ኣከባቢ፡ ተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ ዓቃብነትን

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 6 9 2022

ተፈጥሮኣዊ ዓቃብነት ክብሃል እንከሎ፡ እቲ ሕብረተስብን ትካላቱን ምስ ተፈጥሮ ተሳኒዮም ነቲ ኣከባቢ ብዘይሃሲ መገዲ ክነብሩ ከለዉ ማለት እዩ።

    ኣተሓሕዛ ጎሓፍ

    ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ብዙሕ ጎሓፍ ይእከብ። ካብ ኣባይቲ ዓመታዊ፡ 4.2 ሚልዮን ቶን ዝኸውን ጎሓፍ ይወጽእ። እዚ ማለት ከኣ፡ 430 ኪሎ ግራም ጎሓፍ ካብ ሓደ ሰብ ማለት'ዩ። ነዚ ኹሉ ጎሓፍ ንምእላይ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ይወጽእ። ስለዚ፡ ጎሓፍ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብጽቡቕ ኣገባብ ምእላይ ኣገዳሲ እዩ።

    ዝበዝሕ ካብቲ ንጒሕፎ: ከምብሓድሽ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንዕቅቦ። ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ኩሉ ሰብ ነቲ ጎሓፍ ወጋጊኑ ክድርብዮ ከም ዘለዎ ዝሕብር ሕጊ ኣሎ። ነቲ ጎሓፍ ወይ ነቲ ኣብ ጎሓፍ ዝርከብ ጸዓት ከም ብሓድሽ ናይ ምጥቃም ብልሓት'ውን ኣሎ።

    ዳርጋ ኩሉ ዝካረ ኣባይቲ እንዳ ጎሓፍ ኣሎዎ።

    ከምዚ ክብሃል ከሎ፡ ተረፍ መረፍ-መግቢ፡ ታኒካታት፡ ወይ ሓጺነ-መጺን መሰልቲ፡ ጠራሙዝ፡ ፕላስቲክን ወረቐትን ኣብ ነንበይኑ መቐመጢ ትእክቦ ማለት እዩ።

    ብዙሓት ዋናታት ገዛ፡ ንተኻረይቶም፡ ንመእከቢ ተረፍ-መረፍ መግቢ ዝኸውን ፕላስቲክ ይዕድሉዎም'ዮም። ተረፍ-መረፍ መግቢ ድማ፡ ብሓደ ተኣኪቡን ተደኵዑን ሓመድ ይኸውን።

    ጎሓፍ ክትድርብየሎም እትኽእል ካልኦት ቦታታት'ውን ኣለዉ።

    • መደበር ዳግመ-መዓላ (Återvinningstaion)

    ኣብዚ፡ ዝተጠቕለሉ ጎሓፋት: ጋዜጣታትን ባተርያታትን ክትገድፍ ትኽእል።

    • መደበር ኣከባቢ (Miljöstation)- መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ይርከብ

    ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ንኣከባቢ ሓደገኛ ዝኾኑ ጎሓፋት ምግዳፍ ይክኣል።

    • ማእከል ዳግመ-መዓላ (Återvinningscentral)

    ኣብዚ ቦታ'ዚ፡ ግዝፍ ዝበሉ ጎሓፋት ከምኡ'ውን ሓደገኛ ዝኾኑ ኬሚካላትን ጎሓፋት ኤለክትሮኒክስን ምግዳፍ ይክኣል።

    ምፍልላይ ተረፍ-መረፍ መግቢ

    ተረፍ-መረፍ መግቢ ተኣኪቡ ንድዂዒ ይኸውን። ተረፍ-መረፍ መግቢ ክትውግኖ እንከለኻ፡ እቲ ክነድድ ዝግብኦ ጎሓፍ ይጎድል ኣሎ ማለት'ዩ።

    ከም ተረፍ-መረፍ ኮይኖም ንድዅዒ ዝበቕዑ ነገራት፡

    ተረፍ-መረፍ ዓሳ ወይ ናይ ባሕሪ እንስሳታት፡ ስጋ፡ እንቋቝሖ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ባኒ፡ ቀጠፍ ሻሂ፡ ዳካ ቡን፡ ናይ ቡን ፊልተር፡ ናይ ክሽነ ወረቐት፡ ዕምባባታት፡ ኣትክልትን ሓመድን እዮም።

