያብ ይውሃቦ። ዓበይቲ'ውን መዓልቲ ልደቶም የኽብሩ እዮም። ነዚኣቶም'ውን ካብ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን የዕሩኽቶምን ህያባት ይውሃቦም። እቶም ምሉእ ቊጽሪ፡ ንኣብነት 50 ዓመቶም ዝመልኡ ሰባት፡ ነቲ በዓል፡ ብዓቢ ድምቀት'ዮም ዘኽብሩዎ።

    ቀብሪ

    ሰብ ምስ ሞተ፣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ካፐል፡ ማለት ቤተ ጸሎት፣ ጸሎት ምስተገብረሉ፡ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ይካየድ። ካፐል ማለት ኣብ ክንዲ ቤተ ክርስትያን ኮይና እተገልግል ንእሽቶ ቤት እያ። ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ቤተሰብን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽን ይርከቡ።