መንበሪ ኣባይትን ናብራን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ገሊኡ ኮምዩናት፡ ገዛ ምርካብ ቀሊል ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ግን ከቢድ እዩ። ኣብ ኮምዩናት፡ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ብዙሕ ዝካረ ኣባይቲ የድሊ።

    ዝተፈላለዩ ዓይነታት ናይ መንበሪ ኣባይቲ

    ገዛ፡ ካብ ኣካራዪ፡ ማለትብቐጥታ ካብ ብዓል ንብረት ክትካረዩዎ ትኽእሉ ኢኹም። በዚ ኸኣ፡ ቀዳማይ ኢድ ናይ ክራይ ኮንትራት ይህልወኩም። ኣፓርታማ ምግዛእ'ውን ይክኣል'ዩ። እዚ ድማ ኮንዶሚንየም ይብሃል። ገዛ ምስትገዝኡ፡ ናይ ዋንነት መሰል ኣለኩም። ካብ ሓደ ሰብ፡ ነቲ ዝተኻረዮ ወይ ከኣ ነቲ ዝወነኖ ገዛ፡ ተኻሪኹም ክትነብሩ'ውን ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ኸኣ ኣንድራ ሃንድ ወይ ዘይቀጥታዊ ውዕልክራይ ገዛ ይብሃል። ሓደ ሰብ ገዛ ተኻርዩ ኣሎ ወይ ወኒኑ ኣሎ ንበል፡ ካብቲ ተኻርዩዎ ወይ ወኒኑዎ ዘሎ መንበሪ ኣባይቲ፡ ንገለ ክፍልታት ተኻሪኻ ምንባር ድማ ዝክኣል ኮይኑ፡ ኢነቦየንደ ይብሃል። ዓይነት ናይቲ ውዕል ብዘየገድስ፡ ምስቲ ዘካረየኩም ሰብ፡ ውዕል ምፍርራም ኣይትረስዑ። ከም ውሽጣዊ ተኻራዪ ክፍሊ መጠን'ውን ኢንሹራንስናይ ገዛ ክትፍርሙ ኣለኩም። እንተዘየሎ ግን፡ ገለ ጸገም ምስ ዝጋጥም ዝኾነ መድሕን የብልኩምን።

    ኣካራዪ

    ገዛ ተኻሪኻ ምስ እትቕመጥ፡ ካብ ሓደ ኣካራዪ ኢኻ ተኻሪኻዮ ዘለኻ። ነቲ ገዛ ዝውንኖ ኣካራዪ፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ትካል እዩ። እቲ ትካል ግን ብብዙሓት ሰባት ወይ ብኮምዩን ዝውነን እዩ። ብኣኻ፡ ወይ ክበጽሓካ ብዝመጸ ሰብ፡ ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ገለ ነገር ምስ ዝሰብር፡ ንምዕራዩ ክትከፍል ትግደድ። ኣሪጉ ንዝበላሾ ነገራት ግን እቲ ኣካራዪ እዩ ዘዐርዮ ወይ ዝቕይሮ። ኣሪጉ ዝስበር ማለት ከም ኣብነት፡ ኤለክትሪካዊ እቶን ክኸውን ይኽእል።

    ነቲ እትነብረሉ ገዛ፡ ብናይ ቀዳማይ ኮንትራት ተኻሪኻዮ ምስ እትኸውን፡ ክሳዕ ዝደለኻ ግዜ ክትቅመጦን ክትጥቀመሉን ትኽእል ኢኻ። ክራይ ገዛ ግን ናይ ግድን ኣብ እዋኑ ማለት ኣብ ወወርሑ ክትከፍል ኣለካ፡ ንጎረባብቲ ድማ ክትርብሽ የብልካን። ካብቲ ገዛ ክትወጽእ፡ ማለት ክትገድፎ ምስ እትደሊ፡ ናይ 3 ኣዋርሕ ክራይ ገዛ ክትከፍል ይግባኣካ። እዚ ማለት ድማ፡ 'ናይ ስምዕታ ግዜ' ዝብሃል ኮይኑ' ክትገድፎ ምስ እትደሊ ኣቐዲምካ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ንገር ማለት እዩ። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ውዕል ወይ ኮንትራት ምስ ዝህልወካ፡ ምስ ካልእ ተኻራዪ ክትለዋወጥ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ምልውዋጥ ግን፡ እቲ ኣካራዪ ክቕበሎ ኣለዎ። እቲ ትቕመጠሉ ገዛ ናይ ምሕዳስ ውሳነ ንዋናኡ'ዩ ዝምልከት። ነቲ ገዛ ከተሐድሶ ምስ እትደሊ'ውን እቲ ኣካራዪ ክፈልጥን ክሰማማዓሉን ኣለዎ።