    ምፍልላይ መዐሸጊታት: ጋዜጣታትን ባተርያታትን፡

    ኣብ ኲላተን ኮምዩናት፡ ከም መዐሸጊታት: ጋዜጣታትን ባተርያታትን ክትድርብየሎም እትኽእል ቦታታት ዳግመ-መዓላ ኣለዉ። ዝተዓሸጉ ጎሓፋት፡ ኣብ ቦታታት ዳግመ-መዓላ ክግደፉ ከለዉ ንቑጻትን ጽሩያትን ክኾኑ ኣለዎም።

    ኣብ ቦታታት ዳግመ-መዓላ፡ ነዞም ዝስዕቡ ዘገልግሉ መዕቆሪታት ኣለዉ፡

    • ጋዜጣታት
    • መዐሸጊታት ወረቐት
    • መዐሸጊታት ፕላስቲክ
    • መዐሸጊታት ሓጺነ-መጺን
    • መዐሸጊታት ሕብራውያን ጠራሙዝ
    • መዐሸጊታት ዘይሕብራውያን ጠራሙዝ
    • ባተርያታት

    ጋዜጣታት

    ጋዜጣ ኣብ ዳግመ-መዓላ ከነውዕል ከለና: ነቶም ዝኣረጉ ኣመጻሪኻ ሓደስቲ ጋዜጣታት ኣብ ምድላው ብዝካየድ መስርሕ ብዙሕ ጸዓት ወይ ሓይሊ ከነድሕን ንኽእል።

    መዐሸጊታት ወረቐት

    ብወረቐት ዝተሰርሑ መዐሸጊታት ንኣብነት ካርቶናት፡ ከም ብሓድሽ ተማጻርዮም ሓድሽ መዐሸጊ ኣብ ምስራሕ ይጠቕሙ።

    ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ መዐሸጊታት

    ልስሉሳትን ተረርትን ዓይነታት ፕላስቲክ፡ ኣብ ዳግመ-መዓላ ክውዕሉ ይኽእሉ'ዮም። ኣብቲ ንፕላስቲክ ተባሂሉ ዝተቐረበ መዕቆሪ፡ መዐሸጊታት ፕላስቲክን ስታይሮፎምን (frigolit) ምድርባይ ይክኣል'ዩ። ብፕላስቲክ ዝተሰርሑ ግን ከኣ ከም መዐሸጊ ዘየገልግሉ ነገራት፡ ንኣብነት ከም ኣስባስላ መሕጸብ ኣቕሑ፡ መጻወቲ ቆልዑ ዝኣመሰሉ፡ ከም ማንም ጎሓፍ ስለ ዝጽብጸቡ ኣብዚ ኣይድርበዩን እዮም።

    ብሓጺን ዝተሰርሑ መዐሸጊታት

    ሓጺን፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዳግመ-መዓላ ብምውዓል ብዙሕ ጸዓት ምቚጣብ ይክኣል።

    ኣብቲ ንሓጺን ተባሂሉ ዝተቐረበ መእከቢ፡ ከም ብሓጺን ዝተሰርሑ ነገራት፡ ዚንጎን ኣለሚንዩምን ምድርባይ ይክኣል።
    ኣብዚ መዕቆሪ'ዚ፡ ሕብሪ ወይ ኮላ ዘሎዎም መዐሸጊ ሓጻውን ዘይምግዳፍ። ምኽንያቱ ሕብርታትን ኮላታትን ከም ሓደገኛ ጎሓፋት'ዮም ዝጽብጸቡ። እዚኣቶም፡ ኣብ መደበር ኣከባቢ (miljöstation) እዮም ክጎሓፉ ዘለዎም። ከም ፍሊት ዝንፍሑ ታኒካታት'ውን ኣብ'ዚ ኣይድርበዩን'ዮም። ንሳቶም'ውን ከም ሓደገኛ ጎሓፋት'ዮም ዝጽብጸቡ።

    መዐሸጊታት ጥርሙዝ

    ጥርሙዝ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዳግመ-መዓላ ምውዓል ይከኣል'ዩ። ጥርሙዝ ኣብ ዳግመ-መዓላ እንድሕር ኣውዒልና፡ ጸዓትን ጥረታት ኣቑሑን ካብ ምብኻን ንድሕን። ዳርጋ 40% ዝኸውን ኣብ ዳግመ-መዓላ ዝውዕል ጥርሙዝ፡ ሓደስቲ ዓይነታት ጠራሙዝ ኣብ ምስራሕ የገልግል። ንኣብነት ናይ ፈሳሲ ጠራሙዝ። ጠራሙዝ ክትጉሕፍ እንከለኻ፡ ሕብሪ ዘለዎምን ዘይብሎምን ፈላልዮም።

