ናብ ሽወደን ተሰዲድካ ምምጻእ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሽወደን፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ነበርቲ ኣሎዉዋ። ኣስታት 3.5 ሚልዮን ካብ'ዚኣቶም ኣብን ከባብን ናይ'ተን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታት፡ ማለት ስቶክሆልም፡ ዮተቦርን ማልመን ይነብሩ። 17% ወይ ከኣ ብቚጽሪ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ዝኾኑ ካብ ነበርቲ ሽወደን፡ ኣብ ካልእ ሃገር ወይ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ እዮም።

    ኣብ ዓመተ 2016፡ ልዕሊ 163000(ሓደ ሚእትን ስሳን ሰለስተን ሽሕ) ሰብ ናብ ሽወደን ተሰዲዶም። ካብ'ዚኣቶም፡ 56% ደቂ ተባዕትዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ 44% ከኣ ደቀንስትዮ እየን። ልዕሊ 15000(ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ) ሽወደናውያን፡ ኣብ ካልእ ሃገር ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሽወደን ተመሊሶም። ኣብዚ ዓመት'ዚ ናብ ሽወደን ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ሶርያውያን እዮም።

    ዑቕባ ምሕታት

    ናይ ሕቡራት ሃገራት "ውዕል መሰል ስደተኛታት"፡ ኣባላት ሃገራት ከመይ ገይረን ንስደተኛታት ክሕዛ ከም ዘለወን ዝሕብር ኣህጉራዊ ሕጊ ወይ ውዕል እዩ። ስደተኛ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ብዓሌት፡ ብዜግነት፡ ወሲባዊ ዝንባለ፡ ሃይማኖት ወይ ፖለቲካዊ ርእይቶ፡ ጾታ ወይ ካብ ካልእ ሕብረተሰብ ብምዃኑ፡ ንግፍዒ ወይ ንጸገም ዝተቓልዐ ሰብ ማለት እዩ። ሓደ ዑቕባ ዝሓትት ሰብ ኣብታ ዝደለያ ሃገር ከይዱ ዑቕባ ክሓትት መሰሉ'ዩ።

    ብመሰረት "ውዕል መሰል ስደተኛታት" ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ስደተኛ ዘይኮነ ሰብ'ውን እንተኾነ፡ ከም መጠን ደላዪ ዑቕባ፡ ዑቕባ ክረክብ ይኽእል'ዩ። ብመሰረት ሕገ-ወጻእተኛታት ናይ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ፡ ከም ደላዪ ዑቕባ፡ ፍልይ ዝበለ ፍቓድ ክውሃቦ ይኽእል እዩ (ብመሰረት ሓባራዊ ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ማለት'ዩ)።

    ሃገራት፡ ንሓደ ሰብ ብኸመይ መገዲ ከም ስደተኛ ከም ዝቖጽርኦ ዝሕብር ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓባራዊ መምርሒ ኣሎ። ኣብቲ ዝካየድ ግምገማ፡ ናይቲ ሰብ ድሕረ ባይታን ኲነታት ኣነባብራን፡ እንታይ እዩ ከም ግፍዒ ዝቑጸር? ዝብል ሕቶን ናይቲ ሓታቲ ሰብ ሃገር ኲነታት እንታይ ይመስልን? ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ይግምገሙ እዩ።

    ኣብ ሃገረ ሽወደን ዑቕባ ክትሓትት እንተደሊኻ ንቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ተወከሶ። ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ወይ ድማ ሚግራኹንቨርከት ማለት፡ ናይ'ቶም ንሽወደን ንኽበጽሑ፡ ንኽነብሩ፡ ዑቕባ ንኽሓቱ፡ ወይ ሽወደናዊ ዜግነት ደልዮም ንዝመጹ፡ ሕቶታቶም ዝግምግም መንግስታዊ ትካል እዩ።

    ብመሰረት ሕጊ ዱብሊን፡ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ኣብታ መጀመርታ ዝረገጽካያ ኤውሮጳዊት ሃገር ክካየድ ወይ ክምርመር ይግባእ። ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት፡ ሽወደን ናይ መጀመርታ እግሮም(ፋልማዮም ዝረገጹዋ ሃገር) ምዃና ንኸረጋግጽ፡ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ ንዝዕድመኦም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር(ዓሸራ) ይወስደሎም።

