ውሕስነት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ውሑስ ህይወት ክትነብር ምስ እትደሊ፡ ነዚ ዘካይድ ትካል ኣሎ። ንውሕስነትካ ዝምልከት ንስኻ እትገብሮም ነገራት'ውን ኣሎዉ።

    ባርዕ ሓዊ ምስ ዘጋጥም፡ ነዚ ዝስዕብ ግበር

    • ኣድሕን! – ኣብ ሓደጋ ዘሎ ህይወት ኣድሕን። ኣብ ንህይወትካ ዘስግእ ኲነታት ግን ኣይትእቶ። ትኪ መርዛም ምዃኑ ኣይትረስዕ። እንተጋጢሙ፡ ኣብ ምድሪቤት ፍሑኽ እናበልካ ውጻእ። መዓጹን መሳኹትን ዕጾ።
    • ኣጠንቅቕ! – ነቶም ኣብ ሓደጋ ሓዊ ዘለዉ ኣጠንቅቕ።
    • ኣስምዕ! (ኣጠንቅቕ!) – መጠንቀቒ ባርዕ ሓዊ እንተሎ ወልዕ ወይ ኣብ ዘተኣማምን ውሑስ ቦታ ዄንካ 112 ደውል። ኣገልግሎት ድሕነት ምስ መጹ ርኸቦም።
    • ሓዊ ኣጥፍእ! – መጥፍኢ ሓዊ እንተሎካ፡ ሓዊ ምጥፋእ ጀምር። መጥፍኢ ሓዊ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ናብ ሃልሃልታ ሓዊ ዘይኮነስ ናብ ጓህሪ ኣቕኒዕካ ንጸግ።

    ባርዕ ምስ ዘጋጥም፡ እቲ ክትገብሮ ዘለካ ኣገዳሲ ነገር፡ 112 ምድዋል'ዩ! እንታይ ከም ዘጋጠመን እንታይ ዓይነት ዝረአ ጒድኣት ከም ዝወረደን፡ ረድኤት ዘድሊ እንተ ኾይኑን ንገር። እቲ ረዲአት ኣበይ ከም ዘድልን መን ምዃንካን'ውን ሓብር።

    ፖሊስ

    ንፖሊስ ዝሕተት ሕቶ እንተሎካ፡ ወይ ብዛዕባ ሓደ ገበን ሓበሬታ ክትህብ እንተ ደሊኻ፡ 114 14 ደውል። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ሓደ ዓይነት ወይ ናብዚ ቊጽሪ'ዚ'ዩ ዝድወል። ህጹጽ ኲነታት ወይ ሓደ ዘየላቡ ነገር ምስ ዘጋጥም፡ ናብ ቊጽሪ 112 ደዊልካ ሓብር። ገበን ክግበር እንተርኢኻ፡ ዝተጎድአ ወይ ረዲአት ዘድልዮ ሰብ እንተሎ፡ ወይ ባርዕ ሓዊ እንተተኸሲቱ፡ ናብ 112 ኢኻ ትድውል።

    ድሕነት ትራፊክ

    ክፍሊ ትራፊክ፡ ንድሕነት ትራፊክ ሽወደን ዝቆጻጸር በዓል መዚ እዩ። ዕላምኡ ኸኣ፡ ኣብ ሽወደን፡ ማንም ሰብ፡ ብናይ ተሽከርከርቲ ሳዕቤን ከይመውት ወይ ከቢድ መጒዳእቲ ንኸይወርዶ ምክትታል'ዩ። እቲ ቀንዲ ክግበር ዘለዎ ድማ፡ ግቡእ ፍጥነት ምጥቃም፡ ህድእ ምባልን መከላኸሊ ምጥቃምን እዩ። ኩሉ ብማኪና ዝጒዓዝ ሰብ፡ መዕጠቒ ቁልፊ-ማኪና (bilbälte) ክጥቀም ብሕጊ እዙዝ'ዩ። ብሕልፊ ቆልዑ፡ ፍሉይ ውሕስነት የድልዮም። ንኣብነት ኮፍ መበሊ፡ መተርኣስ ወይ ከኣ ኣብ ማኪና ዝገጥም ኮፍ መበሊ ቆልዑ ክህሉዎም ኣለዎ። ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ፡ ሽግለታ ክዝውሩ እንከለዉ፡ ቆብዕ (ሀልመት) ክወድዩ ብሕጊ ግዱዳት እዮም።

    ኣብ ሽወደን፡ ብየማናይ ክፋል ናይቲ ጽርግያ ኢኹም ሽግለታ ትዝውሩ። ንሽግለታ ዝተሓዝአ ፍሉይ መገዲ እንተሎ ተጠቐሙሉ። ኣጋር እንተዄንኩም: መገዲ ኣጋር ወይ ማርሻቤዲ ክትጥቀሙ ኣለኩም። ብጸጋማይ ወገን ናይ ጎደና ወይ መገዲ'ውን ክትጒዓዙ ትኽእሉ ኢኹም። መገዲ ክትሰግሩ እንተ ደሊኹም: መሳገሪ ኣጋር፡ ዜብራ-ላይን ተጠቐሙ። ከምዚ ምስትገብሩ፡ መካይንን ሽግለታታትን ንኽትሰግሩ ደው ይብላልኩም።