    ተረፍ-መረፍ ጎሓፍ

    እቲ ክፍለ ዘይክእል ጎሓፍ፡ ኣብ እንዳ ጎሓፍ ኣብ ዘሎ ልሙድ መጒሓፊ ይድርበ። ኣብ ዓበይቲ መቃጸሊ ቦታታት ከኣ ይቃጸል። ተረፍ-መረፍ ጎሓፍ ክነድድ ከሎ፡ እቲ ዋዒ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ንኣብነት ገዛውቲ ኣብ ምውዓይ ክጠቅም ይኽእል። "ግዳማዊ ዋዒ" ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ።

    ፍርያት ኤለክትሪክ

    ኩሉ እንድርብዮ መሳርሕታት ኤለክትሪክ፡ ጎሓፍ ኤለክትሪክ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኩሉ ጎሓፍ ኤለክትሪክ፡ ኣብ ቦታታት ዳግመ-መዓላ ይግደፍ። ከም ጎሓፍ ኤለክትሪክ ዝጽብጸቡ፡ መብራህቲ 'ፍሎረሰንት'፡ ገመዳት ኤለክትሪክን ባተርያን ዝኣመሰሉ እዮም። ባተርያታት ተኣኪቦም ነንበይኖም ይፈላለዩ።

    ገዘፍቲ ጎሓፋት

    ከም ገዘፍቲ ጎሓፋት ዝጽብጸቡ፡ ንኣብነት፡ ዝኣረጉ ኣቑሑ ገዛ፡ ዝተሰብራ ሽግለታታት ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ገዛ ኽራይ ትቕመጥ እንተ ኾይንካ፡ ገዘፍቲ ጎሓፋት ኣብ ምጕሓፍ ካብ ዋና ገዛ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እንተዘይኮይኑ፡ ናብ ዝምልከቶ ቦታ ዳግመ-መዓላ ውሰዶ።

    ሓደገኛ ጎሓፍ

    ሓደገኛ ጎሓፍ ዝብሃል፡ መርዛም ነገራት፡ ነታጕ፡ ተባራዕን ዝባላዕን ነገራት ክኸውን ይኽእል። ሓደገኛ ጎሓፍ፡ ብውሑድ ዓቐን'ውን እንተኾነ ጒድኣት ከውርድ ይኽእል'ዩ።

    ሓደገኛ ጎሓፍ፡ ምስቲ ልሙድ ጎሓፍ ሓዊስካ ከይትድርቢ ኣስተብህል ኢኻ።

    ሓደገኛ ጎሓፍ፡ ኣብ መደበር ኣከባቢ (miljöstation): ኣብ ቦታ ዳግመ-መዓላ፡ ወይ ከኣ ንሓደገኛ ጎሓፍ ተባሂለን ኣብ ዝተመደባ ፍሉያት መካይን ይግደፍ።

    ኣብነት ሓደገኛ ጎሓፍ፡

    ባተርያታት መካይን፡ ነዳዲ፡ ዘይቲ፡ ሕብሪ፡ ተረፍ-መረፍ ኮላ፡ ክሎሪን፡ መብራህቲ ፍሎረሰንት፡ መብራህቲ ኣምፑል፡ ኣሕቀቕቲ ፈሳሲታት፡ ላክናፍታ፡ መቕጠኒ ሕብሪ፡ ተርፐንቲን፡ ላምባን፡ ኣቸቲናን፡ ነዳዲ መንከስ-ሓዊ: ዝምልኡ ባተርያታትን ስብሒ ዝኣልዩ መሕቀቕትን'ዮም።

    ኣብ ፈቐዶኡ ምድርባይ

    ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ጸገማት፡ ኣብ ደገ ጎሓፍ ምድርባይ እዩ። እዚ ድማ ንተፈጥሮ ሃሳዪ እዩ። ነዚ ጎሓፍ'ዚ ንምጽራይ፡ ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቑጸር ገንዘባዊ ወጻኢታት ይሓትት።