    ቤት ፍርዲ ኣባይቲ

    ቤት ፍርዲ ኣባይቲ፡ ኣብ መንጎ ኣካራዪን ተኻራይን ንዝህሉ ምስሕሓባት ዝዳኒ ኣካል'ዩ። ኣብ ሽወደን፡ 8 ኣብያተ ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ ኣለዋ። ንሳተን ድማ፡ ኣብ ስቶክሆልም፡ ቨስተሮስ፡ ሊንሾፒን፡ ዮንሾፒን፡ ማልመ፡ የተቦሪ፡ ሱንድስቫልን ኡመዮን ይርከባ። ቤት ፍርዲ ክራይ ኣባይቲ ኣብ መንጎ ኣካራይን ተኻራይን ዘይምርድዳእ ምስ ዝህሉ ውሳነ ይህብ። ንኣነብነት እቲ ተኻራዪ፡ ነቲ ገዛ መሊሱ ከካርዮ ምስ ዝደሊ'ሞ ዘይምርድዳእ ምስዘጋጥም ማለት'ዩ። ብዛዕባ'ቲ ሕግታት ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።

    ኮንዶሚንየም

    ኣብ ኮንዶሚንየም ክትቅመጥ እንተደሊኻ ገንዘብ ከተውጽእ ክትግደድ ኢኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ካብቲ ናይ ወነንቲ ማሕበር፡ ብርኪ ትገዝእ ማለት'ዩ። እቲ ማሕበር፡ "ናይ ኮንዶሚንዩም ማሕበር" ይብሃል። በዚ መንገዲ'ዚ ኣባል ምስ ኮንካ፡ ነቲ ገዛ ክትጥቀመሉ ትኽእል።

    ገለ ማሕበራት ኮንዶሚንየም፡ ኣብ ሓደ ኣብ ምሉእ ሽወደን ዝርከብ፡ ኣባይቲ ዝውንን ዓቢ ማሕበር ይጥርነፋ፡ ከም ኣብነት፡ 'HSB ወይ Riksbyggen ሪክስቢገን' ዝብሃል ማሕበር። እተን ካልኦት ማሕበራት ንኣሽቱ እየን። ነፍስ ወከፍ ማሕበር፡ ንናታ ቑጠባ ትግደስን ትጥንቀቕን። ኣብ ኮንዶሚንየም ክትቅመጥ ከለኻ፡ ነቲ ማሕበር ዝኽፈል ወርሓዊ ክፍሊት ኣሎካ። ነዚ ቤት ዝኸውን ገንዘብ ካብ ባንክ ተለቂሕካ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ባንኪ፡ ቀንዲ ገንዘቡን ወለዱን በብቑሩብ ክትከፍሎ ኣለካ። ኣብ ኮንዶሚንዩም፡ ገዛኻ ንምልማጽ፡ ንምሕዳስን ንምጽብባቕ ወይ ምህናጽን፡ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ናይቲ ማሕበር'ቲ ኣባላት፡ ብሓደ ኾይኖም፡ ነቲ ገዛ ከመይ ገይሮም ከም ዝውግኑዎ ወይ ዓቢ ምሕዳስ ከም ዝገብሩሉ ይመያየጡን ይውስኑን።

