ኮምዩንካ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ኮምዩን፡ ማለት ምምሕዳር ከባቢ ይቕመጥ። ኣብዛ ሃገር 290 ኮምዩናት ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ዘለዋ ኮምዩናት፡ ዜጋታት ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከም ዝኸፍሉን እቲ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ከም ዝውዕልን ባዕላተን ይውስና። እዚ ድማ ኮምዩናዊ ርእሰ ምሕደራ ይብሃል።

    ክንክን ቆልዑ

    ክንክን ቆልዑ፡ ነቲ ናብ ቆልዑ ዝዓለመ ትምህርታዊ ንጥፈታት ዝሽፍን ስም እዩ። ክንክን ቈልዑ፡ ቆልዑ ዝእለዩሉ፡ ንኣብነት ከም ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ማእከል ትርፊ ግዜን (fritidshem) ዝኣመሰለ የጠቓልል።

    ትምሃር፡ ትሰርሕ ወይ ስራሕ እተናዲ እንተ ዄንካ: ንውላድካ፡ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ መውዓሊ ህጻናት ክትገድፎ መሰል ኣሎካ። መውዓሊ ህጻናት፡ ካብ 1-5 ንዝዕድሚኦም ህጻናት'ዩ ዝምልከት።

    መባእታ ቤት ትምህርቲ

    ኣብ ኲላተን ኮምዩናት፡ ካብ 6-16 ዓመት ዝዕድመኦም ቆልዑ ዝማሃሩለን ናይ መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዋ። ናጻን ብሕታውያንን ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ክህሉዋ ይኽእላ'የን። ኣብ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ትምሃር እንተ ዄንካ፡ ክፍሊት ትኸፍል። ወጻኢታት ናይ'ተን ኣብያተ ትምህርቲ ኮምዩናትን ናይ'ተን ናጻ ኣብያተ ትምህርትን ግን ብገንዘብ ናይ ኣታዊ ግብሪ እዩ ዝሽፈን። ሓደ ቖልዓ፡ ኣብታ 6 ዓመት ዝመልኣላ ዕድሚኡ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ህጻናት፡ ቦታ ክረክብ ይኽእል። ውላድካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ህጻናት ክምሃር እንተ ደሊኻ፡ ባዕልኻ ኢኻ ትመርጽ። እቶም ዝበዝሑ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ቆልዑ፡ ትምህርቲ ህጻናት ይምሃሩ። ቆልዑ፡7 ዓመት ዕድመ እንተ መሊኦም፡ ግድን ክማሃሩ ኣለዎም። እዚ ድማ 'ትምህርቲ ብግዲ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። መባእታ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ክልቲኡ፡ ማለት ኣብ ኮምዩናውያን ኣብያተ ትምህርትን ናጻ ኣብያተ ትምህትን፡ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ኣብቲ እትቕመጦ ኮምዩን፡ ኣየኖት ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘለዋ ንምፍላጥ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኮምዩን ምርኣይ ይክኣል'ዩ።

    ክንክን ኣረጋውያን

    ዕድመ ዝደፍአ ሰብ፡ ኣብ ማዓልታዊ ህይወቱ ሓገዝ የድልዮ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ዝኣረገ ሰብ፡ ካብቲ ሕብረተሰብ፡ ሓገዝን ደገፍን ክግበረሉ መሰል ኣሎዎ።

    መብዛሕትኦም ኣረጋውያን፡ ኣብ ገዝኦም ክቕመጡ እዮም ዝደልዩ። ኣብ ገገዝኦም ምእንቲ ክነብሩ ድማ፡ እቲ ኮምዩኖም ክንክናዊ ደገፋት ይገብረሎም። እዚ ኸኣ "ኣገልግሎት ክንክን ኣብ ገዛ" ወይ ከኣ (Hemtjänst) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክንክን ናይ ገዛ ክግበረሉ ዝደለየ ሰብ፡ ኣብ ምምሕዳር ናይቲ ዝነብረሉ ኮምዩን ብምኻድ የመልክት። እዚ ኣገልግሎት እዚ ንኽወሃቦ ዝሓተተ ሰብ፡ ዝኸፍሎ ክፍሊት ኣሎ። እዚ ክፍሊት'ዚ ኸኣ፡ ካብ ኮምዩን ናብ ኮምዩን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ ገዛ ምንባር ንምትብባዕ'ውን ካልእ ዝግበር ንዋታዊ ደገፋት ኣሎ። ንኣብነት ዊልቼር፡ ሰፊሕ መሕጸቢ ነብሲ ጋብላ ወይ'ውን ኣትሕት ኣቢልካ ዝመቻቻእ መሳለጥያታት።

