ኮርሳት ሽወደንኛ

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 20 2 2026

ኣብዚ ብዛዕባ ዝተፈላለያ ናይ ሽወደንኛ ኮርሳት ዝህባ ንጥፈታት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ትምህርትታት ንዓኻ ሓታት ዕቑባ ዘለኻ ዝኾኑ እዮም። እቶም ካልኦት ድማ ንዓኻ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህበካ ዝኾኑ እዮም።

ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (Sfi፡ ኤስ.ኤፍ.ኢ)

ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (Sfi፡ ኤስ.ኤፍ.ኢ) ንዓኻ ሽወደንኛ ቋንቋ ኣዴኻ ዘይኮነ፡ ዝኸውን ሓደ ትምህርቲ እዩ። ኣብቲ ትምህርቲ ብቋንቋ ሽወደን ምዝራብ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ክትመሃር ክትክእል ኢኻ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ፍልጠት ክትረክብ ክትክእል ኢኻ። እቲ ትምህርቲ ገንዘብ ዘይክፈሎ ብነጻ እዩ።

ነዚ ዝስዕብ ምስ እተማልእ ካብ 1 ሓምለ ናይታ 16 ዓመት ትመልኣላ ዓመት ጀሚርካ ኤስ.ኤፍ.ኢ ክትመሃር መሰል ኣለካ

  • መሰረታዊ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደን ምስ ዘይህልወካ
  • ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ድሮ ምዝጉብ ወይ ክትምዘገብ እንተ ዄንካ።

ናይ ምሉእ ሰዓታት ወይ ናይ ከፊል ሰዓታት ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ

ኤስ.ኤፍ.ኢ ብምሉእ ሰዓታት ወይ ብከፍል ሰዓታት ትምህርቲ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኤስ.ኤፍ.ኢ ብከፊል ሰዓታት ትምሃር እንተ ዄንካ፡ ነቲ ትምህርቲ ምስ ስራሕ፡ ልምምድ ወይ ካልእ ትምህርቲ፡ ከም ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ካልእ ትምህርቲ ኣብ ኮምቩክስ (ቤት ትምህርቲ ንዓበይቲ) ከተወሃህዶ ትኽእል ኢኻ። ብከፊል ግዜ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ እንተሃሊኻ፡ ኤስ.ኤፍ.ኢ ብከፍል ሰዓታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ካብታ ኣብ ኤስ.ኤፍ.ኢ ዝተመዝገብካላ ዕለት ጀሚርካ ነቲ ትምህርቲ ክትውድኦ ሰለስተ ዓመት ኣለካ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር

እቲ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ተመዝጊብካ ትነብረሉ ኮሙን እዩ ነዚ ናይ ኤስ.ኤፍ.ኢ ትምህርቲ ዘዳሉ። ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ኤስ.ኤፍ.ኢ ኣብ ካልእ ኮሙን ክትመሃር እውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገሊኡ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ (ፎልክሆግስኮላ) እውን ኤስ.ኤፍ.ኢ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት (ኤስ.ኤፍ.ኢ) ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ’ቲ ትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር። ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን (ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ) ምዝጉብ ምስ እትኸውንን፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ምስ እትህሉን፡ ምስ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን ዘሎ ተሓዝ ጕዳይካ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ካብ 1 ጥሪ 2026 ጀሚሩ ንኤስ.ኤፍ.ኢ ዝምልከት ሓድሽ ሕግታት

ንስኻ ኤስ.ኤፍ.ኢ ድሕሪ 1 ጥሪ 2026 ክትመሃር ዝጀመርካ፡ ነቲ ትምህርቲ ክትውድኦ ሰለስተ ዓመት ኣለካ። እቲ ግዜ ካብቲ ኣብቲ ትምህርቲ ዝተመዝገብካሉ ዕለት ጀሚሩ ይቑጸር። ነቲ ዕለት ኣብ ውልቃዊ መደብ ትምህርትኻ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ቅድሚ 1 ጥሪ 2026 እንተ ኴንካ ኣብ ኤስ.ኤፍ.ኢ ተመዝጊብካ፡ ካብታ ዕለት ጀሚሩ ነቲ ትምህርቲ ክትውድኦ ሰለስተ ዓመት ኣለካ። እዚ ማለት፡ እንተ ደንጎየ ናይ ግድን 31 ታሕሳስ 2028 እቲ ትምህርቲ ክትውድእ ኣለካ ማለት እዩ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ናይ ኤስ.ኤፍ.ኢ ትምህርትኻ ክትውድእ ምስ ዘይተርክብ፡ ኣብ ገለ ገለ ኵነታት ተወሳኺ ግዜ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ግዜ ቅድሚ ምውድኡ ተወሳኺ ግዜ ክትሓትት ኣለካ። ትምህርትኻ ንምውዳእ ተወሳኺ ግዜ ንምሕታት ምስ ናይ ኤስ.ኤፍ.ኢ መምህርካ ወይ ትነብረሉ ኮሙን ተራኸብ።

ተወሳኺ ግዜ ንምርካብ፡ ንኣብነት ከም ሕማም ወይ ስንክልና ከም ዘለካ ወይ ኣብ ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ምህላውካ ዝኣመሰለ ፍሉይ ምኽንያታት ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ምኽንያት ካልእ ትምህርቲ ንምምሃር ወይ ስራሕ ንምስራሕ ትምህርትኻ ኣቋሪጽካ ስለ ዝነበርካ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ትነብረሉ ኮሙን እዩ ተወሳኺ ግዜ ክወሃበካ እንተ ኾይኑ ዝውስን።

ሽወደናዊ ከም ካልኣይ ቋንቋ

ናይ ኤስ. ኤፍ. ኢ. ትምህርትኻ ወዲእካ እንተ ኴንካ፡ ትምህርቲ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ ምምሃር ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ንኸተመልክት ሓገዝ ንምርካብ ምስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣባጽሕ ዝሰርሕ ናይ ትምህርትን ሞያን ኣማኻሪ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን (ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ) ምዝጉብ ምስ እትኸውንን፡ ኣብ መደብ መትከል እግሪ ትሳተፍ ምስ እትህሉን፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ኣርበትስፎርመድሊኘን ንዘሎ ተሓዝ ጕዳይካ ክትውከሶ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ሞያ ሽወደንኛ (Yrkessvenska)

ናይ ሞያ ሽወደንኛ፡ ምስ እተፈላለየ ጽላታትን ሞያታትን ዘድሊ ቃላት ከም ዝሰማማዕ ዝተገብረ ትምህርቲ ሽወደንኛ እዩ። እዚ፡ ኣብ ሓደ ውሱን ሞያ ክትሰርሕ ንኽትክእል እቲ ዘድልየካ ሽወደንኛ ትምሃር ማለት እዩ።

ኣብ ትምህርቲ ናይ ሞያ ሽወደንኛ ክትሳተፍ ንኽትክእል ኣብ ኣርቤትስፎርመድሊኘን ዝተመዝገብካ ክትከውን ኣለካ። ነዚ ትምህርቲ ምምሃር ክትጅምር ትኽእል እንተ ዄንካ ዝውስን ኣርቤትስፎርመድሊንኘን እዩ።