ኣብ ሃገረ ሽወደን ምስ ህዝቢ ምጽንባር

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ምትሕውዋስ ወይ ምጽንባር ማለት፡ ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጡ ኣቲኻ ንዕኡ ምምሳል ማለት እዩ። ኩሉ ሰብ፡ ኣባል ሕበረተሰብ ሽወደን ኮይኑ ክስምዖ ይግባእ። ምስ ዝተፈላለዩ ሰባትን ጒጅለታትን ተራኺቡ ሓሳባት ክለዋወጥ ኣለዎ ማለት እዩ።

    መደብ መትከሊ እግሪ ንሓደስቲ

    ንኣኻ 20 ዓመት ንዝመላእካን (65 ግን ዘይመላእካ) ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘሎካን፡ ከምኡ'ውን ከም ስደተኛ፡ ከም ናይ ክዎታ ስደተኛ(ብሪሰትልመንት ወይ ሓገዝ ዝመጻእካ)፡ ከም ደላይ ዑቕባ ወይ ከኣ ነቶም ከምኡ ዘድልዮም ዘመድ ዝኾንካ፡ ፍሉይ ናይ ምትካል እግሪ ትልሚ፡ ወይ ናይ ምትካል እግሪ ድጎማ፡ መሰል ኣሎካ። ናብ ሽወደን ዝኣቱ ሓድሽ ሰብ፡ ወጻእተኛ ወይ ድማ ስደተኛ እዩ።

    ትልሚ ምትካል-እግሪ

    ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ (Arbetsförmedlingen) ሓደ ካብ'ቶም ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ሕብረተሰብ ሽወደን ንኽጽንበሩ ዝሕግዝ መንግስታዊ ትካል እዩ። ውጥን መትከሊ እግሪ (etableringsplan) ዝምልከተኩም ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ፡ ተሓዚ መዝገብ መደብ መትከሊ እግሪ (etableringshandläggare) ተራኺብኩም መስርሕ ምድላይ ስራሕ ንኽትተሓሓዙዎ እንታይ ከም ዘድልየኩም ተመያየጡ። ውጥን መትከሊ እግሪ፡ ዝተፈላለየ ስራሕ ንምርካብ ዝሕግዘኩም ንጥፈታት ዝሓዘለ እዩ። እቲ ውጥን እንታይ ዓይነት ንጥፈታት ዘስፈረ ክኸውን ከም ዝኽእል፡ ኲነታትኩምን ድልየታትኩምን ዝውስኖ ኮይኑ፡ ንመደብ ትምህርቲ ቋንቋ ሸወደን ንወጻእተኛታት (SFI) ከምኡ'ውን ንስራሕ ዘዳሉ ንጥፈታትን-arbetsförberedande insatser- (ንኣብነት ልምምድ-ስራሕ፡ ሞያውን ትምህርታውን ክእለታትኩም ንምንጻር ወይ ንምፍታሽ) ከምኡ'ውን መባእታዊ ኣፍልጦኹም ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ዘጎልብት ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ (samhällsorientering) ዝሓቖፈ እዩ። እቲ ዋና ነገር፡ ውጥን መትከሊ እግሪ፡ ናይ ምሉእ ሰዓታት፡ ማለት ኣብ ሰሙን ናይ 40 ሰዓታት ንጥፈታት ዘስፈረ ክኸውን ኣለዎ። ውጥን መትከሊ እግሪ፡ ከም ልሙድ ን24 ኣዋርሕ ዝቕጽል ንጥፈታት ዝሓዘ'ዩ። ፍርቂ መዓልቲ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምስ እትወስዱ፡ ውጥን መትከሊ እግሪ ን12 ኣዋርሕ ክናዋሕ ይኽእል። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ www.arbetsformedlingen.se ኣቲኹም ነዚ ብዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ዕላማ ናይዚ መደብ'ዚ፡ ብዝተኻእለን ብዝቐልጠፈን መጠን ቋንቋ ክትማሃሩን ስራሕ ረኺብኩም ድማ ነብስኹም ክትክእሉን'ዩ።

     

    ኣበል መትከል እግሪ

    ብመሰረት ውጥን መትከል እግሪ፡ ኣብ ዝተመደበልኩም ንጥፈታት ኣብ እትሳተፉሉ ግዜ ዝውሃበኩም ገንዘብ፡ 'ሓገዝ መትከል እግሪ' (Etableringsersättning) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣበየናይ ከባቢ ናይ ሽወደን ትነብሩ ኣለኹም ብዘየገድስ፡ ዝውሃበኩም ደገፍ መትከል እግሪ፡ መጠኑ ሓደ እዩ። ምሉእ ገንዘባዊ ደገፍ ክውሃበኩም እንተኾይኑ፡ ኣብ ንጥፈታትኩም ምሉእ ብምሉእ ክትሳተፉ ኣለኩም። ኣብ ውጥን መትከል እግሪ ኣብ ዘለኹምሉ ግዜ፡ ስራሕ ምስ ዝህልወኩም፡ እቲ ዝውሃበኩም ደገፍ፡ በቲ ትሰርሑዎ መጠን ወይ ኣታዊ ይንኪ። ደገፍ መትከሊ እግሪ ዘሎኩም፡ በይንኹም ኣብ ነብሱ ዝኸኣለ ገዛ ኽራይ ትነብሩ ምስ እትኾኑ፡ ደገፍ ገዛ-ኽራይ ክውሃበኩም ይኽእል'ዩ። ገለ ቅጥዕታት መሰረት ብምግባር፡ ንኣብነት ቆልዑ ምስ ዝህልዉኹም፡ ደገፍ ቆልዑን ደገፍ ክራይ ገዛን ክውሃበኩም ይኽእል። ነዚ ተወሳኺ ደገፋት ዝመምን ዝውስንን መንግስታዊ ትካል፡ ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ማለት ፎርሼክሪንካሳን (Försäkringskassan) ተባሂሉ ይፍለጥ።

    ሃገርካ ገዲፍካ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ ከለኻ፡

    ሃገርካ ገዲፍካ ናብ ካልእ ሃገር ክትስደድ ከለኻ፡ ጸገማትን ብድሆታትን ኣሎዉኻ። ምናልባት ተሳቒኻ ትኸውን፡ ገንዘብ፡ ገዛ፡ ብጾትን ኣዝማድን ኣብ ሃገርካ ጠፊኦምኻ ይኾኑ። ሓድሽ ቋንቋ፡ ሓድሽ ኣገባብን ሓድሽ ባህልን ንኽትምሃር ኣሸጋሪ እዩ። ጸገማት ከጋጥሙኻ ድማ ባህርያዊ እዩ። ገሊኦም ግን ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተዋህቦም ጸገማት ይጅምሮም።

    ሕማቕ ምስ ዝስምዓካ ዝሕግዙኻ ሰብ ሞያ ኣለዉ። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ማእከል ጥዕና ተወከሶ። ናይ መትከል እግሪ መሰል ምስ ዝህልወካ፡ ምስቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዘሎ ተሓጋጋዚኻ(ሃንድሌጋረ) ብዛዕባ ተወሳኺ ሓገዝ ትረኽበሉ ኣገባብን መንገድን ተዘራረብ።