    ምቅይያራት ሕገ-ዑቕባ

    ፓርላማ ሽወደን፡ ሓተትቲ ዑቕባን ስድራ ቤቶምን ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ዕድላት ዝድርት ሕግታት ኣጽዲቑ ይርከብ። እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ፡ ዕለት 20 ሓምለ 2016 ዓ/ም ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ኮይኑ ክሳብ 3 ዓመት ከኣ ክጸንሕ እዩ። እዚ ሕጊ'ዚ ነቶም ቅድሚ 20 ሓምለ 2016 ዓ/ምኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ከይተረፈ'ውን ክጸልዎም ይኽእል'ዩ።

    ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ'ዚ፡ እቶም ናይ ብሓቂ ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት፡ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ከም ዝውሃቦም ይግበር። ጒዳዩ ተራእዩ ከም ስደተኛ ዝቑጸር ሰብ፡ ንሰለስተ ዓመታት ዘገልግል መንበሪ ፍቓድ ይውሃቦ። ስደተኛ ዘይኮነ፡ ግን ከኣ ዑቕባ የድልዮ እዩ ተባሂሉ ዝተኣምነሉ ሰብ ከኣ፡ ናይ 13 ኣዋርሕመንበሪ ፍቓድ ይውሃቦ።

    ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ወደቐ፡ እቲ ዝምልከቶ ግለ ሰብ፡ ዑቕባ ዘውሃቦ ጸገማት ከምቲ ዝጸንሖ ምስ ዝህሉ፡ መንበሪ ፍቓዱ ይሕደሰሉ። ነብሱ ዝኽእለሉ መገዲ ምስ ዘጣጥሕ ከኣ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይውሃቦ።

    ብዘይወለዶም ዝተሰዱትሕቲ ዕድመ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዘለዉዎም እሞ ኸኣ ዑቕባ ዘድልዮም ስድራቤታት፡ ቅድሚ 24 ሕዳር 2015 ዓ/ም ዑቕባ ዝሓተቱ ምስ ዝኾኑ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይውሃቦም።

    ንኣባላት ቤተሰብ ዝወሃብ ናይ መንበሪ ፍቓድ

    ምስ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራቤትኩም ብሓባር ክትነብሩ ምስ እትደልዩ፡ እቲ ዝጥርንፈኩም ኣባል ስድራ፡ መንበሪ ፍቓድ ክህሉዎ ኣለዎ። ሰብኣይኪ፡ ሰበይትኻ፡ ብሓንሳብ መናብርቲ፡ ምዝጉብ መጻምዲ ወይ'ውንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቕኻ፡ ኣብ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃቦም እዚ ዝስዕብ ቅጥዕታት ክማላእ ኣለዎ፡-

    • ሽወደናዊ ዜጋ፡ ወይ'ውን ናይ ስደተኛ ቀዋሚ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምህላው።
    • ንነብስኻን ዑቕባ ንዝሓተተን ወይ'ውን ንዝሓተቱን ኣባላት ስድራቤትካ ክትናቢ እትኽእል ምዃን።
    • እኹል ስፍሓትን ቅጥዒ ዝሓለወን መንበሪ ገዛ ምህላው።
    • ንስኻን ካልኣይትኻን ወይ ንስኽን ካልኣይክን፡ ዕድመኹም ብውሑዱ 18 ዓመት ክኸውን ኣለዎ።

    ምስ ስድራቤቶም ክጽንበሩ ዘመልክቱ፡ ኲላቶም ኣይኮኑን ነብሶም ክኽእሉ ዝሕተቱ። ንኣብነት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ እዚ ናይ ርእስኻ ምኽኣል ቅድመ ኩነት ኣይምልከቶምን እዩ።

    ዜግነት ሽወደን ወይ'ውን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወኩም፡ ነቲ ክትምርዓውዎ ወይ ምሳኹም ሓቢሩ ንኽነብር ዝወጠንኩምሉ ሰብ'ውን ናብ ሽወደን ንኽመጽእ መንበሪ ፍቓድ ክውሃቦ ይኽእል እዩ።

    ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስ እትደሊ፡ ምስቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ወይ ከኣ ኣብታ እትነብረላ ዘለኻ ሃገር ዘሎ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ቆንስል ተራኸብ። እቲ መንበሪ ፍቓድ ዝሓትት ሰብ ባዕሉ ቀሪቡ ሕቶ ከቕርብ ይግባእ።

    ብመሰረት እዚ ሓድሽ ግዝያዊ ሕጊ'ዚ፡ እቶም ከም ስደተኛታት ናይ 3 ዓመት መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ሰባት'ውን፡ ኣባላት ስድራቤቶም ናብ ሽወደን ንኽመጽኡን መንበሪ ፍቓድ ክውሃቦምን ይኽእል እዩ። ኣባላት ስድራቤት ክንብል እንከለና፡ ሰብኣይኪ/ ሰበይትኻ/ ምዝጉብ መጻምዲ/ብሓባር መናብርቲ ከምኡ'ውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቅኺ ወይ ደቅኻ ማለትና እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ናይ'ቶም ቅድሚ 24 ሕዳር 2015 ዓ/ም ዑቕባ ዝሓተቱ እሞ ድማ ናይ 13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ሰባት'ውን ናብ ሽወደን ንኽመጽኡን መንበሪ ፍቓድ ክውሃቦምን ይኽእል እዩ።

    እቶም ድሕሪ 24 ሕዳር 2015 ዓ/ም ዑቕባ ዝሓተቱ'ሞ ናይ13ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም፡ መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ናብ ሽወደን ንምምጻእን ዝኽእሉሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

    ኣባላት ስድራ ቤት ናይ'ቶም ድሕሪ 24 ሕዳር 2015 ዓ/ም ዑቕባ ዝሓተቱን ናይ13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ዝወሰዱን ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ ትሕቲ ውሱን ኩነታትን ፍሉይ ምኽንያታትን ናብ ሽወደን ንኽመጹ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

    ዜግነት ኤውሮጳዊ ሕብረት

    ናይ ስዊዘርላንድ ወይ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት/ኢኢኤስ ሃገር ዜጋ ምስ እትኸውን፡ ኣብ ውሽጢ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሕቆፋ ሃገራት፡ ከም ድላይካ ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ካብተን 28 ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣባላት፡ እተን 22 ኣብ ውዕል ሸንገን እቱዋት እየን። ከምዚ ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዜጋ፡ ኣብዘን ሃገራት'ዚኣተን ብናጻ ክዛወር ይኽእል ማለት እዩ። ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሃገራት ወጻኢ ዝኾና ሃገራት፡ ማለት ናይ ሳልሳይ ሃገር ዜጋ ምስ እትኸውን፡ ኣብ'ዘን ኣባላት ሸንገን ዝኾና ሃገራት፡ ከም ድላይካ ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ። እንተኾነ ግን፡ በዚሑ እንተተባህለ ንሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ኢኻ ክትገይሽ ትኽእል።

    ናይ ስራሕ ፍቓድ

    ናይ ስራሕ ፍቓድ፡ ብቤትጽሕፈት ስደተኛታት(ኢሚግሬሽን) ዝውሃብ ፍቓድ ኮይኑ፡ ሓደ ወጻእተኛ፡ ኣብ ሽወደን ንኽሰርሕ መሰል ዝህብ ናይ ስራሕ ውሳነ እዩ። እቲ ቀንዲ ሕጊ፡ 'ናብ ሽወደን ገና ከይኣቶኻ እንከለኻ ናይ ስራሕ ሕቶኻ ክጸድቕ ኣለዎ' ዝብል ሕጊ እዩ። ዜጋታት ኖርወይ፡ ናይ ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረትን/ኢኢኤስ-ዜጋ፡ ዜጋታት ስዊዘርላንድን ኣባላት ስድራቤቶምን ግን፡ ፍቓድ ክሓቱ ኣየድልዮምን። ኣብ ሓንቲ ካብ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተቐመጡ፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክሓቱ ኣየድልዮምን'ዩ።

    ናይ ገዛእ ርእሱ ዋኒን ዘሎዎ ሰብ እንተኾይኑ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣየድልዮን እዩ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ግን ክህሉዎ ይግባእ።