ሽወደን ኣብ 20 ክፍለ ዘመን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

    ቀዳማይ ውግእ ዓለምን ኣብ መንጎ'ዚ ውግኣት'ዚ ዝነበረ ግዜን፡

    ቀዳማይ ኲናት ዓለም ብ 1914 ዓ/ም ክጅመር እንከሎ፡ ሃገራት ኖርዲክ ኣብቲ ውግእ'ቲ ንኸይሳተፋን ካብ ሻራነት ነጻ ክኾናን ስምምዕ ከቲመን። ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ካብ 1914-1918 ዓ/ም ተኻዪዱ።

    ኣብ 1922 ዓ/ም ኣብ ሽወደን፡ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ናይ ስነ ህይወታውያን ዓሌት ኢንስቲትዩት ወይ ትካል ተመስሪቱ። ተልእኾ ናይዚ ትካል'ዚ ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ንምጽናዕ ነበረ። ብመሰረት ናይቲ ንምምስራቱ ዝደረኸ ዕላማ ኸኣ፡ "ሃገራዊ ትካል ዓሌት ስነ ህይወታውያን" (Statens institut för rasbiologi) ዝብል ስም ተዋህቦ። ህላወ ናይዚ ትካል'ዚ ኸኣ፡ ኣብ ምጽዳቕ ናይቲ ንምምካን ዝምልከት ኣብ 1934 ዓ/ም ዝጸደቐ ሕጊ፡ ወሳኒ ተራ ነይሩዎ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ከም ትሑታን ወይ ዋጋ ዘይብሎም ተራእዮም ብዘይድልየቶም ከም ዝመኽኑ ተገይሮም። ናዚስታዊ ስነ ሓሳብ ኣብ ሃገረ ጀርመን ክቀላቐል ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ "ዓሌታዊ ስነ ህወታዊ ስነ ሓሳብ" ነቐፌታ ክዘንቦ ጀመረ። ደቂ ሰባት ከከም መበቆሎም ፈላሊኻ ምርኣይ፡ ካብ መፋርቕ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ድሕሪ ምስፍሕፍሑ፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ዘይተኣደነ ፖለቲካውን ሰብኣውን ስምብራታት ገዲፉ።

    ኣብ ዓመተ 1931፡ ንፋስ ቊጠባዊ ዝሕታለ ናብ ሽወደን መጽአ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዘስፋሕፈሐ ቊጠባዊ ዝሕታለ'ዚ፡ ኣብ ዓመተ 1929፡ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብዘጋጠመ 'ዕዳጋ ልውውጥ ኣክሲዮን' ነበረ። እቲ ቅልውላው'ቲ፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ኣብያን ሰለማዊ ሰልፍታትን ኣኸተለ። ሽወደን፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ዝሓሸ ስርዓተ ውሕስነት ሽቕለት-ኣልቦነትን መሰል ናይ ስራሕ ዕረፍትን ኣተኣታተወት። ጡረተኛታት'ውን ጽቡቕ ደሞዝ ጡረታ ከምዝረኽቡ ተገብረ።

    ኣብ 1930ታት ናይ ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ህይወት ተመሓዪሹ። ቆልዑ ዘሎውወን ኣደታት፡ ናይ ሕክምና ክንክንን ተወሳኺ ገንዘብን ተዋሂቡወን። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ መንግስቲ ብዙሓት ህጻናት ክውለዱ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣደታት ኣብ ሆስፒታል ክሓርሳ ከለዋ ኣይከፍላን ነይረን። እቲ መንግስቲ፡ ናይ ቆልዑ ሆስፒታላትን ንስድራቤታት ቆልዑ ዝኸውን ግሩም ኣባይትን ሃኒጹ። ነፍሰ ጾራት ኣደታት፡ ካብ ስራሕ ምስጓግ ድማ፡ ክልኩል ከም ዝኸውን ተገይሩ።

    ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዕዳጋ-ዕዮ

    ኣብ ዕዳጋ-ዕዮ'ውን ዓቢ ለውጢ ተገብረ። ካብ መጀመርታ ዓመታት ናይ 20 ክፍለ ዘመን-1930ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ወሃብቲ ስራሕን ሰራሕተኛታትን፡ ንደሞዝ፡ ንሰዓታት ስራሕን ንኹነታት ስራሕን ዝምልከት ምስሕሓባት፡ ልሙድ ነይሩ። ኣብ 1938 ዓ/ም ማሕበር ሰራሕተኛታት (LO) ከምኡ'ውን SAF (ማሕበር ወሃብቲ ስራሕ) ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኣገባብ ክደጋገፉን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክበጽሑን ከም ዘለዎም ኣብ ሓባራዊ መዕለቢ ወይ መደምደምታ ክበጽሑ ከኣሉ። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ፡ "ሳልትኾባድሳቭታለት(Saltsjöbadsavtalet)" ዝብል ውዕል ከተሙ። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዕ'ዚ፡ ኣብ ዕብየት ቊጠባ ሽወደን እወንታዊ ተራ ተጻወተ።