    መሰል ምውናን

    ኣብ ሽወደን፡ ወነንቶም፡ ንኽውንንዎም መሰል ዘሎዎም ኣባይቲ፡ ውሑዳት'ዮም። መብዛሕትኦም ገዛውቲ፡ ኮንዶሚንየም ወይ ክኣ ናይ ሓባር ገዛውቲ፡ ከምኡ'ውን ናይ ተኻራዪ መሰል ዘሎዎም እዮም። ናይ ወናኒ መሰል ዘሎዎም ገዛውቲ፡ እቶም 'ሂዩስ ወይ ከኣ ሮድሂዩስ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰርቪስ ዝመስሉ ዓይነት ገዛውቲ እዮም። ሽዑ፡ ነቲ ገዛ ባዕልኻ ትውንኖን ሓላፍነት ትወስደሉን። ኣብ ሮድሂዩስ ዝብሃል ሰርቪስ-መሰል ገዛውቲ'ውን ሓድሓደ ግዜ፡ ማሕበር ይቐውም'ዩ። እቲ ማሕበር፡ ነቲ ሓባራዊ ከባቢታት፡ ከም መንገድታት፡ መጻወቲ ህጻናትን ናይ ሳዕሪ ቦታታትን፡ ሓላፍነት ይወስደሉ። ኲላቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ድማ፡ ነቲ ወጻኢታት ተማቒሎም ይኸፍሉዎ።

    ገዛ ከመይ ጌርካ ከም እትረክብ

    ኣብ ሓያለ ከተማታት፡ ኣብያተ ጽሕፈት 'መራኸብቲ-ገዛ' ኣለዉ። ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ገዛ፡ ተመዝጊብካ ገዛ እተናድየሉ ናይ ኢንተርነት መርበብ ሓበሬታ ኣሎዎ።

    ምስ ተመዝገብካ: ናብቲ መርበብ ሓበሬታ እናኣተኻ፡ ሓደስቲ ናጻ ገዛውቲ ዘለዉን ዘየለዉን ወይ ከኣ ዝመጹን ዘይመጹን ግድን ብቐጻሊ ክትርኢ ኣለካ። ሓድሽ ገዛ ከም ዘሎ ዝነግር ሓበሬታ እንተ ርኢኻ: እሞ ድማ ምስ እትደልዮ፡ ነቲ ገዛ ክትካረዮ ተመልክት።

    ዝካረ ገዛ፡ ባዶ ምህላዉ ኣብ ምልክታ ምስ ወጸ፡ እቶም ክመጽኡ ዝግበኦም ሰብ ሪጋ ከይመጹ ዕለተ ምልክታ እንተሓሊፉ፡ ኣካራዪ፡ ነቶም ነቲ ገዛ ክርእዩ ዝመጽኡ ሰባት ይመርጽ። እዚ ማለት ግን ዝኾነ ዝመጸ ዘበለ ማለት ዘይኮነስ ኣብ ሪጋ ስዒቦም ዝርከቡ ክኾኑ ኣለዎም። መብዛሕትኦም ኣካረይቲ፡ ናይ ገዛ ስርዓተ-ሪጋ ኣሎዎም። ነታ ትካረ ገዛ ምስ ርኣኹማ፡ ትደልዩዋ ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን ነቲ ኣካራዪ ክትሕብሩ ኣለኩም። እታ ገዛ ከም ቀዳማይ ኢድ ምስ እትበጽሓኩም ከኣ፡ እቲ ኣካራዪ ኣካል ወይ ሰብ ክረኽበኩምን ከዘራርበኩምን እዩ።

    ንሓንቲ ገዛ ዝግደሱላ፡ ብዙሓት እንተ ኾይኖም፡ ዋና ገዛ፡ ንሓዲኦም ክመርጽ መሰል ኣሎዎ። መን ናይ ገዛ ኽራይ ውዕል ይፍርም ንምውሳን፡ ነቲ ገዛ ወይ ህንጻ ዝውንን ትካል ወይ ውልቀ ሰብ እዩ ዝምልከት። ቤት ጽሕፈት 'መራኸብቲ-ገዛ'፡ ስለዘይምልከቶም ክውስኑ ኣይክእሉን'ዮም። ኣብ ዓበይቲ ኮምዩናት ሽወደን፡ ዓቢ ሕጽረት ገዛ ስለ ዘሎ፡ ገዛ ንኽትረክብ ብዙሕ ግዜ እዩ ዝወስድ።

