ጂኦግራፊ፡ ቊጠባዊ ጽላትን ትሕተ ቅርጽን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ሽወደን፡ ኣብ ምብራቓውን ሓውሲ ደሴታውን ሸነኽ ናይ ስካንዲናቭያ፡ ኣብ ሰሜን ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር እያ። ሽወደን፡ ደንማርክ፡ ኖርወይ፡ ኣይስላንድን ፊንላንድን ብሓደ ክጽዋዓ እንከለዋ፡ ኖርደን ይብሃላ። ሽወደን፡ ዓባይን ነዋሕን ሃገር እያ። ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ 1600 ኪ.ሜ እዩ። ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ድማ 500 ኪ.ሜ እዩ። ጠቕላላ ስፍሓት ሃገረ ሽወደን፡ 450,000 ትርብዒት ኪ.ሜ እዩ። ሽወደን፡ ኣብ 3 ክፍልታት ትኽፈል። ዮታላንድ ኣብ ደቡብ፡ ስቨያላንድ ኣብ ማእከል፡ ኖርላንድ ኣብ ሰሜን። ሽወደን፡ ኣብ 25 ክፍለ ሃገራት፡ 21 ዞባታትን 290 ኮምዩናትን ትኽፈል።

    ሽወደን፡ ኣርባዕተ ወቕትታት ኣሎዉዋ። ንሳቶም ድማ፡ ጽድያ፡ ሓጋይ፡ ቀውዕን ክረምትን እዮም። ኣብ መንጎ እዚኣቶም ዓቢ ናይ ሙቐት ፍልልይ ኣሎ። ናይ ሽወደን ኲነታት ኣየር፡ በቲ ናይ ኣትላንቲክ ውዑይ ጋልፍስትሪም ይጽሎ። ስለዚ ሽወደን፡ ካብተን ኣብ ተመሳሳሊ ሰሜናዊ ሸነኽ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት፡ ዝሞቐት እያ ክብሃል ይክኣል።

    ሕዛእቲ ተፈጥሮ

    ሕዛእቲ ተፈጥሮ፡ ብምኽንያት ፍሉያት፡ ተነቀፍቲ፡ ብርቅታትን ጽቡቓትን ዝኾኑ እንስሳታትን ኣትክልትን ብምህላዎም፡ ብመንግስቲ ክሕዛእ ዝተወሰነ ቦታ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ኣስታት4000 ሕዙኣት ናይ ተፈጥሮ ቦታታት ኣሎዉ። እዚ ማለት፡ ናይ ቀደም ዱራት፡ ነዋሕቲ ኣኽራናት፡ ናይ ሕርሻ ቦታታት ወይ ኣርኪፐላጎ ደሴታት። ኣብ ዝኾነ ሕዙእ ናይ ተፈጥሮ ቦታ፡ እንታይ ትገብር ወይ ኣይትገብርን ዝሕብር ታቤላ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለየ ሕዙእ ናይ ተፈጥሮ ቦታ፡ ዝተፈላለየ መምርሒታት ኣሎ።

    ህዝባዊ መሰላት

    ኣብ ሽወደን፡ 'ህዝባዊ መሰል' ዝብሃል ሕጊ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቦታታት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዋና ዘይብሉ መሬት፡ ብናጻ ክትዛወር ከም እትኽእል ይገልጽ። ይኹን'ምበር ህዝባዊ መሰላት ክብሃል እንከሎ ነቲ ቦታ ክንጥንቀቐሉን ከነኽብሮን ከም ዘሎና'ውን ይገልጽ እዩ። ሕገ ህዝባዊ መሰላት፡ ኣብተን ኣርባዕተ መሰረታውያን ሕግታት ሽወደን ሰፊሩ ኣሎ።