    ካልኣይ ውግእ ዓለም

    ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብ 1939 ዓ/ም'ዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ውግእ'ቲ፡ ሂትለርን ናዚስትን፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኣይሁድ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሮመራውያን፡ ኮምዩኒስት፡ ግብረ ሰዶማውያንን ስንኩላንን ኣህሊቖም። ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ተጀመረ፡ ሽወደን፡ ማእከላይ መርገጺ ከም ዘሎዋ ብኽታማ ኣፍሊጣ። ሽወደን ነቶም ካብ ደንማርክ፡ ኖርወይን ሃገራት ባልቲክን ዝመጹ ስደተኛታት ተቐቢላ። 7,500 ናብ ጀርመን ክለኣኹ ዝነበሮም ደቂ ደንማርክ ዝኾኑ ኣይሁዳውያን'ውን ተቐቢላቶም።

    ኣብ እዋን ኲናት ይኹን ብድሕሪኡ፡ 'ሽወደን ዘርኣየቶ መርገጺ፡ ካብ ሻራነት ናጻ ዝኾነ ንጥፈታት ኣይኮነን ነይሩዋ' ዝብል ወቐሳ ዘኒቡዋ እዩ። ንኣብነት፡ ናዚስታውያን ብመሬት ሽወደን ኣቢሎም ወተሃደራትን ኣጽዋርን ከሰጋግሩ ኣፍቂዳ።

    ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሓት ሃገራት ብሓባር፡ ካልእ ኲናት ከይለዓል ኢለን ብምሕሳብ "ውድብ ሕቡራት ሃገራት" መስሪተን።

    ኤውሮጳ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም

    ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳ፡ ኣብ ክልተ ተኸፊላ። ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኤውሮጳ ማለት'ዩ። ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒዝም ኣትያ፡ ዝበዝሐ ሓይላ ድማ ብሕብረት ሶቭየት ይምራሕ ነይሩ።

    ምዕራብ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ዴስነት ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ከየስፋሕፍሕ ዝከላኸል ብ 'ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ወይ ኔቶ' ዝፍለጥ ኣካል ኣቚመን። እቲ ኣብ መንጎ ምብራቓውን ምዕራባውን ቀጽርታት ዝተኻየደ ግጭትን ምትፍናናትን፡ 'ዝሑል ኲናት' ተባሂሉ ይፍለጥ።

    ኣብ 1961 ዓ/ም፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ረጋጺ ስርዓት ምብራቕ ጀርመን ዝነበሩ ሰባት ምእንቲ ከይሃድሙ ተባሂሉ፡ ብቐጽሪ በርሊን (Berlinmuren) ዝፍለጥ መንደቕ ኣብ ሃገረ ጀርመን ተሃንጸ። ምብራቕ ጀርመን ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓት ብምንባራ፡ ነበርታ ካብቲ ቦታ'ቲ ወጺኦም ናብ ካልእ ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ። እቲ ቀጽሪ ቅድሚ ምህናጹ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ምብራቕ በርሊን ናብ ምዕራብ በርሊን ሃዲሞም'ዮም። ቀጽሪ በርሊን፡ ዘይሃስስ ምስክር ናይቲ ዝሑል ኲናት ኣብ ኤውሮጳ ዘስዓቦ ምግምማዕ እዩ። ቀጽሪ በርሊን ክሳብ'ታ ዝፈረሰላ ግዜ፡ ማለት ዓመተ 1989 ክምህ ከይበለ እዩ ጸኒሑ። እዚ ግዜን ኲነታትን እዚ ድማ፡ ምፍራስ ቀጽሪ በርሊን ተባሂሉ ይፍለጥ።