    ምኽሪ ንደለይቲ ገዛ

    ሓድሓደ ግዜ፡ ነቶም ኣራኸብቲ-ገዛ ጥራይ ምውካስ እኹል ኣይኮነን። ነቲ ኣካራዪ ብቐጥታ ክትረኽቦ ዝሓሸ እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣካረይቲ፡ ናታቶም ወብሳይት ኣሎዎም። ኣብኡ ድማ፡ ናይ ገዛ ምድላይካ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ብሰበሰብ፡ ብኣዝማድ ወይ ኣዕሩኽ'ውን ብዛዕባ ናጻ ዘሎ ኣባይቲ፡ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ካልእ መንገዲ ድማ ኣብ ድኳናት፡ ኣብያተ መጻሕፍትን ኮረድዮታትን ወይ ካልእ ናይ መለጠፊ ሰሌዳ ዘሎዎ ቦታ ምልክታታት ምልጣፍ ይክኣል'ዩ።

    ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ጋዜጣታት ወይ ወብሳይታት ንገዛ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኻልኣይ ኢድ ዝካረ ገዛ ክትረክብ ትኽእል። እዚ ማለት ካኣ ብቐጥታ ካብቲ ኣካራዪ ዘይኮነስ ካብቲ ተኻርዩዎ ዘሎ'ሞ ከካሪ ዝደሊ ዘሎ ማለት እዩ።

    ኣብ ኮምዩንካ፡ ገዛ ንምርካብ ዘሸግር ምስ ዝኸውን ናብ ካልእ ኮምዩን ምግዓዝ ዝበለጸ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    ምግዓዝካ ኣቐዲምካ ምሕባር

    ትግዕዝ ማለት ትቕይር እንተ ዄንካ፡ ንቤት ጽሕፈት ቀረጽ፡ ማለት ንስካተቨርከት፡ ግድን ከተፍልጥ ኣለካ። በዚ ድማ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ይፈልጦ። ናብ ቤት ጽሕፈት ቀረጽ ምምልካት፡ ኣይክፈሎን'ዩ። ዝመጸካ ቡስጣ፡ ናብ ሓድሽ ኣድራሻኻ ማለት ናብቲ ንስኻ ዘለኻዮ ክመሓላለፈልካ ኣንተ ደሊኻ ግን፡ ምኽፋል ከድልየካ'ዩ።

    ንኻልእ ሰብ፡ ማለት ብኻልኣይ ኢድ ምክራይን ክፋል ክፍልታት ምክራይን፡

    ብኻልኣይ ኢድ ንሰብ ምክራይ ማለት፡ ሓደ ብስሙ ውዕል ክራይ ዘሎዎ ሰብ፡ ማለት፡ ካብ ዋና ገዛ ብቐጥታ ኮንትራት ገዛ ክራይ ዘሎዎ፡ ንኻልእ ሰብ ከካርይ ከሎ ማለት'ዩ። እቲ ገዛ ብኻልኣይ ኢድ ክካረ እንተኾይኑ፡ ዋና ገዛ ከፍቅድ ኣለዎ። ዋና ገዛ ብኻልኣይ ኢድ ንሰብ ከተካሪ ዘየፍቅድ እንተኾይኑ: ካብ ቦርድ ክራይ ኣባይቲ፡ ፍቓድ ክትረክብ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ። ብዘይ ፍቓድ ዋና ገዛ ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ንሰብ እንተ ኣካሪኻ፡ ካብቲ ገዛ ክትወጽእ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገዛኻ እናነበርካ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክፍልታት'ውን ከተካሪ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተኻረኻዮ ገዛ ዝተኻረየ ሰብ ኣሎካ ማለት እዩ። ከምዚ ንምግባር፡ ፍቓድ ኣካራዪ ኣየድልየካን። ብዙሓት ግን ክኾኑ የብሎምን። ደባል ክህልወካ ዝኽእል ድማ፡ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ምስ ዝህልወካ እዩ።

    ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ሃልዩካ ከተካርዮ ምስትደሊ፡ ብቑዕ ምኽንያት ክህልወካ ይግባእ። ኣብ ካልእ ከተማ ትሰርሕ ወይ መናብርቲ ሳምቦ ክትገብር ትፍትን ክትከውን ኣሎካ። እቲ ኣካራዪ ግን ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ እዩ ዘፍቅደልካ። ስለዚ ዓመታዊ ክትሓቶ ኣለካ።

    ገዛ ንኻልእ ንምክራይ ዝውሃብ ምኽንያታት ዳርጋ ተመሳሳሊ እዩ። 

    ገዛ ካብ ካልእ ሰብ፡ ማለት ብኻልኣይ ኢድ ምክራይ

    ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ክትካረ እንተደሊኻ: ዋና ገዛ ዘፍቀደ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ኣገዳሲ'ዩ። ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ክትካረ ከለኻ ኮንትራት ክትፍርም ከም ዘሎካ ምሕሳብ የድሊ። እቲ ኮንትራት፡ ኣብ መንጎ በዓል ኮንትራት ገዛን ኣብ መንጎኻን ማለት ብኻልኣይ ኢድ ገዛ ትካረ ዘለኻን ይፍረም። ኮንትራት እንተ ዘይፈሪምካ: በዓል ገዛ (ኮንትራት ዝውንን) ክትወጽእ እንተ ጠሊቡ ክትወጽእ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ብዓል ገዛ፡ ነቲ ብኻልኣይ ኢድ ምክራይ እንተ ድኣ ዘይተቐበሎ፡ እቲ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ዘሎዎ ሰብ ካብ ገዛ ክወጽእ ይኽእል እዩ።

    ናይ ክራይ መሰልን ግዴታን፡

    እቲ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ዘሎዎ ሰብ፡ በዓል ገዛ ኽራይ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከም መጠን በዓል ገዛ ኽራይ፡ እቲ ብኻልኣይ ኢድ ዘካረኻዮ ሰብ፡ ክራይ ገዛ ንኽኸፍል ሓላፍነት ዝስከም ንስኻ ኢኻ። እቲ ብኻልኣይ ኢድ ዘካረኻዮ ሰብ፡ ክራይ ገዛ እንተ ዘይከፊሉ ወይ ጎረባብቲ ዝርብሽ እንተኾይኑ፡ ናይ ገዛ ክራይ ዘለካ ኮንትራት ክትሕደግ ትኽእል ኢኻ።

    ንሰብ ብኻልኣይ ኢድ ከተካሪ እንከለኻ፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ኢኻ ትወስድ?

    ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ወይ ኮንዶሚንዩም(ናይ ባዕልኹም) ምስ ዝህልወኩም: እሞ ነቲ ገዛ ብኻልኣይ ኢድ ከተካርዩዎ ምስ እትውስኑ፡ ክሳብ ክንደይ ዝኸውን መጠን ገንዘብ ክትሓቱ ወይ ከተኽፍሉ ከም እትኽእሉ ዝድርት ሕጊ ኣሎ። ንወጻኢታት መንበሪ ገዛ ዝሽፍነልኩም መጠን ክራይ ገንዘብ ክትሓቱ ወይ ከተኽፍሉ መሰል ኣሎኩም። እቲ ገዛ፡ መሰቑሑቱ ተካርዩዎ እንተዄንኩም፡ 10-15% ናይ ዋጋ ክራይ ወሲኽኩም ከተካርዩዎ ቅቡል እዩ። ኣብ ናይ ካልኣይ ኢድ ገዛ ኽራይ እናነበርኩም፡ እሞ ኸኣ ኣብቲ ክራይ ገዛ ልዑል መጠን ገንዘብ ትኸፍሉ ምስ እትህልዉ፡ ብዛዕባ'ቲ ጒዳይ ምስ ተጸዋዒ ጒዳያት ክራይ (Hyresnämnden) ክትዘራረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ተጸዋዒ ጒዳያት ክራይ ገዛ፡ ገንዘብኩም ከም ዝምለሰልኩም ክገብር ይኽእል'ዩ። እቲ እተኻረኹሞ ገዛ ግን ኮንደሚንዩም ክኸውን የብሉን። ተጸዋዒ ጒዳያት ክራይ፡ ንፍሉይነት ናይቲ ኲነታት መሰረት ገይሩ፡ ናቱ ገምጋም ይገብር እዩ።

