ምሕደራ ቊጠባ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

    ወጻኢታትካ ብ'ኣውቶጂሮ' ወይ ብኢንተርነት ምኽፋል

    ወጻኢታት (ፋክቱራት) ንኽትከፍልን: ብኢንተርነት ኣብ ሕሳብካ ኣቲኻ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘሎካ ክትፈልጥን፡ ፈለማ ግድን ናብ ባንክኻ ክትከይድ ኣሎካ። ኣብ ባንኪ ኢኻ ከመይ ክትገብር ከም ዘለካ ሓበሬታ እትረክብ።

    'ኣውቶጂሮ' ማለት፡ እቲ ዝኽፈል ገንዘብ: ካብ ሕሳብካ ብቐጥታ ይሰሓብ ወይ ይውሰድ ማለት'ዩ።

    ባንኪ ኣይዲ(BankID)፡ ኤለክትሮኒካዊ መነጸሪ መንነት እዩ። ኣብ ኢንተርነት ብምእታው፡ ብቐሊሉ ውዕል ክትወዓዓሉ፡ ንኽፍሊታት ገንዘብ ብዝምልከት ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ክትፍርሙ የኽእለኩም። ብባንኪ-ኣይዲ ጌርኩም ምስ እትፍርሙ፡ ብሕጋዊ ዓይኒ፡ ልክዕ ከምቲ ብኣካል እትፍርሙዎ እዩ ዝቑጸር። በዚ መገዲ እዚ እትፍርሙሉ ነገር ከኣ፡ ብትሕዝትኡ ቅዩዳት ኢኹም። ባንኪ-ኣይዲ ንኸተውጽኡ፡ ውልቃዊ ማሕበራዊ ቁጽሪ፡ ማለት ፐርሹንኑመር ናይ ሽወደን ክህሉወኩም ኣሎዎ። ንውልቀ ሰባት ባንኪ ኣይዲ ዝህባ ትካላት ድማ፡ ባንክታት እየን።

    ምስጢራዊ-ቁጽሪ ወይ ኮድ ናይ ባንኪ-ኣይዲኹም፡ ውልቃዊ እዩ። እዚ ኮድ እዚ ፈጺምኩም ንዝኾነ ሰብ ከይትህቡ ወይ ከይተርእዩ። ብተሌፎን ወይ'ውን ብማሕበራዊ-ሜድያታት፡ ባንኪ-ኣይዲ ጌርኩም እተዉ ዝብል ጠለብ ምስ ዝቐርበልኩም፡ ነቲ ጠለብ ኣሚንኩም ክትኣትዉ የብልኩምን። ናይ ምትላል ሓደጋ ከጋጥመኩም ይኽእል'ዩ።

    ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ገንዘብ ተለቅሑ።

    ሓደ ኮምዩን፡ ማለት ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ንዓኻትኩም ወይ ንቤተሰብኩም፡ ከም ስደተኛታት ተቐቢሉ ገዛ ምስ ዝህበኩም፡ ኣቑሑ ገዛን ካልእ ንብረትን ንምግዛእ፡ ካብ በዓል መዚ ትምህርታዊ ደገፍ (CSN) ክትልቅሑዎ እትኽእሉ ገንዘብ ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ "ልቓሕ መግዝኢ ንብረት-ገዛ" (hemutrustningslån) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክንደይ ዝኸውን ገንዘብ ክትልቅሑ ከም ዝፍቀደኩም፡ ኣብ ቁጽሪ ኣባላት ስድራ ከምኡ'ውን፡ እቲ ገዛ፡ ምስ ንብረቱ ድዩ ወይስ ባዶ ኢኹም ተረኪብኩሞ ዝብል ረቛሒታት ይውስኖ።

    ልቓሕ ንመግዝኢ ናውቲ ገዛ ክትሓቱ ምስ እትደልዩ፡ ምስቲ ኣብ ኮምዩንኩም ዘሎ ፈጻሚ-ጒዳይኩም፡ ወይ ከኣ ምስ ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ ዘሎ ናይ መትከል-እግሪ፡ ፈጻሚ-ጕዳይኩም(etableringshandläggare) ተዘራረቡ። ብሓባር ኴንኩም ናይ ልቓሕ-ቅጥዒ ብምምላእ፡ ናብ ብዓል መዚ ትምህርታዊ-ደገፍ (CSN) ትልእኹዎ። ኣብታ ኮምዩን ካብ ዝኣተኹምላ ዕለት፡ ኣብ ውሽጢ2 ዓመት ከተመልክቱ ኣለኩም።