    ብውልቂ ክትነብር ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ መንበሪ ገዛ ንኣረጋውያን (äldreboenden) ኣሎ። እዚ መንበሪ ገዛ ኣረጋውያን'ዚ፡ ክንክንን ኣገልግሎትን ዝረኽቡሉ ገዛ'ዩ። ኣብተን ኮምዩናት፡ ዝተፈላለየ ናይ ኣረጋውያን ናይ ብሕቶም መንበሪ ኣባይቲ ኣለዉ። ኣብኡ፡ ናይ ክንክን፡ መግብን ጽርየትን ኣገልግሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።

    ማሕበራዊ ኣገልግሎት/ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት

    ልክዕ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ወለዲ'ውን፡ ደቆምን መንእሰያቶምን ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ይስከሙ። ናይ ኣተሓሕዛን ክንክንን ሕጽረታት ምስ ዝርአ ግን፡ ኣካል ምምሕዳር ከተማ ዝኾነ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ይስከም። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ቆልዑን ስድራቤታትን፡ ብዝተፈላለየ መልክዓት ደገፉ ይህብ። ንኣብነት፡ እኹል ገንዘብ ንዘይብሎም ስድራ ቤታት ዝምልከት ክኸውን ይኽእል። ዝቕመጡሉ ገዛ ንዘይብሎም ሰባት፡ ናይ ወልፊ ጸገም ንዘሎዎም፡ ንሓደጋ ወይ ንዓመጽ ንዝተቓልዑ ዝምልከት'ውን ክኸውን ይኽእል። እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝዋሃብ ደገፍ፡ ምኽሪ ክኸውን ይኽእል፡ ስልጠና ንወለዲ፡ ተወካሲ ሰብ ንመንእሰያት ወይ ንስድራቤት ክኸውን ይኽእል። ብቐጥታ ዝውከስ፡ ወይ'ውን ምስ ምሉእ ስድራቤት ተማሓዝዩ ጸገማት ዘለሊ ትምህርቲ'ውን ክኸውን ይኽእል። "ተወካሲ ሰብ" ክብሃል እንከሎ፡ ከም ተወሳኺ ዓርከ-ማሓዛ ወይ ዘመድ ኮይኑ ዘዛርብ፡ ዘማኽር፡ ዘዘናግዑ ነገራት ኣብ ምፍጣር ዝተሓጋገዝን ዘገልግልን ሰብ ማለት'ዩ። ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ዝኾነ ህጻን፡ ኣብ ገዛ፡ ሕማቕ ኣታሕዛ ይግበረሉ ምህላዉ ሓበሬታ ምስ ዝመጾ፡ ብመሰረት ሕጊ ዝብሎ፡ ቀልጢፉ፡ ንዂነታት ናይቲ ህጻን ኣብቲ ገዛ፡ ብደቂቕ ንኽፈልጦ ገምጋማዊ ስርሓት ክጅምር ኣለዎ።

    ሓደ ቖልዓ፡ ብሕማቕ ከም ዝተታሕዘ ሓቅነቱ እንተተረጋጊጹ፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ነቲ ቖልዓ፡ ካብ ስድርኡ ናይ ምፍላይን ናይ ምውሳድን ስጉምቲ ይወስድ።

    ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክትረኽቦም እትኽእል ኣገልግሎታት፡

    • ምኽርን ሓገዝን፡ ንመንእሰያትን ንስድራቤታት ቆልዑን።
    • ሕማቕ ኣታሕዛ ወይ ምግፋዕ ዘጋጥመካ እንተኾይኑ፡ ምኽርን ሓገዝን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
    • ምኽርን ሓገዝን ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን።
    • ቊጠባዊ ደገፍ