    ገዛ ምልውዋጥ

    ወናኒ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ክራይ ገዛ ምስትኸውን፡ እሞ ድማ ቅቡል ምኽንያት ምስ ዝህልወካ፡ ገዛ ኽትለዋወጥ መሰል ኣሎካ። ከም ቅቡል ምኽንያት ዝቑጸር ንኣብነት፡ ገፊሕ ገዛ፡ ሕስር ዝበለ ክራይ ገዛ፡ ወይ ጥቓ ስራሕካ ገዛ ምስ ትረክብ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ገዛ ክትላወጥ እንተደሊኻ፡ ዋና ገዛ ቕድም ክፈቕደልካ ኣለዎ። ዋና ገዛ ከይፈቐደልካ እንተተለዋዊጥካ፡ ዘሎካ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ፡ ክትሕደግ ትኽእል ኢኻ። ተኻራዪ እንተዄንካ፡ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ኣብ ዝረኸብካሉ ግዜ ገዛ ክትለዋወጥ ትኽእል ኢኻ።

    ጸሊም ኮንትራት

    ጸሊም ኮንትራት ማለት፡ ብገንዘብ ዝግዛእ ወይ ዝሽየጥ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ ማለት'ዩ። ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ገዛ ኽራይ ምሻጥ ሕጋዊ ኣይኮነን። እንተ ተፈጺሙ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ዝሸይጥ ሰብ ናይ 2 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል'ዩ። ቀዳማይ ኢድ ኮንትራት ምግዛእ፡ ብሕጊ ክልኩል ኣይኮነን። ከምኡ ዝገብር ሰብ ግን፡ ኣብ ዘስግእ ወይ ዘሕትት ኩነታት ይወድቕ። እቲ ገዛ፡ ብጸሊም እንተደኣ ተኻርዩ፡ ዋና ገዛ ንቐዳማይ ኢድ ኮንትራት ክራይ ገዛ ክስሕቦ መሰል ኣሎዎ።

    ቊጽጽር ገዛ

    ናብ ሓደ ገዛ ቅድሚ ምግዓዝካ፡ እቲ ገዛ ክምርመር ክትጠልብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ዋና ገዛ፡ ማለት ኣካራዪ፡ ኣብቲ ገዛ ገለ ብልሽት ከይህሉ ንብረቱ ይቆጻጸር ማለት'ዩ። ኣብቲ ገዛ ብልሽት ወሪዱ እንተ ጸኒሑካ፡ ክትከፍሎ ኣይትግደድን ኢኻ።