    ልቓሕ ንመግዝኢ ናውቲ-ገዛ'፡ ስሙ ከም ዘመልክቶ፡ ልቓሕ እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ እትልቅሑዎ መጠን ገንዘብ፡ ውዒልኩም ሓዲርኩም፡ ምስ ወለዱ ናብቲ ዘለቅሓኩም ትካል ማለት በዓል መዚ ትምህርታዊ-ደገፍ (CSN) ክትመልሱዎ ኣለኩም። ካብ ሽወደን ወጻኢ ዓዲ ምስ እትቕይሩ'ውን ነቲ ገንዘብ ክትከፍሉዎ ኣለኩም።

    ትዕዝብቲ ክፍሊት/መዘኻኸሪ(Betalningsanmärkning)

    ወጻኢታትኩምን ዕዳታትኩምን ብእዋኑ ምስ ዘይትኸፍሉ፡ ክትከፍሉ ከምዘለኩም ዘዘኻኽር ደብዳበ ይለኣኸልኩም። መዘኻኸሪ ተቐቢልኩም ክነስኹም፡ እንተዘይከፊልኩም፡ እቲ እትኸፍሉዎ ገንዘብ ናብ ትካል 'ኢንካሶ' (inkassoföretag) ይማሓላለፍ። እዛ ትካል እዚኣ'ውን ክፈሉ ዝብል ጠለብ ሰዲዳ ምስ ዘይትኸፍሉዎ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ጒዳይ ናብቲ ክፍሊት ወይ ዕዳ ኣስገዲዱ ዘኽፍል መንግስታዊ ትካል 'ክሮኖፉግደን' (Kronofogden) ይሰጋገር። እቲ ጒዳይ ኣብዚ ምስ ዝበጽሕ ግን፡ ናይ ዘይምኽፋል ጸሊም ነጥቢ ይምዝገበልኩም።

    ትዕዝብቲ ክፍሊት፡ ንጒዳይ ክፍሊታትካ ዝምልከት፡ ብዝግባእ ከምዘይኣለኻ ሓደ ምልክት'ዩ። እዚ ድማ ውልቃዊ ሳዕቤን ኣሎዎ። ንኣብነት ልቓሕ ንኽትረክብ፡ ገዛ ክትካረ፡ ስራሕ ወይ ጠለብ ተሌፎን ክትሓትት ከለኻ ክኣብዩኻ ይኽእሉ።

    ሓደ ውልቀሰብ፡ ወይ ሓደ ትካል፡ ከመይ ዝበለ ቊጠባ ከም ዘሎዎ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዝነጥፋ ትካላት ኣለዋ። "ትካላት ሓበሬታ ክረዲት" (kreditupplysningsföretag) ተባሂለን ይጽወዓ። ንኣብነት ሞባይል ተሌፎን በብቚሩብ እናኸፈልካ (avbetalning) ክትገዝእ ምስትደሊ፡ እቲ ዝሸይጥ ትካል ምስ ሓንቲ 'ትካል ሓበሬታ ክረዲት' ርክብ ይገብር። ሽዑ 'ትዕዝብቲ ክፍሊት' ከም ዘሎካ ክሕብሩዎም ይኽእሉ። ትዕዝብቲ ክፍሊት ውልቀሰባት፡ 3 ዓመት ይጸንሕ። ትዕዝብቲ ክፍሊት ዋኒናት ከኣ፡ 5 ዓመት ይጸንሕ።

    ትካል 'ክሮኖፎግደን' (Kronofogden)

    ትካል "ክሮኖፎግደን" (Kronofogden)፡ ዝበዝሕ እዋን፡ "ክሮኖፎግደን" ጥራይ ተባሂሉ ይፍለጥ'ዩ። "ክሮኖፎግደን"፡ ንዘይተኸፍሉ ዕዳታት ምምሕዳር እዩ ስርሑ። ሓደ ሰብ፡ ዝግባኣኩም ገንዘብ ምስ ዝኣብየኩም፡ እዚ ትካል እዚ፡ ገንዘብኩም ንኽወሃበኩም ይሕግዘኩም። እዚ ትካል'ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዕዳታት ምጽራይ (skuldsanering) 'ውን ይሰርሕ'ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቶም ብዙሕ ዕዳ ዘሎዎም፡ ቊጠብኦም ከስተኻኽሉ ይሕግዞም።