    ቊጠባዊ ደገፍ

    ቊጠባዊ ደገፍ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ እትነብሩሉ ከተማ ኬድኩም እትሓቱዎ ሓገዝ'ዩ። ነዚ ደገፍ'ዚ እትሓቱ፡ ነብስኹም ናይ ምኽኣል ጸገም ምስ ዝህልወኩም እዩ። እዚ ኸኣ፡ "ሓገዝ መናበሪ" ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኻልእ ጎድንኣዊ ወጻኢታት ንምሽፋን ዘኽእለኩም ገንዘባዊ ደገፍ'ውን ክውሃበኩም ይኽእል እዩ። ገለ ካብዚ ወጻኢታት ንኣብነት፡ ወጻኢታት ክንክን ህጻናት፡ ሕክምና፡ መድሃኒታትን ክንክን ስንን ክጥቀስ ይክኣል።

    መጠን መናበሪ-ሓገዝ፡ ሃገራዊ ቅጥዒ እዩ ዝኽተል። እዚ ማለት ከኣ ኣበየናይ ቦታ ትነብሩ ብዘየገድስ ሕደ እዩ። ንኣብነት ንወጻኢታት መነባብሮ፡ ከም ተወሳኺ ንወጻኢታት ኤለክትሪክን ውሕስነት ገዛን ተባሂሉ ዝውሃብ መጠን ገንዘብ፡ ሕደ እዩ። መናበሪ ሓገዝ፡ ብኣታዊታት ዝጽሎ ኮይኑ፡ ኣታዊታት ተራእዩ ክጎድል ይኽእል'ዩ።

    ቊጠባዊ-ደገፍ፡ ናይ መወዳእታ ናይ ደገፍ መገዲ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ሰብ፡ ነብሱ ዝኽእለሉ መገዲታት ዕጹው ምስ ዝኸውን ጥራይ ዝውሃብ ደገፍ እዩ። እቲ መናበሪ-ደገፍ ዝሓትት ዘሎ ሰብ፡ ክሰርሕ ዘኽእል ዓቕሚ ወይ ብቕዓት ምስ ዝህሉዎ፡ ክሰርሕ ወይ ከኣ ስራሕ ከናዲ ኣለዎ። ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝዳሎ፡ ሰባት ብቐሊሉ ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ንጥፈታት ምስታፍ'ውን ከም ቅድመ-ኹነት ይስራዕ እዩ። ኣብ ንጥፈታት ዘይሳተፍ ሰብ፡ ሓገዝ ክንፈጎ ይኽእል እዩ። ኣብ ባንኪ ገንዘብ ዘሎዎ፡ ወይ ዝጠቅም ንብረት፡ ንኣብነት ማኪና ዝውንን ሰብ'ውን መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ኣይወሃቦን እዩ።

    ትርፊ-ግዜን ባህልን

    ኮምዩናት ሽወደን፡ ኣብ መዳያት ትርፊ ግዜን ባህልን፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ኣዋዲደን ይርከባ። እዘን ኮምዩናት፡ ማለት ከባብያዊ ምምሕዳራት'ዚኣተን፡ መጻሕፍቲ ብናጻ እትልቅሑለን ኣብያተ ንባብ ኣሎወን። ብትሑት ክፍሊት፡ ቆልዑን መንእሰያትን፡ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ሙዚቃ: ቅብኣን ትያትርን ክመሃሩለን ዝኽእሉ ኣብያተ ትምህርቲ ባህሊ'ውን ክህልወአን ይኽእላ'የን። እዘን ኮምዩናት'ዚኣተን፡ ንማሕበራት'ውን ሓገዝ ከበርክታ ይኽእላ'የን።

    ቤተ መጻሕፍቲ

    ኲላተን ኮምዩናት ሽወደን፡ ተቐማጦአን ዝጥቀሙለን ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣለወአን። ዝበዝሕ እዋን፡ እተን ዕብይ ዕብይ ዝበላ ኣብያተ መጻሕፍቲ 'ስታድስቢብሊዮቴክ' ዝብል ስም ይውሃበን። ኣብ ማእከል ከተማ ድማ ይርከባ።