    ምብቃዕ ኮንትራት ገዛ ኽራይ

    ካብ ዝነበርካዮ ገዛ ክትቅይር እንተ ደሊኻ፡ ናይዚ ዝጸናሕካዮ ገዛ፡ ኮንትራት ዘብቅዓሉ ግዜ ኣሎካ። እቲ ኮንትራት ዘብቅዓሉ ግዜ፡ "ክቕይር'የ" ኢልካ ምስ ሓበርካ፡ ወይ ካብታ ዝሓበርካላ ግዜ'ዩ ዝጅምር። ዝበዝሕ እዋን፡ ናይ ሓደ ገዛ ኮንትራት ዘብቅዓሉ ግዜ፡ 3 ኣዋርሕ'ዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብታ "ክወጽእ'የ" ኢልካ ዝሓበርካላ ወርሒ ጀሚርካ ናይ ዝመጽእ 3 ኣዋርሕ ኣብ ግምት ከተእቱዎ ኣለካ። ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ክትሕብር ግድን እዩ። ኣብታ ዝሓበርካላ ግዜ ክትወጽእ ምስ ትደሊ ግን፡ ናይ ዝመጽእ 3 ኣዋርሕ ክትከፍል ምዃንካ ኣብ ግምት የእቱ።

    ተኻረይቲ፡ ኣደብ ዘይብሎም እንተ ኾይኖም፡ ዋና ገዛ ንኾንትራቶም ደው ከብሎ መሰል ኣሎዎ። ኣደብ ዘይብሉ ሰብ ዝብሃል፡ ንኣብነት ክራይ ገዛ ኣብ እዋኑ ዘይከፍል፡ ነቲ ገዛ ወይ ህንጻ ዘበላሹ፡ ወዘተ ምስ ዝኸውን ማለት'ዩ።

    ጠቐምቲ ምኽርታት ንተቐማጦ ገዛ

    ኲላቶም ኣብ ሽወደን ዝተሃንጹ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ ምዉቓት ክኾኑ ከምዘሎዎም ተገይሮም'ዮም ተሃኒጾም። ብጠሊ ብቐሊሉ ተጠቃዕቲ እዮም። ብሕማቕ ምስ ዝተሓዙ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ክንቀፉ ይኽእሉ። ቡምባ ወይ ቱቦ ማይ ከልሑኽ ወይ ከንጥብ ምስ እትዕዘቡ፡ ንኣካራዪ ክትሕብሩ ኣለኩም። ኩሉ ኣባይቲ፡ ጠሊ ዝሓዘ ንፋስ ንደገ ንምስታዂ ዝዓለመ መተንፈሲ ኣሎዎ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ እቲ ናይ መተንፈሲ ቀዳዳት፡ ኩሉ ግዜ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። 

    ናይ ሓባር ቦታታት

    ኲላቶም ኣብ ገዛ ኽራይ ዝቕመጡ ተኻረይቲ፡ ኣብ'ቶም ብሓባር ዝጥቀሙሎም ቦታታት ናይቲ ህንጻ፡ ናይ ሓባር ሓላፍነት ይወስዱ። ንኣብነት ኣብ መደያይቦ መሳልል፡ ቤት ሕጽቦ: ከምኡ'ውን ናይቲ ገዛ ከባቢ ዘበለ ማለት'ዩ። ክራይ ገዛ ክትከፍል ከለኻ፡ ዝበዝሕ እዋን ናይ ጽሬት'ውን ትኸፍል ኢኻ። ንኣብነት ጽሬት ናይ መደያይቦ ኣስካላን ኣብ ታሕቲ ወይ ኣንደር ዝርከብ መኻዚኖን ማለት'ዩ። ባዕልኻ ከተጽሪ ድማ ሓላፍነት ኣሎካ። ኣብ መደያይቦ መሳልል ኣቕሓ ከተቐምጥ ኣይፍቀደካን እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ህንጻ ባርዕ ሓዊ እንተ ኣትዩ ወይ ካልእ ነገር እንተ ኣጋጢሙ ንተቐማጦ መህደሚ ዝኸውን ቦታ ክህሉ ስለዘለዎ። ንቤት ሕጽቦ ሪጋ ንምሓዝ፡ ምምዝጋብን ሕጽቦ ወዲእካ ምጽራይን ዝምልከቱ መምርሒታት ግድን ክትክተሎም ኣለካ።