    ማይን ረሳሕ ፈሳስን

    ኣብ ሽወደን፡ ብዙሕ ማይ ኣሎ። እቲ ብቡምባ ዝመጽእ ማይ፡ ጽርየቱ ኣተኣማማኒ'ዩ። ዝበዝሕ እዋን፡ ካብ'ቲ ብጎማ ገዚእካ እትሰትዮ ማይ ከይተረፈ ይበልጽ። ግን ከኣ፡ ዝሑል ማይ ቡምባ ጥራይ'ዩ ጽሩይ። እቲ ውዑይ ማይ ብሰንኪ'ቲ ዝመሓላለፈሉ ሻምብቆታት፡ ረሳሕ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ስለዚ ውዑይ ማይ ቡምባ፡ ክትሰትዮ ኮነ መግቢ ክትሰርሓሉ የብልካን። ማይ፡ ብሻምብቆታት ኣቢሉ ናብ መጻረዪ ቦታ ይኸይድ። ምስተጻረየ ድማ፡ እቲ ተረፍ ኣብ ባሕሪ ይኣቱ። ኩሉ ማይ ኣይጻረን'ዩ። ኩሉ ማይ ካብ መርዛም ባእታ ንምጽራይ ብርቱዕ'ዩ። ስለዚ ኣብ ማይ እንታይ ከም ነፍስስ ከነስተብህልን ጥንቃቐ ከነዘውትርን ይግብኣና።

    ኣብ መተሓላለፊ ረሳሕ ማይ እንታይ ይኣቱ?

    ኣብ መተሓላለፊ ርስሓት፡ ማለት ሽቓቕ ክጉሓፍ ዝግበኦ ርስሓት፡ መሕሰሲ ንጥቀመሉ ወረቐት ሽቓቕን ካብ ኣካላትና ዝወጽእ ርስሓትን'ዩ። ናይ ሽቃቕ ወረቐት፡ ብማይ ዝሓቅቕ ፍሉይ ወረቐት'ዩ። ካልእ ወረቓቕቲ፡ ንኣብነት ወረቐት ክሽነ፡ መሕሰሲ ኢድ ትርኩስ ሶፍቲ፡ ኣብ ሽቓቕ ዘሎ መሕሰሲ ኢድ ሶፍቲ፡ ንሻምብቆታት መተሓላለፊ ረሳሕ ፈሳሲ ክዓብሶ ይኽእል'ዩ። ማይ ኣብ ምጽራይ ድማ ጸገም ክፈጥር ይኽእል።

    ሻምብቆ ረሳሕ ማይ ካብ መርዛማት ከሚካላት ነጻ ምእንቲ ክኸውን፡ ንኸባቢ ዘይጓድኡ ፍርያት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ክዳን ወይ ኣቑሑ ንመሕጸቢ ዘገልግሉ ፈሰስቲ ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ምልክታት 'ስቫነን' (Svanen) ወይ'ብሮ ሚልዮቫል' (Bra miljöval) ዘሎዎም ኣለዉ። መሳርሒታት ሕክምና ወይ መድሃኒት፡ ብፍጹም ኣብ ሻምብቆ ረሳሕ ማይ ክድርበዩ ወይ'ውን ምስ ጎሓፍ ገዛ ክሕወሱ የብሎምን። ዘየድልዩኹም መድሃኒታት ኣብ ፋርማሲ ኬድኩም ክትጉሕፉዎም ኣለኩም። ኣብ ፋርማሲታት፡ ንመደርበዪ መድሃኒታት ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ፌስታላት ኣለኩም።

    ጽዓት

    ኩሉ እንጥቀመሉ ሓይሊ ጽዓትን ሓይሊ ኤለክትሪክን ንኣከባቢና ይጸልዎ'ዩ። ኣብ መጎዓዝያ፡ ኣብ ምማቝ ህንጻታትን ኣብ ኢንዱስትሪታትን ብዙሕ ጽዓት ይፈስስ። ዝበዝሕ እዋን፡ ጽዓት ካብ ነዳዲ፡ ካብ ጋዝን ከሰልን ይምንጩ። እዚ ድማ ንዕቃበ ኣከባቢ ጽቡቕ ኣይኮነን። ነዞም ኣብ ክሊማ ዝረኣዩ ዘለዉ ለውጥታት ንምንካይ፡ ውሕድ ዝበለ ጽዓት ክንጥቀም ይግባኣና። እቲ እንጥቀመሉ ጽዓት'ውን ምስ ኣከባቢ ዝሳነ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ከም ካብ ማይ፡ ንፋስን ጽሓይን ዝርከብ ጽዓት ምጥቃም ንኣከባቢ ግርም እዩ።