    ኣብ ዓበይቲ ኮምዩናት፡ ኣብ ከከባቢኡ፡ ንእስ ንእስ ኢለን ፋሕ ዝበላ ኣብያተ ንባብ'ውን ክህሉዋ ይኽእላ እየን። ኣብዘን ኣብያተ ንባብ'ዚኣተን፡ መጻሕፍቲ ክትልቅሑ፡ ጋዜጣታት ክትነቡ፡ ሙዚቃ ክትሰምዑን ኮምፕዩተራት ክትጥቀሙን ትኽእሉ ኢኹም። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተደርሱ መጻሕፍትን ዝተጻሕፉ ጋዜጣታትን'ውን ይርከበን እዩ። ገለ ገለ ኣብያተ ንባብ፡ ልምምድ ቋንቋን ደገፍ ምስራሕ ዕዮ ገዛን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኣሎወን።

    መጻሕፍቲ: ጋዜጣታትን ሲዲን ብናጻ ትልቃሕ። ንኽትልቃሕ ግን ካርዲ ቤተ መጻሕፍቲ (ላይብረሪ ካርድ) የድልየካ። ካርዲ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ማለት ላይብረሪ ካርድ እንተደሊኻ ኸኣ፡ ናብ ዝኾነት ቤተ መጻሕፍቲ ኬድካ ናይ ቤተ መጻሕፍቲ ካርዲ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።

    ኮሚቴ ሃለኽቲ ኣቑሑ

    ኣብ መብዛሕተን ዕብይ ዝበላ ኮምዩናት፡ ኮሚቴ ዕድጊ ኣቑሑ ኣሎ። ሓደ ኣቕሓ ድሕሪ ምዕዳግኩም ዕጉባት ምስ ዘይትኾኑ፡ ናብዚ ኮሚቴ ብምኻድ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከም ዓደግቲ መጠን፡ እንታይ መሰልን ግዴታን ከም ዘለኩም ክትፈልጡ ጽቡቕ እዩ። ዝዓደግኩሞ ግን ከኣ ዘይዓገብኩሙሉ ወይ ብልሹው ንብረት ንምምላስ፡ እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም፡ ካብ ኮሚቴ ዓደግቲ ኣቑሑ ጽጹይ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

    ርክብ ምስ ትካላት መንግስቲ፡

    ምስ መንግስታዊያን ትካላት ሽወደን፡ ብብዙሕ መገድታት ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም። ቅልል ዝበለ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም: መርበብ ሓበሬታ ናይ'ተን ትካላት ክትጥቀሙ ጽቡቕ እዩ። እተን መንግስታውያን ትካላት፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት፡ ሓበሬታ ክህሉወን ልሙድን ርዱእን'ዩ። ማዕከን ማሕበራዊ ውሕስነት፡ ማለት ፎርሸክሪንግስካሳን ንኣብነት: ብ 22 ቋንቋታት ሓበሬታ ኣዳልዩ ይርከብ። ገለ ካብ'ዘን ቋንቋታት ንኣብነት ዓረብኛ፡ ሶማልኛ፡ ፋርሰኛን ሱራኒን ምጥቃስ ይክኣል። ናብ ኣብያተ ጽሕፈታት ናይ'ዘን ትካላት'ዚኣተን ኬድኩም'ውን ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

    መሰል ተርጓሚ

    ቋንቋ ሽወደንኛ ዘይርድኣካ እንተኾይኑ፡ ኣስተርጓሚ ክምደበልካ መሰል ኣሎካ። ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ-ስራሕ:(Arbetsförmedlingen) ኣብ ቤት ጽሕፈት ውሕስነት(Försäkringskassan): ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን(socialtjänsten) ሕክምናን(sjukhus)፡ ኣስተርጓሚ ክምደበልካ መሰል ኣሎካ። ቆጸራ ክትገብር ከለኻ፡ ኣስተርጓሚ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ግድን ከተፍልጥ ኣሎካ።