    ውሕስነት ወይ ኢንሹራንስ ናይ ገዛ

    ውሕስነት ገዛ፡ ማለት ኢንሹራንስ ክህልወኩም ኣገዳሲ እዩ። ከመይ'ሲ፡ መሰረታዊ ቅሳነት ስለ ዝህበካ። ውሕስነት ገዛ ዝሸጣ ብዙሓት ትካላት ኣለዋ። ውዕል ውሕስነት ገዛ ክትዕድጉ ወይ ክትፍርሙ ምስ ትደልዩ፡ ምስ ምርጫኹም ዝሳነ ዝበለጸ ኣማራጺ ኣወዳዲርኩም ዓድጉ። ንብረትኩም ምስ ዝስረቕ ወይ ምስዝዓኑ፡ ብሰንኪ ባርዕ ወይ ዕልቕልቕ ንብረታዊ ሃስያ ምስ ዘጋጥመኩም፡ ግን ከኣ ውሕስነት ገዛ ምስ ዝህልወኩም፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ይውሃበኩም። ትካል ውሕስነት ገዛ፡ ንኹሉ'ቲ ኣብ ገዛኹም ዘሎ ንብረት የውሕሰልኩም። ንኹላቶም እቶም ኣብ ደብዳበ ናይቲ ውዕል ውሕስነት ዝተመዝገቡን ኣብቲ ገዛ ዝቕመጡን ሰባት ውሕስነት ይህብ። እትነብሩሉ ገዛ፡ ናይ ባዕልኹም ምስ ዝኸውን፡ ንውሕስነት ገዛ ብዝምልከት፡ ምስ ትካላት ውሕስነት ኮንዶሚንዩም ወይ ውሕስነት ቪላ ተዘራረቡ።

    ውሕስነት ገዛ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣለዉዎ።

    • ውሕስነት ዋኒን (Egendomsskydd) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ንዝተሰብሩ ወይ ንዝተሰርቁ ንብረታት ንምትካእ ገንዘባዊ ካሕሳ ይህበኩም።
    • ውሕስነት ሕጊ ወይ ጽላል (Rättsskydd) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ምስ ሰብ እንተ ተባኢስኩም፡ ንናይ ሕጋዊ ጠበቓ ወጻኢታትኩም ዝሽፍን ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረኽቡ የኽእለኩም።
    • ውሕስነት መጥቃዕቲ (Överfallsskydd) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ንኣብነት ግዳያት መጥቃዕቲ ወይ ዓመጽ ምስ እትኾኑ እሞ መጒዳእቲ ምስ ዘጋጥመኩም፡ ቊጠባዊ ሓገዝ ከውህበኩም ዘኽእል ዓይነት ውዕል እዩ።
    • ውሕስነት ሓላፍነት (Ansvarsförsäkring) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ንኻልእ ሰብ ካሕሳ ክትከፍሉ ምስ እትግደዱ፡ ገንዘባዊ ደገፍ ክግበረልኩም ዘኽእል ውዕል እዩ።
    • ውሕስነት መገሻ (Reseskydd) - ኣብ ውሽጢ 45 መዓልታት ናብ ካልእ ሃገር ኣብ እትገሹሉ ግዜ ውሕስነት መገሻ ኣሎኩም።

    ውሕስነት ዝህበካ ካልእ ዓይነት ኣገባባት ውሕስነት'ውን ኣሎ።

    • ንኹሉ ስግኣታት ዝጥቕልል ውሕስነት (Allriskförsäkring) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ንንብረትካ ልዕል ዝበለ ሓለዋ ይህብ። ማለት ኣብ ድንገትን ዘይተጸበኻዮ ነገራትን፡ ንኣብነት ሞባይልካ ኣብ ቀላይ ምስ እትኣቱ ዘውሕስ ዓይነት ውዕል እዩ።
    • ናይ ሕማምን ድንገትን ውሕስነት (Sjuk- och olycksfallsförsäkring) – እዚ ዓይነት ውሕስነት'ዚ፡ ሓደጋ ምስ ዘጓንፈካ ንሕክምና ዝግበር ወጻኢታት ዘውሕስ ዓይነት መድሕን እዩ። ምስ እትስንክል ድማ ብዙሕ ገንዘብ ዘውህበካ ውዕል መድሕን እዩ።