    ካብ መካይን ዝወጽእ ጋዝ ንምንካይ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክንዲ ብማኪና: ከም ትራም (spårvagn): ባቡር ትሕቲ ምድሪ (tunnelbana): ካልኦት ባቡራት ወይ ኣውቶቡስ ጌርካ ክትጐዓዝ ትኽእል ማለት'ዩ። ኣብ ክንዲ ብነፋሪት'ውን፡ ብባቡር ክትጐዓዝ ትኽእል ኢኻ። ካብ ዕዳጋታት እንታይ ከም ትገዝእ'ውን ምስትብሃል ጽቡቕ'ዩ። ኣብ ከባቢኻ ዝፈረዩን ዝተሰርሑን ነገራት ክትገዝእ ዝከኣለካ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ዝወሓደ ስጋ ምብላዕ። ከመይ'ሲ፡ ስጋ ንኽበስል ብዙሕ ጸዓት እዩ ዝወስድ። ኣብ ገዛኻ ጸዓት ምቚጣብ'ውን ጽቡቕ እዩ።

    ኣብ ገዛኻ፡ ጽዓት ምቑጣብ

    ኣቕሑ ገዛኻ ኣብ ጥቓ መውዓዪ ናይ ገዛ፡ ማለት ኤለመንት እንተ ዘየቐሚጥካ ጽዓት ትቚጥብ። ምኽንያቱ እቲ ሙቐት ብቐሊሉ ኣብቲ ገዛ ይዝርጋሕ ኣሎ ማለት'ዩ። ዝበዝሕ እዋን፡ መሳርሒታት ኤለክትሪክ ውሉዓት'ዮም። ንመሳርሒታት ኤለክትሪክ ኩሉ ሳዕ ምስ እተጥፍኦም ብዙሕ ጽዓት ትቚጥብ። ገለ ነገር ከተብስል እንከለኻ'ውን፡ ነቲ ድስቲ፡ መኽደኒ እንተ ጌርካሉ ብዙሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትቊጥብ ትኽእል።

    ትሑት ጽዓት ዝወስድ መብራህቲ ተጠቐም። ካብ ገዛ ክትወጽእ ከለኻ ድማ መብራህቲ ኣጥፍኣዮ።

    ሓይሊ ኤለክትሪክ ካበይ ይመጽእ?

    ዝዓበየ ክፋል ሓይሊ ኤለክትሪክ ሽወደን፡ ካብ ሓይሊ-ማይን ኒዩክለራዊ ሓይልን ይመጽእ። ናይ ሃይድሮ ኤለክትሪክ ሓይሊ፡ ኣብ ውሽጢ መብዛሕትኡ ወሓይዝ ሽወደን፡ ብሓይሊ ኤለክትሪክ ዝምንጩ ሓይሊ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ሰለስተ ነቚጣታት መመንጨዊ ሓይሊ ኑክሌር ምስ ዓሰርተ ማሺናት ኒዩክለሳዊ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለትሪክ ትካላት ኣሎዉ። ኑክለሳዊ ሓይሊ፡ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ጠለብ ኤለክትሪክ ሃገረ-ሽወደን ይሽፍን። ካብ ተፈጥሮኣዊ ነዳዲ፡ ነዳድን ጋዝን ዝመጽእ ሓይሊ ኤለክትሪክ ውሑድ እዩ። ተፈጥራዊ ነዳዲ ካብ ኣዕጻው ዝርከብ ነዳዲ እዩ። 10% ሓይሊ ጽዓት፡ ካብ ንፋስ ይርከብ። ጸዓት፡ ካብ ንፋስን ጸሓይን ምውሳድ ጽቡቕ እዩ። ከመይ'ሲ ኣይውዳእን ስለዝኾነ።

    መንግስቲ ሽወደን፡ ንስርዓተ-ጸዓት ብዝምልከት፡ ፍሉይን ዘላቕን ዝኾነ 100% ኣብ ዳግመ-ምሕዳስ ዝምርኮስ ጸዓት ናይ ምጥቃም ሽቶ ኣቐሚጡ ይርከብ።

