ርክባት

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 24 8 2023

ብዛዕባ ናይ መርበብ ሓበሬታ Informationsverige.se ዚምልከት ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ናይ ርክብ ሓበሬታ ኣብዚ ትረክብ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ ናብ ሽወደን ሓድሽ መጻኢ ንዝኾንካ ብቕልል ዝበለ መገዲ ሓበሬታ ንኽትረክብ ዝተዳለወት እያ። ሽወደን ከም ሃገር ከመይ ከም ትሰርሕ ወይ ንኣብነት ዑቕባ ከመይ ጌርካ ከም ትሓትት ሕቶታት ምስ ዝህልዉኻ ንዝምልከቶ ብዓል መዚ ክትሓትት ይግባእ።

ንሕቶታተይ መን ይምልሰለይ?

ንጉዳይ ዑቕባ፣ ፍልሰት፣ ናይ ስራሕ ፍቓድ፣ ናይ መንበሪ ፍቓድን ካልእን ዝምልከቱ ሕቶታት ንሚግራሹንስቫርከት ክሕተቱ ይግባእ። ኣብ ሽወደን ንኽነብሩ ዘመልክቱ፣ ንኽበጽሑ ዝመጹ፣ ካብ ሃድን ኣምሊጦም ዑቕባ ዝሓቱን ንሽወደናዊ ዜግነት ዘመልክቱን፣ ሚግራሹንስቫርከት ነዞም ዝተጠቕሱ ጉዳያት ዝምርምር መንግስታዊ ትካል እዩ።

ብዛዕባ ስራሕ ምንዳይ፣ ንጥፈታት ምትካል እግርን ካልእን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ንቤት ጽሕፈት ዕዮ ተወከሶም።

ብዛዕባ ሌላ ሕብረተሰብ ንሓደስቲ መጻእቲ ስደተኛታት ወይ ከኣ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኻ ንናትካ ምምሕዳር ተወከስ።

ሓበሬታ ብዛዕባ ክፍሊት መትከል እግሪን ገንዘብ ዝመጻሉ ዕለትን እንተደሊኻ ንካሳ ውሕስነት ተወከስ።

ንመለለዪ መንነት ቁጽሪ ዝምልከት ሕቶ እንተለካኣ፣ ናይ ውልቂ መረጋገጺ ሰነድ ወይ ከኣ ናይ ነባርነት መዝገብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ተወከስ።

ንትሕዝቶ ናይዞም መርበብ ሓበሬታታት ዝምልከት ሕቶታት ወይ ሓሳብት እንተ'ለካ ኾይኑ ወይ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ተክኒካዊ ጸገማት እንተ ኣጋጢሙካ ምሳና ኣብ Informationsverige.se ርክብ ግበር። መይል ብቋንቋ እንግሊዘኛን ሽወደንን ጥራሕ ኢና ንምልስ።