    ሽወደን፡ ካብ 1960 ክሳዕ 2000 ዓ.ም

    ኣብ 1960ታት ናይ ሽወደን ቊጠባ ጽቡቕ ሰጒሙ። ናይ ህጻናት ክንክን፡ ሆስፒታላትን ናይ ኣረጋውያን ክንክንን ትካላት ተሃኒጸን። ሰራሕተኛታት ናይ ኣርባዕተ ሰሙን ዓመታዊ ዕረፍቲ ረኺቦም። ሽወደን፡ ንህዝባ እትሕብሕብ ምዕብልቲ ሃገር ኮይና። መግቢ፡ ናይ መንበሪ ኣባይትን ስራሕን ናይ ምርካብ ውሕስነት ተረጋጊጹ። እዚ ውሕስነት'ዚ፡ "ሽወደናዊ ውሕስነቱ ዘረጋገጸ መነባብሮ" ይብሃል። ብ 1974 ዓ/ም፡ "ኩሉ ስልጣን ንህዝቢ ይወሃቦ" ዝብል መሰረታዊ ሕጊ ተመስሪቱ። ሽሕ'ኳ ንጉስ ናይታ ሃገር፡ ዝለዓለ በዓል ስልጣን እንተ ነበረ፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ግን በቲ መንግስትን በቲ ባይቶን ከም ዝካየድ ተገብረ።

    እዚ ሕጊ'ዚ ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ናብ ስልጣን ዝደየበ ቀዳማይ ንጉስ ሽውደን፡ ካርል ጉስታቭ ዓሰርተ ሽዱሽተነበረ። ኣብ 1980 ዓ/ም ድሕሪ ዝተገብረ ምቅይያር ናይቲ ሕጊ፡ ጓል ተንስተይቲ ዝፋን ክትወርስ ተፈቕደላ። እዚ ማለት ከኣ፡ ልእልቲ ቪክቶርያ ንኣብነት፡ ንምንኣስ ሓዋ ልኡል ካርል ፍሊፕ ቀዲማ ወራሲት ዝፋን ኮይና።

    ኣብ ዓመተ 1979፡ ዋጋ ነዳዲ ንሂሩ። ኣባላት ውድብ ነዳዲ ዝልእካ ሃገራት (Opec) ብዝወሰነኦ መሰረት'ዩ ዋጋ ነዳዲ ክኸብር ክኢሉ። ክብሪ ዋጋ ነዳዲ ዘስዓቦ ከኣ፡ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ፡ ቊጠባዊ ቅልውላው ተኸስተ።

    ብ 1986 ዓ/ም፡ ናይ ሽወደን ቀዳማይ ሚኒስተር ተቐቲሉ። ቀታሊኡ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈልጠን።

    መጀመርታ 1990ታት፡ ንኤውሮጳ ሕማቕ ግዜ እዩ ነይሩ። ሽወደን ኣብ ናይ ባንክን ገንዘብን ቅልውላው ኣትያ። ብዙሓት ካብ ስራሕ ወጺኦም። ብዙሓት ኩባንያታት ሓቒቐን። ቊጠባ ሃገር ተበላሽዩ።

    ብ 1994 ዓ/ም፡ ህዝቢ ሽወደን፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክጽምበር ኣድሚጹ።

    ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ሽወደን፡ ኣና ሊንድ፡ ብ 2003 ዓ/ም ተቐቲላ። ቀታሊኣ ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከብ።

    ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ዓቢ ብድሆ ዝሓተተ ግሎባላዊ ቊጠባዊ ቅልውላው ተኸሲቱ።

    ኣብ ከባቢ 2000 ዓ/ም ኣብ ጽላት ኣይቲ (IT-INFORMATION TECHNOLOGY) ቅልውላው ኣጋጢሙ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ መዳይ ኢንተርነታዊ ሓበሬታ ወይ ኣይቲ ዝሰርሓ ካምፓኒታት ጠፊሸን። ጠንቂ ናይዚ ከኣ፡ ዘይንቡር ኣመትን ኣንፈትን ኮይኑ ንዕዳጋ ኣክስዮን ባይታ ከም ዝዘብጥ ገበሮ።

    ኣብ ከባቢ 2008 ዓ/ም፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ምስ ዕዳጋ መንበሪ ኣባይቲ ዝተተሓሓዘ ቊጠባዊ ቅልውላው ተራእዩ። እዚ ኸኣ ንኸም ብዓል ኣይስ ላንድ፡ ግሪኽን ስፓኛን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት ተንኪፉ ከም ዝኸስራን ናብ ምጥፋሽ ገጸን ከምዘምራሓን ገይሩወን። እቲ ጽልዋ እቲ፡ ገና ክሳዕ ሎሚ 2017 ዓ/ም ይሰርሕ ኣሎ።

    ዓመተ 2010፡ ኣብ ኤውሮጳ ክሳዕ'ዚ 2017 ዓ/ም ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዕዳ ቅልውላው ተኸሲቱ። መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ኣታዊታተን ወጻኢታተን በዚሑ። እዚ ቅልውላው እዚ፡ ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ ኣስፋሕፊሑ።