ብዝሒ ህዝቢ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ኣብ ሽወደን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር። ኣብ'ዞም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቁጽሪ ህዝቢ ሽወደን ወሲኹ። ምኽንያቱ ድማ፡ ናይ ስደተኛታት ምምጻእን ዕድመ ሰብ እናወሰኸ ብምኻዱን እዩ። ኣንስቲ ብገምጋም ክሳዕ 84 ዓመት ዕድመ ሰብኡት ድማ ክሳዕ 80 ዓመት ዕድመ ይጸንሑ። ዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ሽወደን፡ ኣብ ከተማታት'ዩ ዝነብር። ኣብ ከባቢታት ስቶክሆልም፡ የተቦርን ማልመን ጥራይ 3.5 ሚልዮን ህዝቢ ይነብር።

    ሳመራውያን፡ እቶም ብሽወደን፡ ወግዓዊ ኣፍልጦ ወይ ተቐባልነት ዘሎዎም እንኮ ደቀባት እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ኖርወይ፡ ፊንላንድን ራሻን ድማ ይነብሩ። ኣብ ሽወደን፡ ከባቢ 20,000 ዝኾኑ ሳመራውያን ኣለዉ። ሳመራውያን፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፡ ኣብ ሃድን፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ኢደ ጥበብን ኣብ መፍረ ዓጋዘንን ዝተዋፈሩ እዮም። ሳመራውያን፡ ነቲ እንስሳ ዘገዳም ዝኾነ ሸውዓተ ቀርኑ፡ ናብ እንስሳ ዘቤት ክቕይሩ ዝበቕዑ ህዝቢ እዮም። 06 የካቲት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ሳመራውያን እዩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ነርወይ ኣብ 06 የካቲት 1917 ዓ/ም ዝተኻየደ ናይ ሳመራውያን ናይ መጀመርታ ሃገራዊ ምትእኽኻብ'ዩ እታ ዕለት ሃገራዊት መዓልቶም ክትከውን ጸዲቓ።

    ንኣስታት 600 ዓመታት ዝኸውን፡ ሽወደንን ፊንላንድን ሓንቲ ሃገር ስለ ዝነበራ፡ ናይ ሽወደን ፊንላንዳውያን ወይ 'ስቫርያ-ፊናር' ካብ ማእከላይ ዘመን ኣትሒዞም ኣብ ሽወደን ክነብሩ ጸኒሖም። ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 450,000-600,000 ዝኾኑ ናይ ሽወደን ፊንላንዳውያን፡ ኣብ ሽወደን ይነብሩ። እቶም ቋንቋ መኣንኪየሊ ዝዛረቡ ቶርነዳላውያን ብ1809 ዓ/ም ኣብ ክልተ ተኸፊሎም። ድሕሪ'ዚ ኸኣ፡ እቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ምስ ሽወደን፡ እቶም ብምብራቕ ዝነበሩ ድማ ምስ ፊንላድ ተጸንቢሮም። እቶም ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መሬት ሽወደን ዝነብሩ እምበኣር እቶም ንኡሳን(ማይኖር) ዝኾኑ ቶርነዳላውያን እዮም። ዓመተ 2014 ድሕሪ ዝተወስደ ውሳኔ መሰረት ብምግባር፡ 15 ሓምለ፡ 'ዝኽረ ዓመት' ወይ 'ኣኒቨርሳሪ' ናይ ቶርነዳላውያን ኮይና።

    ኣይሁዳውያን፡ ካብ 17 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም እዮም ኣብ ሽወደን ክነብሩ ጀሚሮም። ኣብ 20 ክፍለ ዘመን፡ ከም ሳዕቤን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ንሱ ዘኸተሎ ምህዳን ኣይሁዳዊ መበቆል ዘሎዎም ሰባትን፡ ቊጽሪ ናይ'ቶም ናብ ሽወደን ዝስደዱ ኣይሁዳውያን ክውስኽ ተራእዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣስታት 25,000 ኣይሁዳውያን ኣብ ሽወደን ይነብሩ። ካብ'ዚኣቶም እቶም 4000 ዝኾኑ፡ ቋንቋ ይደኛ ማለት ዪዲሽ ይዛረቡ። ቋንቋ ይደኛ፡ ካብ 2000 ዓ/ም ከም ሓደ ካብ ሃገራዊ ቋንቋታት ንኡሳን(ማይኖሪቲ) ሃገረ ሽወደን ተቖጺሩ ይርከብ።

    ሮመራውያን፡ ካብ 16 ክፍለ ዘመን ጀሚሮም ኣብ ሽወደን ይነብሩ ነይሮም። ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 50.000-100.000 ዝኾኑ ሮመራውያን ኣብ ሽወደን ይነብሩ። ሮመራውያን፡ ናይ ቋንቋ፡ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልያት ዘሎዎም ጒጅለ ኮይኖም፡ ብሓፈሻ ግን ሮማኒ ቺብ ዝብሃል ቋንቋ ይዛረቡ።