    ኣብ ናይ ተፈጥሮ ቦታ፡ ብመሰረት ሕገ ህዝባዊ መሰላት፡ ክትገብሮ ዘለካ ወይ ዝፍቀደልካ ነገራት፡

    • ኣብ ቦታ ተፈጥሮ፡ ብእግርኻ፡ ብብችክለታን ብፈረስን ክትዛወር ትኽእል ኢኻ። ጥቓ ገዛውቲ ግን ኣይትኹን። ኣፍደገ ምስ እትኸፍት ድማ፡ ምስ ኣተኻ ወይ ምስ ወጻእካ ዕጸዎ።
    • ኣብ ናይ ብሕቲ መገድታት፡ ብእግርኻ፡ ብብችክለታን ብፈረስን ክትዛወር ትኽእል።
    • ንሓደ ለይቲ ቴንዳ ክትተክል ትኽእል ኢኻ። ንነዊሕ ግዜ ቴንዳ ክትተክል ምስ እትደሊ ግን፡ ነቲ ዋና መሬት ሕተቶ።
    • ክትሕምብስን ብጃልባ ክትዛወርን ትኽእል ኢኻ፡ ጥቓ ገዛውቲ ግን ኣይትኹን።
    • ዕምባባ መሮር፡ ዓጋምን ቃንጥሻን ክትቅንጥብ ትኽእል ኢኻ።
    • ኣብ ገማግም ባሕሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብተን ሓሙሽተ ዓበይቲ ቀላያት ሽወደን'ውን ብስልኪ ዓሳ ክትገፍፍን ዕምባባ መሮር ክትቅንጥብን ትኽእል ኢኻ።
    • ብጥንቃቐ ሓዊ ክትኣጒድ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ፍሉይ ንመእጎዲ ዝኸውን ቦታ እንተገበርካዮ ግን ይምረጽ። ብግዜ ሓጋይ ሓዊ ምእጓድ ከኣ ክልኩል እዩ።

    ብመሰረት ሕገ-ህዝባዊ መሰላት፡ ክትገብሮም ዘይግብኡኻ ነገራት፡

    • ብልዕሊ ግራት፡ ብጃርዲን፡ ብሕሩስ ወይ ዝተዘርአ መሬት ኣይትኺድ።
    • ኣብቲ ናይ ተፈጥሮ ቦታ፡ ማኪናን ሞቶር ሳይክልን ምጥቃም ክልኩል እዩ።
    • ኣብ ናይ ኣጋር መገዲ፡ ፓርክን ናይ ጆጊንግ መገድን ተሽከርካሪ ምጥቃም ክልኩል እዩ።
    • ኣብ ድሩቕን ንፋስ ዘለዎን ቦታ ሓዊ ኣይትእጎድ። እቲ ሓዊ ክላባዕ ይኽእል እዩ።
    • ኣብ ልዕሊ ከውሒ ሓዊ ኣይትእጎድ፡ እቲ ከውሒ ረሲኑ ክስንጠቕ ስለ ዝኽእል። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ወርሓት ሓጋይ ሓዊ ምእጓድ ክልኩል እዩ።
    • ገረብ ወይ ቆጥቋጥ ኣይትጕዳእ ወይ ኣይተዕኑ። ንገዛኻ'ውን ኣይትውሰዶም።
    • ኣብ ጀርዲን ዝበቁል ፍረታት፡ ዓጋም፡ ኣሕምልቲ ወይ ዝኾነ ኣብ ግራውቲ ዝበቁል ዘበለ ነገራት ኣይትውሰድ።
    • ኣብ ናይ ተፈጥሮ ቦታ ጎሓፍ ነገር ኣይትደርቢ።
    • እንስሳታት ክትሃድን ወይ ክትጎድእ ኣይግባእን። ናይ ኣዕዋፍ እንቋቑሖ ኣይትውሰድ ወይ ንነኣሽቱ ማለት ውላዳት ደቆም ኣይትሓዞም።
    • ኣብ ነኣሽቱ ቀላያት ወይ ካልእ ክፋል ማያት፡ ብዘይ ፍቓድ ዓሳ ኣይትግፈፍ።
    • ካብ 01 መጋቢት-20 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ከልብኹም ብዘይልጓም ኣይተዛውሩ። ኣብዚ እዋን'ዚ እንስሳታት ጫካ ዝወልዱሉ እዋን እዩ። ልጓም ዘይብሉ ከልቢ ነቶም ዕሸላት እንስሳታት ከሰንብዶም ወይ'ውን ሃስያ ከውርደሎም ይኽእል'ዩ። ስለዚ ከልብኹም ኩሉ ግዜ ልጓም ክትገብሩሉ ኣገዳሲ እዩ።
    • ኣብ ሕዙእ ቦታ ዝበቖሉ ዕንባባታት ምቕንጣብ ክልኩል እዩ። ክልኩል ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓይነታት ኣትክልቲ ንምዕቃብ እዩ።