    ምምራጽ ትካላት ኤለክትሪክ

    ኤለክትሪክ ዝዝርግሓ ትካላት (Elhandelsföretag) ብምቕያር ብዙሕ ገንዘብ ክትቊጥቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ሌገንሀት ዝዓይነቱ ኣፓርታማ ትቕመጡ ምስ እትኾኑ፡ ካብ 400-1000 ክሮነር ዝኸውን መጠን ገንዘብ ክትቊጥቡ ትኽእሉ። ኣብ ቪላ መሳሊ ገዛ ትቕመጡ ምስ እትኾኑ ከኣ ብዓጸፌታ፡ ማለት ብኣሽሓት ዝኸውን ገንዘብ ክትቊጥቡ ትኽእሉ። ኤለክትሪክ ዝዝርግሓ ትካላት እምበር ኤለክትሪክ ዘመንጭዋ ትካላት(Elnätsföretag)፡ ክትቅይሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

    ኤልፕሪስኮለን (Elpriskollen) – ምውድዳር ዋጋታትን ውዕላትን

    ኣብቲ "መርኣዪ ዋጋታት ጸዓት" (Elpriskollen) ዝብል መርበብ ሓበሬታ ኣቲኹም፡ ዋጋታትን ውዕላትን ናይ ኩላተን ኤለክትሪክ ዝዝርግሓ ትካላት ሽወደን ከተወዳድሩ ትኽእሉ ኢኹም።

    ንዘርጋሕቲ ጸዓት ብዝምልከት፡ ካብ ትካል ናብ ትካል ምቕያር ቀሊል እዩ። ነዚ ንምግባር ተሌፎን ደዊልኩም'ውን ክትውድኡዎ ትኽእሉ ኢኹም። መጀመርታ ግን እንታይ ዓይነት ውዕል ከምዘለኩም ረኣዩዎ። ምኽንያቱ ኣብ ገለ ገለ እዋናት፡ ኣብ መንጎ ናይ ውዕል፡ ማለት ውዕልካ ከይተወደአ ዘርጋሕቲ-ጸዓት ምቕያር ክቡር ክኸውን ይኽእል'ዩ።

    ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕላት ኤለክትሪክ፡

    ቀዋሚ ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ (Fast elpris):

    ናይዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ'ዚ ዋጋ፡ ንገለ እዋን፡ ውሱን ማለት ትሙን'ዩ። በቲ ሓደ ወገን፡ ከምዚ ዓይነት ውዕል ክህልወካ ጽቡቕ'ዩ። ምኽንያቱ ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንላዕሊ ክድይብ እንከሎ ውሑስ ኢኻ-ኣይከብረካን'ዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ግን፡ ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክጎድል ከሎ ኣይሓስረልካን'ዩ።

    ተንቀሳቓሲ ወይ ተቐያያሪ ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ (Rörligt elpris):

    ናይዚ ሓይሊ ኤለክትሪክ'ዚ ዋጋ፡ ምስ ኲነታት ዕዳጋ ይቀያየር'ዩ። ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክጎድል ከሎ ይሓስረልካ። ክውስኽ ከሎ ድማ ይኸብር። ኣብዚ ውዕል'ዚ፡ ዋጋ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክውስኽን ክጎድልን ይኽእል'ዩ።

    እዋናዊ ዋጋ (Tillsvidarepris):

    እዚ፡ ባዕልኻ ዝሕሸካ እንተዘይመሪጽካ ብቐጥታ ዝውሃበካ ዋጋ'ዩ። እዚ ዋጋ'ዚ፡ ተንቀሳቓሲ'ዩ። ኣብ ዓመት ከኣ፡ ዳርጋ 3 ሻዕ ይቀያየር። እዋናዊ ዋጋ፡ ዝበዝሕ ግዜ፡ ካብ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ዋጋ ይኸብር።

    ምስ ኣከባቢ ዝሳነ ኤለክትሪክ (Miljömärkt el) ወይ ሓምላይ ኤለክትሪክ (grön el):

    ምስ ኣከባቢ ዝሳነ ኤለክትሪክ ክብሃል እንከሎ: እቲ እትጥቀመሉ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ካብ ምስ ኣከባቢ ዝሳነዩ ምንጭታት፡ ከም ሓይሊ-ንፋስን ሓይሊ-ማይን ዝፈረየ ማለት'ዩ።