ርኸቡና

ናይ መጠረሽታ ዝተሓደሰሉ: 22 12 2025

ቴክኒካዊ ጸገማት የጋጥመካ ድዩ ወይ ብዛዕባ Informationsverige.se ካልእ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ብኢ-መይል ርኸበና! ካብቲ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ ንላዕሊ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ግን፡ ምስቲ ናይ ትደልዮ ዘለኻ ሓበሬታ ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል መዚ ክትራኸብ ኣለካ።

ብዛዕባ እዚ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወካ፡ ኢ-መይል ስደደልና

ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ኣብ Informationsverige.se ኢ-መይል ክትሰደልና ትኽእል ኢኻ

  • ብዛዕባ እዚ መርበብ ሓበሬታ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ
  • ብዛዕባ እንታይ ክንጽሕፍ ከም እንኽእል ሓሳባት ምስ ዝህልወካ
  • ነዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ትጥቀመሉ እዋን ቴክኒካዊ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ።

ብኢ-መይል ኣብ ንምልሰሉ፡ ብሽወደንኛ ወይ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ኢና ክንምልስ ንኽእል።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ እትደሊ፡ ምስ ዝምልከቶ በዓል መዚ ርክብ ግበር

ካብቲ ኣብ Informationsverige.se ክትረኽቦ እትኽእል ንላዕሊ ሓበሬታ እንተደሊኻ፡ ምስቲ ናይ ትደልዮ ዘለኻ ሓበሬታ ሓላፍነት ዘለዎ ብዓል መዚ ክትራኸብ ኣለካ። Informationsverige.se ኣብ ውልቃዊ ጉዳያትካ፡ ንኣብነት ዕቑባ ክትሓትት እንተደሊኻ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ።

ምስ ኣየናይ ብዓል መዚ ክራኸብ ኣለኒ?

ብዛዕባ ዕቑባ፡ ፍልሰት፡ ናይ ስራሕ ፍቓድን መንበሪ ፍቓድን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ብዓል መዚ ኢሚግረሽን ክትራኸብ ኣለካ።

ብዛዕባ ምድላይ ስራሕን ጻዕርታት እግሪ መትከልን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ኣርበትስፎርመድሊኘን ክትራከብ ኣለካ።

ብዛዕባ ትምህርቲ ልልይ ምስ ሕብረተ ሰብ ወይ ትምህርቲ ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት ዜግነታዊ ዝያዳ ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ኮሙንካ ክትራኸብ ኣለካ።

ብዛዕባ ክፍሊት መትከል እግርን ብኸመይ ከም ዝኽፈልን ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ቤት ጽሕፈት ካሳ ውሕስነት (Försäkringskassan) ክትራኸብ ኣለካ።

ብዛዕባ ውልቃዊ ቍጽሪ መንነት፡ ውልቃዊ መረጋገጺ መንነት (personbevis)፡ወይ ህዝባዊ ምዝገባ ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ምስ ብዓል መዚ ግብሪ ክትራኸብ ኣለካ።