    ሓለዋ እንስሳታት

    ኣብ ሽወደን፡ ንሓለዋ እንስሳታት ዝምልከት ሕጊ፡"ሕገ-ድሕነት እንስሳታት (Djurskyddslagen)" ተባሂሉ ይፍለጥ። እቲ ሕጊ፡ እንስሳታት ብኸመይ ክተሓዙን ክእለዩን ኣለዎም ዝብል መምርሒታት ዝሓቖፈ እዩ። ሕመረት መምርሒታት ክንክን እንስሳታት፡ እንስሳታት ጽቡቕ ጌርና ንምሓዝን ካብ ስቓይን ሕማምን ክንከላኸለሎም ክንጽዕር ከምዘለናን ዝጽውዕ እዩ።

    ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ

    ሽወደን፡ ዓቢ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ኣሎዋ። እቲ ቀንዲ ድማ፡ ዱር፡ ማዕድንን ሓይሊ ማይን እዩ።

    ካብ ፍርቂ ንላዕሊ መሬት ሽወደን፡ ብዱር ዝተሸፈነ እዩ። መብዛሕትኡ፡ ታል ዝብሃል ዓይነትን ጽሕዲ እዩ። ጸዓት፡ ኤለክትሪክን ዋዕን፡ ካብ ወሓይዝ፡ ካብ ኑክሌሳዊ ሓይልን ካብ ናይ ወጻኢ ነዳድን ይምንጩ። ሓይሊ ንፋስ'ውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እዩ።

    ዳርጋ 7.5%መሬት ሽወደን፡ ንሕርሻ ይውዕል። ብውሑዱ5% ናይ ህዝቢ ሽወደን፡ ኣብ ጽላት ሕርሻ ይነጥፍ። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣእካል፡ ናይ ከብቲ ሳዕርታት፡ ድንሽ፡ ናይ ዘይቲ ፍረን ሽኮር ዘውጽኡ ድንሽን ይዝርኡ። እቲ ኣገዳሲ ናይ ሽወደን ሕርሻ፡ ውጽኢት ጸባ እዩ።

    ቊጠባዊ ንጥፈት

    ንሽወደን፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣቑሑ ምሻጥ፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሽወደን፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ እታ እንኮ ዝበዝሐ ሓጺን እትሸይጥ ሃገር እያ። ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ኢንዱስትሪ ክትተክል ምስ ጀመረት፡ ብዙሕ ክትሸይጥ ጀሚራ። ሉሕ፡ ወረቐት፡ ኣቻየን ሓጺንን ሸይጣ። ብድሕርዚ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ቊሩብ ጽንሕ ኢላ፡ ከም መካይን፡ ተሌፎናት፡ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ኩሽነቲን ዝተፈላለዩ ማሺናትን ክትሸይጥ ጀሚራ። ሕጂ ግን ብዙሕ ክንድቲ ዝሓለፈ ዝምብዝሑ ኣይትሸይጥን ዘላ። ንኣብነት ከም ኣቑሑት ገዛን ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ነገራት ካብ ሽወደን ወጻኢ እዮም ዝስርሑ ዘለዉ። እንተኾነ ግን ብናይ ሽወደን ኩባንያታት እዮም ዝሽየጡ። ካልእ ኣዚዩ ኣገዳሲ ንጥፈት፡ እቲ ናይ ተለኮምዩኒከሽንን ናይ ኢንተርነት ተክኖሎጅን እዩ።

    ትሕተ ቕርጺ

    ሽወደን፡ ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዝነብሩሉ ቦታታት፡ ብዙሓት መገዲ መካይን ጽርግያታትን መገዲ ባቡራትን ኣሎዉዋ። ዝበዝሑ መገዲ ባቡራት፡ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም፡ የተቦርን ደቡብ ሽወደንን ይርከቡ። ኣብ ሰሜን ሽወደን ግን ብኣውቶቡሳት ወይ ብናይ ውልቂ መኪና ምጋሽ'ዩ ልሙድ። እቶም ነዊሕ ወይ ርሑቕ መገሻ ዝገሹ፡ ነፋሪት'ዮም ዘዘውትሩ። ኣብ'ተን ዕብይ ዕብይ ዝበላ ከተማታት፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሎዉ። እቲ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢልካ ዝርከብ "ኣርላንዳ" ዝብሃል መዓርፎ ነፈርቲ፡ እቲ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ሽወደን እዩ። ናይ የተቦሪ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ፡ "ላንድቨተር" ይብሃል። ብዙሓት ካብ'ቶም ኣብ ደቡብ ሽወደን ዝነብሩ፡ ነቲ ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ "ካስትሩፕ" ዝብሃል ናይ ደንማርክ መዓርፎ ነፈርቲ ይጥቀሙ።